ሓለዋ ኸባቢ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓለዋ ኸበቢ
መርሃ ግብርታት ወሰን ሩባታት፣ልምዓት ኮሪደርን ሓምለዋይ ኣሰርን ብኽለት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምቕናስ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ እዮም
Feb 20, 2025 32
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት/ 13/2017 (ኢዜኣ) መርሃ ግብርታት ወሰና ወሰን ሩባታት፣ልምዓት ኮሪደርን ሓምለዋይ ኣሰርን ብኽለት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምቕናስ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾኑ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ማሕበር ሞያ ቶራሲክ ሶሳይቲ ኢትዮጵያ ምስ ሕማም ሳንባን ካልኦት ሕማማትን ተዛሚዶም ኣብ ዝፍጠሩ ሕማማት መተንፈሲ ዝሰርሕ ማሕበራዊ ትካል እዩ። እቲ ማሕበር ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ መተንፈሲ ኣካላት ዘሕድሮ ዘሎ ፅልዋ ከመይ ምቕናስ ይከኣል ብዝብል መበል 11 ዓመታዊ ኮንፈረንስ ኣሳሊጡ። ኣብቲ መድረኽ ፤ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ለሊሴ ነሜ፣ፕሬዚዳንት ማሕበር ሞያ ቶራሲክ ሶሳይቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ራሄል ኣርጋውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም። ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ለሊሴ ነሜ፤ መንግስቲ ምስ ከባብያዊ ብኽለት ብዝተኣሳሰረ ዘጋጥም ፅልዋ ንምቕናስ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ ኢለን። ስለዝኾነ እውን ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ስምምዕ ብምፍፃም ኣብታ ሃገር ዘሎ ከባብያዊ ብኽለት ንምቕናስን ንፁህ ከባቢ ንምፍጣርን ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ሓቢረን። ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመሩ መርሃ ግብርታት ወሰና ወሰን ሩባታት፣ልምዓት ኮሪደርን ሓምለዋይ ኣሰርን ብኽለት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምቕናስ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾነ ከም ኣብነት ፀሪሐን። ፕሬዚዳንት እቲ ማሕበር ዶክተር ራሄል ኣርጋው ብግደአን፤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ልዕሊ መተንፈሲ ኣካላት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሳምባ ልዑል ጉድኣት ከምዘስዕብ ገሊፀን። እቲ ኮንፈረንስ፤ ኣብ ሕማማት ሳምቡእ፣ኣስሚ፣ሱር ዝሰደደ ኣካል መተንፈሲ፣ካንሰርን ተዛመድቲ ጉዳያት ጥዕናን ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ሕማማት መተንፈሲ ኣካላት ዘለዎ ግንዛበ ንምዕባይን ኣብቲ ሕማም ዝግበር ምርመራ ንምድጋፍን ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣረዲአን።
ኢትዮጵያ ብኩነታት ለውጢ ከባብያዊ አየር ዘይብዳህ ተመክሮ ፍሪያት ግብርናኣ ኣማቒላ
Feb 13, 2025 73
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/6/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ብኩነታት ለውጢ ከባብያዊ አየር ዘይብዳህ ተመክሮ ፍሪያት ግብርናኣ ኣማቒላ። እቲ ተመክሮ፥ “ዓለም ለኸ መስኖን ብኩነታት ለውጢ ከባብያዊ አየር ዘይብዳህ መፍሪያይነትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኢያ ኣቕሪባ። ኣብቲ ጉባኤ፥ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ሓዊሱ ሚኒስትራትን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ተሳቲፎም። ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዘላቒ ልምዓትን ምፅዋር ለውጢ ከባብያዊ አየርን ተመዝግቦ ዘላ ውፅኢት ንተሳተፍቲ ኣቕሪበን። ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰርን ሓለዋ ከባቢን ጭቡጥ ዝበሃል ለውጢ ትትግብር ከምዘላ ሓቢሮም። ምክልኻል ለውጢ ከባብያዊ አየር ኣካል ናይዚ ትሕዝቶ ትልሚ ከምዝኾነ ሓቢረን። ክሳብ ሐዚ 40 ቢሊየን ፈልሲታት ብምትካል ሽፋን ደኒ እዛ ሃገር 6 ሚኢታዊ ክዓቢ ከምዝኸኣለ ኣገንዚበን።
ዓለም ለኸ ጉባኤ መስኖን ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ልምዓትን ኣብዚ ሰሙን ካካየድ ኢዩ
Feb 10, 2025 76
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/3/ 2017 /ኢዜአ/ዓለም ለኸ ጉባኤ መስኖን ለውጢከባብያዊ አየር ዘይብዳህ ልምዓትን ካብ 5 ክሳብ 7 ለካቲት 2017 ዓ.ም ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ካካየድ ኢዩ፡፡ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ትካላትን ዝተውፃእፅኡ ለዕሊ 1 ሺሕ ተሳተፍቲ ከምዝርከቡ ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣፍሊጡ፡፡ ኣብቲ ጉባኤ ኣብቲ ዓውዲ ዝስተውዓሉ ማሕለኻትን ዘለዉ ዓወታትን መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ ምርምር ከምዝቐርቡ ተሓቢሩ፡፡ ኢትዮጵያ ብምግቢ ርእሳ ንምኽኣል፣ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምክልኻልን ፍርያትን መፍረያይነትን ንምድንፋዕብ ኣብ ስራሕቲ መስኖ ዘመዝገበቶም ውፅኢታት ብተሞክሮ ከምዝቐርቡን ልምዲ ከምዝውሰኸሎምን ተገሊፁ።
ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንፅዕንቶ ለውጢ ከበብያዊ አየር ዘይብዳህ ተሞክሮ ዓለም እዩ-ትካላት ዓለም ለኸ
Feb 10, 2025 82
አዲስ አበባ/ የካቲት/ 03/2017(ኢዜአ)፦ ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንፅዕንቶ ለውጢ ከበብያዊ አየር ዘይብዳህ ተሞክሮ ዓለም ምኹኑ ዝድነቐ እዩ ክብሉ ትካላት ዓለም ለኸ መስኪሮም አብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስምምዕነት ለውጢ ከባብያዊ አየር ማእከል ምትሕብባር ስፔሻሊስት ዕድጊት ዞባ ምብራቐን ደቡብ አፍሪካን አርባንስ ቤኒዋኒራ፤ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምንካይ ዞባውን ዓለም ለኸ ተራአ ሒዛ ትዋሳእ ከም ዘላ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ንፅዕንቶ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምንካይ ብዘፈር አማራፂ ሓምለዋይ አሰርን ታሃዳሲ ሓይሊን ዕውት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ምህናፃ ዝድነቐ እዩ አሎም ። ንአልቦ ሞተርን ብኤሌክትሪክ ዝተደገፈ ስርዓት ትራንስፖርት ጠመተ ሂባ ንትግበራ ዓለም ለኸ ስምምዓትን ንምንካይ ልቀት በከልቲ ጋዛት ዘለዋ ቁሩብነት ከምዘርኢ አመልኪቶም። እቲ ስትራተጂ ብመስረት ስምምዕነት ንብረት አየር ፓሪስ ዕቑር ዓቐሚ ሃገር ንምጥቃም ከም ዝሕግዝውን ፀሪሖም። አብ መማረፂ ሓይሊ ታሃዳሲ ዝስርሑ ስርሓትታት ልምዓት ንዜጋታት ጥዕና ዘለዎ ከባቢ አብ ምፍጣር ዘይትካእ ተራ ከምዝህልዎ አገንዚቦም።
ዓለም ለኸ ጉባኤ መስኖን ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ መፍረያይነትን ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ እዩ
Feb 7, 2025 53
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 30/2017 (ኢዜኣ) ዓለም ለኸ ጉባኤ መስኖን ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ መፍረያይነትን ካብ 5 ክሳብ 7 ለካቲት 2017 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ክካየድ እዩ። ኣብቲ ጉባኤ፤ መራሕቲ ሃገራት፣ሰብ ሞያን ዝምልከቶም ኣካላትን ክሳተፉ እዮም። እቲ ጉባኤ፤ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃልዑ ትግበራ ፖሊሲታት ቴክኖሎጂ ንምሕንፃፅን ውሕስና ምግቢ ኣፍሪካ ንምርግጋፅን ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት። እቲ ዘተ ከም መጨበጢ ግንዛበ ኮይኑ ከምዘገልግል እውን ተገሊፁ።
ኣብ ክልል ጋምቤላ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ለውጢ ሰዓት ስራሕ ክግበር ኢዩ-ቤት ምኽሪ ጋምቤላ
Feb 7, 2025 41
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/30/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ጋምቤላ ብምኽኒያት ምውሳኽ ዋዒ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ለውጢ ሰዓት ስራሕ መንግስቲ ከምዝግበር ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኡቶው ኡኮት፥ እቲ ለውጢ ሰዓት ስራሕ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንሰለስተ ኣዋረሕ ዝፀንሕ ኢዩ። ብመሰረት እዚ ቅድም ክብል ስሩዕ ሰዓት ስራሕ ካብ ንጎሆ 1፡00 ክሳብ 6፡30 ዝነበረ ካብ 1፡00 ክሳብ 5፡30 ከምዝኸውን ተዛሪቦም። ድሕሪ ቀትሪ ድማ፥ ካብ ሰዓት 9፡00 ክሳብ 11፡30 ዝነበረ ካብ 10፡00 12፡30 ክኸወን ኢዩ ኢሎም። እቲ ውሳነ ኣብ ዞባ ማጃንግ ናይ ዘለዋ ወረዳታት መንገሺን ጎደሬን ከምዘይሓውስ መግላፆም ኣብ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ክልል ትግራይ ብዳግመ ልምዓት ተፋሰስ ዝሓወየ 229 ሺሕን ሄክታር መሬት ንሓረስቶት ተዋሂቡ
Feb 7, 2025 43
ኣዲስ ኣበባ /ጥሪ/ 30/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ትግራይ ብዳግመ ልምዓት ተፋሰስ ዝሓወየ 229 ሺሕን ሄክታር መሬት ንዝተወደቡ ሓረስቶት ከምዝተሃቡ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ገሊፁ። መራሒ ጉጅለ ተፋሰስ ልምዓት እቲ ቢሮ ጠዓመ ገብረስላሰ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብቲ ክልል ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ምኽንያት ዝተጎድአ መሬት ብዝተዋደደ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን መሊሶም ክሓውዩ ንምግባር እናተሰርሐ ይርከብ። በዚ ድማ ቅድም ብዝተፈላለዩ ተፋሰሳት ኣብ ዝተወገኑ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን 229 ሺሕን ሄክታር መሬት ብማሕበር ንዝተወደቡ 198 ሺሕን ሓረስቶት ክወሃብ ከምዝተገበረ ገሊፆም። ዝለምዑ ተፋሰሳት ካብ ሰብን እንስሳትን ናፃ ብምግባር ንሓረስቶት ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ንምውዓል እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ሓረስቶት ብቐዋሚነት ተረባሕቲ ክኾኑ ሕጋዊ መረጋገፂ በዓልዋናነት ካርታ ከወሃቦም ከምዝተበረ አመልኪቶ ፡፡
ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ካብ ተመፅዋታይነት ንምልቓቕን ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም-ርእሰ ምምሕዳር ዓለሚቱ ኡሞድ
Feb 5, 2025 44
ጋምቤላ/ጥሪ /28/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ጋምቤላ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ካብ ተመፅዋታይነት ንምልቓቕን ስራሕቲ ልምዓትን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ወይዘሮ ዓለሚቱ ኡሞድ ገሊፀን። ኣብቲ ክልል መርሃ ግብሪ ጎስጓስ ልምዓት ተፋሰስ ዕቀባ ሓመድን ማይን 2017 ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልል ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዞባ ማጃንግ ወረዳ ጎደሬ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ። ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ወይዘሮ ዓለሚቱ ኡሞድ ኣብቲ ቦታ ተረኺበን እቲ ስራሕ ኣብ ዘጀመራሉ እዋን ከምዝበልኦ፤ ስራሕቲ ልምዓትን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ መፍረያይነት ብምዕባይ ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ወሳኒ እጃም ኣለዎም። “ብፍላይ ድማ ዝባደሙን ዝተጎድኡን ከባብታት ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብምጥንኻር ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ካብ ተመፅዋታይነት ሓራ ንምውፃእን ዝተትሓዘ ሽቶ ንምዕዋት ጠንኪርና ክንሰርሕ ይግባእ” ኢለን። ስለዝኾነ ድማ ከም ክልል ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ስራሕቲ ልምዓትን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብትኹረት ምስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪበን። ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣይተ ፓል ቱት ብግደኦም፤ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ስራሕ ልምዓት ተፋሰስ ኣብ ኩሎም ወረዳታት 145 ሽሕ ሄክታር ዝባደመ መሬት ንምሽፋን ተተሊሙ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኣረዲኦም። ስለዝኾነ እውን ኣብ ኩሎም ወረዳታት ኣብ ዝተፈለዩ 138 ተፋሰሳት ስራሕ ዕቀባ ሓመድን ማይን ከምዝሳለጥ ኣብራህሪሆም።
ኣብ ክልል ትግራይ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተጀሚሩ
Feb 3, 2025 61
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/26/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ከባቢታት ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ከምዝተጀመረ ቢሮ ሕርሻ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ፡፡ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኢያሱ ኣብርሃ (ዶ/ር) ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ስራሕ ን20 መዓልቲታት ከምዝፀንሕን በዚ ድማ 30 ሺሕ ሄክታር መሬት ክለምዕ ከምዝግበርን ኣብሪሆም። እቲ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን÷ "ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንዘላቒ ልምዓትናን ሓድነትናን" ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡ ብፍላይ ዝተጎድኡ ከባቢታት ዳግም ንኽለምዑ ናይ ምግባር ዕላማ ዘለዎ ኢዩ ኢሎም። እቲ ስራሕ ብፀሬትን ብቅልጣፈን ንምውጋን ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተገበሩ ከምዝፀንሑ ዝሓበሩ ድማ ኣብቲ ቢሮ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ ኢዮም። ሰብ ሞያ ነቲ ስራሕ ብቕርበት ንምምራሕን ንምክትታልን ናብ ወረዳታት ከምዝተዋፈሩ ምግላፆም ኢዜአ ፀብፂቡ፡፡
አብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝሳለጥ ስራሕ ዕቀባ ማይን ሓመድን ስነ ምህዳር እቲ ከባቢ ንክምለስ ሓገዝ ይገብር እዩ-ርዕሰ ምምሕዳር አሻድሊ ሐሰን
Jan 23, 2025 78
አሶሳ/ ጥር/ 15/2017(ኢዜአ)፦ አብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝሳለጥ ስራሕ ዕቀባ ማይን ሓመድን ስነ ምህዳር እቲ ከባቢ ንክምለስ ሓገዝ ይገብር እዩ ክብሉ ርዕሰ ምምሕዳር አሻድሊ ሐሰን ተዛሪቦም ። አብ ምጅማር እቲ መርሃ ግብሪ ምኸትል ርዕሰ ምምሕዳር አይተ ጌታሁን አብዲሳ፣ አፈ ጉባኤ ቤት ምኸሪ እቲ ክልል ወይዘሮ አስካል አልቦሮ፣ ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ቤኒሻንጉል ጉሙዝ አይተ ኢሳቅ አብዱልቃድርን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ን ተሳቲፎም ።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ አይተ ጥላሁን ከበደ ክልላዊ ዝተዋደደ ስራሕ ልምዓት ተፋሰስ አጀሚሮም
Jan 23, 2025 62
ሳውላ/ ጥር/ 15/2017(ኢዜአ)፡- ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ አይተ ጥላሁን ከበደ ናይ ሎሚ ዘበን ክልላዊ ዝተዋደደ ስራሕ ልምዓት ተፋሰስ አብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ አጀሚሮም ። ስርሓቲ ልምዓት ተፋሰስ እቲ ክልል "ፀጋ ሓመድና ንብልፅግናና" አብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ ተጀሚሩ አሎ። እቲ ልምዓታዊ ስራሕ ሕብረተሰብ ብምስታፍ ን30 ማዕልትታት ክፀንሕ እዩ ።
ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ጎስጓስ ልምዓት ተፋሰስ ተጀሚሩ
Jan 22, 2025 75
አዲስ አበባ/ጥሪ/14/2017/ኢዜአ/ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ ስራሕቲ ዝተዋደደ ልምዓት ተፋሰስ ሎሚዓመት እናተሳለጠ 'ዩ። እቲ መርሃ ግብሪ “ዝተዋደደ ልምዓት ተፋሰስ ንብልፅግና ሕብረተሰብ” ብዝብል ቴማ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል እንዳሻው ጣሰው(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ወረዳ ማረቆ ጣብያ ጎላ ጩመና እናተሳለጠ 'ዩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ እቲ ጎስጓስ መደረ ዝገበሩ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፤ ማረቆ ካብ ሎማዓንቲ ጀሚሩ ናይ ኹሉ ገዛን ናይ ሰላምን ልምዓትን ቦታን 'ዩ ኢሎም። እቲ ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰሳት ኣብ ሓደ ሽሕን 301 ንኡሳት ተፋሰሳት ኣብ 280 ሽሕ ሄክታር መሬት ከምዝሳለጥ ዝተመላኸተ እንትኸውን ንዝቕፅሉ 25 መዓልትታት ተግባራዊ ከምዝግበርን 2 ሚሊዮን ዝኣክል ሰብ ከምዝሳተፍ ትፅቢት ይግበር ።
ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ተፋሰሳት ክጣየሽ 'ዩ
Jan 20, 2025 74
አዲስ አበባ/ጥሪ/12/2017/ኢዜአ/ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ቐዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ማይ፣ መስኖ፣ ከባቢ ቆላን ልምዓት ከባቢን ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ መጣየሺ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ተፋሰሳት መፈፀሚ ምምሕዳር ዝተዋደደ ሃፍቲ ማይ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዘትዩ። ኣብቲ ምይይጥ ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ማይ፣ መስኖ፣ ከባቢ ቆላን ልምዓት ፈቲያ ኣሕመድ ከምዝተዛረብኦ፤ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ተፀዋዕነቱ ንቐዳማይ ሚኒስትር ኾይኑ ምድላዉ ጉዳይ ማይ ዝደልዮ ልዑል ኣድህቦ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዳለወ ምዃኑ ዘመላኽት 'ዩ። እቲ ኣዋጅ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ማይ ገፀ ምድርን ኸርሰ ምድርን ብፍትሓውነትን ዘላቕነትን ንምጥቃም ንኽትክእል ዝሕግዝ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣብ ጉዳይ ማይ ንዝውስኑ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብሓደ ብምውዳብ ውፅኢታዊ ምምሕዳር ሃፍቲ ማይ ንክህልው ዝገብር 'ዩ ክብላ ተዛሪበን። ኣብቲ ኣዋጅ ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምግባር እታዎት ተወሲኽዎ ንኽፀድቕ ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ከምዝቐርብ ተመላኺቱ።
መበል 69 ፎረም ከባቢ ኣየር ቐርኒ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስላጥ ጀሚሩ
Jan 20, 2025 69
አዲስ አበባ/ጥሪ/12/2017/ኢዜአ/ መበል 69 ፎረም ከባቢ ኣየር ቐርኒ ኣፍሪካ “ክፍተታት ቕድመ መጠንቀቕታ ግልጋሎታት ከባቢ ኣየር ብሓባር ምፅባብ” ብዝብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ምስላጥ ጀሚሩ ። ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣይተ ፈጠነ ተሾመ ኣብቲ ፎረም ከምዝተዛረብዎ፤ እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ መረዳእታ ዝተመስረተ ውሳነ ንክህብ ዘኽእል ዘተኣማምንን ተበፃሕን መረዳእታ ነባሪ ኣየር ንምቕራብ እናሰርሐ 'ዩ። ነዚ 'ውን ተበፃሕነቱ እናስፍሐ፣ ማእኸላት ክልል እናብቅዐ፣ መሳርሕታት እናዘመነን ዓቕሚ ሰራሕተኛታት እናዕበየን እናጠናኸረን ይርከብ ኢሎም። ለውጢ ከባቢ ኣየር ስሩዕ ዘይኾነ ማይ፣ ድርቅን ልዕሊ መጠን ማይን የስዕብ። ስለዚ ሓደጋታት ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምንካይን ፀገማት ናብ ዕድላት ንምቕያርን መረዳእታ ከባቢ ኣየር ኣድላዪ ምዃኑ ተዛሪቦም። እተ ፎረም ሎማዓንቲ ሓዊሱ ንኽልተ መዓልትታት ክሳለጥ 'ዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ዝነኣድ ስራሕ እናሳለጠት እያ-ሳሙሄል ዶ
Jan 17, 2025 87
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ /9/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ዝነኣድ ስራሕ እናሳለጠት ከምትርከብ ትካል ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣፍሊጡ። “ሓምለዋይ ጉዕዞ ኢትዮጵያ 2030” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ልምዓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ተወካሊ ትካል ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣብ ኢትዮጵያ ሳሙሄል ዶ፣ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓት ኢኮኖምን በረከት ተስፋጽዮን ሓዊሱ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ተረኺቦም። ተወካሊ ትካል ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣብ ኢትዮጵያ ሳሙሄል ዶ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ ትርከብ። ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ዝነኣድ ስራሕ ከምዘሳለጠት ተዛሪቦም። ኣብ ፕሮግራም ሓምለዋይ ኣሰር 40 ቢልዮን ፈልሲ ምትካላ ብምንኣድ፤ ስምምዕ ፓሪስ ተግባራዊ ንምግባር ዘርኣየቶ ቆራፅነት እውን ሓቢሮም። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓት ኢኮኖምን በረከት ተስፋጽዮን ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምትርከብ ገሊፆም። ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ኢትዮጵያ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ከምዝዝተየሎም ተገሊፁ።