ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ንኽግበር ካብ ግብፂ ጉቦ ዝተቐበሉ ሴናተር ብ11 ዓመት ማእሰርቲ ተቐፂዖም

 

አዲስ አበባ/ጥሪ/22/2017/ኢዜአ/ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ንኽግበር ረብሓ ግብፂ ንምሕላው ጉቦ ዝተቐበሉ ነበር ሴናተር ኒው ጀርዚ ቦብ ሜኔንዴዝ ናይ 11 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎም።

ንኻልእ ሃገር ብምሕጋዝ 16 ኽስታት ዝቐረብዎም ሜንዴዝ፤ እንተንኣሰ 15 ዓመታት ክፍረደሎም ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ብፍላይ ካብ መንግስቲ ግብፂ ዝተቐበሉዎም ብርክት ዝበሉ ወርቅታት፣ ጥረ ገንዘብን መርሴዲስ ቤንዝ መኪናን ንገበኖም መረጋገፂ ተገይሮም ንቤት ፍርዲ ከም መረዳእታ ምቕራቦም ፀብፃብ ሮይተርስ የመላኽት።

ሜንዴዝ ብጠበቕኦም ኣቢሎም ቕልል ዝበለ መቕፃዕቲ ማሕበራዊ ግልጋሎት እንተሓተቱ 'ውን እቲ ቤት ፍርዲ ሕቶኦም ኣይተቐበሎን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም