ኣብ ኡጋንዳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ህይወት 21 ሰባት ሓሊፉ


 

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ/6/ 2016 /ኢዜአ/ ኣብ ኡጋንዳ  ኪቲዚ ብ ዝተብሃለ ስፍራ መዋህለሊ ጉሓፍ   ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት፥ ኣብ ልዕሊ ሰባት፣ እንስሳትን ኣባይቲን ጉድኣት ከምዘብፀሐ ተገሊፁ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ኡጋንዳ ካምፓላ ብዝወቐዐ ከቢድ ዝናብ ዘስዐቦ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ክሳብ ሕዚ ህይወት 21 ሰባት ከምዝሓለፈ ተሓቢሩ።

ኣብታ ከተማ ኪቲዚ ብዝተብሃለ መዋህለሊ ጉሓፍ

 ነበርቲ ኣብ ዝደቀሱሉ ሰዓት ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት፥ ኣብ ልዕሊ ሰባት፣ እንስሳትን ኣባይቲን ጉድኣት ከምዘብፀሐ ተፈሊጡ

እቲ ሓደጋ ስዒቡ ድማ ክሳብ ሕዚ 21 ሰባት ህይወት ከምዝሓለፈን ልዕሊ 1 ሺሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉን ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ዩዌሪ ሙሴቬኒ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ናይ ምውፃእ ስራሕ ንኽስራሕ መምርሒ ከምዝሃቦም ተዛሪቦም።

እዚ ስራሕ ድማ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ሮቢናህ ናባንጃ ዘተሓባብረኦ ከምዝኾነ ምግላፆም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም