ሓለዋ ኸበቢ
መርሃ ግብርታት  ወሰን ሩባታት፣ልምዓት ኮሪደርን ሓምለዋይ ኣሰርን ብኽለት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምቕናስ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ እዮም
Feb 20, 2025 32
  ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት/ 13/2017 (ኢዜኣ) መርሃ ግብርታት ወሰና ወሰን ሩባታት፣ልምዓት ኮሪደርን ሓምለዋይ ኣሰርን ብኽለት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምቕናስ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾኑ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ማሕበር ሞያ ቶራሲክ ሶሳይቲ ኢትዮጵያ ምስ ሕማም ሳንባን ካልኦት ሕማማትን ተዛሚዶም ኣብ ዝፍጠሩ ሕማማት መተንፈሲ ዝሰርሕ ማሕበራዊ ትካል እዩ። እቲ ማሕበር ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ መተንፈሲ ኣካላት ዘሕድሮ ዘሎ ፅልዋ ከመይ ምቕናስ ይከኣል ብዝብል መበል 11 ዓመታዊ ኮንፈረንስ ኣሳሊጡ። ኣብቲ መድረኽ ፤ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ለሊሴ ነሜ፣ፕሬዚዳንት ማሕበር ሞያ ቶራሲክ ሶሳይቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ራሄል ኣርጋውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም። ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ለሊሴ ነሜ፤ መንግስቲ ምስ ከባብያዊ ብኽለት ብዝተኣሳሰረ ዘጋጥም ፅልዋ ንምቕናስ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ ኢለን። ስለዝኾነ እውን ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ስምምዕ ብምፍፃም ኣብታ ሃገር ዘሎ ከባብያዊ ብኽለት ንምቕናስን ንፁህ ከባቢ ንምፍጣርን ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ሓቢረን። ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመሩ መርሃ ግብርታት ወሰና ወሰን ሩባታት፣ልምዓት ኮሪደርን ሓምለዋይ ኣሰርን ብኽለት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምቕናስ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾነ ከም ኣብነት ፀሪሐን። ፕሬዚዳንት እቲ ማሕበር ዶክተር ራሄል ኣርጋው ብግደአን፤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ልዕሊ መተንፈሲ ኣካላት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሳምባ ልዑል ጉድኣት ከምዘስዕብ ገሊፀን። እቲ ኮንፈረንስ፤ ኣብ ሕማማት ሳምቡእ፣ኣስሚ፣ሱር ዝሰደደ ኣካል መተንፈሲ፣ካንሰርን ተዛመድቲ ጉዳያት ጥዕናን ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ሕማማት መተንፈሲ ኣካላት ዘለዎ ግንዛበ ንምዕባይን ኣብቲ ሕማም ዝግበር ምርመራ ንምድጋፍን ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣረዲአን።
ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንፅዕንቶ ለውጢ ከበብያዊ አየር ዘይብዳህ ተሞክሮ ዓለም እዩ-ትካላት ዓለም ለኸ
Feb 10, 2025 82
  አዲስ አበባ/ የካቲት/ 03/2017(ኢዜአ)፦ ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንፅዕንቶ ለውጢ ከበብያዊ አየር ዘይብዳህ ተሞክሮ ዓለም ምኹኑ ዝድነቐ እዩ ክብሉ ትካላት ዓለም ለኸ መስኪሮም አብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስምምዕነት ለውጢ ከባብያዊ አየር ማእከል ምትሕብባር ስፔሻሊስት ዕድጊት ዞባ ምብራቐን ደቡብ አፍሪካን አርባንስ ቤኒዋኒራ፤ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምንካይ ዞባውን ዓለም ለኸ ተራአ ሒዛ ትዋሳእ ከም ዘላ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ንፅዕንቶ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምንካይ ብዘፈር አማራፂ ሓምለዋይ አሰርን ታሃዳሲ ሓይሊን ዕውት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ምህናፃ ዝድነቐ እዩ አሎም ። ንአልቦ ሞተርን ብኤሌክትሪክ ዝተደገፈ ስርዓት ትራንስፖርት ጠመተ ሂባ ንትግበራ ዓለም ለኸ ስምምዓትን ንምንካይ ልቀት በከልቲ ጋዛት ዘለዋ ቁሩብነት ከምዘርኢ አመልኪቶም። እቲ ስትራተጂ ብመስረት ስምምዕነት ንብረት አየር ፓሪስ ዕቑር ዓቐሚ ሃገር ንምጥቃም ከም ዝሕግዝውን ፀሪሖም። አብ መማረፂ ሓይሊ ታሃዳሲ ዝስርሑ ስርሓትታት ልምዓት ንዜጋታት ጥዕና ዘለዎ ከባቢ አብ ምፍጣር ዘይትካእ ተራ ከምዝህልዎ አገንዚቦም።
ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ካብ ተመፅዋታይነት ንምልቓቕን ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም-ርእሰ ምምሕዳር ዓለሚቱ ኡሞድ
Feb 5, 2025 44
  ጋምቤላ/ጥሪ /28/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ጋምቤላ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ካብ ተመፅዋታይነት ንምልቓቕን ስራሕቲ ልምዓትን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ወይዘሮ ዓለሚቱ ኡሞድ ገሊፀን። ኣብቲ ክልል መርሃ ግብሪ ጎስጓስ ልምዓት ተፋሰስ ዕቀባ ሓመድን ማይን 2017 ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልል ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዞባ ማጃንግ ወረዳ ጎደሬ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ። ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ወይዘሮ ዓለሚቱ ኡሞድ ኣብቲ ቦታ ተረኺበን እቲ ስራሕ ኣብ ዘጀመራሉ እዋን ከምዝበልኦ፤ ስራሕቲ ልምዓትን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ መፍረያይነት ብምዕባይ ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ወሳኒ እጃም ኣለዎም። “ብፍላይ ድማ ዝባደሙን ዝተጎድኡን ከባብታት ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብምጥንኻር ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ካብ ተመፅዋታይነት ሓራ ንምውፃእን ዝተትሓዘ ሽቶ ንምዕዋት ጠንኪርና ክንሰርሕ ይግባእ” ኢለን። ስለዝኾነ ድማ ከም ክልል ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ስራሕቲ ልምዓትን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብትኹረት ምስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪበን። ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣይተ ፓል ቱት ብግደኦም፤ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ስራሕ ልምዓት ተፋሰስ ኣብ ኩሎም ወረዳታት 145 ሽሕ ሄክታር ዝባደመ መሬት ንምሽፋን ተተሊሙ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኣረዲኦም። ስለዝኾነ እውን ኣብ ኩሎም ወረዳታት ኣብ ዝተፈለዩ 138 ተፋሰሳት ስራሕ ዕቀባ ሓመድን ማይን ከምዝሳለጥ ኣብራህሪሆም።
ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ተፋሰሳት ክጣየሽ 'ዩ
Jan 20, 2025 74
አዲስ አበባ/ጥሪ/12/2017/ኢዜአ/ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ቐዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ማይ፣ መስኖ፣ ከባቢ ቆላን ልምዓት ከባቢን ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ መጣየሺ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ተፋሰሳት መፈፀሚ ምምሕዳር ዝተዋደደ ሃፍቲ ማይ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዘትዩ። ኣብቲ ምይይጥ ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ማይ፣ መስኖ፣ ከባቢ ቆላን ልምዓት ፈቲያ ኣሕመድ ከምዝተዛረብኦ፤ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ተፀዋዕነቱ ንቐዳማይ ሚኒስትር ኾይኑ ምድላዉ ጉዳይ ማይ ዝደልዮ ልዑል ኣድህቦ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዳለወ ምዃኑ ዘመላኽት 'ዩ። እቲ ኣዋጅ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ማይ ገፀ ምድርን ኸርሰ ምድርን ብፍትሓውነትን ዘላቕነትን ንምጥቃም ንኽትክእል ዝሕግዝ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣብ ጉዳይ ማይ ንዝውስኑ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብሓደ ብምውዳብ ውፅኢታዊ ምምሕዳር ሃፍቲ ማይ ንክህልው ዝገብር 'ዩ ክብላ ተዛሪበን። ኣብቲ ኣዋጅ ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምግባር እታዎት ተወሲኽዎ ንኽፀድቕ ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ከምዝቐርብ ተመላኺቱ።
ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ዝነኣድ ስራሕ እናሳለጠት እያ-ሳሙሄል ዶ
Jan 17, 2025 87
  ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ /9/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ዝነኣድ ስራሕ እናሳለጠት ከምትርከብ ትካል ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣፍሊጡ። “ሓምለዋይ ጉዕዞ ኢትዮጵያ 2030” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ልምዓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ተወካሊ ትካል ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣብ ኢትዮጵያ ሳሙሄል ዶ፣ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓት ኢኮኖምን በረከት ተስፋጽዮን ሓዊሱ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ተረኺቦም። ተወካሊ ትካል ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣብ ኢትዮጵያ ሳሙሄል ዶ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ ትርከብ። ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ዝነኣድ ስራሕ ከምዘሳለጠት ተዛሪቦም። ኣብ ፕሮግራም ሓምለዋይ ኣሰር 40 ቢልዮን ፈልሲ ምትካላ ብምንኣድ፤ ስምምዕ ፓሪስ ተግባራዊ ንምግባር ዘርኣየቶ ቆራፅነት እውን ሓቢሮም። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓት ኢኮኖምን በረከት ተስፋጽዮን ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምትርከብ ገሊፆም። ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ኢትዮጵያ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ከምዝዝተየሎም ተገሊፁ።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም