ዓለም ለኸ ጉባኤ መስኖን ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ መፍረያይነትን ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ እዩ

 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 30/2017 (ኢዜኣ) ዓለም ለኸ ጉባኤ መስኖን ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ መፍረያይነትን ካብ 5 ክሳብ 7 ለካቲት 2017 / ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ክካየድ እዩ።

ኣብቲ ጉባኤ፤ መራሕቲ ሃገራት፣ሰብ ሞያን ዝምልከቶም ኣካላትን ክሳተፉ እዮም።

እቲ ጉባኤ፤ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃልዑ ትግበራ ፖሊሲታት ቴክኖሎጂ ንምሕንፃፅን ውሕስና ምግቢ ኣፍሪካ ንምርግጋፅን ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

እቲ ዘተ ከም መጨበጢ ግንዛበ ኮይኑ ከምዘገልግል እውን ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም