ዓለም ለኸዊ ዜናታት
"ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ኣፍሪካ ንዘጋጥሙ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ትምህርቲ ክኸውን ይግባእ"-ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬ
Feb 17, 2025 41
  አዲስ አበባ/የካቲት/10/2017/ኢዜአ/ስምምዕ ፕሪቶርያ ንኣፍሪካ ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ንምፍታሕ ከም ትምህርቲ ክውሰድ ይግባእ ክብሉ ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፣ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬ ገሊፆም። ኣብታ ኣህጉር ኣብ ሰላምን ፀጥታን ዝረአ ዘሎ ምዕባለን ኩነታት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣፍሪካን ብዝምልከት ንማዕከናት ዜና መግለፂ እንትህቡ፣ ኣብ መላእ ኣህጉር ብዛዕባ ሰላምን ፀጥታን ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዘንፀባርቕ እዩ። ኣብ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ሱዳን፣ሳሕል፣ሊብያ፣ ሞዛምቢክን ዘሎ ኩነታት ኣሰካፊ ምዃኑ ገሊፆም። ኣብ ሞንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣብ ኣፍሪካ ፀገማት ንምፍታሕ ከም ትምህርቲ ክውሰድ ይግባእ ኢሎም። ከም መግለፂ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬ፤ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ሶማልያ ዘሎ ጎንፂ ኣብ ምቅላል ተራኦም ይፃወቱ ኣለዉ። ንዚ ድማ ካብ ፈንድ ሰላም ሕብረት 10 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተገይሩ ኣሎ ። ኣፍሪካዊ ፍታሕ ንፀገማት ኣፍሪካ ብዝብል ኣምር’ውን ነቲ ፀገም ፍታሕ ክረክብ ክደፍእ እዩ። ፀገማት ኣፍሪካ ዝተዋደደ ስጉምቲ ከምዘድሊ ብምግላፅ፤ ማሕበረሰብ ዓለም ድጋፍ ክገብር ፀዊዖም። ኣብ ሪፐብሊክ ኮንጎን ሱዳንን ዝካየድ ዘሎ ጎንፅታት ብዝምልከት ኣብ ባይቶ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ዘተ ከምዝተኻየደ ኣመልኪቶም። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ዘሎ ጎንፂ ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ፀገማቶም ብዘተ ክፈትሑ ይፅውዕ ኢሎም። ቅድሚ ዓመታት ብሰንኪ ዘይሕገ መንግስታዊ ለውጢ መንግስቲ ሱዳን ካብ ኣባልነት ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝተኣገደት ኣዘኻኺሮም፤ ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ጎንፂ ዘለዉ ተዋሳእቲ ፖለቲካዊ ዘተ ክህሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም። ኣምባሳደር ባንኮሌ፣ ኣብቲ ዝቕፅል ዘሎ ጎንፂ ቅትለት ንፁሃት ሰባት፣ፃታዊ ዓመፅ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይዕዘብ ከምዘሎ ሓቢሮም። ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ብዘይካ ዘተ ካልእ ወተሃደራዊ መፍትሒ ክህሉ ከምዘይክእል ኣመልኪቶም። ብተወሳኺ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሞዛምቢክን ሊብያን ዝካየድ ዘሎ ጎንፅታት ንምፍታሕን ኩለመዳያዊ ሰላም ንምምፃእን ምስ መንግስታት እተን ሃገራት ብቐረባ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጋና፣ ቦትስዋና፣ ሴኔጋልን ሞሪሸስን ብመረፃ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ምስግጋር ዝተገበረለን ሃገራት ምዃነን ጠቒሶም። ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መላእ ኣፍሪካ ንዝፍጠሩ ጎንፅታት ንኹሉ ዘካተተ ዘተ ብምክያድ መፍትሒ ክረኽቡ ድሌት ከምዘለዎን ነዚ እውን ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።
"ምምላስ ፍትሒ ንኣፍሪካውያንን ንዘርዓ ኣፍሪካውያንን" ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ መበል 38 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ትማሊ ተዛዚሙ
Feb 17, 2025 40
  አዲስ አበባ/የካቲት/10/2017/ኢዜአ/ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን "ምምላስ ፍትሒ ንኣፍሪካውያንን ንዘርኣ ኣፍሪካውያንን" ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ መበል 38 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ትማሊ ተዛዚሙ። ኣብቲ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ከምኡ’ውን ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ሓዊሱ ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻውያን ትካላት ተሳቲፎም። እቲ ዋዕላ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ኣህጉር ዘትዩ ውሳኔታት ኣሕሊፉ። እቲ ዝተኻየደ ዘተ’ውን ኣብ ትካላዊ ፅገናታት ሕብረት ኣፍሪካ፣ ምሕዳስ ፍትሒ፣ ኣፍሪካ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ውክልና ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ቀፃሊ ፃዕሪ፣ ከምኡ’ውን ኣጀንዳታት ሰላምን ፀጥታን ኣህጉር ዘተኮረ እዩ። ካብ’ቲ ዋዕላ ብተወሳኺ ኣብ ኣተገባብራ ከባቢ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካን ኣህጉራዊ ንግድን ቁጠባዊ ውህደትን፡ ሕርሻን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ፣ሰብኣዊ መሰላት፣ምብቃዕ ስርዓተ ፆታን መንእሰያትን ከምኡ’ውን ትካላዊ ምድላዋት ተዘትዩሎም። ኣብቲ ዋዕላ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዩሱፍ ሓድሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ተመሪፆም፤ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ነበር ሙሳ ፋኪ ማሃማት ናይ ክብሪ ምፍናው ተገይርሎም።
 ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ቀዋሚ መንበር ክሳብ ትረክብ ፃዕረይ ክቐፅል እዩ- ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ
Feb 15, 2025 35
  ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/8/2017 /ኢዜአ/ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ፥ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ እቲ ሕብረት ቀዋሚ መንበር ክሳብ ትረክብ ፃዕሪ ምግባሮም ከምዝቕፅሉ ገሊፆም። ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ መደረ ዘስምዑ እቶም ዋና ፀሓፊ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ብባዕዳዊ መግዛእትን ነግዲ ባሪያን ልዑል በደል ዝበፅሓ ኣህጉር ምዃና ክዝንጋዕ አየብሉን ኢሎም። ስለዝኾነ ግቡእ ካሕሳ ክትረክብ ከምዝግበኣ ኣፅንኦት ብምሃብ ተዛሪቦም። ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ቀዋሚ መንበር ዘይምርካባ አልዒሎም ፥ ስለዝኾነ ክሳብ እትረክብ ፃዕሪ ምግባሮም ከምዝቕፅሉ ገሊፆም። ንሰላምን ፀጥታን ብዝግባእ ምስራሕ ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ ኣብ ሱዳንን ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ጎንጎን ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ደው ንክብል ኣተሓሳሲቦም። ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ዞባዊ መስሕሓብ ክእለ ከምዝግባእ እወን ገሊፆም። ሕቡራት መንግስታት እውን ዘግበር ኩለ መዳያዊ ደገፋት ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም። ገብረ ራዕድነት ኣብ ልዕሊ ኣፍሪካ ዘለዎ ፀቕጢ ብቐሊሉ ክረአ ከምዘይግባእ እቶም ዋና ፀሓፊ አመልኪቶም።
ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኻዊ ውድድር ቴክኖሎጂ ብንቕሓት ክትሳተፍ አለዋ-ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Feb 15, 2025 35
  ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/8/ 2017 /ኢዜአ/ብስሉጥ ይዓቢ ኣብ ዘሎ ዲጂታል ምህዳር ተወዳደርቲ ተፃወትትቲ ምዃና ንምርግጋፅ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኻዊ ውድድር ቴክኖሎጂ ብንቕሓት ክትሳተፍ አለዋ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ መኽፈቲ መደረ ኣስሚዖም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መደረኦም፥ ብስሉጥ እናዓበየ ዝመፅአ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢኮኖሚናን ማሕበረሰብናን ንምብራኸ ልዑል ዓቕሚ ኣለዎ ኢሎም። ዓውዲ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ተሓዳሲ ሓይሊን ሞባይል ቴክኖሎጂን ብምትሕብባር ከም ለውጢ ከባብያዊ አየር፣ ዘይ ሙሉኡ መሰረተ ልምዓትን ፀገም ጥዕና ሕብረተሰበን ዝኣመሰሉ ሓበራዊ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም። ብዛዕባ ሓበሬታ ሉእላዊነት፣ ተረባሕነት ሓቓፊ ቴክኖሎጂን ልምዓትን እውን ኣብ መደረኦም ብገፊሑ አቐሪቦም ።
ፍልስፍና ምድማር ፓን ኣፍሪካኒዝም ንምጥንኻር ዝሕግዝ ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Feb 15, 2025 17
  ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/8/ 2017 /ኢዜአ/ፍልስፍና ምድማር ብዙህነትን ሕብረትን ንምጥንኻር ቁልፊ ግደ ምህላዉ ከምዘለዎ ኮይኑ ፓን ኣፍሪካኒዝም ንምጥንኻር ዝሕግዝ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ “መከሓሓሲ ፍትሒ ንኣፍሪካዊያንን ዘርዓ ኣፍሪካዊያንን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ጉባኤ መኽፈቲ መደረ ዝገበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ ብብዕዳዊ መግዛእቲ ዝመፅአና ስምብራት ባዕልኻ ብምኽኣልን ድኽነት ብምስዓርን ክነሕውዮ ይግበአና ኢሎም። ነዚ እውን ዝተፈላለዩ ምዕቡላት ተልሚታት ግብርና ተግባራዊ ብምግባር፣ ብምግቢ ዓርስና ብምኽኣልን ድኽነት ብምስዓርን ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፆም። ኢትዮጵያ በዚ መዳይ ዝተፈላለዩ ነዚ ዘበን ዝምጥኑ ተልሚታት ግብርና ብምጥቃም ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ኣፍራይት ስርናይ ሃገር ምዃን ከምዝኸኣለት ኣብሪሆም። ንቐፃሊ ትውልዲ አውን ዘበን ተሳጋሪ ሰረት ንምንባር ኣፍሪካዊ ዲያስፖራ ምንቕቓሕን ምስታፍን ይግባእ ኢሎም። ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላምን ምዕባለን ንምርግጋፅ ብሓባር ብምድማር ኣፍሪካዊያን እንደሊያ ዝማዕበለት ኣህጉር መፍጣር ንኽእል ኢና ብምባል፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ስምብራትና በዚ ኢና እነሕውዮ ከብሉ ኣፅንኦት ሂቦም። ናይ ኣፍሪካ ናይ ካሕሳ ሕቶ ካብ ቃል ብዝዘለለ ፍትሒ ናይ ምንጋስ ሕቶ ኢዩ እወን ኢሎም። ዝኾነ ይኹን ዘርኢ ሰብ ብማዕርነት ተኸቢሩ መእንታ ክነብር ፍትሒ ምንጋስ ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም።
ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ
Feb 15, 2025 14
  ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/8/ 2017 /ኢዜአ/መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ። እቲ ጉባኤ፥ “መከሓሓሲ ፈትሒ ንኣፍሪካውያንን ዘርዓ ኣፍሪካዊያንን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝካየድ ተገሊፁ። ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓላፍቲ ዓለም ለኸ ትካላት ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም። እቲ ጉባኤ፥ አብዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ኣጀንዳታት ብምምካር ውሳነታት ከማሓላልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። ኣጀንዳታት ትካላዊ መመሓየሺ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ናይ መከሓሓሲ ፍትሒ፣ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ ውክልና ንምርካብ ዝግበሩ ዘለዉ ምንቅስቓሳት፣ ኣህጉራዊ ሰላምን ድሕንነትን ዘተ ከምዝግበረሎም ተሓቢሩ። ብተወሳኺ ኣፈፃፅማን ኣህጉራዊ ዝምድናታት ንግዲን ኢኮኖሚን ነፃ ዞባ ነግዲ ኣፍሪካ፣ ገብርናን ለውጢ ከባብያዊ አየርን፣ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሰርዓተ ፆታን መናእሰይ ምብቃዕን ከምኡውን ኣወዳድባ ትካላት ዝጠመተ ኣጀንዳታት እቲ ጉባኤ ክዛተ ኢዩ ዝበል ትፅቢት ኣሎ። 5ን 6ን ለካቲት 2017 ዓ.ም ዝተሳለጠ መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ እቶም መራሕቲ ዝዛተይሉ ኣጀንዳታት ምፅዳቑ ይፍለጥ።
ኣፍሪካ ምስ በዝሒ ህዝባ ዝመጣጠን ቐፃልነት ዘለዎ ውሕስነት ምግቢ ክተረጋግፅ ትፅቢት ይግበረላ
Feb 13, 2025 43
  አዲስ አበባ/የካቲት/6/2017/ኢዜአ/ኣፍሪካ ምስ በዝሒ ህዝባ ዝመጣጠን ቐፃልነት ዘለዎ ውሕስነት ምግቢ ክተረጋግፅ ከምዘለዋ ኮሚሽነር ኣምባሳደር ጆሴፋ ሳኮ ገሊፀን። መበል 46 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሳለጠ ይርከብ። ኮሚሽነር ግብርና፣ ልምዓት ገጠር፣ ብሉ ኢኮኖሚን ዘላቒ ከባቢ ኣየርን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ጆሴፋ ሳኮ ኣብ ዙርያ ስርዓተ ምግቢ ኣፍሪካ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂበን። ኣብ መግለፂአን ከምዝበልኦ፤ ኣፍሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሰንኪ ለበዳ፣ ለውጢ ኸባቢ ኣየር፣ ጎንፂ ዩክሬንን ሩስያን ዝኣመሰሉ ኣህጉር ለኻውን ዓለም ለኻውን ፀቕጥታት ኢኮኖሚኣ ኣዝዩ ተጎዲኡ 'ዩ። ከም መብሪሂ እተን ኣምባሳደር፤ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2050 ህዝቢ ኣፍሪካ ኽልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ቢሊዮን ክበፅሕ 'ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። ብምዃኑ 'ውን ምስ በዝሒ ህዝባ ዝመጣጠን ቐፃልነት ዘለዎ ውሕስነት ምግቢ ምርግጋፅ ትፅቢት ይግበረላ ኢለን። 70 ሚኢታዊ ዝኸውን ህዝቢ ኣፍሪካ ኣብ ትሕት ብርኪ መነባብሮን ኣብ ገጠርን ከምዝነብር ሓቢረን። “ኣፍሪካውያን ለማዓንቲ ዘይኾኑስ ሰብ ዋና ብርክት ዝበለ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ 'ዮም ብምባል፤ ብምዃኑ 'ውን ኣፍሪካ ዘለዋ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ብኣግባቡ ብምልማዕ ናብ ምህርቲ ምቕያር ይግባእ ክብላ ተዛሪበን።
እናተጋደደ ዝመፀ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሶማሊያ
Nov 28, 2024 328
  ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 19/2017 (ኢዜኣ) ትማሊ ኣብ ፓርላማ ሶማሊያ ረብሻ ኣጋጢሙ። ኣካይዳ መንግስቲ ሶማሊያ ዝተቓወሙ ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ቁጠዐኦም ኣብ ውሽጢ ፓርላማ እንትገልፁ ተራእዩ እዩ። ፓርላማ ሶማሊያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ መንግስቲ እታ ሃገር ሰራዊት ሶማሊያ ዕጡቕ ሓይሊ ኣልሸባብ ካብ ምውጋእ ኣብ ዘርኣዊ ምክፍፋል ንክፅመድ ብምግባር ዝሓዞም ቦታታት እውን ንከየመሓዳድር ገይሩ እዩ ኢሉ። ኣብታ ሃገር ግዕዝይና ሱር እናሰደደ ካብ ምምፅኡ ብተወሳኺ መንግስቲ ነቲ ሰራዊት ንመሳርሒ ፖለቲካ እናተጠቐመሉ ምዃኑ እውን ኣብቲ መግለፂ ሓቢሩ። እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ዘርኣዊ ክፍፍል ንክፍጠር እናገበረ ምዃኑ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ሶማሊያ ካብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ወፃኢ መሰላት ክልላዊ ምምሕዳራት መንግስቲ እታ ሃገር እናተዳፍአ ምዃኑ ብምሕባር፤ ሶማሊያውያን ንምክፍፋል ዝገብሮ ስራሕ ጠጠው ንከብል ፃውዒት ኣቕሪቡ። መንግስቲ እታ ሃገር እዞም ሓደገኛ መንገድታት ጠጠው እንተዘይኣቢልዎም ሶማሊያ ሓደጋ ምፍራስ ከምዘጋጥማ እቶም ኣባላት ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣተሓሳሲቦም።
ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኢትዮጵያ ፀገም ኣፍሪካ ብኣፍሪካ ምፍታት ይግባእ ዝብል ፅኑዕ ቅዋማ ብተግባር ዘረጋገፀ ኢዩ - ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ
Nov 25, 2024 181
  ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/16/ 2017 /ኢዜአ/ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኢትዮጵያ ፀገም ኣፍሪካ ብኣፍሪካ ምፍታት ይግባእ ዝብል ፅኑዕ ቅዋማ ብተግባር ዘረጋገፀ ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ገሊፆም። ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ሰላም ኣፍሪካ÷ "ዝበልፀገን ሰላማውን ኣፍሪካ ንህነፅ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ። ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ናይ ኣፍሪካ ፀገም ብኣፍሪካ ምፍታሕ ይግባእ ዝብል ፅኑዕ ቅዋም ኣለዋ። ኣብ ኣፍሪካ ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ምቹው ኩነታት እናፈጠረት ምዃና ገሊፆም። ኢትዮጵያ ካብቲ ስምምዕነት ሰላም ሓሊፉ ዝተማለአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብምግባር ኣብቲ ዞባ ንግዲን ኢንቨስትመንት ንኽሰፍሕ ሃናፂ ግደ ከምዝተዋፀአት ኣብሪሆም። ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዱኣለም ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ነበር ተዋጋእቲ ተዋጋእቲ ዕጥቂ ብምፍታሕን ናብ ማሕበረሰብ ብምፅምባርን ንሰላምን ምርግጋዕን እቲ ዞባ ዘለዋ ቆራፅነት መርአያ ኢያ ኢሎም። ኢትዮጵያ እናካየደቶ ትርከብ ናይ ስግግር ፍትሒ፣ ብሄራዊ ዘተን ብሄራዊ ተሃድሶን ንሰላም ዘለዋ ቆራፅነት ዘርኢ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ዘላቒ ግብርና ምስ ፖሊሲ ብሄራዊ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብምውዳድ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ሓለዋ ከባቢ ንምዕባይን እናሰርሐት እያ-ፕሬዝዳንት ታዬ ኣጽቀ ሥላሴ
Nov 13, 2024 252
  ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 4/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ዘላቒ ግብርና ምስ ፖሊሲ ብሄራዊ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብምውዳድ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ሓለዋ ከባቢ ንምዕባይን እናሰርሐት ከምትርከብ ፕሬዝዳንት ታዬ ኣጽቀ ሥላሴ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ኣዘርባጃን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 29 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (ኮፕ 29)፤ ኣብ ላዕለዋይ ብርኪ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ስርዓት ምግብን ምሕዋይ ተፈጥሮን ዝጠመተ ኣኼባ መራሕቲ ዓለም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣሳሊጣ። ኣብቲ ኣኼባ፤ ፕሬዝዳንት ታዬ ኣጽቀ ሥላሴ፣ቀዳማይ ሚኒስትር ዴንማርክ ሜቴ ፍሬድሪክሰን፣ሚኒስትር ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ሓለዋ ከባብን ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ኣምና ቢንት ኣብዱላህ ኣል ዳሃክ ኣል ሻምሲ (ዶ/ር)፣ፕሬዚዳንት ኮፕ 29ን ሚኒስትር ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣዘርባጃንን ሙክታር ባባዬቭን ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ተረኺቦም። ፕሬዝዳንት ታዬ ኣጽቀ ሥላሴ ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮጵያ ዘላቒ ግብርና ምስ ፖሊሲ ብሄራዊ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብምውዳድ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ሓለዋ ከባቢ ንምዕባይን ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ትርጉም ዘለዎም መፍትሕታት ንምምፃእን ዓለም ለኸ ምሕዝነታት ንምጥንኻርን ከምትሰርሕ ምግላፆም እውን ካብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም