ስፖርት - ኢዜአ ትግርኛ
ስፖርት
ኣብ ማራቶን ዶሃ ኣትሌት እታለማሁ ስንታየሁ ተዓዊታ
Jan 17, 2025 35
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/9/ 2027 /ኢዜአ/ሎሚ ዕለት ኣብ ኳታር ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን ዶሃ ኣትሌት እታለማሁ ስንታየሁ ተዓዊታ። ኣትሌት እታለማሁ ነቲ ርሕቐት 2 ሰዓት 21 ደቒቕን 43 ሰከንድን ብምዝዛዝም እንትትዕወት÷ ካልኦት ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት እውነ ክሳብ 5ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዘዚሞም። ብደቂ ተባዕትዮ ውድድር ማራቶን ድማ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ባለው ይሁኔ 2ይ እንትወፅ÷ ምትኩ ጣፋ 3ይ ከምኡ እውን ድንቅኣለም ኣየለ 4ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሞም፡፡
ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ክካየዱ ኢዮም
Jan 14, 2025 48
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/6/ 2017 /ኢዜአ/ድሕሪ ፀወታታት ኤፍኤ ካፕን ካራባኦ ካፕን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ክምለስ ኢዩ። መሪሕ እቲ ሊግ ዝኾነት ሊቨርፑልን ኣብዚ ዓመት ዘደንቕ ምንቅስቓስ እናገበረት ትርከብ ኖቲንግሃም ፎረስትን ዘራኽብ ፀወታ ትፅቢት ዝግበረሉ ኢዩ። ኣብ ሊግ ፀወታ እዚ ዓመት ንሊቨርፑል ክትስዕር ዝኸኣለት ብሕታዊት ጋንታ ዝኾነት ኖቲንግሃም ሎሚ መዓልቲ እውን ኣብ ሜዳኣ ልዑል ንሕንሕ ክትገብር ኢያ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። ምስ ኣርሰናል ማዕረ ነጥቢ ብመሓዝ ብሸቶ ተበሊፃ ኣብ መበል ሳልሳይ ደረጃ ትርከብ እንትትከውን ብዙሓት ጉዕዞ ጋንታ ሊቨርፑል ግትዓግት ትኽእል ኢያ ዝብል ግምት ሂቦም ኣለዉ። እቲ ፀወታ ምሸት ሰዓት 5 ኣብ ሜዳ ኖቲንግሃም ፎረስት ካካየድ ኢዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ብሬንትፎርድ ምስ ማንችስተር ሲቲ፣ ቼልሲ ምስ በርንማውዝ፣ ዌስትሀም ምስ ፉልሃም ዝገብረኦ ፀወታ ብተመሳሳሊ ሰዓት 4፡30 ክካየዱ ኢዮም።
ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ኽብረወሰን 10 ኪሎሜትር ሰይሩ ታዓዊቱ
Jan 1, 2025 118
አዲስ አበባ/ታሕሳስ/23/2017/ኢዜአ/ኣብ ስፔን ማድሪድ ኣብ ዝተኻየደ ሳን ሲልቬስተር 2024 ውድድር 10 ኪሎሜትሮ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ሓዱሽ ኽብረወሰን ብምስባር ታዓዊቱ። ኣትሌት በሪሁ ነቲ ርሕቐት 26 ደቒቓን 32 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ኽብረወሰን ብምምሕያሽ ተዓዊቱ። ብተዛማዲ ኣብ ጣልያን ከተማ ቦላንዞ ኣብ ዝተሳለጠ ዓመታዊ 10 ኪሎሜትር ውድድር ቦክላሲክ ኣትሌት ጥላሁን ሃይሌ ስዒሩ። ኣትሌት ጥላሁን ነቲ ርሕቐት ብ27 ደቒቓን 59 ሰከንድን ብምዝዛም ክዕወት ምኽኣሉ መረዳእታ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ የረድእ።
ጋንታ ኩዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ ሳልሳይ ተኸታታሊ ዓወት ኣመዝጊባ
Dec 21, 2024 158
ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/12/ 2017 /ኢዜአ/ ጋንታ ኩዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ ሳልሳይ ተኸታታሊ ዓወት ኣመዝጊባ። ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ ኩዑሶ ኢድ ኢትዮጵያ 2017 ዓ/ም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ቀፂሉ ውዒሉ። ኣብቲ ፀወታ፥ ጋንታ ኩዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ ሳልሳይ ተኸታታሊ ዓወት ኣመዝጊባ። ምስ ጋንታ ከምባታ ዱራሜ ግጥሞም ዘሳለጡ ተፃወቲ ጋንታ ኩዕሶ መቐለ 70 እንደርታ 27 ን17 ብዝኾነ ውፅኢት ዓወት ኣመዝጊቦም። ተፃወቲ ጋንታ ኩዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ መርሃግብሪ ቀዳማይን ካልኣይን ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኩዕሶ ኢድ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጋንታታት ኩዕሶ ኢድ ባህርዳርን ክፍለ ከተማ ቂርቆስን ተኸታታሊ ዓወት ምምዝጋቦም ይዝከር። ጋንታ ኩዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ መፃኢ ሰሉስ ምስ ጋንታ ኦሜድላ ክትፃወት እያ።
ኣርሰናል ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ
Dec 4, 2024 220
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/25/ 2017 /ኢዜአ/መበል 14 ሰሙን መርሃ ግብሪታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ እንትቕፅል ምሸት ሰዓት 5፡15 ኣርሰናል ኣብ ኤምሬትስ ስታዲየም ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ዝገብረኦ ፀወታ ብሃንቀውታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ ኣብ ሞንጎ እተን ጋንታታት ብፍላይ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1996 ክሳበ 2004 ዝነበረ ብርቱዕ ንሕንሕ÷ ኣብ ታሪኽ ኩዕሾ እግሪ እንግሊዝ ቅድሚኡ ይኹን ድሕሪኡ ዘይተደገመ ኢዩ እናተብሃለ ይግለፅ፡፡ ይኹን እምበር ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ከይዲ ካብ ንሕንሕ ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊግ ምርሓቐን ዝነበረን ንሕንሕ ነክዩ ከምዝነበረ ይንገር፡፡ ብስፔናዊ ኣሰልጣኒ ሚኬል ኣርቴታ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ዝመፅአት ኣርሰናል÷ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ንኽብሪ ፅዋዕ እቲ ፕሪሚየር ሊግ ኣብ ጫፍ በፂሓ ኣይሰመረላን፡፡ ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ እውን ድሕሪ ኣሰልጣኒ ሰር ኣሌክስ ፈርጉስን ናብ ዘነበረቶ ክብሪ ዝምልሳ ኣይተረኸበን፤ ብዙሓት ኣሰልጠንቲ እውን እናለዋወጠት ትርከብ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንኤሪክ ቴን ሃግ ብምትካእብ ዝተሾሙ ፖርቹጋላዊ ኣሰልጣኒ ሩበን ኣሞሪም እናተመርሐት ምንቐቓሕ እናርአየት ትርከብ እታ ጋንታ ንኣርሰናል ፈተና ክትከውን ከምትኽእል ተገሚቱ፡፡ ካልኦት መርሃ-ግብሪታት እቲ ሊግ እንትቕፅሉ÷ ምሸት ሰዓት 4፡30 ኤቨርተን ምስ ዎልቭስ፣ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት፣ ኒውካስል ዩናይትድ ምስ ሊቨርፑል ከምኡ እውን ሳውዝሃምፕተን ምስ ቼልሲ ክራኸባ ኢየን፡፡ ከምኡ እውን ምሸት ሰዓት 5፡15 ኣስቶንቪላ ምስ ብሬንትፎርድ ከምዝፃወታ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ የመላኽት፡፡
ንፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብፕሬዚዳንትነት ንምምራሕ ዝወዳደሩ ሕፁያት ዕላዊ ኮይኖም
Nov 26, 2024 197
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/17/ 2017 /ኢዜአ/ንፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ ዓመታት ብፕሬዚዳንትነት ንምምራሕ ዝወዳደሩ ሓሙሽተ ናይ መወዳእታ ሕፁያት ዕላዊ ኮይኖም። ብመሰረት ካብ ክልል ትግራይ ኣትሌት ገ/እግዚአብሔር ገ/ማርያም፣ ካብ ክልል ኣምሓራ ኣይተ ያየህ ኣዲስ፣ ካብ ክልል ኦሮሚያ ኣትሌት ስለሺ ስሂን፣ ካብ ደቡብ ኢትዮጵያ ኮ/ር ግርማ ዳባ፣ ካብ ምምሕዳር ድሬዳዋ ኣይተ ጌቱ ገረመው ከምኡእውን ካብ ምምሕዳር ከማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ዱቤ ጅሎ ነቲ ፌደሬሽን ብፕሬዚዳንትነት ንምምራሕ ሕፁያት ኮይኖም ቀሪቦም፡፡
ውድድር ሻምፒዮና ብሽክሌታ በዓል ሕዳር ፅዮን ኣኽሱም ብኽልቲኡ ፆታ ተኻይዱ
Nov 21, 2024 222
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/12/ 2017 /ኢዜአ/ውድድር ሻምፒዮና ብሽክሌታ በዓል ሕዳር ፅዮን ኣኽሱም ብኽልቲኡ ፆታ ማውንቴን ሎሚ ሓሙስ ቐፂሉ ተኻይዱ። እቲ ውድድር፥ 85 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ማውንቴን ደቂ ተባዓትዮ ብሰዓት 34.24 ኪሎ ሜትር ዝተሓንበቡ እንትኾኑ፥ ተቐዳዳማይ ጋንታ ራይት ማይ ዓዲግራት ብሽክሌተኛ ኣዶናይ ፊሊሞን ተዓዊቱ። ኣቤል በላይ ካብ ራይት ማይ ዓዲግራት ካልኣይ፣ ለገሰ ሰለሙን ካብ ግልጋሎት ማይ ዓዲግራት ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም ውድድሮም ዛዚሞም። 20 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ ውድድር ማውንቴን ደቂ ኣንስትዮ ድማ፥ ብሽክሌተኛ ኢለኒ ብርሃኑ ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ። ካልኣይ ሚልዮን ፍስሃ፣ ሳልሰይቲ ሊዲያ ዮሃንስ ብምኻን ደረጃ ዝሓዛ እንትኾና፥ እተን ተቐዳደምቲ ብውልቀን ዝተወዳደራ ኢየን። ብጋንታ ከም ደቂ ተባዓትዮ ራይት ማይ ዓዲግራት ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ እንትሕዝ፥ መባእታዊ ሆስፒታል ሰፋድል ዓዲግራት ድማ ሳልሰይቲ ሒዛ። ብደቂ ኣንስትዮ፥ከተማ ኣኽሱምን ከተማ ውቕሮን ብቕደም ሰዓብ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ዛዚመን። ሻምፒዮና ብሽክሌታ በዓል ሕዳር ፅዮን መፃኢ ሰንበት ብኽልቲኡ ፆታ ብዝካየድ ውድድር ኸምዝዛዘም ካብ ማሕበር ዳያኑ ብሽክሌታ ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ዝተሳተፉሉ ዓብዪ ጉያ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ፖሊስ ፌደራል ኣፍሊጡ
Nov 17, 2024 213
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/8/ 2017 /ኢዜአ/ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ዝተሳተፉሉ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ፖሊስ ፌደራል ኣፍሊጡ፡፡ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀጥታን ድሕንነትን ብምውዳድ ድሕንነት ተሳተፍቲ እቲ ውድድር ተሓሊዩ ብሰላም ንኽዛዘም ከም ወትርኡ ብፅሒቱ ከምዝተዋፀአ ተገሊፁ፡፡ ፖሊስ ፌደራል÷ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓወት ንኽዛዘም ንኣካላት ፀጥታ ምትሕብባር ንዝገበሩ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ንኣሰናዳኢ ኮሚቴ እቲ በዓል ከምኡ እውን ሓላፍነቶም ብብቕዓት ንዝተዋፅኡ ኣካላት ፀጥታን ድሕንነትን ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡
ጥሕሰት ሕጊ ዶፒንግ ፈፂሞም ዝተብሃሉ ኣትሌታት ተቐፂዖም
Nov 11, 2024 194
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/2/ 2017 /ኢዜአ/ኣትሌት ህብስት ጥላሁን ኣስረስ፣ ሳሙኤል ኣባተ ዘለቀን ፀሐይ ገመቹ በያንን ዝተኸልከሉ ዘተባብዑ ቅመማት(ዶፒንግ) ብምጥቃም ጥሕሰት ሕጊ ከምዝፈፀሙ ተረጋጊፁ። ብመሰረት እዚ ኣትሌት ፀሐይ ገመቹ በያን ብመሰረት ዝተገበረላ ምርመራ ባይሎጂካል ፖስፖርት ኣትሌት እቲ ቅመም ምጥቃማ ከምዝተረጋገፀ በዓል መዚ ፀረ ምትብባዕ ቅመማት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ካብ 30 ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 4 ዓመታት ኣብ ዝኾነ ይኹን ውድድራት ስፖርት ንከይትሳተፍ ተወሲኑ። ብተወሳኺ ካብ 2020 ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2024 ዘመዝገበቶ ውፅኢት ንክስረዝ ቅፅዓት ተመሓላሊፉላ። ኣትሌት ህብስት ጥላሁን ኣስረስ ኣብ ቻይና ኣብ ዝነበረ ውድድር ብዝተገበረ ምርመራ Triamcinolone acetonide ዝተብሃለ ዝተኸልከለ ንጥረ ነገር ምጥቃማ ተረጋጊፁ። ስለዝኾነ ካብ 3 ሰነ 2024 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ንክልተ ዓመታት ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓይነታት ውድድር ስፖርት ንከይትሳተፍ እገዳ ተነቢሩላ። ኣትሌት ሳሙኤል ኣባተ ዘለቀ፥ 29 ለካቲት 2023 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዝተኻየደ ምርመራ EPO (Erythropoietin) ዝተብሃለ ዝተኸልከለ ነጥረ ነገር ከምዝተጠቐመ ተረጋጊፁ። ስለዝኾነ ካብ 17 ሚያዝያ 2024 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ን2 ዓመታት ኣብ ዝኾነ ውድድራት ስፖርት ንከይሳተፍ ዘኽእል አግድ ተነቢሩሉ።
ዋና ፀሓፊ ፊፋን ምክትል ፕሬዚዳንት ካፍን ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም
Oct 21, 2024 447
ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/11/ 2017 /ኢዜአ/ዋና ፀሓፊ ፊፋ ላርስ ኒልስ ማቲያስ ግራፍስትሮምን ምክትል ፕሬዚዳንት ካፍ ሱሌማን ዋበሪን ኣብ መበል 46 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካፍ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም። ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳየን ሁርያ ዓሊን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኣቀባብላ ከምዝገበርሎም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ ዓመታዊ ደገፍ ዕጥቂ ስፖርት ገይሩ
Oct 4, 2024 628
ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/24/ 2017 /ኢዜአ/ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንፌዴሬሸን ኣትሌቲክስ ክልል ትግራይ ዓመታዊ ደገፍ ዕጥቂ ስፖርት ኣበርኪቱ። ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ተስፋይ አስገዶም(ዶክተር)ን በዓል ሞያ እቲ ፌዴሬሽን ኣይተ ተስፋዬ ይፍሩን ብሓባር ብምዃን ኣብ ከተማ መቐለ እቲ ዕጥቂ ኣረኪቦም። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ክልል ትግራይ ኣይተ ሃፍቶም በርሀ፥ ነቲ ዝተገበረ ደገፍ አመስጊኖም ተረኪቦም።
ኣትሌት ትግስት ኣሰፋ ኣብ መዝገብ ጊነስ ወርልድ ተመዝጊባ
Oct 3, 2024 527
አዲስ አበባ/መስከረም/23/2017/ኢዜአ/ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ትግስት ኣሰፋ ኣብ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ 2 ሰዓት ምስ 11 ደቒቓን 53 ሰከንድን ብምእታው ኣብ ሪከርድ ጊነስ ወርልድ ብዕሊ ተመዝጊባ። እታ ኣትሌት ወረቐት ምስክር ሪከርድ ጊነስ ወርልድ ተቐቢላ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ሴፕቴምበር 24 2023 ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ቢኤምደብሊው በርሊን ማራቶን 'ያ ኽብረወሰን ዓለም ዘመዝገበት ክብል ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ኣፍሊጡ።
ስሑል ሽረን ሃዋሳ ከተማን ሓደ ማዕረ ተፈላሊየን
Sep 27, 2024 587
ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/17/ 2017 /ኢዜአ/ ኣብ ካልኣይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ስሑል ሽረን ሃዋሳ ከተማ ሓደ ማዕረ ተፈላሊየን። ስሑል ሽረ ፋሲል ኣስማማው ኣብ መበል 48 ደቒቕ ብዘመዝገባ ሸቶ እናመርሐት ትፅናሕ እምበር÷ ተፃዋታይ ጋንታ ስሑል ሽረ መሓመድ ሱሌይማን ኣብ መበል 93 ደቒቕ ኣብ ናይ ባዕሉ መረብ ብዘመዝገባ ሸቶ ሃዋሳ ከተማ ነጥቢ ክትማቐል ክኢላ፡፡ መርሃ ግብሪ ካልኣይ ሰሙን እቲ ሊግ እንትቕፅል÷ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ሰዓት 10፤ ከምኡ እውን ባሕር ዳር ከተማ ምስ ኣዳማ ከተማ ምሸት ሰዓት 1 ክራኸባ ኢየን።
ኣብ ፕሪሚየር ሊጉ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ክልተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም
Sep 23, 2024 279
ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/13/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ መወዳእታ መርሃ ግብሪ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ክልተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም። ብመሰረት እዚ ጋንታ ኣዳማ ከተማ ምስ ጋንታ ስሑል ሽረ ሰዓት 10 ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ክፃወታ ኢየን። ስሑል ሽረ ኣብዚ ዓመት ዳግም ናብቲ ውድድር ምምላሳ ዝዝከር እንትኸውን÷ ኣዳማ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ዘበነ ውድድር 44 ነጥቢ ብመሓዝ 7ይ ደረጃ ብመሓዝ ክትዛዝም ክኢላ ነይራ፡፡ ምሸት ሰዓት 1 ጋንታታት ድማ ሲዳማ ቡናን ሃዋሳ ከተማን ፀወተአን ከካይዳ ኢየን። ክልቲአን ጋንታታ ኣብ ዘበነ ውድድር 2016 ዝተራኸባሎም ፀወታታታት ሃዋሳ ከተማ ሓደ ግዘ እንትትስዕር÷ ሓደ ግዘ ድማ ማዕረ ተፈላሊየን ነይረን።
ኣብ ወላይታ ሶዶ “ንጊፋታ ክጎዪ 'ያ” ብዝብል ቴማ ጉያ ጊፋታ ተኻይዱ
Sep 20, 2024 295
አዲሰ አበባ/መስከረም/10/2017/ኢዜአ/ ድሮ በዓል ዘመን መለወጢ ወላይታ “ጊፋታ” ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ ይርከብ። ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተሳተፉሉ ጉያ ጊፋታ “ንጊፋታ ክጎዪ 'የ” ብዝብል ቴማ ተሳሊጡ። ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ጊፋታ “እሴታት ጊፋታ ንኹለመዳያዊ ብልፅግና” ብዝብል 12 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ ወላይታ ሶዶ ክኽበር 'ዩ። ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን እቲ ክልል ኣይተ ወገኔ ብዙነህ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ጊፋታ ሓዱሽ ተስፋ ዝስነቐሉ፣ ትማሊ ዝነበረ ቒምታ ይቕረ ዝበሃለሉን ምዃኑ ተዛሪቦም። ኣብቲ ውድድር ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ንዝወፁ ተወዳደርቲ ሽልማት ገንዘብ ከምዝተበርከተ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ፀብፂቡ።
መቐለ 70 እንደርታን ሃዲያ ሆሳእናን ፈላማይ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2017 ክገብራ ኢየን
Sep 20, 2024 248
ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/10/ 2017 /ኢዜአ/ መርሃ ግብሪ ውድድር 2017 ዓ.ም ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታን ሃዲያ ሆሳእናን ብዝገብረኦ ፀወታ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ክጅመር ኢዩ። ብመሰረት እዚ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ ሊግ ዘይነበረት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ምስ ሃዲያ ሆሳእና ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ብዘካይደኦ ፀወታ እቲ ሊግ ክፍልም ኢዩ፡፡ ቀዳማይ ሰሙን መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ እንትቕፅል ምሸት ሰዓት 1 ጋንታት ኣርባ ምንጭ ከተማን ድሬዳዋ ከተማን ክራኸባ ኢየን። ፅባሕ ድማ ወልቂጤ ከተማ ምስ መቻል ቀትሪ ሰዓት 10 ከምኡ እውን ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ምስ ባህር ዳር ከተማ ምሸት ሰዓት 1 ፀወተአን ከካይዳ ኢየን፡፡ መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2017 ዓ.ም 19 ጋናታታት ከምዝሳተፋሉ ሓበሬታ እቲ ሊግ የመላኽት፡፡
ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብሽክሌታ ፀብለልታ ንዘርኣዩ ተወዳደርቲ ሜዳሊያ ተበርኪቱሎም
Sep 17, 2024 256
ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/7/ 2017 /ኢዜአ/ ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲግራት ውድድር ብሽክሌታ ብክልቲኡ ፆታ ተኻይዱ። ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብሽክሌታ ፀብለልታ ብምርኣይ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ንዝዛዘሙ ተወዳደርቲ ሜዳሊያ ተበርኪቱሎም። ብመሰረት እዚ፦ ማውንቴይን ደቂ ተባዕትዮ 1ይ ናሆም መዝገቦ፦ ራይት ማይ ሜዳሊያ ወርቂ 2ይ ኣዶናይ ፊሊሞን፦ ራይት ማይ ሜዳሊያ ብሩር 3ይ ለገሰ ሰለሞን፦ ማይ ግልጋሎት ከተማ ዓዲግራት ሜዳሊያ ነሓስ ኮርሶ ደቂ ኣንስትዮ 1ይ ምዕራፍ ገረዚሄር፦ ካብ ጋንታ መሰፍን ሜዳሊያ ወርቂ 2ይ ሄለን ፍስሃ፦ ካብ ጋንታ ትራንስ ሜዳሊያ ብሩር 3ይ ገነት መኮነን፦ ካብ 70 እንደርታ ሜዳሊያ ነሓስ ተዓዊተን።