አርእስተ ዜና
ታጂኪስታን ንስግግር ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንኢዳም
Feb 21, 2025 20
  ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/14/ 2017 /ኢዜአ/ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር ምስ ሚኒስትር ንግዲን ኢኮኖሚ ልምዓትን ታጂኪስታን ዛቭኪዞዳ ዛቭኪ ኣሚን ተዛቲዮም ኣብ ዘተኦም ድማ ኣምባሳደር ጀማል÷ ኢትዮጵያ ናብ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ዝገበረቶ ዕዉት ስግግር ኣመልኪቶም ነቶም ሚኒስትር ገለፃ ገይሮም፡፡ ኢትዮጵያ ን ለውጢ ከባብያዊ አየር ዘይብዳህ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ብዙሓት ተበግሶታት ከም ዝጀመረት እውን ኣብሪሆም፡፡ በዚ ድማ ሕርሻ፣ ማይን ሓይሊን ለውጢ ከባብያዊ አየር ክፃወር ዘኽእል ብሄራዊ ትልሚ መስተኻኸሊ ከምዝተጀመረ ኣልዒሎም፡፡ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 40 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ምግላፆም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ዛቭኪዞዳ ዛቭኪ ኣሚን ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ናብ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ዝገበረቶ ዕዉት ሰግግር ንኢዶም፡፡ ኣብ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት፣ ዝሕደስ ሓይሊን ካልኦትን ክልተኣዊ ምትሕብባር ንምድንፋዕ መንግስቶም ብቖራፅነት ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ እናተፃወተቶ እትርከብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ዝነኣድ ኢዩ - ሕቡራት መንግስታት
Feb 21, 2025 26
  ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/14/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ኣብቲ እናተፃወተቶ ትርከብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ምክትል ዋና ፀሓፊን ሓላፊ ድሕንነት ፀጥታን ጊልስ ሚቻውድ ንኢዶም፡፡ ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ምስ ጊልስ ሚቻውድ ዝተዛተያ እንትኾና፤ ኣብቲ እዋን ዘተ ኢትዮጵያ ንሕቡራት መንግስታት ቁልፊ መሓዛ ከምዝኾነት እቶም ምክትል ዋና ፀሓፊ ኣልዒሎም፡፡ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያን ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ ዝገብሮ ወሳኒ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ፃዕሪ ህንፀት ሰላምን ልምዓትን ግደ ኢትዮጵያ ንኢዶም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ሰላምን ንድሕንነት ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታት ቅድሚያ ኣብ ምሃብን ንእትሰርሖም ስራሕቲ እውን ናእደኦም ገሊፆም፡፡ እተን ሚኒስትር ብግደአን ኢትዮጵያ ንሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ትገብሮ ሓገዝ ቀፃሊ ከምዝኸውን ብምርግጋፅ፤ ምሕዝነታ ክትቅፅል ኢያ ምባለን ሓበሬታ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል የመላኽት፡፡ ብተመሳሳሊ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ጊልስ ሚቻውድ ኣብ ዝገበሩዎ ውድድር፤ ኣብ ጉዳያት ዞባዊ ሰላምን ፀጥታን ከምዝዘተዩ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡
የሚታይ

Pulse Of Africa

POA English

POA English

Pulse Of Africa - English Language

Your news, current affairs and entertainment channel

Join us on

POA Arabic

POA Arabic - عربي

Pulse Of Africa - Arabic Language

قناتكم الاخبارية و الترفيهية

Join us on

ፖለቲካ
ታጂኪስታን ንስግግር ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንኢዳም
Feb 21, 2025 20
  ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/14/ 2017 /ኢዜአ/ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር ምስ ሚኒስትር ንግዲን ኢኮኖሚ ልምዓትን ታጂኪስታን ዛቭኪዞዳ ዛቭኪ ኣሚን ተዛቲዮም ኣብ ዘተኦም ድማ ኣምባሳደር ጀማል÷ ኢትዮጵያ ናብ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ዝገበረቶ ዕዉት ስግግር ኣመልኪቶም ነቶም ሚኒስትር ገለፃ ገይሮም፡፡ ኢትዮጵያ ን ለውጢ ከባብያዊ አየር ዘይብዳህ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ብዙሓት ተበግሶታት ከም ዝጀመረት እውን ኣብሪሆም፡፡ በዚ ድማ ሕርሻ፣ ማይን ሓይሊን ለውጢ ከባብያዊ አየር ክፃወር ዘኽእል ብሄራዊ ትልሚ መስተኻኸሊ ከምዝተጀመረ ኣልዒሎም፡፡ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 40 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ምግላፆም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ዛቭኪዞዳ ዛቭኪ ኣሚን ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ናብ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ዝገበረቶ ዕዉት ሰግግር ንኢዶም፡፡ ኣብ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት፣ ዝሕደስ ሓይሊን ካልኦትን ክልተኣዊ ምትሕብባር ንምድንፋዕ መንግስቶም ብቖራፅነት ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ እናተፃወተቶ እትርከብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ዝነኣድ ኢዩ - ሕቡራት መንግስታት
Feb 21, 2025 26
  ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/14/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ኣብቲ እናተፃወተቶ ትርከብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ምክትል ዋና ፀሓፊን ሓላፊ ድሕንነት ፀጥታን ጊልስ ሚቻውድ ንኢዶም፡፡ ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ምስ ጊልስ ሚቻውድ ዝተዛተያ እንትኾና፤ ኣብቲ እዋን ዘተ ኢትዮጵያ ንሕቡራት መንግስታት ቁልፊ መሓዛ ከምዝኾነት እቶም ምክትል ዋና ፀሓፊ ኣልዒሎም፡፡ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያን ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ ዝገብሮ ወሳኒ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ፃዕሪ ህንፀት ሰላምን ልምዓትን ግደ ኢትዮጵያ ንኢዶም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ሰላምን ንድሕንነት ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታት ቅድሚያ ኣብ ምሃብን ንእትሰርሖም ስራሕቲ እውን ናእደኦም ገሊፆም፡፡ እተን ሚኒስትር ብግደአን ኢትዮጵያ ንሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ትገብሮ ሓገዝ ቀፃሊ ከምዝኸውን ብምርግጋፅ፤ ምሕዝነታ ክትቅፅል ኢያ ምባለን ሓበሬታ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል የመላኽት፡፡ ብተመሳሳሊ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ጊልስ ሚቻውድ ኣብ ዝገበሩዎ ውድድር፤ ኣብ ጉዳያት ዞባዊ ሰላምን ፀጥታን ከምዝዘተዩ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡
ኢትዮጵያ ምስ ህንዲ ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ዘለዋ ምትሕብባር ንክጠናኸር ትደሊ እያ-ሚኒስትር ዲኤታ ሃሰን መሓመድ
Feb 21, 2025 23
  ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት /14/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ምስ ህንዲ ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ዘለዋ ምትሕብባር ንክጠናኸር ድሌት ከምዘለዋ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ሃሰን መሓመድ ገሊፆም። እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ምስ ሰብ ሃፍቲ ማሕበር ኢንዱስትሪ ህንዲ (Confederation of Indian Industry) ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ዘትዮም። እቲ ዘተ፤ እቶም ሰብ ሃፍቲ ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ዝዋፈርሉ ኩነታት ዝጠመተ እዩ። እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ መንግስቲ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅን ብልፅግና ኢትዮጵያ ክውን ንምግባርን ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ብፍሉይ ትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ሓቢሮም። ኣብቲ ዓውዲ ንዝዋፈሩ ኢንቨስተራት ወፃኢ እውን ምችው ማዕቐፍ ሕጊ ኢንዱስትሪ ካብ መድላው ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ከምዝተመቻቸዉ ገሊፆም። ኢትዮጵያን ህንድን ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ዘለወን ምትሕብባር ምጥንኻር ንዕቤት ኢንዱስትሪ ከምኡ እውን ንሽግግር ቴክኖሎጅን ፍልጠትን ልዑል እጃም ከምዘለዎ ተዛሪቦም። ካብ ማሕበር ኢንዱስትሪ ህንዲ ዝመፁ ሰብ ሃፍቲ ብግደኦም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ መዋእለ ንዋይ ኢንቨስት ንምግባር ምችው ኩነታት ከምዘሎ ከምዝተረድኡ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሓተመ ሓዱሽን ዘበናዊ ፓስፖርት ዕላዊ ኮይኑ
Feb 21, 2025 22
  ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/14/ 2017 /ኢዜአ/እዋኑ ዝበፅሖ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ኣብ ትዮጵያ ዝተሓተመ ሓዱሽ ፓስፖርት ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ዝተረኸቡሉ ዕላዊ ኮይኑ፡፡ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ “ኤሌክትሮኒክ ፓስፖርት ተግባራዊ ምግባርና ምስሊ ሃገር ካብ ምህናፅ ሓሊፉ ንዜጋታት ዝተውሃበ ክብሪ ዘርኢ ኢዩ” ኢሎም፡፡ እቲ ፓስፖርት ሓበሬታን ኣሰር ኢድን ናይቲ ውልቀሰብ ዝሓዘ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ቺፕስ ኣለዎ ተባሂሉ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰርሐ እቲ ፓስፖርት፤ ናይ ቪዛ ገፃት መልክዕ ኢትዮጵያ ዝሓዙ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ። እዚ ድማ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢድ ወፃኢ ሃገር ኣፍረይቲ ትካላት ዝነበረ ዲዛይን ሙሉእ ብሙሉእ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክሽፈን ከምዝገበረ ተገሊፁ፡፡ ቅድሚ ሕዚ ይወፅእ ዝነበረ ሸርፊ ወፃኢ ክተርፍ ብምግባር ኣታዊ ናብ ምፍልፋል ከምዘሰጋግር እውን ተሓቢሩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ቴዎድሮስ ምሕረት፣ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ፣ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ሰላማዊት ዳዊትን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ተረኺቦም። እቲ ሓዱሽ ኢ-ፓስፖርት ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ምጭብርባርን ንምክልኻል ዘኽእል ዝለዓለ ባህሪ ድሕንነት ዘለዎ እንትኸውን፤ ባዮሜትሪክ ሓበሬታ ውልቀ ሰብ ሓዊሱ ኣሰር ኣፃብዕቲ፣መፍለዪ ገፅን ኤልክትሮኒክ ቺፕስን ዝሓቖፈ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ብብርኪ ዓለም ዝተቐመጡ ረቛሕታት ዘማልአን ዓለም ለኸ ተቐባልነት ዘለዎን ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ። እቲ ኢ-ፓስፖርት ብሆልዲንግ ኢንቨስተመንት ኢትዮጵያን ማሕበር ኣክሲዮን ቶፓን ሴኪዩሪቲ ኢትዮጵያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምዝተመረተ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

ማሕበራዊ
ኣብክልል ትግራይ  ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብደገፍ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ህንፀት ቤት ትምህርት ይሳለጥ ኣሎ
Feb 20, 2025 29
  ሽረ እንዳስላሰ/ለካቲት/ 13/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብደገፍ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ህንፀት ቤት ትምህርት ይሳለጥ ኣሎ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቢሮ ትምህርቲ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣይተ ገብረመድህን ወልደ ጊዮርጊስ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝህነፅ ዘሎ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ብዝሃቦ ደገፍ 20 ሚለዮን ብር እዩ። ቅድሚ ሕዚ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ንዝህነፅ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደገፍ 20 ሚልዮን ብር ከምዝተገበረ ብምዝኽኻር፤ እቲ ህንፀት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከይተጀመረ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም። ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ህንፀቱ ተጀሚሩ ብፅሬትን ቅልጣፈን እናተሳለጠ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ተዛዚሙ ኣገልግሎት ከምዝህብ ተዛሪቦም። ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ እንትዛዘም እውን ኣብ ክልተ ሽፍቲ 1 ሽሕን 600 ተምሃሮ ተቐቢሉ ናይ ምምሃር ዓቕሚ ክህልዎ እዩ ኢሎም። እቲ ቤት ትምህርቲ ቤተ ፈተነታት፣ኣብያተ መፅሓፍቲ፣ንምምሕዳርን ካልኦት ኣገልግሎታትን ዝውዕሉ ክፍልታት ዝሓዘ ከምዝኾነ ገሊፆም። ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ስዒቡ ርኢቶኦም ንኢዜኣ ዝሃቡ ነበርቲ እቲ ከተማ ኣይተ በላይ ሓድጉን ወይዘሮ ሮማን ተስፋይን፤ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ ህንፀት ወለዶ ስለዘኾነ ልዑል ክብሪ ይግበኦ ኢሎም።
ኣብ ክልል ትግራይ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ/ፖልዮ/ ንህፃናት ካብ 14 ለካቲት ጀሚሩ ክወሃብ ኢዩ
Feb 20, 2025 27
  ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/ 13/ 2017 /ኢዜአ/ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ/ፖልዮ/ ንኹሎም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ብወፍሪ ገዛ ንገዛ ከምዝወሃብ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ኣማኒኤል ሃይለ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ብ”ሬጉላተሪ” ዳህሳስ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ክልተ ቦታታት (ሩባታት) ናሙና እቲ ሕማም ከምዝተረኸበ ሓቢሮም። እዚ ርካብ ናሙና መሰረት ብምግባር ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ ዕድሚኦም ትሕቲ 5 ዓመት ንዝኾኑ ህፃውንቲ ካብ 14 ክሳብ 17 ለካቲት 2017 ዓ/ም ገዛ ንገዛ ከምዝወሃብ ገሊፆም። ይኹን እምበር ዛጊድ ኣብ ትግራይ ብሕማም ኣልምሲ ዝሓመመ ህፃን ከምዘየለ ኣብሪሆም። ዶክተር ኣማኒኤል፥ እቲ ወፍሪ ክታበት ኣብ 84 ወረዳታት ንልዕሊ 894 ሽሕ ህፃናት ከምዝወሃብ ኣረዲኦም። ወለዲ ደቆሞ ከይተኸተቡ ከይተርፉ ክከታተሉን ካብ ሰብሞያ ጥዕና ንዝቐርበሎም ጎድና ጎድኒ ንዝሳለጡ መደባት እውን ግቡእ ምላሽ ክህቡን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ቁጠባ
ካብ ቀውዕን በልጊን 608 ሚሊዮን ኩንታል ምህርቲ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ
Feb 21, 2025 19
  አዲስ አበባ/የካቲት/14/2017/ኢዜአ/ሚኒስቴር ግብርና ዘፈር ግብርና ንምዕባይ ዘኽእል ምይይጥ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እናሳለጠ ይርከብ። ኣብቲ ምይይጥ መደረ ዝገበሩ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር)፤ ካብ በልጊ፣ ቐውዕን መስኖ ሓጋይን ሓደ ነጥቢ ኣርባዕተ ቢሊዮን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ዝተተለመ ትልሚ እናተሳኽዐ 'ዩ ኢሎም። ስራሕቲ ምትእኽካብ ምህርቲ ቀውዕን በልጊን 2016/17 ዓ.ም እናተሰርሐ ይርከብ። ክሳብ 11 ለካቲት 2017 ዓ.ም ብዝተሰርሐ ስራሕ ካብ ምህርቲ ቀውዒ 601 ሚሊዮን ኩንታል ምህርቲ ዝተኣከበ እንትኸውን፤ ካብ በልጊ 7 ሚሊዮን ኩንታል ብሓፈሻ 608 ሚሊዮን ኩንታል ፍርያት ተኣኪቡ፤ እቲ ናይ ምትእኽካብ ስራሕቲ ብዝተጠናኸረ መገዲ እናቐፀለ ምዃኑ ገሊፆም። ብሕርሻ ቀውዒ 2016/17 ዓ.ም 20 ነጥቢ 4 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብዘርኢ ብምሽፋን 608 ሚሊዮን ኩንታል ንምርካብ ተተሊሙ ብዝተሰርሐ ስራሕ ትልሚ እቲ ዓመት ኣብቲ መንፈቕ ዓመት ምስኻዕ ተኻኢሉ ክብሉ ተዛሪቦም።
13 ሚሊዮን ኩንታል ዕድጊት ድኹዒ ሓመድ ተፈፂሙ ስራሕቲ ምጉዕዓዝ እናተሰርሐ 'ዩ
Feb 21, 2025 17
  አዲስ አበባ/የካቲት/14/2017/ኢዜአ/13 ሚሊዮን ኩንታል ድኹዒ ሓመድ ተገዚኡ ስራሕቲ ምጉዕዓዝ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ መንፈቕ ዓመት፤ ንዘመነ ምህርቲ 2017/18 ዓ.ም 24 ሚሊዮን ኩንታል ድኹዒ ሓመድ ንምቕራብ ተተሊሙ እናተሰርሐ 'ዩ፤ ብዝተሰርሐ ስራሕ 'ውን 13 ሚሊዮን ኩንታል ተገዚኡ እናተጉዓዓዘ 'ዩ። በዚ 'ውን እቲ 5 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ኩንታል ተጎዓዒዙ፤ ነቲ ዝተረፈ 7 ሚሊዮን ኩንታል ድማ ስራሕቲ ምጉዕዓዝ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም። ድኹዒ ሓመድ ብእዋኑ ናብ ሓረስቶት ናይ ምብፃሕ ስራሕ እናተሰርሐ 'ዩ። ተበፃሕነቱ ንምቅልጣፍ ብመዓልቲ ካብ ወደብ ጅቡቲ 100 ሽሕ ኩንታል ድኹዒ ሓመድ ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም። ኣብ ድኹዒ ሓመድ ወሰኽ ዋጋ ምህላዉ ብምዝራብ ንልምዓት በልጊን ቀውዕን እኹል ዝኾነ ቐረብ ምህላዉን ክልላት ናብ ሓረስቶት ተበፃሒ ናይ ምግባር ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡን ኣተሓሳሲቦም።
ቪዲዮታት
ሳይንስን ቴክኖሎጅን
ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ኣጀንዳ 2063 ዘዕዉቱን ቑጠባዊ ዕብየት ዘመዝግቡን መፅናዕትታትን ምርምራትን እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ
Feb 17, 2025 49
  አዲስ አበባ/የካቲት/10/2017/ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ኣጀንዳ 2063 ዘዕዉቱን ቑጠባዊ ዕብየት ዘመዝግቡን መፅናዕትታትን ምርምራትን እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን 9ይ ዓለም ለኻዊ ዓመታዊ ጉባኤ መፅናዕትን ምርምርን እናሳለጠ ይርከብ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ መደረ ዝገበሩ ፕሬዝዳንት ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ደረጀ እንግዳ(ዶ/ር)፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንሃገር ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዘምፅኡ መፅናዕትን ምርምራትን እናሰርሐ ይርከብ፤ እናሰርሖም ዝርከቡ ርኽበታት መፅናዕቲ ፀገም እናፈትሑ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት እናምፅኡ 'ዮም። እቲ ዩኒቨርሲቲ ንዘፈር ኢንዱስትሪ ብመፅናዕትን ምርምርን ብምድጋፍ ንኢኮኖሚያዊ ዕብየት ሃገር ግደኡ እናተዋፅአ 'ዩ ኢሎም። እቲ ጉባኤ ልውውጥ ፍልጠትን ልምድን ዝግበረሉን ፀገም ዝፈትሑ መፅናዕትታት ንኽስርሑ ዘተባብዕ 'ዩ። መፅናዕቲ ፀገም ዝፈትሕ፣ ኢኮኖሚ ሃገር ዘዕብይ፣ ዓለም ለኻዊ ተወዳዳራይነት ዘጠናኽርን 'ዩ፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ 'ውን ምችው ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዘምፅኡን ኣጀንዳ 2063 ዘዐውቱን መፅናዕትታት እናሰርሐ 'ዩ ኢሎም።
ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት ዕድጊት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብዝሓሸ መልክዑ ኣብ ስራሕ ክውዕል እዩ-ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን
Feb 8, 2025 101
  ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/ 1/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት ብወረቐት ዝሳለጡ ኣሰራርሓታት ብምትራፍ ዕድጊትን ኣገልግሎትን ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብዝሓሸ መልክዑ ኣብ ስራሕ ከምዝውዕል ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ገሊፁ። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ይሹሩን አለማየሁ(ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ካልኣይ ዙር መርሃ ግብሪ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ክጅመር እዩ። እቲ መርሃ ግብሪ ትኹረት ካብ ዝገብረሎም ስራሕቲ ብወረቐት ገንዘብ ዝሳለጥ ዕድጊትን ብወረቐት ዝሳለጡ ኣገልግሎታትን ምትራፍ እቲ ሓደ ከምዝኾነ ገሊፆም። ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብስፍሓት ተግባራዊ እናተገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዓለም ለኸ ተቐባልነት ዘለዎ ምችው ስርዓት ዕድጊት ንምፍጣር እናተሰርሐ እዩ ኢሎም። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት እቲ ስርዓት ዕድጊት ብምምዕባል ብወረቐት ገንዘብ ዝሳለጥ ዕድጊት ንምትራፍን ካብ ንኽክእ ወረቐት ነፃ ዝኾነ ኣገልግሎት ተግባራዊ ንምግባርን ከምዝተተለመ ተዛሪቦም። ኣብቲ ፈላማይ ዙር መርሃ ግብሪ ዲጂታል ኢትዮጵያ ኣገልግሎታት መንግስቲ ዲጂታላይዝ ንምግባር ዝተሳለጡ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም። ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ኣብ 25 ትካላት መንግስቲ ልዕሊ 800 ኣገልግሎታት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም ስራሕቶም እናሳለጡ ከምዝኾኑ ሓቢሮም። ስለዝኾነ ድማ ስርዓት ዲጂታል ዕድጊት ዘተኣማምን ንምግባር እናተሳለጠ ዘሎ ስራሕ ድሕንነት ሳይበር ውፅኢታዊ ስለዝኾነ እቲ ትልሚ ንምዕዋት ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።
“እጃም ማሕበራት ማሕበር ስራሕ ንብልፅግና ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሲምፖዜም ይሳለጥ ኣሎ
Feb 5, 2025 99
  ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 28/2017 (ኢዜኣ) “እጃም ማሕበራት ማሕበር ስራሕ ንብልፅግና ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሲምፖዜም ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ፣ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትርን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጃንጥራር ኣባይ፣ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ስራሕ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሽፈራው ሽጉጤን ኮሚሽነር ሕብረት ስራሕ ኣዲስ ኣበባ ልዕልቲ ግደይን ሓዊሱ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም። ኣብቲ ሲምፖዜም ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ተዘትይሎም እዩ። ኣካል እቲ ሲምፖዜም ዝኾነ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ሕብረት ስራሕ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ኣብ ማእኸል ኤግዚቢሽን ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ እውን ተገሊፁ። ኣብቲ ክሳብ 3 ለካቲት 2017 ዓ/ም ዝፀንሕ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ክሳተፉ እዮም።
ስፖርት
ሓለዋ ኸበቢ
መርሃ ግብርታት  ወሰን ሩባታት፣ልምዓት ኮሪደርን ሓምለዋይ ኣሰርን ብኽለት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምቕናስ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ እዮም
Feb 20, 2025 29
  ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት/ 13/2017 (ኢዜኣ) መርሃ ግብርታት ወሰና ወሰን ሩባታት፣ልምዓት ኮሪደርን ሓምለዋይ ኣሰርን ብኽለት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምቕናስ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾኑ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ማሕበር ሞያ ቶራሲክ ሶሳይቲ ኢትዮጵያ ምስ ሕማም ሳንባን ካልኦት ሕማማትን ተዛሚዶም ኣብ ዝፍጠሩ ሕማማት መተንፈሲ ዝሰርሕ ማሕበራዊ ትካል እዩ። እቲ ማሕበር ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ መተንፈሲ ኣካላት ዘሕድሮ ዘሎ ፅልዋ ከመይ ምቕናስ ይከኣል ብዝብል መበል 11 ዓመታዊ ኮንፈረንስ ኣሳሊጡ። ኣብቲ መድረኽ ፤ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ለሊሴ ነሜ፣ፕሬዚዳንት ማሕበር ሞያ ቶራሲክ ሶሳይቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ራሄል ኣርጋውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም። ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ለሊሴ ነሜ፤ መንግስቲ ምስ ከባብያዊ ብኽለት ብዝተኣሳሰረ ዘጋጥም ፅልዋ ንምቕናስ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ ኢለን። ስለዝኾነ እውን ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ስምምዕ ብምፍፃም ኣብታ ሃገር ዘሎ ከባብያዊ ብኽለት ንምቕናስን ንፁህ ከባቢ ንምፍጣርን ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ሓቢረን። ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመሩ መርሃ ግብርታት ወሰና ወሰን ሩባታት፣ልምዓት ኮሪደርን ሓምለዋይ ኣሰርን ብኽለት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምቕናስ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾነ ከም ኣብነት ፀሪሐን። ፕሬዚዳንት እቲ ማሕበር ዶክተር ራሄል ኣርጋው ብግደአን፤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ልዕሊ መተንፈሲ ኣካላት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሳምባ ልዑል ጉድኣት ከምዘስዕብ ገሊፀን። እቲ ኮንፈረንስ፤ ኣብ ሕማማት ሳምቡእ፣ኣስሚ፣ሱር ዝሰደደ ኣካል መተንፈሲ፣ካንሰርን ተዛመድቲ ጉዳያት ጥዕናን ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ሕማማት መተንፈሲ ኣካላት ዘለዎ ግንዛበ ንምዕባይን ኣብቲ ሕማም ዝግበር ምርመራ ንምድጋፍን ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣረዲአን።
ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንፅዕንቶ ለውጢ ከበብያዊ አየር ዘይብዳህ ተሞክሮ ዓለም እዩ-ትካላት ዓለም ለኸ
Feb 10, 2025 79
  አዲስ አበባ/ የካቲት/ 03/2017(ኢዜአ)፦ ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንፅዕንቶ ለውጢ ከበብያዊ አየር ዘይብዳህ ተሞክሮ ዓለም ምኹኑ ዝድነቐ እዩ ክብሉ ትካላት ዓለም ለኸ መስኪሮም አብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስምምዕነት ለውጢ ከባብያዊ አየር ማእከል ምትሕብባር ስፔሻሊስት ዕድጊት ዞባ ምብራቐን ደቡብ አፍሪካን አርባንስ ቤኒዋኒራ፤ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምንካይ ዞባውን ዓለም ለኸ ተራአ ሒዛ ትዋሳእ ከም ዘላ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ንፅዕንቶ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምንካይ ብዘፈር አማራፂ ሓምለዋይ አሰርን ታሃዳሲ ሓይሊን ዕውት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ምህናፃ ዝድነቐ እዩ አሎም ። ንአልቦ ሞተርን ብኤሌክትሪክ ዝተደገፈ ስርዓት ትራንስፖርት ጠመተ ሂባ ንትግበራ ዓለም ለኸ ስምምዓትን ንምንካይ ልቀት በከልቲ ጋዛት ዘለዋ ቁሩብነት ከምዘርኢ አመልኪቶም። እቲ ስትራተጂ ብመስረት ስምምዕነት ንብረት አየር ፓሪስ ዕቑር ዓቐሚ ሃገር ንምጥቃም ከም ዝሕግዝውን ፀሪሖም። አብ መማረፂ ሓይሊ ታሃዳሲ ዝስርሑ ስርሓትታት ልምዓት ንዜጋታት ጥዕና ዘለዎ ከባቢ አብ ምፍጣር ዘይትካእ ተራ ከምዝህልዎ አገንዚቦም።
ዓለም ለኸዊ ዜናታት
"ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ኣፍሪካ ንዘጋጥሙ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ትምህርቲ ክኸውን ይግባእ"-ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬ
Feb 17, 2025 40
  አዲስ አበባ/የካቲት/10/2017/ኢዜአ/ስምምዕ ፕሪቶርያ ንኣፍሪካ ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ንምፍታሕ ከም ትምህርቲ ክውሰድ ይግባእ ክብሉ ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፣ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬ ገሊፆም። ኣብታ ኣህጉር ኣብ ሰላምን ፀጥታን ዝረአ ዘሎ ምዕባለን ኩነታት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣፍሪካን ብዝምልከት ንማዕከናት ዜና መግለፂ እንትህቡ፣ ኣብ መላእ ኣህጉር ብዛዕባ ሰላምን ፀጥታን ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዘንፀባርቕ እዩ። ኣብ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ሱዳን፣ሳሕል፣ሊብያ፣ ሞዛምቢክን ዘሎ ኩነታት ኣሰካፊ ምዃኑ ገሊፆም። ኣብ ሞንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣብ ኣፍሪካ ፀገማት ንምፍታሕ ከም ትምህርቲ ክውሰድ ይግባእ ኢሎም። ከም መግለፂ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬ፤ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ሶማልያ ዘሎ ጎንፂ ኣብ ምቅላል ተራኦም ይፃወቱ ኣለዉ። ንዚ ድማ ካብ ፈንድ ሰላም ሕብረት 10 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተገይሩ ኣሎ ። ኣፍሪካዊ ፍታሕ ንፀገማት ኣፍሪካ ብዝብል ኣምር’ውን ነቲ ፀገም ፍታሕ ክረክብ ክደፍእ እዩ። ፀገማት ኣፍሪካ ዝተዋደደ ስጉምቲ ከምዘድሊ ብምግላፅ፤ ማሕበረሰብ ዓለም ድጋፍ ክገብር ፀዊዖም። ኣብ ሪፐብሊክ ኮንጎን ሱዳንን ዝካየድ ዘሎ ጎንፅታት ብዝምልከት ኣብ ባይቶ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ዘተ ከምዝተኻየደ ኣመልኪቶም። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ዘሎ ጎንፂ ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ፀገማቶም ብዘተ ክፈትሑ ይፅውዕ ኢሎም። ቅድሚ ዓመታት ብሰንኪ ዘይሕገ መንግስታዊ ለውጢ መንግስቲ ሱዳን ካብ ኣባልነት ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝተኣገደት ኣዘኻኺሮም፤ ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ጎንፂ ዘለዉ ተዋሳእቲ ፖለቲካዊ ዘተ ክህሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም። ኣምባሳደር ባንኮሌ፣ ኣብቲ ዝቕፅል ዘሎ ጎንፂ ቅትለት ንፁሃት ሰባት፣ፃታዊ ዓመፅ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይዕዘብ ከምዘሎ ሓቢሮም። ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ብዘይካ ዘተ ካልእ ወተሃደራዊ መፍትሒ ክህሉ ከምዘይክእል ኣመልኪቶም። ብተወሳኺ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሞዛምቢክን ሊብያን ዝካየድ ዘሎ ጎንፅታት ንምፍታሕን ኩለመዳያዊ ሰላም ንምምፃእን ምስ መንግስታት እተን ሃገራት ብቐረባ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጋና፣ ቦትስዋና፣ ሴኔጋልን ሞሪሸስን ብመረፃ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ምስግጋር ዝተገበረለን ሃገራት ምዃነን ጠቒሶም። ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መላእ ኣፍሪካ ንዝፍጠሩ ጎንፅታት ንኹሉ ዘካተተ ዘተ ብምክያድ መፍትሒ ክረኽቡ ድሌት ከምዘለዎን ነዚ እውን ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።
"ምምላስ ፍትሒ ንኣፍሪካውያንን ንዘርዓ ኣፍሪካውያንን" ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ መበል 38 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ትማሊ ተዛዚሙ
Feb 17, 2025 39
  አዲስ አበባ/የካቲት/10/2017/ኢዜአ/ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን "ምምላስ ፍትሒ ንኣፍሪካውያንን ንዘርኣ ኣፍሪካውያንን" ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ መበል 38 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ትማሊ ተዛዚሙ። ኣብቲ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ከምኡ’ውን ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ሓዊሱ ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻውያን ትካላት ተሳቲፎም። እቲ ዋዕላ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ኣህጉር ዘትዩ ውሳኔታት ኣሕሊፉ። እቲ ዝተኻየደ ዘተ’ውን ኣብ ትካላዊ ፅገናታት ሕብረት ኣፍሪካ፣ ምሕዳስ ፍትሒ፣ ኣፍሪካ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ውክልና ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ቀፃሊ ፃዕሪ፣ ከምኡ’ውን ኣጀንዳታት ሰላምን ፀጥታን ኣህጉር ዘተኮረ እዩ። ካብ’ቲ ዋዕላ ብተወሳኺ ኣብ ኣተገባብራ ከባቢ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካን ኣህጉራዊ ንግድን ቁጠባዊ ውህደትን፡ ሕርሻን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ፣ሰብኣዊ መሰላት፣ምብቃዕ ስርዓተ ፆታን መንእሰያትን ከምኡ’ውን ትካላዊ ምድላዋት ተዘትዩሎም። ኣብቲ ዋዕላ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዩሱፍ ሓድሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ተመሪፆም፤ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ነበር ሙሳ ፋኪ ማሃማት ናይ ክብሪ ምፍናው ተገይርሎም።
ብበዝሒ ዝተርኣዩ
ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዩኒቨርሲቲታት ኣርባዕተ ሃገራት ሰነድ ስምምዕ ኸቲሙ
Jan 25, 2023 4646
ኣዲስ ኣበባ ፣ ጥሪ 17 ፣ 2015 ዓ/ም (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣርባዕተ ሃገራት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ መረዳድኢ ሰነድ ስምምዕ ኸቲሙ። እቲ ስምምዕ ኣብ ኮዲቯር ኣቢጃን ዝተፈፀመ ኮይኑ ብዋናነት "ኢንተርዲሲፕሊኔሪ ፖሊሲ ኦሬንትድ ሪሰርች ኦን ኣፍሪካ "ዝበሃል ፕሮጀክት ብሓባር ንምስራሕ እዩ። ብዛዕባ እዚ ፕሮጀክት ብዝምልከት ኣብ ኮዲቯር ኣቢጃን ዘተ ስምምዕ እናተኻየደ እዩ። ኣብቲ ዘተ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃና ሓዊሱ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ፈረንሳይ፣ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ፌሊክስ ኮትዲቯርን ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ራቫት ሞሮኮን ተረኺቦም። ፕሮጀክት"ኢንተርዲሲፕሊኔሪ ፖሊሲ ኦሬንትድ ሪሰርች ኦን ኣፍሪካ" ብቦርድ ዩኒቨርሲቲ ፈረንሳይ ዝድገፍን ፖሊሲ ማእኸል ዝገበረ ዓለም ለኸን መፅናዕታዊ ምርምርን መድረኻት ዘሰናዱ እዩ። ነዚ ፕሮጀክት ልዕሊ ሸሞንተ ሚልየን ዩሮ ወፃኢ ከምዝግበር እውን ተገሊፁ።
ጉዑዞ ተስፋን ቅሳነትን ንክስምር
Apr 6, 2023 4224
አዲስ አበባ/ መጋቢት 28 /2015/ ኢዜአ/ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ልዕሊ ሓሙሽተ ወርሒ ኣቑፂሩ ኣሎ። ኣብዘን እዋናት ብርክት ዝበሉ ኣወንታዊ ስጉምትታት ብመንግስቲ ፌደራል ተወሲዶም ‘ዮም። ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ብዘይዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱን መሰረታዊ ግልጋሎት ከም ቴሌኮም፣ ባንኪ፣ ኤሌክትሪክ፣ ጥዕና ስራሕ ንክጅምሩ ሰሪሑ ኣሎ። ብወገን ህወሓት’ውን ከቢድ ብረት ምርካብን ምጅማሩን ዕጡቓት ካብ ድፋዕ ብምርሓቕ ኣብ ዝተወሰኑ ቦታታት ንክእክቡ ገይሩ ኣሎ። እዞም ስጉምትታት ንቲ ስምምዕነት ናብ ባይታ ብምውራድ ዘላቒ ሰላም ንክመፅእ ዝሕግዙ’ዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ሓድሽ ጉዕዞን ቅሳነትን ሒዙ መፂኡ ኣሎ። ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ራዕዳዊ ተባሂሉ ተሰይሙ ዝነበረ ህወሓት ስያሜኡ ንክለዓል ተገይሩ’ዩ። ቐፂሉ ድማ ምስ ጎንፂ ተተሓሒዙ ክሲ ተመስሪቲዎም ዝነበሩ ፖለቲካዊ አመራርሃታት ህወሓትን ከምኡ ውን ወታደራትን ክሶም ተቋሪፁ ካብ ቤት ህንፀት ወፂኦም ኣለው። እዚ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተወሰደ ስጉምቲ ንቲ ስምምዕነት ዘለዎ ተኣማንነትን ንሰላም ዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋምን መረጋገፂ’ዩ። ኣብዚ መድረኽ ዓብይ ተስፋ ሒዙ ክምፅእ ትፅቢት ዝግበረሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክውን ኮይኑ አሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዝደንት እቲ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ፌደራል መንግስቲ ተዛትዩ ኣሎ። ኣብ ትካላት መንግስቲ’ውን ዑደት ኣካይዱ ኣሎ። ኣብቲ ዘተ ፅቡቕ ምርድዳእ ከምዝነበረ’ውን ተገሊፁ ኣሎ። እቲ ልኡኽ ካብቲ ዘተን ዑደትን ዝረኸቦ ሓሳብን ተሞክሮን ሒዙ ኣብ ፖለቲካዊን፣ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ሕወየት ትግራይ ዓብይ ስራሕ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብዚ መድረክ ሓዱሽ ምዕራፍ ብዘይ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩሉ ዓቕሚ ኣዋዲዱ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብምንጣፍ ኢኮኖሚ እቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ምንቅስቓስ ክመለስ ትፅቢት ይግበረሉ ። ቅድሚ ሐዚ ንንግድን ኢንቨስትመንት ዓጋቲ ዝነበሩ ኣሰራርሓታትን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ብምምሕያሽን ብምቕያርን ሰብ ሃፍቲን ነጋዶን ንቲ ማሕበረሰብ ብዘይጎድእ መገዲ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ንክነግዱን ንክሰርሑን ፤ ንቲ መንእሰይ ድማ ዕድል ስራሕ ንክፈጥሩን ክገብር ኣለዎ። ኣብ ማሕበራዊ ሕወየት ‘ውን ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ ኣብ ስነ ልቦና ዝተፈጠረ ፀቕጢ ንክሓዊ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ። ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም፣ ሓረስቶት ናብ ሕርሽኦም፣ሰራሕተኛ መንግስትን ውልቀን ናብ ቤት ዕዮኡ፣ነጋዳይ ናብ ንግዱ ኮታስ ኩሉ ህዝቢ ናብ ንቡር ስራሑ ንክምለስ ዘኽእል ፋይናንሳዊን ምቹው ባይታን ንክፈጥር ምስ መንግስቲ ፌደራል ተዋዲዲ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበርሉ። ጉዑዞ ሰላምን ቅሳነትን ንክሰምር።
ሓተታ
ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘሓዘለ - መልእክት ሰናይ
Jul 20, 2023 3488
  ሓምለዋይ አሰር ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ፍቕርን ሓድነትን ‘ውን ‘ ምትካል ዩ - መልእክቲ ሰናይ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ፅርኣ ወንበርታ ጣብያ ሚካኤል ኣምባ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ፌዴራልን መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ምስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ መደብ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሚሊዮን ፈልሲ ምትካል 10 ሓምለ 2015 ዓ.ም ኣካይዶም። ኣብቲ መደብ ዝተሳተፉ ኣፈ- ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ከምዝገለፅዎ፤ ብ መደብ ሓምለዋይ ኣሰር ኣቢልና ዝተኸልናዮ ፈልሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘንፀባርቕ ‘ውን ‘ዩ ኢሎም። ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ሰበ-ስልጣን ፌደራል መሪሖም ንኻልኣይ ግዜ ናብ ትግራይ ከምዝኸዱ ዘዘኻኸሩ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ሓምለዋይ አሰር ምንባር ሓደ ዓብይ ልእኩቶ ሃገር እዩ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ስምምዕነት ሰላም ንምሕያል፣ ሰላምን ፍቕርን ንምጥንኻር ‘ውን ክቡር ስራሕ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላም ኣብ ምቕፃል ዓቢዪ ፃዕሪ ጌርና ኢና። ብምዃኑ ‘ውን ብዙሕ ለውጥታት ተረኺቦም ‘ዮም። ውፅኢቱ መላእ ህዝቢ ትግራይ ይርድኦ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላምና፣ ፍቕርናን ሓድነትናን ንምጥንኻር ፀገማትና ብዘተ ክንፈትሕ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ታገሰ፤ ብዘተ እንተኸይድና ክፍትሑ ዘይክእሉ ፀገማት የለዉን። ድማ ነዚዝኸውን ባህልን ልምድን ኣለና ‘ዩ። እቲ ዝተረኽበ ሰላም ብልምዓት ብምድጋፍ ክነጠናኸሮ ይግባእ ዝበሉ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕላውን ምንክብኻብን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዙሕ ስራሕ ብምስራሕ ንኻልኦት ፍልጠትን ተሞክሮን ዘካፈለ ህዝቢ ‘ዩ፤ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንቀፃሊ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም፤ ዝተረኸበ ሰላም ብዝበለፀ ንምርግጋፅ እናሰራሕና ኣብ ልምዓት ክልልና ‘ውን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም። ሰላምን ልምዓትን ንምጥንኻር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፤ ኣብዚ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ልምዓትን ሰላምን ዝያዳ ክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ክልል ዘይተሰርሑ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ስለዘለዉ ህዝቢ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ መንገዲ ንዕውትነት ስራሕቲ ልምዓት ክረባረብ ይግባእ። ነዚ ድማ ካብ ፌደራልን ካልኦት ኣካላትን ብዝግበር ሓገዝ ኣዋሃሂድና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሞዴል ‘ዩ። ሕዚ ድማ ካብቲ ዝነበረ ኩናት ወፂኡ ናብ ሰላም ተመሊሱ ኣብ ልምዓታዊ ስራሕቲ ይሳተፍ ምህላዉ ዘሐጉስ ‘ዩ ኢሎም። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሕርሻ ፕሮፌሰር እያሱ ኤልያስ ብግዲኦም፤ እዚ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ኩናት ኣብ መደባት ሓምለዋይ አሰር ዘይተሳተፈ ‘ኳ እንተነበረ ሕዚ ግን ናብ ልምዓት ይምለስ ምህላዉ ዘተባብዕን ዘሕጉስን ‘ዩ ኢሎም። ኣብዚ ሓቢርና ፈልሲ ምትካልና መግለፂ ምትሕግጋዝናን ፍቕርናን ‘ዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር እያሱ፤ እቲ ሚኒስቴር ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ልምዓት ንምሕጋዝ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፆም። ምትሕግጋዝ ተጣናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ምንክብኻብን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ወሲኾም ገሊፆም። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ዝተቓልዑ ቦታታት ብፈልሲ ክሽፈኑ ይግባእ ዝበሉ ፕሮፌሰር ኢያሱ፤ ኣብ ከምዚ ዝበለ ልምዓት ሓቢርና ብዝተጠናኸረ መልክዑ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም። ሕድርን ፍቅርን ሰላምን ሓድነትን ዝሰነቀ ረዚን መልእክቲ
ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ  ትፅቢት ይግበረሉ።
Apr 20, 2023 3847
ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻደ ኩናት፡፡ ማሕበራዊ ህይወት ህዝቢ አናጊዑ ‘ዩ። እቲ ኩናት ዝፈጠሮ በሰላ ብጣዕሚ ከቢድ‘ዩ። ምስቲ ኩናት ርክብ ዘይብሉ ህዝቢ’ውን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ግዳይ እቲ ሓደጋ ኮይኑ ‘ዩ።ኣብቲ ክልል ዓብዪ ስነኣእምሯዊ ማሕሰይቲ፣ጉድኣት ኣካል ፣ ምጥፋእ ሂወትን ስነ ልቦናዊ ፀገምን በፂሑ ‘ዩ።ስለዚ እዚ ኣካይዳ ትኽክል ስለዘይኮነ ዳግም ከይድገም ኩሉ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ፡፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ስርሑ ክውዕል፣ ሓረስታይ ኣብ ማሕረሱ ከምኡ ‘ውን ተምሃሮ ኣብ ትምህርቶም ክውዕሉ እናተገበኦም ብሰንኪ እቲ ኩናት ካብዚ ወፃኢ ክኾኑ ተገዲዶም ‘ዮም፡፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ትግራይ ኾነ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንክዓስል ብፍላይ ኣብቲ ልዑል ዕንወት ዝበፅሓ ትግራይ ናብ ንቡር ሂወት ንክትምለስ ብዝተዋደደ መልክዑ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንክጅመሩ ኣብዘድልየሉ ወሳናይ እዋን ንርከብ። ኣብዚ ድማ እቲ ዋና ብሓላፊነት ክፍፅሞ ዘለዎ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ማሕበረ ሰብ ብዝኽእሎ ዓቅሚ ካብቲ ብሰንኪ መዕነዋይ ኹናት ዝበፅሐ ብርሰትን ዕንወትን ናብ ልምዓት ንምስግጋር እኹል ትኹረት ተሳትፎን ካብ ኩሉ ዝፅበይ ዋኒን ከምዝኾነ የኣምን። ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ እቲ ቐዳምነት ዝወሃቦ ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ መረበቱ ሓዲጉ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ንቡር ናብራ ንክህልዎ ምግባር’ዩ፡፡ካሊእ ዝዓነወ፣ ዝተቓፀለን ዝተጎሓለን ገዛውቱ ከም ብሓዱሽ ምህናፅን ዝተጉሓለ ንብረቱ ዝምጥን ብዝኾነ መገዲ እንትረክብን ‘ዩ።ዝተመዛበለ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናብራኡ ምምላስ ኩሉ ደላይ ሰላምን ልምዓትን ዝኣምነሉን ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዕዮ ገዛ መንግስቲ ምዃኑ እሙን እዩ ። ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ካብ ምምላስ ጎና ጎኒ ድማ ንዳግመ ህንፀት ዝውዕል ድጋፋት ኣድላይ ምዃኑ ርዱእ ‘ዩ። ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ወፃኢ መንግስታትን ዓለም ለኻዊን ኣህጉራዊን ውዳበታትን ሓገዛት ንክመፅእ’ውን ትፅቢት ዝግበረሉ ኮይኑ እቲ ሓገዛትን ድጋፋትን ድማ ብትኽክል ናብቲ ዝመፅአሉ ትኽክለኛ ዕላማን ቦታን ንክውዕልን ንክበፅሕን ኣድላይ ኽትትል ብምግባር ምርግጋፅ ኣድላዪ ይኸውን። ብናይ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዝእከብ ሓገዝ ንብረትን ገንዘብን ናብ ትኽክለኛ መዓሉ ንክውዕል ጥንኩር ሜላታት ኣሰራርሓ እንካብ ምትእትታው ኣድላይ ‘ዩ። እዚ ብኣግባቡ ንምፍፃም ድማ እቲ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዳግመ ህንፀት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት በቲ ዝድለ መንገዲ ተቐላጢፎም ከይህነፁ ዕንቕፋት ዝኾኑ ፀገማት ኣለልዩ ከወግዶም ከምዝግባእ ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎም ክስርሑ ካብዘለዎም ስራሕቲ ሓደ’ዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝምስረት ሓፂር እዋን እኳ እንተኾነ ነዚ ተግባር ንምፍፃም ተስፋ ዝህቡ ጅማሮ ስራሕቲ ይርኣይ ኣለዉ ‘ዮም፡፡ ብፍላይ ምጅማር ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት መንግስቲ ፌደራል ከም ሚኒስቴር ትምህርትን ጥዕናን ዝኣምሰላ ዑደት ስራሕ ኣብ ትግራይ ምክያደንን ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት መባእታ ትምህርቲ ክጅመሩ ምግባርን ዝበራታታዕ ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ኣብ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ብፍላይ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ከምኡ ‘ውን ኣብ ግልጋሎት፣ ባንኪ፣ ስልኪ፣ መብራሕትን ማይን ዘለዉ መሰረታዊ ፀገማት ንምፍታሕ ብስፍሓት ኣብ ምስራሕ ልዑል መብራብ ዝሓትት ከምዝኾነ ፍሉጥ ‘ዩ። እቲ ዘሎ ፅቡቅ ጅማሮ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ኩሉመዳያዊ ተበፃሕነት ቅልጣፈን ትኹረት ክወሃቦ ዘለዎ ኮይኑ፤ እቲ ቀንዲን ዝዓበየን ውራይ ዳግመ ህንፀት ክስራሕ ዘለዎ ድማ ኣብ ምልማዕ ኣእምሮ ወዲሰብ ስለዝኾነ ብቑጠባ ይኹን ብትምህርቲ ድልዱል ዜጋ ንምፍጣር ተጀሚሩ ዘሎ ስራሒቲ ተጠናኺሩ ንክቅፅል ኩሉ ዝመልከቶ ኣካል ብግዜ የለን ክሳተፍን ክዋሳእን ይግባእ። ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ኣቲዩ ኣሎ።ስለዝኾነ ድማ ኣብ ትግራይ ንዝስራሕ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ሕወየትን ምችው ኩነታት ስለተፈጠረ ብግዘ የለን መንፈስ ምስራሕ ግድን ይኸውን።ስለዚ በታ ዝተረኸበት ዓቕሚን ሃፍተ ገነትን ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ግድን ይኸውን።
መንግስቲ ንሰላም ብዘለዎ ቑርፀኝነት ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ይርባሕ ስለዚ ሰላምና ነፅንዕ፡፡
Mar 30, 2023 3775
መንግስቲ ንሰላም ብዘለዎ ቑርፀኝነት ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ይርባሕ ስለዚ ሰላምና ነፅንዕ፡፡ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ጀምሩ ኣብ ትግራይ ሰላም ዓሲሉ ኣሎ፡፡ ህዝቢ ናብ ንቡር መነባብሮኡ ኣብ ምምላስ ይርከብ፡፡ወረ ኹናት ብወረ ሰላም፤ድምፂ ጥይት ብድምፂ መዝሙር ሰላም ተተኪኡ ኣሎ፡፡እዚ ክኸውን ዝኸኣለ መንግስቲ ፌዴራል ንሰላም ብዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋም ንቲ ስምምዕነት እናተግበሮ ብምምፃኡ'ዩ፡፡በዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ተረባሒ እናኾነ ይርከብ፡፡ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህወሓት ካብ ስያመ ግብረ ራዕዲ ኣልዒሉ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሕ ርእሰ ምምሕዳር መዲቡ ኣሎ፡፡ኣፈፃሚ ስራ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣሳታፋይን ሓቋፋይን ንክኾን ንቶም ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊነት ሂቡ ኣሎ፡፡እዚ ንሰላም ካብ ዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋም ዝብገስን ንህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ካብ ዘለዎ ድሌት ዝብገስ እዩ ሰላም ሕዚ ብዓብይኡ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት 'ዩ ዘሎ፡፡ ናብ ዝተማለአ ሰላም ንምጉዓዝ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ምስራሕ ዘድሊ 'ኳ እንተኾነ ብንፅፅር ከንሪኦ እንተለና ግና ኩነታት ሰላም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ 'ዩ ዘሎ፡፡ እቲ መርኣያ ከም ሃገር ኣብ ፕሮጀክት ‹‹ገበታ ለትውልድ›› ካብ ዝተደሓዙ ሸሞንተ ፕሮጀክትታት ሓደ ኣብ ከባቢ ገረዓልታ ዝሰርሕ ከምዝኾነ እዩ፡፡ብዚ'ውን ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ይኸውን፡፡እቲ ሰላም ዝያዳ እናዓሞቐን እናተፈፀመን እንትኸይድ ድማ ዝያዳ ተረባሒ ይኸውን፡፡እዚ ሐዚ ረኺቢናዪ ዘለና ሰላም ብቐሊሉ ዝመፅአ ኣይኮነን፡፡ኮይኑ ግና መንግስቲ ሰላም ምምፃእ ብጣዕሚ ኣድላዪ ከምዝኾነ ስለዝኣምን ንሰላም ሰሪሑ ኣሎ፤ይሰርሕ'ውን ኣሎ፡፡ ምኽንያቱ ሰላም ንምምፃእ ካብ ኵናት ብዘይነኣኣስ ትግሃትን ድኻምን የድሊ። ስለዚ መላእ ማሕበረሰብ ሃገርና ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ፃዕሪ ክገብር ይግባእ፡፡ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ዝኾነ ህዝቢ ንላዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሰላም ዝያዳ ተረባሒ ስለዝኾነ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሰላም ዘላቒ ንክኸውን ክሰርሕ ኣለዎ፡፡መንግስቲ ፌደራል ኣሽምባይዶ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ሰላም ኣብ ካልኦት ክፋል ኢትዮጵያ ዘለው ጎንፅታት'ውን ብሰላም ንምፍታሕ ብቁርፀኝነት እናሰርሐ'ዩ፡፡ብሓፈሻ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ኣብ መላእ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ልቢ ዓዕብዩ እናሰርሐ ይርከብ፡፡ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ሰላም ድማ ዝያዳ ንክዓሙቕን ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብቕልጡፍ ተጀሚሩ ውፅኢታዊ ንክኸውን ብቑርፀኝነት እናሰርሐ ይርከብ፡፡በዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ተረባሒ ይኸውን፡፡ስለዚ ሰላምና ነፅንዕ፡፡
ብሳላ ሰላም በዓላትና ምኽባር ጀሚርና
Jan 21, 2023 2833
በዓል ጥምቀት ብዙሕ ትርጉም ሒዙ ዝኽበር በዓል እዩ። ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ትሕትና ዝመሃሩሉ፣ ብእግዚኣብሄር ከምዝኣምኑ ዝእውጁሉ፣ ንሰሃን ድሕንነትን ዝረኽቡሉ ምልክት ኮይኑ ዘገልግል እዩ። ከም ሃገር መልክዕ ክብረ በዓል ብዙሓት ዝኾንና ኢትዮጵያውያን ሕብሪ ፈጢርና ንደምቀሉ ዕለት ብምዃኑ ዓብዩ ቦታ ሂብና ነኽብሮ በዓል እዩ። በዓል ጥምቀትን ትሕትናን ድማ ተፈላልዮም ኣይረአዩን።መላእ ህዝቢ ሃገርና በዚ መንፈስ ከኽብሮ ኣለዎ። ጥምቀት ካብ ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ብተወሳኺ ሓድነት ህዝብታት ዘጎልብትን ህዝባዊ ምትእስሳር ዘጠናኽርን በዓል እንትኾን፤ ኣብቲ በዓል ብዙሓት ባህላዊ ክብርታት ዝንፀባረቑሉ ስለዝኾነ ሰሰናዩን ንሓድነት ህዝቢ ዝጠቕሙን ክብርታቱ ምሕላውን ምልማዕን ዘድልዮ በዓል እዩ። ኣብ በዓል ጥምቀት ብዙሓት በፃሕቲ ናብ ሃገር ዝስሕብ ብምዃኑ ድማ ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ ብዙሓት ኣታውታት ክትረክብ ዘኽእላ በዓል እንትኾን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ዘይድህሰስ ሓድጊ ዓለም ኮይኑ ኣሎ። እዚ በዓል ኣብ መላእ ሃገር ብድምቀት ዝኽበር በዓል እዩ። ኣብ ትግራይ እውን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት በዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ትግራይ ብዝለዓለ ድምቀት እናተኸበረ ምፅንሑ ዝዝከር እዩ። ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ግን ብሰንኪ ሕማም ኮሮናን ኵናትን ኣብ ኣደባባይ ከይተኸበረ ፀኒሑ እዩ። ናይ ሎሚ ዘበን በዓል ጥምቀት ኣብ ትግራይ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብድምቀት ከምዝተኸበር ድማ ግልፂ እዩ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ኣብ ክፋል ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኹናት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ኲናት ጠጠው ኢሉ፤ድምፂ ተኹሲ ጠፊኡ እንሆ ድማ ንፋስ ሰላም ኣብ ትግራይ ምንፋስ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣቑፂሩ ። ህዝቢ እውን ሰላም ምስትምቓር ጀሚሩ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዝነበረ ኲናት ኣሽምባይ’ዶ ናይ ኣደባባይ በዓላት ከኽብር ኣብ ከቢድ ፀገም እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ፀገም ይነብር ምንባሩ እውን ዝፍለጥ እዩ። ሕዚ ግና ኣብ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ሰላም ተፈፂሙ ኲናት ጠጠው ስለዝበለ ካብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ፀገም እናወፅአ ይርከብ። መንግስቲ ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን የቕርብ ኣሎ። ንህዝቢ መሰረታዊ ግልጋሎት ዝህባ ትካላት ከም እኒ ኢትዮ ቴሌኮም፣ግልጋሎት መብራህቲ፣ባንክታትን ጣብያታት ጥዕናን ሆስፒታላትን ዳግም ግልጋሎት ዝህባሉ ኩነታት ፈጢሩ ኣሎ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ናብ ሽረ እንዳስላሰን መቐለን በረራ ብምጅማር ስድራታት ብኣካል ንክራኸቡ ብምግባር ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምቅላል ይርከብ። እዚ ኹሉ ዝኾነ ስምምዕነት ሰላም ተፈሪሙ ኲናት ጠጠው ብምባሉ እዩ። እዚ ሰላም ዘላቒ ንክኸውን ድማ ኩሉ ክሰርሕ ይግባእ። ሕዚ እነኽብሮ ዘለና በዓል ጥምቀት ድማ ሰላምና ዝያዳ እነስተማቕረሉ እዩ። ኣብ ኣደባባይ ብናፅነት ወፂእና ሃይማኖታውን ባህላውን ተግባር እቲ በዓል እንፍፅመሉ ኩነታት ብምፍጣሩ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዓብይ ታሕጓስ ከምዝፈጥር ምርዳእ ይከኣል።ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ከም ሃገርን ከም ክልልን በዓል ልደት ተኸቢሩ ኣሎ። እቲ በዓል ድሕሪ ክልተ ዓመት ህዝቢ ሰላም እናስተማቐረ ዘብዐሎ በዓል ኮይኑ እንትሓልፍ በዓል ጥምቀት እውን እናኽበርና ንርከብ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተረጋገዐ ኩነታት ኮይኑ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዘኽብሮ ዘሎ ስለዝኾነ ድማ ፍሉይ ይገብሮ። ኮይኑ እውን እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ቀፃልነት ንክህልዎ ሕዚ እውን ኩሉ ትግራዋይ ንዝረኸባ ሰላም ዋርድያ ኮይኑ ክሕልው ይግባእ። ሓድነቱን ፍቕሩን ኣጠናኺሩ ምስ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ሓደ ኮይኑ ንምዕባለ ሃገር ፀኒዑ ጠጠው ክብል ኣለዎ።
ትንታነ
ኣብ ዓመት 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ
Jan 9, 2025 248
  መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ይህነፅ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ብ 5 ቢሊዮን ፓውንድ እናሃነፀ ̒ዩ፡፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ከም ዝዛዘም ትፅቢት ይግበር፡፡ኤክስፕረስ ኒውስ ከም ዝፀብፀቦ፤መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እዛ ሃገር ማእኸል ኣቬሽን ኣፍሪካ ዝገብር ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ንምህናፅ ብዘለዎ ዓብዪ ትልምን መልክዐ ዞባዊ ኣቬሽን ድሙቕ አሰር ከዕርፍ ዘኽእል ̒ዩ፡፡ ኣብ ቢሾፍቱ ኣቡሴራ ዝርከብ እዚ ግዙፍ ፕሮጀክት መንገዲ ኣየር፤ካብ ዓለም መራሒ ሓይሊ ኣቬሽን ንምዃን ዝሓዞ ስትራተጂ ዕቅድ 15 ዓመት እምነ ኹርናዕ ̒ዩ ተባሂሉ፡፡ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፤ዲዛይን እቲ መንገዲ ኣየር ንምድላው ኣብ ዱባይ ምስ ዝርከብ ኣማኻሪ ስምምዕ ዕዳጋ ተፈራሪሙ ̒ዩ፡፡ ኣብ 2029 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ዝዛዘም እዚ ፕሮጀክት ኣብ ዓመት 60 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ከም ዘተኣናግድ ትፅቢት ይግበር፡፡ንቐፃሊ ዓቕሙ ብምዕባይ ኣብ ዓመት 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ከተኣናግድ ̒ዩ ኢሎም፡፡ ‹‹ዛሃ ኣርክቴክታትን (ZHA) ዳር ኣል-ሃንዳሳ ኣማኸርቲ›› ከም ዝገለፅዎ፤ተርሚናል እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ 600 ሽሕ ሜትር ካሬ ቦታን 126 ሽሕ ሜትር ወሃቢ ድጋፍ መንገዲ ኣየር ቦታ ዝሽፍን ̒ዩ፡፡ ኣቀማምጥኡ ፍሉጥ፣ገፊሕን ብብርሃን ዝተመልአን ተርሚናል ዘካተተ እንትኸውን፤ንተጉዓዝቲ ፅፉፍ ፍሰት ምንቅስቓስ ንምቕራብ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ሓቢሮም፡፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣንፈት ደቡብ ምብራቕ 40 ኪሎ ሜትር እትርሕቕ ጥቓ ከተማ ቢሾፍቱ ̒ዩ ዝህነፅ፡፡ ዳይሬክተር ‹‹ዜድኤ›› ኣቬሽን ካሪስትያኖ ሴካቶ ብወገኖም፤እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ማእኸል ትራንስፖር እቲ ኣህጉር ክገብራ ̒ዩ ኢሎም፡፡ እዚ ንዓለምለኸ ዕዳጋ ዘተኣሳስርን ኢትዮጵያ ማእኸል ትራንስፖርት ናይዚ ኣህጉር ከም ዝገብራ ብምጥቃስ፤ኣብ ዓለም ዘለዉ ማሕበረሰባት ብዝተዋደደ ስርዓት መጉዓዚ ኣየር ከራኽብ ̒ዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ልዕሊ 150 መባፀሕቲ ዓለም ኣብ ምግልጋል ዝርከብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2023/24 ካብ ኣፍሪካ እቲ ገዚፍ መንገዲ ኣየር ክኸውን ዝኸኣለ እንትኸውን፤ንልዕሊ 17 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ግልጋሎት ብምሃብ 7 ቢሊዮን ዶላር እቶት ከም ዝረኸበ ገሊፆም፡፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ይህነፅ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ ኮይኑ እዚ ህንፀቱ ምስ ተዛዘም ታአምር ዘብል ውፂኢት ሒዙ ክቐልቀል እዩ ፡፡
ምግታእ ኵናት’ዶ ጽሕተራ ተፃብኦ….?
Dec 4, 2024 423
  ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ዝሃብዎ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ከም መራሒ ኤርትራ ዘይኮነስ ከም ፖለቲካዊ ተንታኒ ኣሕጉራውን ዞባውን ጉዳያት ኮይኖም ቅልቐል ዝበሉ እዮም ዝመስሉ። ኣብ’ቲ ቃለ-መሕትት ካብ ጉዳያት ንኻልኣይ ግዜ ምምራጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቁዋማት አሜሪካን ዓለምን ክህሉ ዝኽእል ለውጢ ስጋብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሀገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ሱሉስ ኪዳንን አመልኪቶም ክትንትኑ ፈቲኖም’ዮም። ኣብ ጉዳያት ኣሜሪካ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣስታት ክልተ ሰዓት ዝወድአ ትንታነ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንጸገማት ኤርትራ ንምእላይ ዘኽእሉ ዘቤታዊ ዛዕባን ኣጀንዳን ከምዘይብሎም ግን ተጋሂዱ’ሎ። ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣድሂቦም ዝሃብዎ መብርሂ 40 ደቓይቕ ዘይመልእ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ዲጋን ዒላን ዘይሓለፈ ከንቱ መደረ ምዃኑ ድማ ኣዝዩ ዘሕፍር’ዩ። ኤርትራ ኣባል ዓለምለኻዊ ዘይሻራዊ ምንቅስቓስ ከምዝኾነት ዝፍለጥ’ዩ። ካብ’ተን ሓሙሽተ መትከል እዚ ምንቅስቓስ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት ካብ ምትእትታው ምቑጣብ’ዩ። ስለምንታይ ደኣ ፕሪዚደንት ኢሳያስ ነዚ መትከል ጥሒሶም ኣብ ውሽጢ ጉዳያት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ካልኦትን ክዕምጡቑ ዘምሰዩ ኢልካ ምሕታት ንብሩ’ዩ። ካልእ ኣይኮነን ፀገማት ኤርትራ መበጊሲኦም ንሶም ዝመርሕዎ መንግሥቲ ዝኽተሎ ገባቲን ጉጉይን ምሕደራ ከምዘይኮነ ንምእማን ዘድሀበ ግዳማዊ ምኽንያታት ኣብ ምቕራብ ዝህቅን’ዩ። ፕሬዚደንት ኢሳያስ ክዛረቡ ኸለዉ ብሰንኪ ሰኣኖ ሸቕልን መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኤርትራውያን መንእሰያት ነኣደዳ ስድትን ሞትን ተቓሊኦም ከም ጥረ ጨው ፋሕፋሕ ኢሎም ባዶ ሃገር ዝመርሑ ዘለዉ ኣይመስሉን። እኳ ደኣስ ኩሉ መሊኡ ዝተረፋን ቅስንቲ ዓዲ ብምምራሕ ፀገማት ጎረባብቲ ሃገራት ንምፍታሕ ላዕልን ታሕትን እትብል መረሒ ሓያል ሃገር እዮም ዝመስሉ። ነታ ማይ፣ መብራህቲትን ካልዖት ቐረባት አገልግሎታት ሓረሚዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ጥጡሕ ፖሊሲ ዕበየትን ቁጠባን ኣታኣቲዮም ኣብ ክንዲ ዝድብስዎ ሕጂው’ን ኣብ ካልእ ቆይቁይ ንምሽኻል ምህቃኖም ዘጉይ’ዩ። እዚ ኸኣ ንምፍታሕ ፀገማት ኤርትራን ኤርትራውያንን ድሌትን ተበግሶን ከምዘይብሎም ዘራጋግፅ’ዩ። ብፍላይ ኣብ 2025 ኣብ ዝዀነ ጐናዊ ኵናት ከምዘይእቶን "ናይ ምግታእ ፖሊሲ" ከምዝኽተሉን ምግላጾም ብወዝቢ ንዝሰምዖ አዎንታዊ እንተመሰለ’ኳ ሕሉፍ ተሞክሮ ዘረጋግፆ ግን ፕሬዚደንት ኢሳያስ ብዘይ ኵናት ክነብሩ ዘክእሉ መራሒ ከምዝኾኑ’ዩ። ኤርትራ ካብ ምፅሕታር ተፃብኦታት ወፂኣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘየድልዩ ምዕባለታት ከይመጹ ኣብ ምግታእ ኣበርክቶ ክትገብር ናይ ብሓቂ ድልውቲ ድያ ዝብል ሕቶ ግዜ ዝምልሶ’ዩ ዝኸውን።
ጉዑዞ ተስፋን ቅሳነትን ንክስምር
Apr 6, 2023 4224
አዲስ አበባ/ መጋቢት 28 /2015/ ኢዜአ/ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ልዕሊ ሓሙሽተ ወርሒ ኣቑፂሩ ኣሎ። ኣብዘን እዋናት ብርክት ዝበሉ ኣወንታዊ ስጉምትታት ብመንግስቲ ፌደራል ተወሲዶም ‘ዮም። ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ብዘይዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱን መሰረታዊ ግልጋሎት ከም ቴሌኮም፣ ባንኪ፣ ኤሌክትሪክ፣ ጥዕና ስራሕ ንክጅምሩ ሰሪሑ ኣሎ። ብወገን ህወሓት’ውን ከቢድ ብረት ምርካብን ምጅማሩን ዕጡቓት ካብ ድፋዕ ብምርሓቕ ኣብ ዝተወሰኑ ቦታታት ንክእክቡ ገይሩ ኣሎ። እዞም ስጉምትታት ንቲ ስምምዕነት ናብ ባይታ ብምውራድ ዘላቒ ሰላም ንክመፅእ ዝሕግዙ’ዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ሓድሽ ጉዕዞን ቅሳነትን ሒዙ መፂኡ ኣሎ። ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ራዕዳዊ ተባሂሉ ተሰይሙ ዝነበረ ህወሓት ስያሜኡ ንክለዓል ተገይሩ’ዩ። ቐፂሉ ድማ ምስ ጎንፂ ተተሓሒዙ ክሲ ተመስሪቲዎም ዝነበሩ ፖለቲካዊ አመራርሃታት ህወሓትን ከምኡ ውን ወታደራትን ክሶም ተቋሪፁ ካብ ቤት ህንፀት ወፂኦም ኣለው። እዚ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተወሰደ ስጉምቲ ንቲ ስምምዕነት ዘለዎ ተኣማንነትን ንሰላም ዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋምን መረጋገፂ’ዩ። ኣብዚ መድረኽ ዓብይ ተስፋ ሒዙ ክምፅእ ትፅቢት ዝግበረሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክውን ኮይኑ አሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዝደንት እቲ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ፌደራል መንግስቲ ተዛትዩ ኣሎ። ኣብ ትካላት መንግስቲ’ውን ዑደት ኣካይዱ ኣሎ። ኣብቲ ዘተ ፅቡቕ ምርድዳእ ከምዝነበረ’ውን ተገሊፁ ኣሎ። እቲ ልኡኽ ካብቲ ዘተን ዑደትን ዝረኸቦ ሓሳብን ተሞክሮን ሒዙ ኣብ ፖለቲካዊን፣ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ሕወየት ትግራይ ዓብይ ስራሕ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብዚ መድረክ ሓዱሽ ምዕራፍ ብዘይ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩሉ ዓቕሚ ኣዋዲዱ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብምንጣፍ ኢኮኖሚ እቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ምንቅስቓስ ክመለስ ትፅቢት ይግበረሉ ። ቅድሚ ሐዚ ንንግድን ኢንቨስትመንት ዓጋቲ ዝነበሩ ኣሰራርሓታትን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ብምምሕያሽን ብምቕያርን ሰብ ሃፍቲን ነጋዶን ንቲ ማሕበረሰብ ብዘይጎድእ መገዲ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ንክነግዱን ንክሰርሑን ፤ ንቲ መንእሰይ ድማ ዕድል ስራሕ ንክፈጥሩን ክገብር ኣለዎ። ኣብ ማሕበራዊ ሕወየት ‘ውን ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ ኣብ ስነ ልቦና ዝተፈጠረ ፀቕጢ ንክሓዊ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ። ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም፣ ሓረስቶት ናብ ሕርሽኦም፣ሰራሕተኛ መንግስትን ውልቀን ናብ ቤት ዕዮኡ፣ነጋዳይ ናብ ንግዱ ኮታስ ኩሉ ህዝቢ ናብ ንቡር ስራሑ ንክምለስ ዘኽእል ፋይናንሳዊን ምቹው ባይታን ንክፈጥር ምስ መንግስቲ ፌደራል ተዋዲዲ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበርሉ። ጉዑዞ ሰላምን ቅሳነትን ንክሰምር።
መድረኽ ሓዱሽ ምዕራፍ ንጠቐመሉ
Feb 11, 2023 2874
እዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኣብ ትግራይ ብዙሕ ሓሳባትን ውድባትን ናብ መሪሕነት ዝመፅእሉ ኩነታት ይፈጥር ኣሎ፡፡ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሓደ ውድብን ኣተሓሳስባን እናተረፈ ብዙሓት ሓሳባትን ውድባትን ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሳሉን ኣብ ፖለቲካ ትግራይ እጃሞም ዘወፍይሉን ታሪኻዊ ምዕራፍ ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ እቲ ምዕራፍ ኣብ ፖለቲካ ምህዳር ትግራይ ምዝዛም ወናንነት ሓደ ሓሳብን ውድብን እንትኾን ብካሊእ መዳይ ድማ መባእታ ተሳትፎ ብዙሓት ሓሳባትን ውድባትን እዩ፡፡ እዚ ዕድል ዋላ ድሕሪ ብዙሕ ዕንወትን ኺሳራን ብታሪኽ ኣጋጣሚ ድሕሪ ኣርብዓን ሸሞንተን ዓመታት ዝተረኸበ ይኹን ብዝግባእ ምጥቃም ግድን ይኸውን፡፡ እዚ ታሪኻዊ ምዕራፍ ኣብቲ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ናይ ስግግር ስጉምትታት ኣብ ዝብል ዓንቀፅ ዓሰርተ( 1) መሰረት ብመረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ቤት ምኽሪ ክልልን ፌደራልን መረፃ ክሳብ ዝግበር፣ ብኽልቲኦም ወገናት ብዝግበር ምይይጥ፣ ንኹሉ ዝሓቖፈ ክልላዊ ስግግር መንግስቲ ክጣየሽ እዩ ብዝብል ድንጋገ ዝተረኸበ እዩ፡፡ በዚ ዓንቀፅ ድንጋገ መሰረት ኣብ ትግራይ ክልላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ጋህዲ ክኸውን እዩ፡፡ እዚ ዕድል ከይባኽን ግና ብዝግባእ ምጥቃም ኣድላይ እዩ፡፡ ህወሓት ኮነ ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ብኣውርኡ ድማ ህዝቢ ትግራይ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ፅቡቕ ዕድል ብዝግባእ ክጥቀሙሉ ግድን ይኸውን፡፡በዚ ድማ ኣብ ትግራይ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ህዝብታት ብዝግባእ ዝኽበሩሉ፣ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ሰላምን ልምዓትን ዝኾነሉ ዕድል ምስፋሕ ይከኣል፡፡ እዚ ውፅኢት ስምምዕነት ሰላም ዝኾነ ሓዱሽ ምዕራፍ ኣብ ትግራይ ስርዓት ብዙሓት ሓሳባትን ውድባትን ንክህልው ብምግባር ዴሞክራሲያዊ ምህዳር እቲ ክልል ክሰፍሕ ዝገብር እዩ፡፡ ስለዚ እዚ ሓዱሽ መድረኽን ናይ ስግግር ምዕራፍን ብዝግባእ ምጥቃም ድማ የድሊ፡፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝምስረት መሰጋገሪ መንግስቲ ኩሉ ዝሓቖፈ ንክኸውን ኣብቲ ስምምዕነት ብግልፂ ተቐሚጡ ኣሎ፡፡ እዚ ማለት ኣብ ትግራይ ዓብላሊ ድምፂ ክህልዎ ዝግባእ ፖለቲካ ውድብ የለን፤ ወይ ክህሉ ኣይግባእን ማለት እዩ፡፡ ኩሉም ሓሳባትን ውድባትን መዐቀኒኦም ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምምላእ ዘለዎም ዓቕምን ፍልጠትን እዩ፡፡ ዘለናዮ ምዕራፍ ድማ ድምር ዓቕምን ፍልጠትን ኣድላይ ዝኾነሉ ምዕራፍ እዩ፡፡ በዚ መሰረት ንዝሓለፉ ኣርብዓን ሸሞንተን ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝነበረ ናይ ሓደ ውድብ ሓሳብን ፕሮግራምን ናብ ብዙሓት ሓሳባትን ውድባትን ዝሳገረሉ ሓዱሽ ምዕራፍ እዩ፡፡ ዝተፈላለዩ ብዙሓት ሓሳባት ዘለዎም ውድባት ኮነ ውልቀ ሰባት ዝሳተፉሉ ስለዝኸውን ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ሰረት ዘንብር ብምዃኑ እቲ ከይዲ ዕውት ንክኸውን ምስራሕን ብዝግባእ ምጥቃምን ግድን ይኸውን፡፡ ድሕሪ ሕዚ ኣብ ትግራይ ብናይ ሓደ ውድብ ሓሳብን ፕሮግራምን ዝውነን ስርዓት ክህሉ የብሉን፡፡ እዚ ሓሳብን ፕሮግራምን ንዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ተራእዩ ኣሎ፡፡ ድኽመትን ጥንካረኡን እውን ህዝቢ ፈሊጥዎ ኣሎ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ሓድሽ ምዕራፍ ስግግር ንትግራይን ንህዝቢ ትግራይን ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ፀገም ዘውፅእ ምችው ኩነታት ንምፍጣር ኩሎም ዓቕምታት ተጋሩ ምጥቃም ይግባእ፡፡ ሕዚ ኣብ ትግራይ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ወዲ ሰብ ብዝተማልአ መልክዑ ዝኽበርሉ መስርሕን ስርዓትን ንምትእትታው ዕድል ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ ንዚ ድማ ኣብቲ ዝጣየሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ኩሉ ሰብ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብር ይግባእ፡፡ እዚ ምዕራፍ ንትግራይ ሓዱሽ ምዕራፍ ስለዝኾነ ክባኽን የብሉን፡፡ ኣብዚ ከይዲ ስግግር ዝተፈላለየ ሓሳብን ኣመለኻኽታን ዘለዎም ሓይልታት ንፈለማ እዋን ምስ ህወሓት ሓቢሮም ዝሰርሕሉ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ባህሊ ዴሞክራሲ ትግራይ ዝልውጥን ትግራይ ልዕሊ ሓደ ውድብ ምትእንጋድ ከምትኽእል ዘረጋግፅን ስለዝኾነ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ምሁራት፣ዲያስፖራታት፣ሲቪክ ማሕበራት፣ዝተፈላለዩ ውዳበታት ብቐንዱ ድማ መላእ ህዝቢ ትግራይ እዚ ናይ ስግግር ዕድል ብዝግባእ ንምጥቃም ክረባረቡ ይግባእ፡፡
ፍሉይ ፀብፃባት
ፅሑፋት
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም