ፖለቲካ
ካብ ማሕበረሰብ ዝለዓሉ ሕቶታት ንምፍታሕ ብትኹረትን ምትሕብባርን ክስራሕ ኢዩ- ኣይተ ደስታ ሌዳሞ
Feb 23, 2025 3
  ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/16/ 2017 /ኢዜአ/ካብ ማሕበረሰብ ዝለዓሉ ሕቶታት ንምፍታሕ ብትኹረትን ምትሕብባርን ክስራሕ ኢዩ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ሲዳማን ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም። ካብ ከተማ ኣዳማ፣ ዞባ ምብራቕ ሸዋን ኣርሲን ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝተሳተፍሉ ኣብ ከተማ ኣዳማ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ይካየድ ኣሎ። እቲ መድረኽ፥ “ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ” በዘብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ዝተቐመጡ ውሳነታትን ኣንፈታትን ከምኡውን ኣብ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ዘተ ይግበር ኣሎ። ኣይተ ደስታ ሌዳሞ፥ ፓርቲ ብልፅግና ካብ ዝምስረት ሓፂር እዋን ዝገበረ እንተኾነ አውን ብዙሓት ለውጢታት እናመዝገበ ከምዝርከብ ኣብሪሆም። ፓርቲ ብልፅግና ናይ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ሓበራዊ ዕድልን ሓበራዊ ቤትን ኢዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም። እቲ ፓርቲ ኣብ መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤኡ ዘቐመጦም ውሳነታት ትልሚን ኣንፈታት ትኹረትን መንግስቲ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
ፓርቲ ብልፅግና ንሰላማዊ ዘተ በሩ ኩሉ ግዘ  ክፍቲ ኢዩ-ኣብረሃም በላይ(ዶ/ር)
Feb 23, 2025 3
  ኣዲስ ኣበባ ለካቲት/16/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ከተማ ሸገር ህዝባዊ ኮንፈረንስ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣብረሃም በላይ(ዶ/ር)፥ እቲ ፓርቲ ሓድነት ንምጥንኻር ገዛእቲ ያታታት ንክፍጠሩ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም። ፀገማት ብዘተ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ብምምዕባል ዘላቒ ህንፀት ሰላም ንምንጋስ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ገሊፆም። እዚ ንክዕወት ናይ ኩሉ ሰብ ተሳትፎ ወሳኒ ከምዝኾነ እወን ሓቢሮም። ፓርቲ ብልፅግና ንሰላማዊ ዘተ ኩሉ ግዘ በሩ ክፍቲ ከምዝኾነ እውን ኣረጋጊፆም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣረጋ ከበደ ብግደኦም፥ ዝተቐመጡ ኣንፈታትን ብምትግባር ሃገራዊ ሸቶታት ምዕዋት ከምዝግባእ ገሊፆም። ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካ፣ በማህበራዊ፣ ዲፕሎማሲን ወዘተ ዓወታት ከምዘመዝገበ ኣብሪሆም። ኢትዮጵያ ብኹሎም ዓውዲታት ናብ ብራኸ ዝወስዱን ባህጊ ህዝቢ ዘረጋግፁን ተግባራት ይካየዱ ከምዘለዉ ተዛሪቦም። እቲ ፓርቲ ኣብ መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ረብሓ ኢትዮጵያን ህዝባን ዘሕልዉ ከምኡወን እዛ ሃገር ኣብ ዓለም ግቡእ ቦታ ንክትሕዝ ዝገብሩ ውሳነታት ምትሕልላፉ ኣዘኻኺሮም። ስለዝኾነ ዝተቐመጡ ኣንፈታት ብምትግባር ሃገራዊ ሸቶታት ንምዕዋትን ስራሕቲ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ብምርብረብ ምስላጥ የድሊ ኢሎም።
ታጂኪስታን ንስግግር ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንኢዳም
Feb 21, 2025 20
  ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/14/ 2017 /ኢዜአ/ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር ምስ ሚኒስትር ንግዲን ኢኮኖሚ ልምዓትን ታጂኪስታን ዛቭኪዞዳ ዛቭኪ ኣሚን ተዛቲዮም ኣብ ዘተኦም ድማ ኣምባሳደር ጀማል÷ ኢትዮጵያ ናብ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ዝገበረቶ ዕዉት ስግግር ኣመልኪቶም ነቶም ሚኒስትር ገለፃ ገይሮም፡፡ ኢትዮጵያ ን ለውጢ ከባብያዊ አየር ዘይብዳህ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ብዙሓት ተበግሶታት ከም ዝጀመረት እውን ኣብሪሆም፡፡ በዚ ድማ ሕርሻ፣ ማይን ሓይሊን ለውጢ ከባብያዊ አየር ክፃወር ዘኽእል ብሄራዊ ትልሚ መስተኻኸሊ ከምዝተጀመረ ኣልዒሎም፡፡ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 40 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ምግላፆም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ዛቭኪዞዳ ዛቭኪ ኣሚን ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ናብ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ዝገበረቶ ዕዉት ሰግግር ንኢዶም፡፡ ኣብ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት፣ ዝሕደስ ሓይሊን ካልኦትን ክልተኣዊ ምትሕብባር ንምድንፋዕ መንግስቶም ብቖራፅነት ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ እናተፃወተቶ እትርከብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ዝነኣድ ኢዩ - ሕቡራት መንግስታት
Feb 21, 2025 27
  ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/14/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ኣብቲ እናተፃወተቶ ትርከብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ምክትል ዋና ፀሓፊን ሓላፊ ድሕንነት ፀጥታን ጊልስ ሚቻውድ ንኢዶም፡፡ ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ምስ ጊልስ ሚቻውድ ዝተዛተያ እንትኾና፤ ኣብቲ እዋን ዘተ ኢትዮጵያ ንሕቡራት መንግስታት ቁልፊ መሓዛ ከምዝኾነት እቶም ምክትል ዋና ፀሓፊ ኣልዒሎም፡፡ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያን ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ ዝገብሮ ወሳኒ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ፃዕሪ ህንፀት ሰላምን ልምዓትን ግደ ኢትዮጵያ ንኢዶም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ሰላምን ንድሕንነት ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታት ቅድሚያ ኣብ ምሃብን ንእትሰርሖም ስራሕቲ እውን ናእደኦም ገሊፆም፡፡ እተን ሚኒስትር ብግደአን ኢትዮጵያ ንሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ትገብሮ ሓገዝ ቀፃሊ ከምዝኸውን ብምርግጋፅ፤ ምሕዝነታ ክትቅፅል ኢያ ምባለን ሓበሬታ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል የመላኽት፡፡ ብተመሳሳሊ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ጊልስ ሚቻውድ ኣብ ዝገበሩዎ ውድድር፤ ኣብ ጉዳያት ዞባዊ ሰላምን ፀጥታን ከምዝዘተዩ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡
ኢትዮጵያ ምስ ህንዲ ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ዘለዋ ምትሕብባር ንክጠናኸር ትደሊ እያ-ሚኒስትር ዲኤታ ሃሰን መሓመድ
Feb 21, 2025 23
  ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት /14/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ምስ ህንዲ ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ዘለዋ ምትሕብባር ንክጠናኸር ድሌት ከምዘለዋ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ሃሰን መሓመድ ገሊፆም። እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ምስ ሰብ ሃፍቲ ማሕበር ኢንዱስትሪ ህንዲ (Confederation of Indian Industry) ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ዘትዮም። እቲ ዘተ፤ እቶም ሰብ ሃፍቲ ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ዝዋፈርሉ ኩነታት ዝጠመተ እዩ። እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ መንግስቲ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅን ብልፅግና ኢትዮጵያ ክውን ንምግባርን ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ብፍሉይ ትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ሓቢሮም። ኣብቲ ዓውዲ ንዝዋፈሩ ኢንቨስተራት ወፃኢ እውን ምችው ማዕቐፍ ሕጊ ኢንዱስትሪ ካብ መድላው ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ከምዝተመቻቸዉ ገሊፆም። ኢትዮጵያን ህንድን ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ዘለወን ምትሕብባር ምጥንኻር ንዕቤት ኢንዱስትሪ ከምኡ እውን ንሽግግር ቴክኖሎጅን ፍልጠትን ልዑል እጃም ከምዘለዎ ተዛሪቦም። ካብ ማሕበር ኢንዱስትሪ ህንዲ ዝመፁ ሰብ ሃፍቲ ብግደኦም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ መዋእለ ንዋይ ኢንቨስት ንምግባር ምችው ኩነታት ከምዘሎ ከምዝተረድኡ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሓተመ ሓዱሽን ዘበናዊ ፓስፖርት ዕላዊ ኮይኑ
Feb 21, 2025 23
  ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/14/ 2017 /ኢዜአ/እዋኑ ዝበፅሖ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ኣብ ትዮጵያ ዝተሓተመ ሓዱሽ ፓስፖርት ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ዝተረኸቡሉ ዕላዊ ኮይኑ፡፡ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ “ኤሌክትሮኒክ ፓስፖርት ተግባራዊ ምግባርና ምስሊ ሃገር ካብ ምህናፅ ሓሊፉ ንዜጋታት ዝተውሃበ ክብሪ ዘርኢ ኢዩ” ኢሎም፡፡ እቲ ፓስፖርት ሓበሬታን ኣሰር ኢድን ናይቲ ውልቀሰብ ዝሓዘ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ቺፕስ ኣለዎ ተባሂሉ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰርሐ እቲ ፓስፖርት፤ ናይ ቪዛ ገፃት መልክዕ ኢትዮጵያ ዝሓዙ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ። እዚ ድማ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢድ ወፃኢ ሃገር ኣፍረይቲ ትካላት ዝነበረ ዲዛይን ሙሉእ ብሙሉእ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክሽፈን ከምዝገበረ ተገሊፁ፡፡ ቅድሚ ሕዚ ይወፅእ ዝነበረ ሸርፊ ወፃኢ ክተርፍ ብምግባር ኣታዊ ናብ ምፍልፋል ከምዘሰጋግር እውን ተሓቢሩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ቴዎድሮስ ምሕረት፣ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ፣ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ሰላማዊት ዳዊትን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ተረኺቦም። እቲ ሓዱሽ ኢ-ፓስፖርት ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ምጭብርባርን ንምክልኻል ዘኽእል ዝለዓለ ባህሪ ድሕንነት ዘለዎ እንትኸውን፤ ባዮሜትሪክ ሓበሬታ ውልቀ ሰብ ሓዊሱ ኣሰር ኣፃብዕቲ፣መፍለዪ ገፅን ኤልክትሮኒክ ቺፕስን ዝሓቖፈ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ብብርኪ ዓለም ዝተቐመጡ ረቛሕታት ዘማልአን ዓለም ለኸ ተቐባልነት ዘለዎን ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ። እቲ ኢ-ፓስፖርት ብሆልዲንግ ኢንቨስተመንት ኢትዮጵያን ማሕበር ኣክሲዮን ቶፓን ሴኪዩሪቲ ኢትዮጵያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምዝተመረተ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።
ኢትዮጵያ ምስ ጃፓን ኣብ ዓውዲ ንግዲ ዘለዋ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘኽእል ስራሕ እናሳለጠት እያ
Feb 20, 2025 19
  ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት/ 13/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ምስ ጃፓን ኣብ ዓውዲ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለዋ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘኽእል ስራሕ እናሳለጠት ከምዝኾነት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን ዳባ ደበሌ ገሊፆም። ኣምባሳደር ዳባ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ጃፓን ኣብ ክዳውንትን ዝተፈላለዩ ጅምላ ንግድን ዝተዋፈረ ኩባንያ “KYO-ROMAN GROUP HOLDINGS” ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ዘትዮም። እቶም ኣምባሳደር ነቶም ኣመራርሓ ዕድላትን ኣማራፅታትን ንግዲ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ገለፃ ገይሮም። ኢትዮጵያን ጃፓንን ወነንቲ ዘኹርዕ ባህሊ ምዃነን ብምሕባር፤ ኣብ ቶኪዮ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምትሕብባር ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ንግድን ኢቨስትመንትን እተን ሃገራት ንምጥንኻር እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣረዲኦም። ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ኩባንያ ብግደኦም፤ ተቐባልነት መኣድን ኦፓን ኢትዮጵያ ልዑል ከምዝኾነ ብምግላፅ እቲ ፍርያት ብስፍሓት ናብ ጃፓን ንምእታው ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም። እቲ ኩባንያ ከም ኣቆፃፅረ ኣውሮፓ 2025 ኣብ መጀመርታታት ወርሒ ሰነ በዓል ምስረትኡ እንተኽብር መዓድን ኦፓል ኢትዮጵያ ከምዘፋልጥ ምግላፆም እውን ሓበሬታ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቶኪዮ የመላኽት።
ምትሕብባር ኩለ መዳይ ዲፕሎማሲ ኢትዮ-ሩሲያ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ
Feb 20, 2025 20
  ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/13/ 2017 /ኢዜአ/ምትሕብባር ኩለ መዳይ ዲፕሎማሲ ኢትዮ-ሩሲያ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሱ ገሊፆም። ፕሬዚዳንት ታዬ ምስ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሩሲያ ቫለንቲና ማትቪንኮ ዘቲዮም። ኣብቲ ዘተ፥ ታሪካዊ፡ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ዲፕሎማሲያዊን ሕውነትን ምትሕብባርን ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ተላዚቦም። ፕሬዚዳንት ታዬ፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሳይንስ፣ ትምህርቲ፣ ባህሊን ካልኦት ኢኮኖሚያዊን ዲፕሎማሲያዊን ዓውዲታት ዘለወን ምትሕብባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም። ኣፈ-ጉባዔ ቫለንቲና ማትቪንኮ ብግደአን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርኡ ዑደት ኩለ መዳያዊ ምትሕብባር እተን ሃገራት ምጥንዃር ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪበን። እዚ ከም እዚ እናሀለወ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብምርካብ ነተን ኣፈ ጉባኤ ሰኒየሙወን። ቫለቲና ማትቬንኮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረን ዑደት፥ ኣዝየን ከምዝተሓጎሳን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ድልዱል ኮይኑ ንክቕፅል ዘኽእል ኩነታት ምርኣየን ገሊፀን።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ኩለ መዳያዊ ውፅኢታት ልምዓት ፍልጠትን ብቕዓትን ብዝተሓንገጠ ኣመራርሓ ዝተረኸበ እዩ
Feb 20, 2025 22
  ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት /13/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ኩለ መዳያዊ ውፅኢታት ልምዓት ብጥበብ ፍልጠትን ብቕዓትን ዝተሓንገጠ ኣመራርሓ ዝተረኸበ ከምዝኾነ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ቪክቶር ኦላዱኩ (ዶ/ር) ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ዝሓዝቶ ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት ዘኽእሉ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምትርከብ እቶም ኣማኻሪ ሓቢሮም። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ቪክቶር ኦላዱኩ (ዶ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ እናተሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ “እታ እንደልያ ኣፍሪካ ክውን ምግባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣፍሪካ ን50 ዓመት እትምረሐሉ ኣጀንዳ 2063 ቀሪፃ ተግባራዊ እናገበረት ከምትርከብን ሃገራት እውን እቲ ትልሚ ንምዕዋት ብትኹረት እናሰርሓ ከምዝርከባን ኣረዲኦም። እቶም ኣጀንዳታት 7 ኣንፈታት ትኹረት ዝሓዙ እንትኸውን፤ ዕቤት ኣፍሪካ፣ድሕንነት ዜጋታትትን ዓለም ለኸ ተቐባልነት ንምርግጋፅ ኣኽኣሊ ኩነታት ምፍጣርን ምዃኖም ኣብራህሪሆም። ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ተሳልጦም ዘላ ስራሕቲ ልምዓት ዜጋታት ናብ ዝሓሸ ብርኪ መነባብሮ ዘሸጋግሩ እዮም ኢሎም። ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ እውን ብብርኪ ኣፍሪካ መርኣያ ዝኸውን ስራሕ ልምዓት ስርናይ እቲ ሓደን ቀንድን ከምዝኾነ ብምብሕባር፤ እዚ ድማ ዝበልፀገት ኣፍሪካ ክውን ኣብ ምግባር ርኡይ እጃም ከምዘለዎ ፀሪሖም። ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሳለጥ ልምዓት ስርናይ ብዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ሕጉስ ከምዝኸነ ብምሕባር፤ ዕቤት እቲ ውፅኢት ድማ ሓባራዊ ዓወት እዩ አሎም። ኣብ ኢትዮጵያ ከም መርኣያ ዝፅርሑ ስራሕቲ ልምዓት ውፅኢታዊ ብምዃኖም ዝነኣድን ዝተባባዕን ተግባር ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ኣብ ፍልጠት መሰረት ዝገበረ ብቕዓትን ሜላን ኣመራርሓ ከምዘሎ ብተግባር ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም