ሳይንስን ቴክኖሎጅን
ኢትዮ ቴሌኮም ፀገም ተረባሕነት ዲጂታል ኣገልግሎት ንምፍታሕ እናሰርሐ እዩ
Jan 17, 2025 33
  ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 9/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮ ቴሌኮም ክፍተት ዲጂታል ኣገልግሎት ንምፅባብን ኢኮኖሚያዊ ዕድላት ንምፍጣርን እናሰርሐ ከምዝርከብ ዋና ፈፃሚት ስራሕ እቲ ትካል ፍሬሕይወት ታምሩ ገሊፀን። እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ምስ ብምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ሰለሞን ኩዋይኖርን ምክትል ዋና ዳይሬክተር ሪጅን ምብራቕ ኣፍሪካ እቲ ባንኪ ሊያንድር ባሶሌ(ዶ/ር)ን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቀፃሊ ዲጂታል ዕቤት ኣፍሪካ ዝጠመተ ዘተ ኣሳሊጠን። እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮ ቴሌኮም ካብ ኣፈሪካ እቲ ዝዓበየ ኦፕሬተር ቴሌኮም ስለዝኾነ ክፍተት ዲጂታል ኣገልግሎት ንምፅባብ፣ኢኮኖሚያዊ ዕድላት ንምፍጣርን ሓቛፍን ቀጻልነት ዘለዎን ዕቤት ንምምፃእን እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣረዲአን። ኣፍሪካ ዘለውዋ ፈተናታት ንምሽጋር፣ሓደሽቲ ዕድላትን ዘላቒ ልምዓትን ንምፍጣር ቴክኖሎጅን ዲጂታል መፍትሕታትን ክትጥቀም ከምዘለዋ ወሲኸን ገሊፀን። ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ሰለሞን ኩዋይኖር፤ ቅልጡፍ ዕቤት ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ዘበርክቶ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ንኢዶም። ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ብምብርህራህ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዲጂታል ኢንሼቲቭ እቲ ኩባንያ ንምድጋፍ ዘለዎ ድሉውነት ኣረጋጊፆም።
ፖስታ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ምጥርናፉ ዝተጀመሩ ስራሕተ ለውጢ ንምጥንኻር ልዑል እጃም ኣለዎ-ዳግማዊ ሃይሌ
Jan 10, 2025 66
  ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 2/2017 (ኢዜኣ) ፖስታ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ምጥርናፉ ዝተጀመሩ ስራሕተ ለውጢ ንምጥንኻር ልዑል እጃም ከምዘለዎ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ዳግማዊ ሃይሌ ገሊፆም። ኣብ ቀረባ እዋን 8 ተወሰኽቲ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ከምዝተጠርነፉ ዝዝከር እንትኸውን፤ ፖስታ ኢትዮጵያ ድማ ካብቶም ኣብዚ ዝተጠርነፉ ትካላት እቲ ሓደ እዩ። ዋና ፈጻሚ ስራሕ ፖስታ ኢትዮጵያ ዳግማዊ ሀይሊዬ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ትካላት ልምዓት ኣብ ኢንቨስትመንት ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ኮይኖም ንክሰርሑን ንሃገር ዝሓሸ ረብሓ ንከበርክቱን ዝሕግዝ እዩ። እቲ ትካል ቅድም ኢሉ ስራሕቲ ሪፎርም ከምዝጀመረ ብምዝኽኻር፤ ሕዚ ዝረኸቦ ዕድል ድማ እቲ ዝጀመሮ ምዕራፍ ለውጢ ንምጥንኻር ከምዝሕግዞ ተዛሪቦም። ፖስታ ኢትዮጵያ ከም ትካል ካብ 2016 ዓ/ም ጀሚሩ ኣገልግሎቱ ብስፍሓት ተበፃሒ ንምግባር ብትኹረት ክሰርሕ ከምዝፀንሐ እውን ገሊፆም። ስለዝኾነ ድማ እዚ ዝረኸቦ ዕድል ተጠቒሙን ኣሰራርሕኡ ምስ ስትራቴጂ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ብምርኻብን ዝህቦ ኣገልግሎት ንምስፍሕፋሕ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም። እዚ ድማ ብብርኪ ዓለም ኣገልግሎቱ ንምዝርጋሕ ከምዝሕግዞ ሓቢሮም። ፖስታ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ውፅኢታዊ ከምዘይነበረ ብምሕባር፤ ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ግና ውፅኢታዊ እናኾነ ከምዝመፀ ኣረዲኦም። ኣብ ቀጻሊ እውን ሓደሽቲ ተሞኩሮታትን ኣሰራርሓታትን ብምውዳድ ንሃገር ዝሓሸ ዕቤት ንምምዝጋብ ብትኹረት ከምዝሰርሕ ገሊጾም።
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ 41 ማእኸላት ምዝገባ ዲጂታል መለለዪ መንነት ይሳለጥ ኣሎ
Jan 8, 2025 45
  መቐለ/ ታሕሳስ/30/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ 41 ቀወምቲን ተንቀሳቐስቲን ማእኸላት ምዝገባ ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት (ፋይዳ) እናተሳለጠ ምዃኑ ኣብ ኢትዮ-ቴሌኮም ሪጅን ሰሜን ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮ-ቴሌኮም ሪጅን ሰሜን ዳይሬክተር ኦፕሬሽን ሙሉ ወልደስላሰ÷ እቲ ዲስትሪክት ኣብ ዝሓፉ 8 ኣዋርሕ ምዝገባ ዲጂታል መለለዪ መንነት ሓዊሱ ሕትመት ዲጂታል መለለዪ መንነት ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡ ዲስትሪክት ሪጅን ሰሜን ኣብ 26 ቀወምቲን 15 ተንቀሳቐስቲን ማእኸላት ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡ ዓማዊል ናይቲ ኩባኒያ ኣገልግሎት ንምርካብ ናብተን ማእኸላት እንትመፅኡ ኢሉ እውን ኣብ ተንቀሳቐስቲ ማእኸላት ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ብምዃን ኣገልግሎት ንኽረኽቡ እናተገበረ ከምዝኾነ ሓሮም፡፡ እቲ ዲስትሪክት ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 235 ሺሕ ዜጋታት ዲጂታል መለለዪ መንነት ክረኽቡ ከምዝተገበረ ብምሕባር÷ ኣብ ቀፃሊ እተን ማእኸላት ንምስፍሕፋሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ንኢዜአ ገሊፆም፡፡
295 ዝኾኑ ሓደሽቲ ምስፍሕፋሓት ቴሌኮም ኣብ ገፀር ቀበሌታት ተበፃሒ ተገይሮም
Jan 1, 2025 73
  ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/23/ 2017 /ኢዜአ/ኣማራፂታት ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት 295 ዝኾኑ ሓደሽቲ ምስፍሕፋሓት ቴሌኮም ኣብ ገፀር ቀበሌታት ተበፃሒ ገይርና ክብላ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ገሊፀን፡፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስራሕቲ ምንቅስቓስ ኢትዮ ቴሌኮም ዝገምገመ እንትኸውን÷ እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂበን፡፡ ኣብ መብርሂአን ድማ÷ ኣገልግሎት ቴሌኮም ተበፃሒ ንምግባር ካብ ዝልዩ ነገራት ሓደ ቀረብ ሓይሊ ከምዝኾነ ብምሕባር ኣብ ገፀር ዝርከቡ ጣቢያታት ቴሌኮም ሶላርን ብክፋል ጀነሬተርን ከምዝጥቀሙ ገሊፀን፡፡ ዋና ሥራ አስፈጻሚዋ እስካሁን 3 ነጥብ 3 ትሪሊየን ብር በቴሌ ብር መተግበሪያ ዝውውር መፈጸሙንም ተናግረዋል፡፡ 240 ሺሕ ዝኾኑ ነጋዶ ክፍሊቶም ብቴሌ ብር እናፈፀሙ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣብ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ከምዝርከብ ኣብሪሀን፡፡ ኣገልግሎት ዲጂታል ፋይናንስ ብምቕራብ ህይወት ንምቕላል ከምኡ እውን ትራንስፎርሜሽን ዲጂታል ኢትዮጵያ ኣብ ምቅልጣፍ ብትኹት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፀን።
ዝካየዱ መፅናዕትታትን ምርምራትን ፀገም ማሕበረሰብ ዝአልዩ ክኾኑ ይግባእ-ዩንቨርስቲ ኣክሱም
Dec 26, 2024 69
  ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/17/ 2017 /ኢዜአ/ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም መድረኽ ዘተ መበል ዓስራይ ሃገራዊ ኮንፈረንስ መፅናዕቲ የካይድ ኣሎ። ምክትል ፕሬዚደንት ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ኣብርሃም ነጋሽ(ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ነፍስ ወከፍ እነካይዶም ምርምራትን መፅናዕትታትን ፀገም ማሕበረሰብ ዝአልዩን ምዕባለ ዘመዝግቡን ክኾኑ ይግባእ ኢሎም። ምክትል ፕረዚደንት ምርምርን ስግግር ቴክኖሎጅን እቲ ዩኒቨርስቲ መኮነን ኣረጋይ(ዶ/ር) ብግደኦም፥ ከም ዩኒቨርስቲ ፀገማት እቲ ሕብረተሰብ ብምንፃር ፈታሕቲ ዝኾኑ ምርምራት ቴክኖሎጂታት ክነቕርብ ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም። ነዚ ኣብ ምትግባር ሙሁራትን ተመራማርትን ግደኦም ንክበርክቱ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ንዝቕፅሉ ክልተ መዓልታት ዝፀንሕ መፅናዕታዊ ኮንፈረንስ፥ ዝተፈላለዩ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ሕብረተሰብ ዝድህስሱ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ክዝተየሎም እዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ዩንቨርስቲ ኣክሱም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ገሊፁ።
በጀት ዩኒቨርሲቲታት ብዘመዝገበኦ ውፅኢት መጠን ከምዝምደብ ተገሊፁ
Dec 25, 2024 74
  ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/16/ 2017 /ኢዜአ/ንዩኒቨርሲቲታት ዝምደብ በጀት ብልክዕ መጠን ዘመዝገበኦ ውፅኢት ከምዝኸውን ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ገሊፆም። ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ብዝተዋደደ መልክዑ ንምምሕያሽ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ። እቲ ስምምዕነት÷ ሚኒስቴር ትምህርቲን ኣከብቲ ቦርድ ዩኒቨርሲቲታት ዩኒቨርሲቲታት መንግስቲን ፕሬዚዳንታት ዩኒቨርሲቲን ተፈራሪሞምዎ፡፡ እቶም ሚኒስትር ትምህርቲ ኣብቲ እዋን፥ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ካብ መሰረቱ ንምልዋጥ ፅሬት ትምህርቲ ምሕላው ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብሪሆም። “ብፍላይ ብቕዓት ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይን ልዑል ረብሓ ዘለዎም ፀገም ዝፈትሑ ስራሕቲ ምርምር ንምውፃእ ኣብ ፅሬት ምስራሕ ግቡእ ከምዝኾነ ኣብቲ ስምምዕነት ተኻቲቱ ኢዩ” ኢሎም። እቲ ስምምዕነት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብትኽክለኛ መገዲ ዝሰርሓን ተሓታትነት ዘለወንን ንኽኾና ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም። ዩኒቨርሲቲታት ከም ሃገር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ብሳይንሳዊ ምርምር ዝሕግዛ ክኾና ከምዘለወን ኣገንዚቦም።
 ቤት ምኽሪ ንግዲ እስያ-ኣፍሪካ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝደሊ ገሊፁ
Dec 20, 2024 97
  ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/11/ 2017 /ኢዜአ/ቤት ምኽሪ ንግዲ እስያ-ኣፍሪካ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝደሊ ገሊፁ። ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ምስ ኣመራርሓ እቲ ቤት ምኽሪ ዘቲዮም። እቲ ዘተ፥ ኣብ ዓውዲ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብ መንጎ ሃገራት ኤሲያን ኣፍሪካን ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። በለጠ ሞላ (ዶ/ር)፥ ኢትዮጵያ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን፣ ፈጠራን ዘላቒ መፈትሒታት ቴክኖሎጂን ስትራቴጂታት ምዕባለ እተን ሃገራት ንምግባር ዘለዋ ቁርፀኝነት ኣብሪሆም። ንስታርትኣፓት፣ ሽግግር ቴክኖሎጂን ምርምርን ምስ ዓለም ለኸ ኣካላትን ተዋሳእቲ ውልቀ ዓውዲን ብምትሕብባር ንጠንካራ ልምዓት ስነ ምህዳር ፈጠራ ቀዳምነት ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም። ኣፍሪካዊያን ብዘተሓባበረ መገዲ ስራሕቲ ልምዓት ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ንምስራሕ ዝግበሩ ምትሕብባራት ምድጋፍ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም። ኣቦ መንበረ እቲ ቤት ምኽሪ ጂዲ ሲንግ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢኖቬሽን ለውጢ ተመዝግብ ከምዘላ ተዛሪቦም። ነዚ ዕድል ብምጥቃም ብሓባር ምስራሕ ከምዝደሊዩ ሓቢሮም።
መድረኽ ልውውጥ ልምዲ ተተካእትን ነባርን ኣመራርሓ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት ንምዕዋት ልዑል እጃም ኣለዎ-ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ
Dec 6, 2024 141
  ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 27/2017 (ኢዜኣ) መድረኽ ልውውጥ ልምዲ ተተካእትን ነባርን ኣመራርሓ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሮም ዘይተዛዘሙ ፕሮጀክትታት ንምዕዋት ልዑል እጃም ኣለዎ ክብሉ ፕሬዚዳንት ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ ገሊፆም። ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ምስ ኢኒስፓየርድ ዲቭሎፕመንት ዝተብሃለ ትካል ብምትሕብባር ዘዳለዎ “ጉባኤ ነፀብራቅ መሪሕነት” እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። እቲ ጉባኤ፤ ኣብ መንጎ ተተካእትን ነባርን ኣመራርሓ ልውውጥ ልመዲ ንምግባር ዝዓለመ እንትኸውን ካብ ኩሎም ከባብታት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ፣ደቂ ኣንስትዮ፣ ትካላት ሲቪል ማሕበራት፣መራሕቲ ሃማኖት፣ፅልዋ ፈጠርትን ኣመራርሓ መንግስትን ብሓባር ዝዝትይሉ መድረኽ እዩ። ፕሬዚዳንት ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሃገር ዘሻግሩ ፕሮጀክትታት ክውን ንምግባር ኣብ መንጎ ተተካእትን ነባርን ኣመራርሓ ዝህሉ ምቅብባል ምስላጥ ይግባእ። ኣብ መንጎ እቶም ኣመራሓ ዝፍጠር ሕብረት ቀፃልነት ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ንምርግጋፅ ልዑል እጃም ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም። ኣመራርሓ ትካላት ንግዲ፣ኣብያተ ትምህርቲ፣ሲቪል ማሕበረሰብን መንግስትን ብሓባር ዝሰርሕለ ዓውዲ ምፍጣር ወሳኒ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ዋና ዳይሬክተር ትካል ኢኒስፓየርድ ዲቭሎፕመንት መንእሰይ ልዩነህ ታምራት ብግድኡ፤ እቲ መርሃ ግብሪ ብስነ ምግባሮም፣ብክእለትን ልምዶን ኣመራርሓ መርኣያ ዝኾኑ ኣመራርሓ ልምዶም ዘካፍልሉ መድረኽ እዩ ኢሉ። ስለዝኾነ እውን ላዕለዎት ኣመራሓ ተዓዲሞም ክእለቶም ዘካፍሉ እንትኸውን ስልጠናታት፣ዘተ ፓነላትን ርክብ ሕድ ሕድን ዝጠናኸርሉ መድረኻት ከምዝኾኑ ተዛሪቡ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ስራሕ ዓለም ተደላዪ ዝገብሩኻ ክእለታት ኣየኖት እዮም?
Dec 5, 2024 118
  ኩነታት ዓለም ብቕልጡፍ ይቀያየር ኣሎ። ሓደሽቲ ቴክኖሎጂ ንብዙሕ ነባር ዓውዲ-ስራሕ ዘይረብሕ ይገብርዎ ኣለዉ። እቲ ሕቶ ንባዕልኻ ከመይ ተዘምን እዩ ዝኸውን ዘሎ። ምኽንያቱ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣገደስቲ ተባሂሎም ዝእመነሎም ዓውድታት ስራሕ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ክርስዑን ክጠፍኡን ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ‘ዓለም-ለኸ ቁጠባዊ ፎረም’ [ዎርልድ ኢኮኖሚክ ፎረም] ኣብ ቀረባ እዋን ዘካየዶ መፅናዕቲ፡ ክልተ ጉዳያት ንነገራት ዓለም ይቕይሩዎ ከምዘለዉ የመልክት። እቲ ሓደ ምምጻእ ሓደሽቲ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት እንትኸውን፡ እቲ ካልኣይ ድማ ዓለም ናብ ሓምለዋይ ቁጠባ እትገብሮ ጉዕዞ እዩ። እዚ ለውጥታት ኣብ ከም ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝርከቡ ሰብ-ሞያ'ውን ውዒሉ ሓዲሩ ምፅላዉ ኣይተርፍን። ብሓደ ገፅ እቶም ቴክኖሎጂታት ናብ ዓድና ምትእታተዎም ዘይተርፍ ምዃኑ፡ ብኻልእ ገፅ ድማ ምስቲ ዝረአ ዘሎ ሰፊሕ ዝንባለ ስደት-ናብ ዝማዕበሉ ሃገራት፡ ነዚ ለውጥታት ተገንዚብካ ኣድላይ ክእለት ኣጥሪኻ ምፅናሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይገብሮ። በዚ መሰረት፡ እቶም ዝተኣታተዉ ዘለዉ ሓደሽቲ ዓውድታት 'ሰርብ-ሰርሖ-ብልሒ' [ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ.፣ 'ቢግ ዳታ'ን 'ክላውድ ኮምፒዩቲንግ'ን ኣብ ስራሕ ዓለም ርኡይ ለውጢ ከምጽኡ እዮም። እዞም ሓደሽቲ ኣርእስቲ፡ ዋላ እኳ ንገለ ነባር-ዓውድታት ግዜኦም ዝሓለፎምን ዘይተደለይትን እንተገበሩ፡ እቲ ጽቡቕ ዜና ግን ዝዀነ ሒዞምዎ ዝመፅኡ ዕድላት ምህላዉ እዩ። እዚ ማለት፡ ምምጻእ ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት ሓደስቲ ስራሕቲ ሒዞም ዝመፅኡ ምዃኖም እዩ። ምትዕጽጻፍ እንተገይርካ ንርእስኻ እንተኣዘሚንካን፡ ምስ'ቲ ዘበን ዝኸይድን ተደላይን ክእለት ክተጥሪ ትኽእል ኢኻ። ተመራመርቲ 'ዓለም-ለኸ ቁጠባዊ ፎረም'፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ብውሑዱ ርብዒ ካብ ስራሕ ዓለም ክጠፍእ ምዃኑ ይገልጹ። ነዚ እዩ ድማ ኣብዚ ፈታኒ እናዀነ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም፡ ተወዳዳሪ ኮይንካ ንምፅናሕ ሓደሽቲ ክእለት ምጥራይ ኣገዳሲ ኰይኑ ዝርከብ ዘሎ። ተደለይቲ ክእለታት ኣብ ሓድሽ ዓለም ስራሕ ንኽትወዳደርን ንኽትበልጽን ቴክኒካዊ ክእለት ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ኩሉ ሰብ ‘ፕሮግራሚን’ ኮምፒተር ክፈልጥ ወይ ኣብቲ ዝተራቐቐ ዓውዲ ማሽን ክፈልጥ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ቀፃሊ ግን ኣብ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ምህንድስናን ሒሳብን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ብሉፃት ዝኾኑ ሰባት ሓያል ጠለብ ክህልዎም እዩ ንምባል እዩ። ‘ወደይ ኣብ ምንታይ ትምህርቲ ክብለጽ ኣለዎ?’ ኢልካ እንተሓቲትካ፡ መልሱ ሒሳብ ኮምፒተር ሳይንስ ወይ ተፈጥሮኣዊ ሳይንስ ክኸውን ኣለዎ። ቀጺሉ ‘ትንተናዊ ኣተሓሳስባ’ [Analytical Thinking] ወይ ጥበብ ምትንታን ነገራት ኣገዳሲ ክእለት እዩ። እዚ ንምግባር፡ ብስምዒትን ውልቃዊ ምርጫታትን ከይተገደብካ፡ ናይ ምሕሳብን ምምዝዛንን ክእለት፡ ንነገራት ናይ ምትእስሳርን ኣብ ውሳነታት ናይ ምብጻሕን ክእለት የድሊ ማለት እዩ። ነዚ ክእለት ንምምዕባል ንጡፍ ምዃንን ብጥንቃቐ ምሕሳብን የድሊ። ኣብዚ ሞባይላት፣ ማሕበራዊ መራኸቢታት፣ ጸወታታትን መወዓውዒታትን ንኣቓልቦና ይወዳደሩሉ ዘለዉሉ ዘመን፡ እዚ ክእለት እዚ ንምምላኹ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ። ‘ትንተናዊ ሓተታ’ ፍልጠት ንምድላይን ንርእሰ-ምምሕያሽን ዝምቹእ እዩ። መጽናዕትና ብቐጻሊ ከነመሓይሽን ኣብ ዕላማና ከነተኩርን ኣለና። ብዝተኻእለ መጠን ድማ፡ ክእለት ቋንቋ እንግሊዝና ዕሽሽ ክበሃል ዘይክእል ኣገዳሲ ዓውዲ ኰይኑ ይጥቀስ። ናይ ፈጠራ ክእለት እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ሳይንስ፣ ምህንድስና፣ ዲዛይንን ስነ ጥበብን ዝዕወቱ፡ ቴክኒካዊ ፍልጠቶም ምስ ናይ ፈጠራ ክእለቶም ዘወሃህዱ እዮም። ኣብ ዘመነ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ዝግበር ክእለት ርክብን ርህራሄን እቶም ብዙሓት ክረኽብዎም ዘይክእሉ ክልተ ኣገደስቲ ክእለታት እዮም። ቕልጣፈን ዕቤትን ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ብዘየገድስ፡ ሰብ ብዘይ ሰብ ክነብር ኣይክእልን እዩ። ክእለት ሓቢርካ ምስራሕ፣ ክእለት ምድማፅ፣ ዛንታ ናይ ምንንጋር ክእለትን ርህራሄን ኩሉ ግዜ ዝዓበየ ቦታ ክህልዎም እዩ። ኣብ ኤውሮጳ 2020 ብናይ ሰብ ሞያ ማሕበራዊ መራኸቢታት ‘ሊንክድኢን’ ዝተሓትመ ጸብጻብ፡ ተረዳድኦ [ኮምኒካሽን] ኣብ ዓለምና እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክእለት ኮይኑ ኣሎ። ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት ኣብ ዝመጽእ ዓለም ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ሓደስቲ ቴክኖሎጂታትን ኣዝዮም ኣገደስቲ ክኾኑ ምዃኖም ምንም ጥርጥር የብሉን። 'ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ'ን 'ማሽን ለርኒንግን' እናማዕበለ ምስ ከደ፡ ሓደስቲ ዕድላት እውን እናማዕበሉ ይኸዱ። 'ፕሮምፕት ኢንጂነር' ዝብል ስራሕ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ርክብን ዘወሃህድ እዩ። እዚ ዓውዲ፡ ኣብ ቀፃሊ ጠለቡ ክውስኽ ትፅቢት ይግበር። ካልእ ምስ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝተኣሳሰር ክድለ ዝኽእል ዓውዲ ድማ ስነ-ምግባር እዩ። እዚ ስራሕ እዚ ንመሃንድሳት ስነ-ምግባርን ጸጥታን ዝምልከት ኮይኑ፡ ብዛዕባ ንኣጠቓቕማ ምትእስሳር ሰብን ማሽንን ዝምልከት እዩ። ብሓፈሻ ሰባት ንኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ከም ጸላኢ ዘይኮነስ ከም ፈታዊ ርእዮም፡ ከመይ ጌሮም ከም ዝሰርሑ ክመሃሩ ይምከር። ካልኦት ሰፊሕ ጠለብ ዘለዎም ስራሓት፡ ኣብ ዓውዲ 'ቢግ ዳታ' ዝምደቡ ኮይኖም፡ ከም ኔትፍሊክስ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ መርበባት ሓበሬታ ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ክኢላታት 'ሳይበር-ሴኩሪቲ' እውን ካብ ስራሕ-ዓለም ፈጺሞም ኣይክወጹን እዮም። ክኢላታት ፋይናንሳዊ ቴክኖሎጂ፡ ተንተንቲ ቢዝነስን ክኢላታት 'ብሎክቸይንን' ድማ ካብቶም ኣዝዮም ተደለይቲ ሰብ ሞያ ክዀኑ እዮም። ሓምለወይቲ-ዓለም ዕንወት ተፈጥሮኣዊ ከባቢን ለውጢ ከባቢ ኣየርን፡ ኣብ መፃኢ ዓለምን ህዝባን ከስዕቦ ዝኽእል ሳዕቤን፡ ኣቕሊልካ ዝረአ ኣይመስልን። ብሰንኪ እዚ ለውጥታት፡ ሃንደበት ዘጋጥም ተጓንፎታትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ክብደቱ እናወሰኹ ይመፅእ ኣሎ። ስለዚ ነዚ ሓደጋ ንምክልኻለን ንምግታእን ምዕቃብ ተፈደጥሮን ምሕዳስን ዓብዪ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ምስ ተፈጥሮ ዝሰማምዑ ምህዞታትን ስራሕትን፡ ብፍላይ ምዕቡላት ሃገራትን ዓርሞሸሽ ኩባንያታትን ኣብ ቀፃሊ ቢልዮናት ዘውፍሩሎም ዓውዲታት ክዀኑ እዮም። ብመሰረት ርኽበት መፅናዕቲ 'መድረኽ ቁጠባ ዓለም'፡ ጠለብ ሓምለዋይ ስራሕ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ክሳብ 2030 ኣብ ጽሩይ ጸዓትን ትሑት ልቀት-ካርቢንን ዝሰርሑ መደባት ፡ 30 ሚልዮን ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጥሩ ይሕብር። ንሕጂ ምዕራባውያን ሃገራት ጥራይ እየን ኣብ ዓውዲ 'ሓምለዋይ ስራሕ' ሸቕሊ ዝፈጥራ ዘለዋ። እንተዀነ፡ ከም በዓል ጃፓንን ቻይናን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሃገራት ኣብቲ ዓውዲ ይቕልቀላ ኣለዋ። ነደፍቲ፣ ኣርኪተክተራት ከተማታት፡ ከምኡ'ውን ዲዛይነራትን ሃነጽቲ ኣባይትን'ውን ሰፊሕ ጠለብ ክህልዎም እዩ። ሰብ ሞያ ጥዕና ዝበዝሕ ህዝሒ ህዝቢ ዓለም ብዕድመ-ዝደፍአ ይኸውን ኣሎ። ኣብዛ ምድሪ ብዕድመ ናይ ምንባር ዕድል'ውን፡ ናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ማለት ንደቂ ሰባት ምሕካም ጠለብ ዝሓትት ዓውዲ እዩ። ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ጠለብ ኣይክስእኑን እዮም። ብፍላይ እቶም ኣብ ዓውዲ ሕክምና ዝሰርሑ፡ ንሕሙማቶም መድሃኒት ብምሃብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሞራላዊ ደገፍ ብምሃብ፡ ሰፊሕ ጠለብ ክህልዎም እዩ። ሓካይምን ሰብ ሞያ ጥዕናን ግን ሓድሽ ኣገባብ ሕክምና ክመሃሩ ኣለዎም። ነዚ ንምሕጋዝ 'ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ' ኣብ ረብሓ ዘውዕለልሉ መገዲ ምፍላጥ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ኣብ ገዛእ-ርእስኻ ለውጢ ንምምጻእ ዝሕግዙ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓካይምን ኣማኸርትን ወይ ድማ ኣብ መራሕቲ መንፈሳዊ ዓለም፡ ተደላይነቶም ኣይክጐድልን። ሞያ ኢደ-ጥበብ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ከም መካኒክ፣ ጸገምነቲ፣ ኤሌክትሪሻናትን ሰብ ሞያ ህንፀትን ዝኣመሰሉ ኢደ ጥበበኛታት ተጠለብቲ ኰይኖም ክቕፅሉ እዮም። ደቐቕትን ኣናእሽቱን ተባሂሎም ዝእመነሎም ፀገማት ንምፍታሕ ኣድላዪ ምዃኑ ዘይተርፍ እዩ። ሞያ ዘለዎም ሰባት ግን ጠለቦም ንምዕባይ ብቐጻሊ ክእለቶም ከማዕብሉ ኣለዎም። ኣብ ሕርሻዊ ዓለም ሓደስቲ ስራሕቲ እውን ልዑል ጠለብ ክህሉ እዩ። ብዝሒ ህዝቢ ዓለም እናበዝሐ ምስ ከደ ኩሉ ሰብ ክበልዕን ክድቅስን ስለዘድልዮ። እንተዀነ፡ ኣብ ቀጻሊ ነዚ ሕቶ ዝምልሱ መሃንድሳት 'ምበር ሓረስቶት ኣይክዀኑን። ክጠፍኡ ዝኽእሉ ዓውድታት ንዘመናት ብክኢላታት ክስርሑ ዝጸንሑ ገለ ሞያታት ድሕሪ ደጊም ጠለብ ኣይክህልዎምን እዩ። ዛጊድ፡ ኮምፒዩተራት ወይ ማሽናት ንሞያውያን ወይ ንፍሉያት ሰራሕተኛታት ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ኪትክእ ካብ ዝጅምር ዓመታት ሓሊፉ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ብሰንኪ እዚ ቅልጡፍ ለውጢ፡ ተደላይነቶም ክጠፍኡ ካብ ዝኽእሉ ዓውድታት፡ ኣገልግሎት ዓማዊል (ካሻየር፣ ሰራሕተኛታት መሸጣ፣ ኣማኸርቲ...) ምሕደራ ቤት ፅሕፈት (ካብ ገዛ ኮይንካ ምስራሕ ዝብል ኣምር እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ) ዳታ ምእታው (ስታቲስቲክስ፣ ፋይናንስ፣ ትራንስክሪፕተራትን ተርጐምትን) ኣካውንቲንግ [ስራሕቲ ፋይናነሳዊ-ሒሳብ] ተደጋጋሚ/ተመሳሳሊ ስራሕ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ገለ ይርከቡዎም። ብኣንጻር እዚ፡ እቲ ኣብ መጻኢ ዓለም ጠለቡ ዘይጐድል ዓውዲ፡ 'ዛንታ ናይ ምዝንታው' ክእለት ኰይኑ፤ ስነ-ፅሑፍን ስነ-ጥበብን ኣድላይ ኰይኑ ክነብር እዩ። 'ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ' ነቲ ዓውዲ ዝፈታተኖ'ኳ እንተኾነ፡ ደረስቲ፣ ገጠምቲ፣ ኣፍረይቲ፣ ተዋሳእቲ፣ ኮሜድያናት፣ ስነጥበባውያንን ሙዚቀኛታትን ተጠለብቲ ኰይኖም ክቕፅሉ ሰፊሕ ተኽእሎ ኣሎ።
ምምስራት ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ውፅኢት ኣተሓሳስባ ምድማር ኢዩ- ዲ/ን ዳንኤል ክብረት
Dec 5, 2024 118
  ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/26/ 2017 /ኢዜአ/ዋልታ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ኮርፖሬትን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ብምውሃድ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣ.ማ ምምስራት ውፅኢት ኣተሓሳስባ ምድማር ኢዩ ክብሉ ኣማኻሪ ሚኒስትር ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ገሊፆም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ፣ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ፣ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰለማዊት ካሳ፣ ኣማኻሪ ሚኒስትር ማሕበራዊ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ዲያቆን ዳኒኤል ክብረት ተረኺቦም። ብተወሳኺ ኣመራርሓ ሚዲያ፣ ሰራሕተኛታት፡ ተሓባበርቲ ኣሰናዳእቲ፣ መሻርኽቲ እቲ ሚዲያን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም። ዲያቆን ዳንኤል ክብረት፥ ማዕረ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ምገላፅ ንምኽኣል ብምሕሳብ ነኒበይነን ክንቀሳቐሳ ዝፀንሓ ክልተ ሚዲያታት ብምውሃድ ሓደ ኮይነን ኣለዋ ኢሎም።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም