ENA - ኢዜአ ትግርኛ
አርእስተ ዜና
ሎሚ ምሸት ኣብ ዘሎ መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሰለስተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም
Apr 1, 2025 13
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/23/ 2017 /ኢዜአ/ሎሚ ምሸት ኣብ ዘሎ መበል 30 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሰለስተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም። ብመሰረት እቲ መርሃ ግብሪ፥ ኣርሴናል ኣብ ሜድኡ ሰዓት 3፡45 ምሸት ምስ ፉልሃም ክጋጠም ኢዩ። ኣርሴናል ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝገበሮም ፀወታታት 58 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘሎ እንትኸውን፥ ፉልሃም ድማ 45 ነጥቢ ብምሓዝ ሻምናይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ። ዎልቭስን ምስ ዌስትሃም ዩናይትድ ሰዓት 3፡45፣ ኖቲንግሀም ፎረስት ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ድማ ሰዓት 4፡00 ክፃወቱ ኢዮም።
ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ትካላት ጥዕና 120 ኣምቡላንሳት ሓዊሱ ደገፍ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ተገይሩ
Apr 1, 2025 13
መቐለ/መጋቢት /23/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ትካላት ጥዕና 120 ኣምቡላንሳት ሓዊሱ ደገፍ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ከምዝተገበረ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ጨንፈር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። እቲ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ምስ መሓዙት ትካላት ብምትሕብባር ልዕሊ 33 ሚልዮን ብር ግምት ዘለዎም ኣምቡላንሳትን መሰረታዊ መድሓኒታትን ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ትካላት ጥዕና ደገፍ ከምዝተገበረ ገሊፁ። ሓላፊ እቲ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣይተ ብርሀኑ መኮንን ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሕፅረት መሰረታዊ መድሓኒት ንምፍታሕን ተበፃሕነት ኣምቡላንስ ንምስፋሕን እቲ ማሕበር ምስ መሓዙት ትካላት ብምትሕብባር ዝተፈላለዩ መድሓኒታት ኣከፋፊሉ እዩ። ብተወሳኺ እውን እቲ ቤት ፅሕፈት 120 ኣምቡላንሳት ደገፍ ዝገበረ እንትኸውን ብፍላይ ድማ ምስ ወሊድ ብዝተኣሳሰረን ብሃንደበታዊ ሓደጋን ኣብ ልዕሊ ኣዴታትን ህጻናትን ዘጋጥም ሞት ንምቕናስ ልዑል እጃም ከምዘለወን ተዛሪቦም። ስርዓት ኣገልግሎት ጥዕና እቲ ክልል ንምምሕያሽ ሕዚ እውን ተወሳኺ ስራሕቲ ምስራሕ ከምዝሓትት እቶም ሓላፊ ሓቢሮም። ብተወሳኺ እውን ስፔሻላይዝድ ሪፈራል ዓይደርን ሓፈሻዊ ሆስፒታላት መቐለን 18 ሚለዮን ብር ግምት ዘለዎም ናውቲ ሕክምና ብመልክዕ ደገፍ ከምዝረኸቡ ገሊጾም። አብ ምክንኻን ዕሸላት ምስ ዝሰርሕ ትካል ብምትሕብባር ዕሸላት ንምሕካም አብ አገልግሎት ዝውዕሉ 11 ዓይነት ናውቲ መውሀቢ ሕክምና ምኹኑ አብ ሆስፒታል ዓይደር ስፔሻሊስት ዶክተር ኪሮስ ወልደገሪማ ገሊፆም። እቲ ደገፍ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ንዝመፀ ሞት ሕንጠይ ህጻናት ንምቕናስ ከምዝሕግዝ እውን ተዛሪቦም። ተወካሊ ቢሮ ጥዕና ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሚኪኤለ ሃጎስ ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸቡ እንትኸውን፤ ነቲ ዝተገበረ ደገፍ ብምምስጋን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዝገብርዎ ዘለዉ ደገፍ ኣጠናኺሮም ንክቕፅልሉ ሓቲቶም።
ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓኣ ዘኽብሩን ዜጋታት ተረባሕቲ ዝገብሩን መመሓየሽታት ዲፕሎማሲ ገይራ እያ
Apr 1, 2025 16
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 23/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓኣ ዘኽብሩን ዜጋታት ተረባሕቲ ዝገብሩን ስራሕቲ መመሓየሽታት ዲፕሎማሲ ከምዘሳለጠት ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ሰላምን ፈቲሕ ማሀዲ(ዶ/ር) ገሊፆም። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ሰላምን ፈቲሕ ማሀዲ(ዶ/ር) ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ጻንሒት ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓኣ ዘኽብሩን ዜጋታት ተረባሕቲ ዝገብሩን ስራሕቲ መመሓየሽታት ዲፕሎማሲ ኣሳሊጣ እያ። ኣብቶም ዝተሳለጡ መመሓየሽታት ስራሕቲ ምስትኽኻል መምርሕታት ኣሰራርሓ፣ ኣወዳድባ፣ቴክኖሎጂን ልምዓት ሓይሊ ሰብን ከምኡ እውን ፖሊሲታት ከምዝተሳለጡ ሓቢሮም። ኢትዮጵያ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያን ኣንካራን ሓዊሱ ጸገም ኣፍሪካ ብኣፍሪካውያን ንክፍትሑ ዘርኣየቶ ቆራጽነት ውጽኢት ብቑዕ ዲፕሎማሲ እዩ ኢሎም። ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ካብ ባዕላ ብተወሳኺ ንጎረቤት ሃገራት እውን ተረባሕቲ ከምዝገብር ተሓሲብሉ ከምዝተሓንፀፀ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ኩለመዳያዊ መድረኻት ዝነበራ ተሳትፎ ኣባል ብሪክስ ንክትኸውን ከምዝገበራ ኣዘኻኺሮም። ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ሃፍታ ከይትጥቀም ደጋዊ ፅልዋ እናበፅሓ ከምዝፀንሐት ብምሕባር፤ ኣብዞም ናይ ለውጢ ዓመታት ዲፕሎማሲ ብምጥቃም እቲ ጽልዋ ምክልኻል ተኻኢሉ እዩ ኢሎም። ማዕቐፍ ምትሕብባር ተፋሰስ ኣባይ ንክፍረም ኢትዮጵያ ውፅኢታዊ ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳ ከምዝተጠቐመት ብምግላፅ፤ ብዋናነት ኣብ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዝምልከት እውን ብሄራዊ ረብሓኣ ብዘኽበረ መልክዑ ሕቶኣ ምቕራብ ከምዝኸኣለት ኣረዲኦም። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣባል ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ሰላምን ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብግደኦም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዝተሳለጠ ለውጢ ዓብይ ዓወት ንክምዝገብ ኣኽኢሉ እዩ ኢሎም። ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ዝተገበረ ስራሕ ዕዉት ከምዝነበረን ኣብ ዙሪያ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሳለጠን ተዛሪቦም።
ኣብቶም ናይ ለውጢ ዓመታት ስርዓት ንግዲ ብምቅልጣፍን ቀረብ ብምዕባይን ናህሪ ዋጋ ምምሕያሽ ተኻኢሉ እዩ-ሚኒስትር ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)
Apr 1, 2025 16
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 23/2017 (ኢዜኣ) እዚ ናይ ለውጢ መንግስቲ ቅልጡፍ ስርዓት ንግዲ ብምዝርጋሕን ኣብ ቀረብ ትኹረት ዝገበረ ለውጢ ኣሰራርሓ ብምግባርን ምጣነ ናህሪ ዋጋ ምምሕያሽ ከምዝኸኣለ ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ገሊፆም። ሚኒስትር ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብ ምንቅስቓስ ኣታውን ወጻእን ንግድን ካልኦት እዋናዊ ኩነታትን ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበለዎ፤ ኣካይዳ እቲ ለውጢ ኣብ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ዓውድታት ብጭፍን ምርኣይ ዘይኮነስ ዕዳ እውን ፀጋ እውን ገይሩ ዝርዳእ እዩ። ኣብ ዓውዲ ንግዲ እውን ኣብ ንግዲ ወጻእን ውሽጢ ሃገርን ከምኡ እውን ኣብ ከይዲ ምርግጋፅ ፅሬት ዝነበሩ ፈተናታትን ዕድላትን ተፈቲሾም እዮም ኢሎም። ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ክውን ንምግባር ስሕታት ምስትኽኻልን ጥንካረታት ምጥንኻርን ሰረት እቲ ለውጢ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ብዝሃነትን ተወዳዳሪነትን ንግዲ ወጻኢ ብምምሕያሽ ኣብ ኣፈታትሓ ጸገም ጠንካራ ዓቕሚ ምህናፅ ከምዝተኽኣለ ኣረዲኦም። ቅድሚ እቲ ለውጢ ምችዉነት ንግዲ ኢትዮጵያ ትሑት ከምዝነበረ ብምግላጽ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ስራሕ ንግዲ ንምጅማር ምችው ኩነታት ኣብ ምፍጣር ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣወንታዊ ውጽኢታት ከምዝተመዝገቡ ገሊፆም። መተግበሪ ስርዓት ኦንላይን ምዝገባ ፍቓድ ንግዲ ብምምዕባል ተገልገልቲ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ኣሰራርሓ ከምዝተዘርገሐ እውን ሓቢሮም። ስለዝኾነ እውን በቲ ሃገራዊ ለውጢ ምችው ከባቢ ንግዲ ብምፍጣር ንማሕበረሰብ ንግዲ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝተኽኣለ ፀሪሖም። ምኽባር ናብራ ንምቕናስ መሰረታዊ ፍርያታት ሓዊሱ ቀረብ ንምምሕያሽ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ተዛሪቦም።
መራኸብቲ ሓፋሽ ዝፍንዉዎም ሓበሬታታት ሓድነት ህዝቢ ዘጠናኽሩ ክኾኑ ይግባእ
Apr 1, 2025 13
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት /23/2017 (ኢዜኣ) መራኸብቲ ሓፋሽ ዝፍንዉዎም ሓበሬታታት ትኽክለኛን ሓድነት ህዝቢ ዘጠናኽሩን ክኾኑ ከምዝግባእ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣዲስ ኣበባ ገሊፆም። ኣብዚ ሰሙን ብመራኸብቲ ሓፋሽን መማረፅታት ማሕበራዊ ሚድያን ኣብ ሃገር ፀገም ንምፍጣር ዝዓለመ ዝተዋደደ ስኑዕ ሓበሬታ ከምዝተዘርገሐ ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ መሰረት ብምግባር ኢዜኣ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፤ ጉድኣት ስኑዕ ሓበሬታ ካብ ውልቀ ክሳብ ሃገር እዩ ኢሎም። መራኸብቲ ሓፋሽ ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ፅልዋ ናይ ምሕዳር ዓቕሞም ልዑል ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንህንፀት ሃገር ሃናፂ እጃም ኣብ ዘበርክቱ ጉዳያት ትኹረት ንክገብሩ እቶም ወሃብቲ ርኢቶ ሓቲቶም። ካብቶም ወሃብቲ ርኢቶ ኣብዱሰመድ ሁሴን(ዶ/ር)፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ብዝሃ ሃይማኖት፣መንነታትን ኣተሓሳስባታትን ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዕ ክሰርሑ ከምዝግባእ ተዛሪቦም። ኣብ ፀብፃባቶም እውን ረብሓ ሃገርን ሀዝብን ከቐድሙ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ዝፍንዉዎ ትሕዝቶ ቅድሚ ምዝርግሑ ሓቃውነቱ ከረጋግፁ ከምዘለዎም ሓቢሮም። መንእሰይ ከመሸ ሃይለማርያም ብግድኡ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ሓዊሱ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፃት ዝዝርግሑ ሓበሬታታት እቲ ሕብረተሰብ ብኣፅንኦት ክከታተሎም ኣለዎ ኢሉ። ዝተዛብዑ ወይ ድማ ስኑዓት ሓበሬታታት እንትዝርግሑ እውን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ምጥቋም ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ ክብል ሓቢሩ። ካሊእ ወሃቢ ርኢቶ ኣይተ ሃጂ ሰላም ሃጂ ኣባ መጫ ከምዝበልዎ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘለዎም ፅልዋ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ብምጥቃም ኣብ ፀጋታት ምክብባር፣ፍቕርን ሓድነትን ጠመተ ዝገበሩ ስራሕቲ ከሳልጡ ከምዝግባእ ተዛሪቦም። መራኸብቲ ሓፋሽ ንቅዋም ተገዛእቲ ኮይኖም ክሰርሑ ኣለዎም ዝበለ መንእሰይ ደረጀ ካሳ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ህንፀት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ንምጥንኻር ዝለዓለ ዓቕሚ ኣለዎም ኢሉ። መንእሰይ ራህመት ዲኖ ብግደኣ፤ መራኸብቲ ሓፋሽን ማህበራዊ ሚድያታትን ትኽክለኛን ሚዛናውን ሓበሬታታት ብምፍናው ንረብሓ ህዝቢ ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣረዲኣ።
ፖለቲካ

ፖለቲካዊ ፀገማት ብሓባር ንፍታሕ ዝብል ፃውዒት መራሒ ዝተርኣየ ኣብዚ ናይ ለውጢ እዋን ኢዩ - ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)
Apr 1, 2025 16
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/23/ 2017 /ኢዜአ/ፖለቲካዊ ፀገማት ብሓባር ንፍታሕ ዝብል ፃውዒት መራሒ ዝተርኣየ ኣብዚ ናይ ለውጢ እዋን ኢዩ ክብሉ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ በልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገሊፆም። ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ናይ ለውጢ መንግስቲ ዝመፅአሉ ሻውዓይ ዓመት ብዝምልከት ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ሃገራዊ ለውጢ ንዜጋታት ናብ ቅድሚት ዘምፀአን ተሳትፎኦም ክብ ዘበለን ከምኡ እውን ኣብ ፖለቲካ በዓል ዋናን ጓናን ዝብል ክፍፍል ዘትረፈ ከምዝኾነ ሓቢሮም። እቲ ለውጢ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ይግበኦ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘምፀአ ብምግላፅ÷ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ፖለቲካዊ ፀገማት እዛ ሃገር ንምፍታሕ እጃሞም ንኽዋፅኡ ፃውዒት ዝቐረበሉ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም። “ሕዚ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስብራት ፖለቲካ ንምፅጋን ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ መሪሕ ተሳተፍቲ ንኽኾኑ ዝተገበረ ፃውዒት እቲ ዝዓበየ ፃውዒት ኢዩ” ክብሉ ወሲኾም። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ዝነበሩ ፓርቲታት ፖለቲካ ናብ ቅድሚት ዝመፅኡሉ፣ ምውዳብ፣ ቢሮ ምኽፋት ከምኡ እውን ሓሳቦም ናብ ህዝቢ ምቕራብ ዝጀመሩሉ እዋን ከምዝኾነ ኣልዒሎም። እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ልዑል ለውጢ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
መንግስቲ ፌደረኢ አብ ክልላት ጣልቃ ዝአትወሉ ስርዓት ንምድንጋግ ዝወፀ መማሓየሺ አዋጅ ፀዲቁ
Apr 1, 2025 14
አዲስ አበባ/ መጋቢት/ 23/2017(ኢዜአ)፦ ቤት ምኸሪ ወከልቲ ህዝብታት መንግስቲ ፌደረኢ አብ ክልላት ጣልቃ ዝአትወሉ ስርዓት ንምድንጋግ ዝወፀ መማሓየሺ አዋጅ ተዛትዩ አፅዲቁ። ቤት ምኸሪ ወከልቲ ህዝብታት መበል 22 ስሩዑ አኼብኡ ሎሚ አካይዱ፡፡ እቲ ባይቶ አብ ስሩዑ አኼቡኡ መንግስቲ ፌደረኢ አብ ክልላት ጣልቃ ዝአትወሉ ስርዓት ንምድንጋግ አብ ዝወፀ መማሓየሺ አዋጅ ተዛትዩ። አዋጅ መማሓየሺ ቅድም ክብል አብ ዝፀንሐ አዋጅ አብ አተገባብራ ንዘጋጠሙ ዕንቅፋታት ንምፍታሕ ዝዓለም ምኹኑ ተገሊፁ። በዚ እውን አብ እቲ ባይቶ ዘተ ምስተኻየደሉ ብኸልተ ድምፀ ታዓቅቦ ብዓብላሊ ድምፂ ነቲ አዋጅ አፅዲቑዎ አሎ።
ፓርቲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ካብ ተፀባይነት ንምንጋፍ ዘኽእሉ ብርክት ዝበሉ ዓወታት ኣመዝጊቡ- ኣይተ ኣደም ፋራህ
Apr 1, 2025 16
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/23/ 2017 /ኢዜአ/ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ኢትዮጵያ ካብ ተፀባይነት ብምንጋፍ ናብ ምሉእ ሉኣላዊነት ንምስግጋር ዘኽእሉ ብዙሓት ዓወታት ምምዝጋቡ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር መዓርግ ሓላፊ መተሓባበሪ ማእኸል ስርዓት ህንፀት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ገሊፆም፡፡ ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ዝተረኸቡ ዓወታትን ኣብ ናይ ቐፃሊ ኣንፈታትን ጠመተ ሂቦም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ÷ ህዝቢ ዘልዕሎም ዝነበሩ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ስብራት ለውጢ ንክመፅእ ዝገበሩ ቐንዲ ምኽንያት ምዃኖም ኣብሪሆም፡፡ ብመሪሕነት ፓርቲ ብልፅግና ናይ ለውጢ መንግስቲ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኻዊን ሕዚ ዘለው ፀገማትን ብምፍላይ ዘላቒ ፍታሕ ንምሃብ እኹል ትንተና ገይሩ ናብ ስራሕ ምእታው ኣረዲኦም፡፡ ብፍላይ ኣሳታፍን ንኹሉ ዝሓቁፍን ፖለቲካዊ ሃዋህው ንክፍጠር እቲ ፓርቲ ኣብነት ብምዃን ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተወገነ ገሊፆም፡፡ ንኣብነት ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ፓርቲ ብልፅግና ብኣብዝሓ ድምፂ ተዓዊቱ መንግስቲ ናይ ምጥያሽ ሕገ-መንግስታዊ መሰል እንተረኸበ ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣመራርሓታት ምስታፉ ኣዘኻኺሮም፡፡ እዚ ድማ ንፖለቲካዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡ ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ትካላት ዲሞክራሲ ብምጥንኻር፣ ማሕበራዊ ልምዓት ብምጥንኻር፣ ንጎረባብቲ ሃገራት ቀዳምነት ብምሃብን ኣብ ምትሕብባር መሰረት ዝገበረ ዲፕሎማሲ ተግባራዊ ብምግባር ግሁድ ውፅኢት ምምዝጋብ ምኽኣላ ተዛሪቦም፡፡ ካብ ልመናን ተፀባይነትን ብምንጋፍ ምሉእ ሃገራዊ ልኡላውነት ክረጋገፅ ይግባእ ብዝብል መትከል ተስፋ ውሃብቲ ስራሕቲ ልምዓት ኢኮኖሚ ምስርሖም ሓቢሮም፡፡ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ፓርቲ ዝኾነ ፓርቲ ብልፅግና ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣፍሪካዊን ዓለም ለኻዊን ዝምድናታት ብምጥንኻር ኣብ ንፍትሕን ሓባራዊ ረብሓን ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም፡፡ ኣብ ቐፃሊ እቲ ፓርቲ ኣህጉራውን ዓለም ለኻዊን ዝምድናታት ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣረጋጊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባህሪ ንምርካብ ትኽተሎ ኣካይዳ ግቡእ እዩ-ኣምባሳደር ኣብርሃም ንጉሴ (ዶ/ር)
Mar 31, 2025 29
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት /22/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ዝጀመረቶ ሰላማውን ዲፕሎማሲያውን ኣካይዳ ግቡእ ከምዝኾነ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብርሃም ንጉሴ (ዶ/ር) ገሊፆም። ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብርሃም ንጉሴ (ዶ/ር) ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፤ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምጥቃም ዘቕረበቶ ሰላማውን ዲፕሎማሲያውን ሕቶ ግቡእ እዩ ኢሎም። ልዑል በዝሒ ህዝቢ ንዘለዋ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ምርካብ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምቕፃል ከምዝሕግዝ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ትኽተሎ ዘላ ሰላማውን ዲፕሎማሲያውን ኣካይዳ ግቡእ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ድሌት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቀናኢ ፍትሒ ዝኾና ሃገራት ዓለም ኩለን ብትኽክል ከምዝሪአኦ ዘለዎም እምነት ብምግላፅ፤ ልዑል በዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኣፍ ደገ ባሕሪ ስኢና ክትነብር ኣይግባእን ክብሉ እውን ሓቢሮም። ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ እውን እናዓበየ ዝመፀ ኢኮኖሚ ንምትእንጋድ ኣድላይ ከምዝኾነ ገሊፆም። እዚ ጉዳይ ዘይርዳእ መንግስቲ ይኹን ሃገር ስለዘይህሉ ብሰላማውን ዲፕሎማሲያውን መንገዲ መፍትሒ ዝረክብ ጉዳይ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ጉዳይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ተረባሕነት ህዝብን ኢትዮጵያ ንምጥንኻር መፍትሒ ክግበረሉ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምፅዋር ንእትገብሮ ፃዕሪ ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነት ዴንማርክ ገሊፃ
Mar 31, 2025 27
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/22/ 2017 /ኢዜአ/ዴንማርክ ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምፅዋር ንእትገብሮ ፃዕሪ ንምድጋፍ ቅርብቲ ከምዝኾነት ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ሱኔ ክሮግስትሩፕ ገሊፆም። ኣምባሳደር ሱኔ ክሮግስትሩፕ ከምዝበሉዎ÷ ዴንማርክ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ኣጠናኺራ ንምቕፃልን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታ ብሓባር ንምስራሕ ቅርብቲ ኢያ። እታ ሃገር ዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ሓዱሽ ሃገር ለኸ ፕሮጀክት ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ከምትገብር ብምግላፅ÷ ኢትዮጵያ እናካየደቶ ምስ ትርከብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝጠዓዓም ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም። ኩባንያታት ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ኢኮኖሚዊ ልምዓትን ወሳኒ ግደ እናተፃወቱ ከምዝኾኑ እውን ፀሪሖም። ዴንማርክ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልተኣዊ ርክብ ብምድንፋእ ኣብ ንግድ፣ ኢንቨስትመንትን ልምዓትን ትኹረት ብምግባር ምትሕብባራ ከምተጠናኽር እቶም ኣምባሳደር ሱኔ ገሊፆም።ከም ፅብፃብ ፋና ዲጂታል ።
ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኤምሬታትን ጉጅለ ምርመራ ገበን ብምጥያሽ ብሓባር ንምስራሕ ዘትዮም
Mar 31, 2025 22
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/22/ 2017 /ኢዜአ/ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ምስ ጉጅለ ምርመራ ገበን ፖሊስ ዱባይ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬታት ኣብ ጉዳይ ምርመራ ገበን ተዛትዮም፡፡ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ÷ ኣብ ዱባይ ገበን ፈፂሞም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሓብኡ ተጠርጠርቲ ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ምርመራ እናካየዱ ይርከቡ፡፡ ሌተናል ኮለኔል ዓብደላ ብግደኦም÷ ኣብ ቀፃሊ ዝስርሑ ሓበራዊ ምርመራታት ገበን ናብ ዱባይ ዝጉዓዙ ሓለፍቲ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ንምቕባል ድልው ምዃኖም ኣረጋጊፆም። ኣብ ቀፃሊ ብክልቲአን ሃገራት ዝድለዩ ተጠርጠርቲ ኣሕሊፎም ብምሃብ ተሓተትቲ ሕጊ ንምግባር ጉጅለ ምርመራ ገበን ብምጥያሽ ብሓባር ንምስራሕ ዘትዮም።
ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ ስልጠና 6ይ ዙር ሰልጠንቲ ዲፕሎማት ኣጀሚሩ
Mar 31, 2025 24
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 22/2017 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ ስልጠና 6ይ ዙር ሰልጠንቲ ዲፕሎማት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲቪል ሰርቪስ ኢትዮጵያ ኣጀሚሩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምጅማር፤ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)፣ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ሚኒስትር ቢቂላ ሁሪሳ(ዶ/ር)፣ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ኣይተ ጃፋር በድሩ፣ፕሬዝዳንት ዩኒቨርሲቲ ሲቪል ሰርቪስ ንጉስ ታደሰ(ዶ/ር)ን ሰልጠንቲ ዲፕሎማትን ተረኺቦም። እቲ ስልጠና ንቀፃሊ 4 ኣዋርሕ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲቪል ሰርቪስ ከምዝወሃብ እውን ተገሊፁ። እቶም ሰልጠንቲ ኣብ ፃንሒቶም ስልጠናታት ፖሊሲ፣ኣካዳሚክን ተግባር ተኮርን ከምዝወስዱ ተሓቢሩ። እቲ ስልጠና ቅድሚ ሕዚ 5 ዙራት ዝተውሃበ እንትኸውን ኣብ 6ይ ዙር ድማ 50 ሰልጠንቲ ከምዝስልጥኑ ተፈሊጡ።

ማሕበራዊ
ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ትካላት ጥዕና 120 ኣምቡላንሳት ሓዊሱ ደገፍ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ተገይሩ
Apr 1, 2025 13
መቐለ/መጋቢት /23/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ትካላት ጥዕና 120 ኣምቡላንሳት ሓዊሱ ደገፍ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ከምዝተገበረ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ጨንፈር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። እቲ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ምስ መሓዙት ትካላት ብምትሕብባር ልዕሊ 33 ሚልዮን ብር ግምት ዘለዎም ኣምቡላንሳትን መሰረታዊ መድሓኒታትን ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ትካላት ጥዕና ደገፍ ከምዝተገበረ ገሊፁ። ሓላፊ እቲ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣይተ ብርሀኑ መኮንን ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሕፅረት መሰረታዊ መድሓኒት ንምፍታሕን ተበፃሕነት ኣምቡላንስ ንምስፋሕን እቲ ማሕበር ምስ መሓዙት ትካላት ብምትሕብባር ዝተፈላለዩ መድሓኒታት ኣከፋፊሉ እዩ። ብተወሳኺ እውን እቲ ቤት ፅሕፈት 120 ኣምቡላንሳት ደገፍ ዝገበረ እንትኸውን ብፍላይ ድማ ምስ ወሊድ ብዝተኣሳሰረን ብሃንደበታዊ ሓደጋን ኣብ ልዕሊ ኣዴታትን ህጻናትን ዘጋጥም ሞት ንምቕናስ ልዑል እጃም ከምዘለወን ተዛሪቦም። ስርዓት ኣገልግሎት ጥዕና እቲ ክልል ንምምሕያሽ ሕዚ እውን ተወሳኺ ስራሕቲ ምስራሕ ከምዝሓትት እቶም ሓላፊ ሓቢሮም። ብተወሳኺ እውን ስፔሻላይዝድ ሪፈራል ዓይደርን ሓፈሻዊ ሆስፒታላት መቐለን 18 ሚለዮን ብር ግምት ዘለዎም ናውቲ ሕክምና ብመልክዕ ደገፍ ከምዝረኸቡ ገሊጾም። አብ ምክንኻን ዕሸላት ምስ ዝሰርሕ ትካል ብምትሕብባር ዕሸላት ንምሕካም አብ አገልግሎት ዝውዕሉ 11 ዓይነት ናውቲ መውሀቢ ሕክምና ምኹኑ አብ ሆስፒታል ዓይደር ስፔሻሊስት ዶክተር ኪሮስ ወልደገሪማ ገሊፆም። እቲ ደገፍ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ንዝመፀ ሞት ሕንጠይ ህጻናት ንምቕናስ ከምዝሕግዝ እውን ተዛሪቦም። ተወካሊ ቢሮ ጥዕና ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሚኪኤለ ሃጎስ ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸቡ እንትኸውን፤ ነቲ ዝተገበረ ደገፍ ብምምስጋን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዝገብርዎ ዘለዉ ደገፍ ኣጠናኺሮም ንክቕፅልሉ ሓቲቶም።
ዩኔስኮ ሓድጊታት ሓሊኻ ንምፅናሕ ዝገብሮ ሓገዝ ከምዘጠናኽር ገሊፁ
Mar 31, 2025 21
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/22/ 2017 /ኢዜአ/ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን ሕቡራት መንግስታት (ዩኔስኮ) ዓለም ለኸ ሓድጊታት ኢትዮጵያ ሓሊኻ ንምፅናሕ ዝገብሮ ሓገዝ ከምዘጠናኽር ኣፍሊጡ፡፡ ተወካሊ ዩኔስኮ ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ኢትዮጵያ ሪታ ቢሶናውት (ዶ/ር)÷ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሓድገታት ኣብ ዓለም ለኸ ሓድጊታት ከምዘመዝገበት ሓቢሮም፡፡ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ዓመታት ተወሳኺ ሓድጊታት ንምምዝጋብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም። ሓድጊታት ኣብ ዩኔስኮ ምምዝጋቦም እቶም ሓድጊታት ንምክንኻንን ንምሕላውን ከምኡ እውን ቁፅሪ በፃሕቲ ብምውሳኽ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ተረባሒ ቱሪዝም ንኽኸውን ዘኽእል ኢዩ ኢሎም፡፡ ዩኔስኮ ኣብ ሓዲጊ ዓለም ዝተመዝገቡ ሃፍቲታት ንማሕበረሰብ ዓለም ናይ ምፍላጥ ስራሕ ከምዝሰርሕ ብምሕባር÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ኣብታ ሃገር ዘለዉ ሓድጊታት ንኽጉብንዩ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ርእሳነ-ምምሕዳር ክልላት ንመበል 1446 በዓል ዒድ-ኣልፈጥር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፅሐኩም ኣመሓላሊፎም
Mar 30, 2025 37
አዲስ አበባ/መጋቢት /21/2017/ኢዜአ/ርእሳነ-ምምሕዳር ክልላት ንመበል 1 ሽሕን 446 በዓል ዒድ-ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። ርእሰ-ምሕዳር ክልል ማዕከላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር)፣ ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን፣ ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኢንጅነር ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር)፣ መንግስቲ ክልል ሃረሪ፣ ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ዓፋር ሓጂ ኣወል ኣርባ፣ ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ፣ ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኣለሚቱ ኡሞድ፣ ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ ሙሓመድ ኸምኡ 'ውን ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፅሐኩም ኣመሓላሊፎም። ኣብ መልእኽቶም፤ እቲ በዓል ናይ ደስታ፣ ፍቕሪ፣ ሓድነትን ምትሕብባርን ንክኸውን ተመኒዮም። እቲ በዓል እንትኽበር፤ ዘለካ ብምክፋል፣ ዓቕሚ ንዘይብሎም ብምሕታትን ዝተለመደ ምትሕግጋዝ ብምጉልባትን ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።
ቁጠባ
ኣብቶም ናይ ለውጢ ዓመታት ስርዓት ንግዲ ብምቅልጣፍን ቀረብ ብምዕባይን ናህሪ ዋጋ ምምሕያሽ ተኻኢሉ እዩ-ሚኒስትር ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)
Apr 1, 2025 16
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 23/2017 (ኢዜኣ) እዚ ናይ ለውጢ መንግስቲ ቅልጡፍ ስርዓት ንግዲ ብምዝርጋሕን ኣብ ቀረብ ትኹረት ዝገበረ ለውጢ ኣሰራርሓ ብምግባርን ምጣነ ናህሪ ዋጋ ምምሕያሽ ከምዝኸኣለ ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ገሊፆም። ሚኒስትር ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብ ምንቅስቓስ ኣታውን ወጻእን ንግድን ካልኦት እዋናዊ ኩነታትን ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበለዎ፤ ኣካይዳ እቲ ለውጢ ኣብ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ዓውድታት ብጭፍን ምርኣይ ዘይኮነስ ዕዳ እውን ፀጋ እውን ገይሩ ዝርዳእ እዩ። ኣብ ዓውዲ ንግዲ እውን ኣብ ንግዲ ወጻእን ውሽጢ ሃገርን ከምኡ እውን ኣብ ከይዲ ምርግጋፅ ፅሬት ዝነበሩ ፈተናታትን ዕድላትን ተፈቲሾም እዮም ኢሎም። ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ክውን ንምግባር ስሕታት ምስትኽኻልን ጥንካረታት ምጥንኻርን ሰረት እቲ ለውጢ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ብዝሃነትን ተወዳዳሪነትን ንግዲ ወጻኢ ብምምሕያሽ ኣብ ኣፈታትሓ ጸገም ጠንካራ ዓቕሚ ምህናፅ ከምዝተኽኣለ ኣረዲኦም። ቅድሚ እቲ ለውጢ ምችዉነት ንግዲ ኢትዮጵያ ትሑት ከምዝነበረ ብምግላጽ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ስራሕ ንግዲ ንምጅማር ምችው ኩነታት ኣብ ምፍጣር ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣወንታዊ ውጽኢታት ከምዝተመዝገቡ ገሊፆም። መተግበሪ ስርዓት ኦንላይን ምዝገባ ፍቓድ ንግዲ ብምምዕባል ተገልገልቲ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ኣሰራርሓ ከምዝተዘርገሐ እውን ሓቢሮም። ስለዝኾነ እውን በቲ ሃገራዊ ለውጢ ምችው ከባቢ ንግዲ ብምፍጣር ንማሕበረሰብ ንግዲ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝተኽኣለ ፀሪሖም። ምኽባር ናብራ ንምቕናስ መሰረታዊ ፍርያታት ሓዊሱ ቀረብ ንምምሕያሽ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ተዛሪቦም።
ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣገለግሎት ትራንስፖርት ብምስላጥ መርኣያ ዝኾነ ተግባር የካይድ አሎ -ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)
Apr 1, 2025 14
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/23/ 2017 /ኢዜአ/ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣገለግሎት ትራንስፖርት ብምስላጥ መርኣያ ዝኾነ ተግባር የካይድ አሎ ክብሉ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ገሊፆም። ምዕባለ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምቕፃል ዓውዲ ትራንስፖርት ወሳኒ ግደ ክፃወት ኣለዎ ። ምምሕዳር ከተማ አዲስ ኣበባ ኣብታ ከተማ ዘሎ ፀገም ትራንስፖርት ዘቃልላ 100 ዘበናዊ ብኤሌክትሪክ ዝንቀሳቐሳ ኣውቶብሳት ብመንግስቲን ውልቀን ሽርክና ናብ ኣገልግሎት ኣእትዩ። ኣብ ስነ ሰርዓት ርኽክብ እተን ተሽከርከርቲ ዝተረኸቡ እቶም ሚኒስትር፥ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣገለግሎት ትራንስፖርት ብምስላጥ መርኣያ ዝኾነ ተግባር የካይድ ኣሎ ኢሎም። ብምኽኒያት ትራንስፖርት ኣብ መገዲ ዝጠፍእ ግዘ ምሕፃር ከምዝግባእን እቲ ምምሕዳር ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ፀገም ብዘላቕነት ንምቕራፍ ብዛሓት ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎን ተዛሪቦም።
ካብ ዓውዲ ሆርቲ ካልቸር 366 ሚሊየን ዶላር ተረኺቡ
Apr 1, 2025 12
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/23/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋረሕ ካብ ዓውዲ ሆርቲካልቸር 366 ሚሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ሚኒስትር ገብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ገሊፆም። “ሆርቲካልቸር ንዘላቒ ሃገራዊ ሸቶ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓለም ለኸ ኤግዚብሽን ሆርቲካልቸር ኣብ ኣዳራሽ ሚሌኒየም ይሳለጥ ኣሎ። እቶም ሚኒስትር፥ ከም ሃገር ኣብቲ ዓውዲ ገዚፍ ዓቕሚ ከምዘሎ ተዛሪቦም። እዚ ዓቕሚ ኣብ ረብሓ ንምውዓል መንግስቲ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም። መንግስቲ ዓውዲ ሆርቲካልቸር ምስ ዘንቀሳቕሱ ኣካላት ፅኑዕ ዝምድና ስራሕ ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀፃሊ ዝተፈላለዩ ደገፋት ብምግባር እቲ ዓውዲ ካብዚ ንላዕሊ ናይ ምዕባይ ስራሕ ከምዝስራሕ ኣረጋጊፆም።
ፍሪያታት ለውጢ ዝኾኑ ገዘፍቲ ልምዓታት ብርኪ ናብራ ህዝቢ የመሓይሹ ከምዘለዉ ተገሊፁ
Apr 1, 2025 14
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/23/ 2017 /ኢዜአ/ ‘ካብ መጋቢት ክሳብ መጋቢት’ ብዝተገበረ ዝተዋደደ ምርብራብ በቢከባቢኡ ዝተሃነፁ ፍሪያታት ለውጢ ዝኾኑ ገዘፍቲ ልምዓታት ብርኪ ናብራ ህዝቢ የመሓይሹ ከምዘለዉ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ። ፅባቐ ኣዲስ ኣበባን ኢትዮጵያን ይቕይሩ ዘለዉ እቶም ገዘፍቲ ስራሕቲ ልምዓት ካብ መጋቢት ክሳብ መጋቢት ብዝተኻየደ ምውዳድ ዝተመዝገቡ ፍረታት ለውጢ ከምዝኾኑ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ። በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓታት፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣካላት ፀጥታን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰበን ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፁ ግዙፋትን ሰብ ተኮርን ፕሮጀክትታት ልምዓት ዑደት ይገብሩ ኣለዉ። እቲ ዑደት ንዝዓበየ ዓወት ተወሳኺ ምልዕዓል ንምስናቕ ዘኽእል ከምዝኾነ እቲ ቤት ፅሕፈት ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ሳይንስን ቴክኖሎጅን
መራኸብቲ ሓፋሽ ዝፍንዉዎም ሓበሬታታት ሓድነት ህዝቢ ዘጠናኽሩ ክኾኑ ይግባእ
Apr 1, 2025 13
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት /23/2017 (ኢዜኣ) መራኸብቲ ሓፋሽ ዝፍንዉዎም ሓበሬታታት ትኽክለኛን ሓድነት ህዝቢ ዘጠናኽሩን ክኾኑ ከምዝግባእ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣዲስ ኣበባ ገሊፆም። ኣብዚ ሰሙን ብመራኸብቲ ሓፋሽን መማረፅታት ማሕበራዊ ሚድያን ኣብ ሃገር ፀገም ንምፍጣር ዝዓለመ ዝተዋደደ ስኑዕ ሓበሬታ ከምዝተዘርገሐ ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ መሰረት ብምግባር ኢዜኣ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፤ ጉድኣት ስኑዕ ሓበሬታ ካብ ውልቀ ክሳብ ሃገር እዩ ኢሎም። መራኸብቲ ሓፋሽ ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ፅልዋ ናይ ምሕዳር ዓቕሞም ልዑል ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንህንፀት ሃገር ሃናፂ እጃም ኣብ ዘበርክቱ ጉዳያት ትኹረት ንክገብሩ እቶም ወሃብቲ ርኢቶ ሓቲቶም። ካብቶም ወሃብቲ ርኢቶ ኣብዱሰመድ ሁሴን(ዶ/ር)፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ብዝሃ ሃይማኖት፣መንነታትን ኣተሓሳስባታትን ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዕ ክሰርሑ ከምዝግባእ ተዛሪቦም። ኣብ ፀብፃባቶም እውን ረብሓ ሃገርን ሀዝብን ከቐድሙ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ዝፍንዉዎ ትሕዝቶ ቅድሚ ምዝርግሑ ሓቃውነቱ ከረጋግፁ ከምዘለዎም ሓቢሮም። መንእሰይ ከመሸ ሃይለማርያም ብግድኡ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ሓዊሱ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፃት ዝዝርግሑ ሓበሬታታት እቲ ሕብረተሰብ ብኣፅንኦት ክከታተሎም ኣለዎ ኢሉ። ዝተዛብዑ ወይ ድማ ስኑዓት ሓበሬታታት እንትዝርግሑ እውን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ምጥቋም ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ ክብል ሓቢሩ። ካሊእ ወሃቢ ርኢቶ ኣይተ ሃጂ ሰላም ሃጂ ኣባ መጫ ከምዝበልዎ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘለዎም ፅልዋ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ብምጥቃም ኣብ ፀጋታት ምክብባር፣ፍቕርን ሓድነትን ጠመተ ዝገበሩ ስራሕቲ ከሳልጡ ከምዝግባእ ተዛሪቦም። መራኸብቲ ሓፋሽ ንቅዋም ተገዛእቲ ኮይኖም ክሰርሑ ኣለዎም ዝበለ መንእሰይ ደረጀ ካሳ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ህንፀት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ንምጥንኻር ዝለዓለ ዓቕሚ ኣለዎም ኢሉ። መንእሰይ ራህመት ዲኖ ብግደኣ፤ መራኸብቲ ሓፋሽን ማህበራዊ ሚድያታትን ትኽክለኛን ሚዛናውን ሓበሬታታት ብምፍናው ንረብሓ ህዝቢ ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣረዲኣ።
ኢትዮጵያ ልዕሊ 10 ሽሕ ዕዱማት ዝሳተፉሉ ዓለም ለኻዊ ኤክስፖ ቴክኖሎጂ ክተሰናድእ 'ያ
Mar 26, 2025 51
አዲስ አበባ/መጋቢት/17/2017/ኢዜአ/ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ኢንፎርሜሽን ወይዘሮ ትዕግስት ሃሚድ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ከምዝገለፅኦ፤ ኢትዮጵያ ካብ ንምብራቕ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ኤክስፖ ቴክኖሎጂ ካብ 8 ክሳብ 10 ጉንበት ክተካይድ 'ያ። እቲ ኤክስፖ ኣብ ድሕንነት ሳይበር፣ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ዘፈር ፋይናንስ ስማርት ሲቲን ዘፈራት ትምህርቲ ቴክኖሎጅን ከምዝካየድ ተዛሪበን። ኣብቲ ኤክስፖ ልዕሊ 10 ሽሕ ዕዱማት ስለዝህልዉዎ ካብ ምብራቕ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ክኸውን ከምዝገብሮ 'ውን ሓቢረን።
መሪሕ ያታ ምልዕዓል ልምዓት፣ ዝምድና ሓበራዊነትን ሕውነትን ይፈጥር-ዲያቆን ዳንኤል ክብረት
Mar 25, 2025 55
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/16/ 2017 /ኢዜአ/ዘተኣኻኽብ ያታ ሓበራዊነት ሰባት፣ ክብሪ ማንነት ንኽጉልብት ይሕግዝ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ኣማኻሪ ዓውዲ ማሕበራዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሙሃዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ገሊፆም፡፡ ኣብ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ “መሪሕ ያታ ንምህናፅ ውፅኢታዊ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንኣመራርሓታት ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ስልጠና ይውሃብ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ስልጠና ዲያቆን ዳንኤል ክብረት÷ መሪሕ ያታ ታሪኽ ሃገር ንመፃኢ ተስፋን ሎሚን ዘለዎ ግደ ዝፍጠሩ ኩነታት እንዕዘበሉ እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ መፃኢ ዕጫ ኢትዮጵያ ዝውሰን ብያታ ብምዃኑ ኣብ ዓውዲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን እዙይ ብምጉላህ ሓበራዊነት ህዝቢን ሰናይ ክብሪን ክጉልብቱ ክሕግዝ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡ ኣብቲ ስልጠና ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ዲላሞ ኦቶሬን (ዶ/ር )፣ ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ኣይተ ዘሪሁን እሸቱን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ኣብቲ መድረኽ ምርካቦም ኣብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ መሪሕ ያታ ምልዕዓል ልምዓት፣ ዝምድና ሓበራዊነትን ሕውነትን ይፈጥር-ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/16/ 2017 /ኢዜአ/ዘተኣኻኽብ ያታ ሓበራዊነት ሰባት፣ ክብሪ ማንነት ንኽጉልብት ይሕግዝ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ኣማኻሪ ዓውዲ ማሕበራዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሙሃዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ገሊፆም፡፡ ኣብ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ “መሪሕ ያታ ንምህናፅ ውፅኢታዊ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንኣመራርሓታት ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ስልጠና ይውሃብ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ስልጠና ዲያቆን ዳንኤል ክብረት÷ መሪሕ ያታ ታሪኽ ሃገር ንመፃኢ ተስፋን ሎሚን ዘለዎ ግደ ዝፍጠሩ ኩነታት እንዕዘበሉ እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ መፃኢ ዕጫ ኢትዮጵያ ዝውሰን ብያታ ብምዃኑ ኣብ ዓውዲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን እዙይ ብምጉላህ ሓበራዊነት ህዝቢን ሰናይ ክብሪን ክጉልብቱ ክሕግዝ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡ ኣብቲ ስልጠና ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ዲላሞ ኦቶሬን (ዶ/ር )፣ ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ኣይተ ዘሪሁን እሸቱን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ኣብቲ መድረኽ ምርካቦም ኣብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ካብ ኢንዱስትሪታት ዝወፅእ ፈሳሲ ጎሓፍ ንምቁፅፃር ዘኽእል ስርዓት ዲጂታል ስራሕ ጀሚሩ
Mar 24, 2025 64
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/15/ 2017 /ኢዜአ/ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ኣዳማ÷ ካብ ኢንዱስትሪታት ዝወፅእ ፈሳሲ ጎሓፍ ብዘበናዊ መገዲ ንምቁፅፃር ዘኽእል ስርዓት ዲጂታል ስራሕ ኣጀሚሩ፡፡ እቲ ስርዓት ዲጂታል ኣወሃህባ ግልጋሎት ንምስላጥ ከምዝሕግዝ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ፍስሃ ይታገሱ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡ ኣብ ኣዳማ ዝተጀመረ ልምዲ ብምውሳድ ኣብ ካልኦት ዞባታት ኢኮኖሚ ንምትግባር ክስራሕ እዩ ምባሎም ኣብቲ ኮርፖሬሽን ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ስፖርት
ሎሚ ምሸት ኣብ ዘሎ መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሰለስተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም
Apr 1, 2025 13
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/23/ 2017 /ኢዜአ/ሎሚ ምሸት ኣብ ዘሎ መበል 30 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሰለስተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም። ብመሰረት እቲ መርሃ ግብሪ፥ ኣርሴናል ኣብ ሜድኡ ሰዓት 3፡45 ምሸት ምስ ፉልሃም ክጋጠም ኢዩ። ኣርሴናል ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝገበሮም ፀወታታት 58 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘሎ እንትኸውን፥ ፉልሃም ድማ 45 ነጥቢ ብምሓዝ ሻምናይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ። ዎልቭስን ምስ ዌስትሃም ዩናይትድ ሰዓት 3፡45፣ ኖቲንግሀም ፎረስት ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ድማ ሰዓት 4፡00 ክፃወቱ ኢዮም።
ንሃገራዊ ለውጢ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ስፖርት ተኻይዱ
Mar 29, 2025 31
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/20/ 2017 /ኢዜአ/ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሃገራዊ ለውጢ ሻውዓይ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ብዙሓት ክፋላት ማሕብረተሰብ ዝተሳተፉሉ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሴንተር ኮንቬንሽን ኣፍሪካ ኣካይዱ፡፡ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጃንጥራር ኣባይ÷ "ትማሊ፣ ሎሚን ፅባሕ ንልዕልና ኢትዮጵያ" ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝተኻየደ ኣካላዊ ብቕዓት ምንቅስቓስ ተረኺቦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ጉዳያት ዕውት ውፅኢት ምምዝጋብ ተኻኢሉ ምባሎም ካብቲ ቢሮ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡ መንግስቲ ንስፖርት ዝሃቦ ጠመተ ድሕሪ ሃገራዊ ለውጢ ልዕሊ 1 ሺሕን 300 ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት መስርሒ ቦታታት ምህናፆም ዝገለፁ ድማ ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ አበባ በላይ ደጀን እዮም፡፡
ፀወታታት ርብዒ ፍፃመ ኤፍ ኤ ካፕ ሎሚ ክካየዱ ኢዮም
Mar 29, 2025 27
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/20/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ፀወታታት ርብዒ ፍፃመ ኤፍ ኤ ካፕ ሎሚ ክካየዱ ኢዮም። ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ፉልሃም ምስ ክሪስታል ፓላስ፣ ብራይተን ምስ ኖቲንግሃም ክጋጠማ ኢየን። ሰዓት 9፡15 ድሕሪ ቀትሪ ፉልሀም ኣም ሜድኡ ክሪስታል ፓላስን ከተኣናግድ ኢዩ። ምሸት ሰዓት 2፡15 ድማ ብራይተን ኣብ ሜድኡ ምስ ኖቲንግሀም ፎረስት ክጋጠም ኢዩ።
ኣብ ቻይና ናንጂንግ ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናይ ጅግና ኣቐባብላ ተገይሩሉ
Mar 25, 2025 49
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/16/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ቻይና ናንጂንግ ኣብ ዝተኻየደ መበል 20 ዓለም ለኸ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሎሚ ንግሆ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ፡፡ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ናይ ጅግና ኣቐባብላ ከምዝተገበረሉ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ነቲ ልኡኽ ሚኒስትር ዲኤታ ባህሊን ስፖርትን መኪዩ መሓመድ፣ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ፣ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ኣትሌት ስለሺ ስህንን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብዝተረኸብሉ ኣቀባብላ ተገይሩሎም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ካብ ዓለም ሳልሰይቲ ካብ ኣፍሪካ ድማ ቀዳመይቲ ብምዃን ውድድራ ምዝዛማ ይፍለጥ፡፡
ሓለዋ ኸበቢ
ንሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ልዑል ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ - ምክል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Mar 29, 2025 26
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/20/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሄረሰብ ዋግ ህምራ ምምሕዳር ዞባ ዝቋላ፣ ደሃናን ካልኦት ወረዳታትን ንሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ልዑል ጠመተ ብመሃብ እናተሰርሐ ይርከብ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም÷ “ኣብ ከባቢ ብሄረሰብ ምምሕዳር ዋግ ህምራ ሕፅረት ዝናብ ብምህለው ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ምዕቃብ ብልዑል ፃዕሪ ተግባራዊ ክኸውን ኣለዎ” ኢሎም፡፡ ተፋሰስ ተከዘ ብመስኖ ናይ ምልማዕ ስራሕቲ በቢብርኩ ምስ ዝርከቡ ኣመራርሓታትን ተሳትፎ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢን ርብርብ ዝሓትት ምዃኑ ሓቢሮም፡፡ እዞም ተስፋ ዝህቡ ጅማሮታት ምጥንኻር፣ ምስፋሕን ብቐፃልነት ክትግበሩን ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፡፡
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Mar 24, 2025 64
አብ ክልል አምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ፉሉይ ወረዳ፣ አርጎባ ቃሉ፣ ደሴ ዙርያ ወረዳታት ለጋምቦን ተግበረ ሓለዋ ከባቢ ካብ ምፍላሕ ፈልሲ ጀሚሩ ልዑል ጠመተ ተዋሂብዎ ይስራሕ አሎ፡፡ አብ እዚ ተግባር ንዝተዋፈሩ ኩሎም ምስጋና ይግቦኦም። ንመሬት ምክንኻን እንትንኸእል እንረኸቦ ፍሉይ ውህብቶ ንዝኾነ ናይ ምንምባር ውሕስና ከምኡ እውን ብምግቢ ዓርስኻ ናይ ምኸአል ናፅነት እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ማዓልቲ ማይ ዓለም ሎሚ ክኸበር እዩ
Mar 22, 2025 61
አዲስ አበባ/ መጋቢት/ 13/2017 (ኢዜአ)፦ የዓለም ውሃ ቀን "የበረዶ ግግሮችን እንጠብቅ" በሚል መሪ ሀሳብ ዛሬ ይከበራል። ማዓልቲ ማይ ዓለም" ንዝተጋገረ በረድ ዓለም ንሓሉ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ ክኸበር እዩ ። ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሀብታሙ ኢተፋ /ኢ/ር ዶ/ር/ንዕለት ማይ ዓለም አመልኪቶም አብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም አብ ዘማሓላለፍዎ መልእኸቲ ንሃብቲ ማይ ምቑጣብ ፣ምክንኻን ን ምሕላውን ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።
ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ሃገራዊ ሽፋን ደኒ ክብ ኢሉ አሎ
Mar 21, 2025 59
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/12/ 2017 /ኢዜአ/መበል 14 ዝነኣድ ዕለተ ዓለም “ደኒን ምግቢን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ሃገራዊ ሽፋን ደኒ ክብ ምስ ምባሉ ጎናጎኒ ልምዓት ደኒ መሰረት ዘላቒ ውሕስነት ምግቢ ንክኸውን ድማ ብቐፃልነት ይስራሕ ከም ዘሎ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ተዛሪቦም። እዚ ኣሃዝ ሽፋን ደኒ ክሳብ 2030 ናብ 30 ሚኢታዊ ክብ ንምባል ይስራሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ዋና ዳይሬክተር ለምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ከበደ ማሞ ብግደኦም፥ ሃፍቲ ደኒ ኢትዮጵያ ነክምዕብል፣ ዝዓረቑን ኣሲዳማ መሬታትን ንክምለሱ ቆላሕታ ከምዝተውሃበ ኣፍሊጦም።
ዓለም ለኸዊ ዜናታት
ስትራቴጂ ምምሕዳር ባሕሪ ኣፍሪካ ናብ ተግባር ክኣቱ እዩ
Mar 31, 2025 24
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 22/2017 (ኢዜኣ) ሃፍትታት ባሕርን ዝስተ ማይን ኣፍሪካ ዘለዎ ዞባዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝዓለመ ስትራቴጂ ምምሕዳር ባሕሪ ኣፍሪካ ናብ ተግባር ከምዝኣቱ ተገሊጹ። እቲ ስትራቴጂ ንምፅዳቕ ዝተዳለወ ዓውደ መፅናዕቲ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ታንዛንያ ዳሬ ሰላም ክካየድ እዩ። እቲ መድረኽ ብምትሕብባር ሕብረት ኣፍሪካን ፕሮግራም ሓለዋ ከባቢ ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ዝተዳለወ እዩ። ስትራቴጂ ምምሕዳር ባሕሪ ኣፍሪካ ሃገራትን ተዋሳእቲ እቲ ዓውድን ኣብ ሃፍትታት ባሕርን ዝስተ ማይን ኣፍሪካ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ጠመተ ዝገበረ ዘተ ከምዝግበር ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ ይሕብር። ትካላዊ ማዕቐፍ፣ስርዓት ክትትልን መርሃ ግብሪ ኣፈፃፅማን እቲ ስትራቴጂ ዘተ ካብ ዝግበረሎም ጉዳያት እዮም። ሃገራት ኣባል ሕብረት ኣፍሪካ እቲ ስትራቴጂ ምስ ብሄራዊ ትልመን ኣጠዓዒመን ተግባራዊ ኣብ ዝገብራሉ ኩነታት እውን ከምዝዝትያ ተገሊፁ። እቲ ስትራቴጂ ምስ ስትራቴጂ ብሉ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ፣ዘላቒ ልምዓትን ዓለም ለኸ ሽቶታትን ኣብ ዝህልዎ ምትእስሳር ዘተ ክግበር እዩ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2023 ኣብ ኣሜሪካ ኒው ዮርክ ዝተፈረመ ስምምዕ ዘላቒ ኣጠቓቕማ ዓለም ለኸ ብዝሃ ሂወት ባሕሪ (BBNJ Agreement) ኣፈጻፅምኡ እውን ተወሳኺ መዛተዪ ዛዕባ እቲ መፅናዕቲ እዩ። ሃገራት ኣፍሪካ ከም ኣቆጿፅራ ኣውሮፓ ኣብ ወርሒ ሰነ 2025 ኣብ ዝሳለጥ መበል 3ይ ኮንፈረንስ ባሕሪ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ሒዘንኦ ዝቐርባ ሓባራዊ ቅዋም ዕላዊ ከምዝገብራ እውን ሓበሬታ እቲ ሕብረት ይሕብር። እቲ ስትራቴጂ ምምሕዳር ባሕሪ ኣፍሪካ ንምፅዳቕ ዝግበር ዓውደ መፅናዕቲ ክሳብ 26 መጋቢት 2017 ዓ/ም ዝፀንሕ እዩ።
ፎረም ፍሉይ ልኡኽ ከይዲ ሰላም ሱዳን አብ አዲስ አበባ ዘተ ይካየድ ኣሎ
Mar 18, 2025 92
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/9/ 2017 /ኢዜአ/በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)ፎረም ፍሉይ ልኡኽ ከይዲ ሰላም ሱዳን ኣኼባኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናካየደ ይርከብ፡፡ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን÷ እቶም ፍሉያት ተወከልቲ ንከይዲ ሰላም ሱዳን ዘለዎም ምውዳድን ምትሕብባርን ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡ እቲ ፎረም ኣብ ሱዳን ሰላም ንምምፃእ ዝግበሩ ፃዕሪታት ዝተዋደዱን ዝተናበቡን ክኾኑ ዝስራሕ ስራሕ እንትኸውን÷ ኣብ ሱዳን ዘሎ ጎንፂ ንምፍታሕ ሓበራዊን ግልፂን ኣካይዳ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ኢዜአ ፀብፂቡ። ኢጋድ እቲ ከይዲ ሰላም ብወናንነትን መሪሕነትን ሱዳናውያን ክሳለጥን ብቖራፅነት ከምዝሰርሕን ኣረጋጊፁ።
ኢትዮጵያ ውህደት ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ዘቀላጥፉ መሰረተ ልምዓታት እናዘርገሐት እያ-ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ
Mar 17, 2025 80
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 8/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ስራሕቲ ዝርገሐ ውህደት ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ዘቀላጥፉ መሰረተ ልምዓታት ትኹረት ጌራ እናሰርሐት ከምትርከብ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ ተዛሪቦም። መበል 57 ኣህጉራዊ ጉባኤ ሚኒስትራት ፋይናንስን ምጣነ ሃፍትን ኮሚሽን ኢኮሚክ ኣፍሪካ ብብርኪ ሚኒስትራት እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ። ኣብቲ ጉባኤ፤ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማህሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ውሕመ) ክላቨር ጋቴቴ፣ዋና ፀሓፊ ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ዋምኬሌ ሜኔን ዋና ፀሓፊ ሚኒስቴር ፋይናንስ፣ልምዓት ኢኮኖምን ኢንቨስትመንትን ዚምባብዌ ከምኡ እውን ተሰናባቲ ኣቦ መንበር ቢሮ ሚኒስትራት ፋይናንስ፣ኢኮኖምን ልምዓትን ኣንድሪው ቡቩምቤን ተረኺቦም። ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ፅቀሥላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣፍሪካ ሽግግር ዕቤት ኢኮኖሚ ንምግባር ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ታሪኽ ትርከብ። ድሌት ዶብ ኣልቦ ነፃ ዕድጊት ሸቐጥን ኣገልግሎትን ኣፍሪካ ክውን ንምግባር ካብ ባህጊ ዝሓለፈ ስራሕ ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም። ስለዝኾነ እውን ሃገራት ስምምዕ ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ካብ ምፅዳቕ ብተወሳኺ ናብ ተግባር ምቕያርን ዕዉት ኮሚቴ ብሄራዊ ምትሕብባር ብምጥያሽ ብቆራፅነት ምስራሕን ይግባእ ኢሎም። ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ንውህደት ንግዲ ኣፍሪካውያን ወሳኒ እጃም ዘለዎም መሰረተ ልምዓታት ኣብ ምዝርጋሕ ትኹረት ከምዝገበረት እውን ገሊፆም። ኢትዮጵያ ዞባዊ ዓቕሚ ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትርን ዝኸውን ተመጣጣኒ፣ተሓዳስን ዘተኣማምንን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምቕራብ ውህደት ኢኮኖሚ ንምስላጥ እናሰርሐት ከምትርከብ ወሲኾም ተዛሪቦም።
ጉባኤ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ
Mar 17, 2025 81
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/8/ 2017 /ኢዜአ/መበል 57 ኣህጉራዊ ጉባኤ ሚኒስትራት ፋይናንስ፣ ልምዓት ኢኮኖሚን ፕላንን ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ ጉባኤ፥ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ፣ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ ዋና ፅሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ክላቨር ጋቴቴ፣ ዋና ፅሓፊ ኣህጉራዊ ነፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ዋምኬሌ ሜኔ፣ ሚኒስትራት ፣ ሓለፍቲ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ትካላት ተረኺቦም፡፡
ሓተታ
ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ
Mar 18, 2025 85
ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ንክልተ ዓመት ዝነበረ ኹናት ጠጠው ኣቢሉ ድምፂ ጥይት ዘይስመዓሉ ኹነታት ፈጢሩ። ንዚ ስዒቡ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናበራኡ ክምለስ ኪኢሉ። ሓረስታይ ናብ ሕርሻኡ፤ተምሃራይ ናብ ቤት ትምህርቱ፣ ነጋዳይ ናብ ንግዱ፣ሰርሕተኛ ናብ ስራሑ…ተመሊሱ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ክልል ትግራይ ፅቡቕ ኣፋፍኖት ረኺቡ።ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ ስለዝነበረ ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም ብምርካቡ ንክልተ ዓመታት ካብ ዝነበሮ ጭንቅን መከራን ተናጊፉ። ካብን ናብን ምንቅስቓሳት ብምጅማሮም ናብራኡ ክረጋጋዕ ዝኽእለሉ ኹነታት ተፈጢሩ። ህዝቢ ኣብ ሓጎስን ሓዘንን ብዘይ ፀገም እናተረኻበ ማሕበራዊ ዋኒኑ ዝፍፅመሉ ኹነታት ተፈጢሩ። ትካላት ፌደራል ዝኾና ከም ባንኪ፣መንገዲ ኣየር፣ሓይሊ መብራህቲን ቴሌን…ስራሕተን ብምጅማር ናብራ ዝቐለለ ንክኸውን ናይ ባዕለን እጃም ኣበርኪተን። እዚ ኹሉ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ራህዋን ስለዝግብኦ ዝተገበረ ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ። ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ዘለዋ ቢሮታትን ቤት ፅሕፈታትን ክልል ስሩዕ ስራሐን ክሰርሓሉ ዝኽእላ ምችው ኹነታት ተፈጢሩ። ህዝቢ መንግስታዊ ግልጋሎት ንኽረክብ ዘኽእሉ ኹነታት ብምፍጣሮም ዝተረጋገዐ ናብራ ምንባር ጀሚሩ ነይሩ። ኮይኑ ግና ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ እቲ ህዝቢ ዳግም ኣብ ስግኣት ወዲቑ ። ብመሰረቱ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ንቡርን ዘይተርፍን ‘ዩ። ኮይኑ ግና ብዝሰልጠነ መገድን ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ዝፍታሕ’ምበር ብጎንፂ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብጎንፂን ሓይልን ንምፍታሕ ፃዕሪ ምግባር ግቡእ ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ’ውን ኣይግብኦን። ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ወይከዓ ሓይሊ ካብ ሕጊ ንላዕሊ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ውድባት ብመሰረት ህገ መንግስቲን ሕግታት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ክመሓደሩ ግድን’ዩ። ኩሉ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሶም ሕጊ ሃገር ዘኽበረ ክኸውን ይግባእ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ኹነታት ግና ብፍላይ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘይተቐበሉ ‹‹ጉባኤ ኣካይደ ‘የ›› ዝበለ ሓይሊ፤ስዒቡ ድማ ንሰለስተ ወርሒ ካብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዝተኣገደ ሓይሊ ሐዚ ኣብ ትግራይ እናፈፀሞ ዘሎ ጎንፂ ናይ ምፍጣር ኹነታት ጌጋ ምዃኑን ሕጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ኣብ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ዘለዎ ጎንፂ ናይ ምፍጣርን ሓይሊ ናይ ምጥቃምን ተርእዮታት ህዝቢ ኣብ ስግኣት ክወድቕ ገይሮምዎ ኣለዎ። ጎንፂን ሓይሊ ምጥቓምን እንትህሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ጉድኣት ምብፃሑ ኣይተርፍን። እዚ ግና ንህዝቢ ትግራይ ዘይግብኦን ዘይምጥኖን ተግባር ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ህጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ምርዳእ’ውን ይግባእ። ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ቅሳነትን’ምበር ህወከት፣ዕግርግርን ጎንፅን ኣይኮነን። ዝተረጋገዐ ናብራ ‘ምበር ስግኣትን ዘይምርግጋዕ ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝበልኩ ‘የ ዝብል ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ወይ ሓይሊ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ክኸውን ክሰርሕ ይግባእ ‘ምበር ንህዝቢ ናብ ስግኣት ክመርሕ ኣይግብኦን። ኣብ ትግራይ ብዙሕ ዘይተፈትሑ ፀገማት ኣለው። ስእነት ስራሕ ኣሎ። ዝተመዛበለ ህዝቢ ኣሎ። ካልኦት ፀገማት ‘ውን ኣለው። እዞም ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ኣብ ክንዲ ምንጣፍ ንቶም ፀገማት ዘጋድድ ጎንፂ ምፍሓስን ምፍጣርን ግቡእ ኣይኮነን። ብሞራልን ብሕግን ተሓታቲ ይገብር። ህዝቢ ተስፋ ንክቖርፅ ዝገብር ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ካብ ትግራይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይን ስደት መሪፆም ኣንትጓዓዙ ኣማኢት ኣብ ሓደጋ ጢሕሎም ‘ዮም። መንቀሊ እቲ ስደት ካብ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ብተወሳኺ ኣብ መራሕቲን ኣብ ፖለቲካዊ ኹነታት ትግራይ ተስፋ ምቑራፅን ምስኣንን’ዩ። ሐዚ ድማ ኣብ ክንዲ ክመሓየሽ እቲ ፀገም ናብ ዝገደደ ፀፍሒ በፂሑ ውሽጣዊ ጎንፂ ምትእንጋድ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ኹነታት ህዝቢ ዝያዳ ተስፋ ክቖርፅ ብምግባር ብፍላይ መናእሰይ ስደት ንክመርፁ ዘተባባብዕ ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ይግባእ። ብሓፈሻ ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን ተግባር ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም’ምበር ጎንፂ ኣይግብኦን! ድልየት ህዝቢ ትግራይ ንወትርኡ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ።
ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ
Mar 16, 2025 94

ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘሓዘለ - መልእክት ሰናይ
Jul 20, 2023 3660
ሓምለዋይ አሰር ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ፍቕርን ሓድነትን ‘ውን ‘ ምትካል ዩ - መልእክቲ ሰናይ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ፅርኣ ወንበርታ ጣብያ ሚካኤል ኣምባ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ፌዴራልን መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ምስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ መደብ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሚሊዮን ፈልሲ ምትካል 10 ሓምለ 2015 ዓ.ም ኣካይዶም። ኣብቲ መደብ ዝተሳተፉ ኣፈ- ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ከምዝገለፅዎ፤ ብ መደብ ሓምለዋይ ኣሰር ኣቢልና ዝተኸልናዮ ፈልሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘንፀባርቕ ‘ውን ‘ዩ ኢሎም። ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ሰበ-ስልጣን ፌደራል መሪሖም ንኻልኣይ ግዜ ናብ ትግራይ ከምዝኸዱ ዘዘኻኸሩ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ሓምለዋይ አሰር ምንባር ሓደ ዓብይ ልእኩቶ ሃገር እዩ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ስምምዕነት ሰላም ንምሕያል፣ ሰላምን ፍቕርን ንምጥንኻር ‘ውን ክቡር ስራሕ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላም ኣብ ምቕፃል ዓቢዪ ፃዕሪ ጌርና ኢና። ብምዃኑ ‘ውን ብዙሕ ለውጥታት ተረኺቦም ‘ዮም። ውፅኢቱ መላእ ህዝቢ ትግራይ ይርድኦ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላምና፣ ፍቕርናን ሓድነትናን ንምጥንኻር ፀገማትና ብዘተ ክንፈትሕ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ታገሰ፤ ብዘተ እንተኸይድና ክፍትሑ ዘይክእሉ ፀገማት የለዉን። ድማ ነዚዝኸውን ባህልን ልምድን ኣለና ‘ዩ። እቲ ዝተረኽበ ሰላም ብልምዓት ብምድጋፍ ክነጠናኸሮ ይግባእ ዝበሉ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕላውን ምንክብኻብን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዙሕ ስራሕ ብምስራሕ ንኻልኦት ፍልጠትን ተሞክሮን ዘካፈለ ህዝቢ ‘ዩ፤ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንቀፃሊ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም፤ ዝተረኸበ ሰላም ብዝበለፀ ንምርግጋፅ እናሰራሕና ኣብ ልምዓት ክልልና ‘ውን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም። ሰላምን ልምዓትን ንምጥንኻር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፤ ኣብዚ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ልምዓትን ሰላምን ዝያዳ ክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ክልል ዘይተሰርሑ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ስለዘለዉ ህዝቢ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ መንገዲ ንዕውትነት ስራሕቲ ልምዓት ክረባረብ ይግባእ። ነዚ ድማ ካብ ፌደራልን ካልኦት ኣካላትን ብዝግበር ሓገዝ ኣዋሃሂድና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሞዴል ‘ዩ። ሕዚ ድማ ካብቲ ዝነበረ ኩናት ወፂኡ ናብ ሰላም ተመሊሱ ኣብ ልምዓታዊ ስራሕቲ ይሳተፍ ምህላዉ ዘሐጉስ ‘ዩ ኢሎም። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሕርሻ ፕሮፌሰር እያሱ ኤልያስ ብግዲኦም፤ እዚ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ኩናት ኣብ መደባት ሓምለዋይ አሰር ዘይተሳተፈ ‘ኳ እንተነበረ ሕዚ ግን ናብ ልምዓት ይምለስ ምህላዉ ዘተባብዕን ዘሕጉስን ‘ዩ ኢሎም። ኣብዚ ሓቢርና ፈልሲ ምትካልና መግለፂ ምትሕግጋዝናን ፍቕርናን ‘ዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር እያሱ፤ እቲ ሚኒስቴር ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ልምዓት ንምሕጋዝ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፆም። ምትሕግጋዝ ተጣናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ምንክብኻብን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ወሲኾም ገሊፆም። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ዝተቓልዑ ቦታታት ብፈልሲ ክሽፈኑ ይግባእ ዝበሉ ፕሮፌሰር ኢያሱ፤ ኣብ ከምዚ ዝበለ ልምዓት ሓቢርና ብዝተጠናኸረ መልክዑ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም። ሕድርን ፍቅርን ሰላምን ሓድነትን ዝሰነቀ ረዚን መልእክቲ
ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ።
Apr 20, 2023 3981
ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻደ ኩናት፡፡ ማሕበራዊ ህይወት ህዝቢ አናጊዑ ‘ዩ። እቲ ኩናት ዝፈጠሮ በሰላ ብጣዕሚ ከቢድ‘ዩ። ምስቲ ኩናት ርክብ ዘይብሉ ህዝቢ’ውን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ግዳይ እቲ ሓደጋ ኮይኑ ‘ዩ።ኣብቲ ክልል ዓብዪ ስነኣእምሯዊ ማሕሰይቲ፣ጉድኣት ኣካል ፣ ምጥፋእ ሂወትን ስነ ልቦናዊ ፀገምን በፂሑ ‘ዩ።ስለዚ እዚ ኣካይዳ ትኽክል ስለዘይኮነ ዳግም ከይድገም ኩሉ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ፡፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ስርሑ ክውዕል፣ ሓረስታይ ኣብ ማሕረሱ ከምኡ ‘ውን ተምሃሮ ኣብ ትምህርቶም ክውዕሉ እናተገበኦም ብሰንኪ እቲ ኩናት ካብዚ ወፃኢ ክኾኑ ተገዲዶም ‘ዮም፡፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ትግራይ ኾነ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንክዓስል ብፍላይ ኣብቲ ልዑል ዕንወት ዝበፅሓ ትግራይ ናብ ንቡር ሂወት ንክትምለስ ብዝተዋደደ መልክዑ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንክጅመሩ ኣብዘድልየሉ ወሳናይ እዋን ንርከብ። ኣብዚ ድማ እቲ ዋና ብሓላፊነት ክፍፅሞ ዘለዎ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ማሕበረ ሰብ ብዝኽእሎ ዓቅሚ ካብቲ ብሰንኪ መዕነዋይ ኹናት ዝበፅሐ ብርሰትን ዕንወትን ናብ ልምዓት ንምስግጋር እኹል ትኹረት ተሳትፎን ካብ ኩሉ ዝፅበይ ዋኒን ከምዝኾነ የኣምን። ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ እቲ ቐዳምነት ዝወሃቦ ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ መረበቱ ሓዲጉ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ንቡር ናብራ ንክህልዎ ምግባር’ዩ፡፡ካሊእ ዝዓነወ፣ ዝተቓፀለን ዝተጎሓለን ገዛውቱ ከም ብሓዱሽ ምህናፅን ዝተጉሓለ ንብረቱ ዝምጥን ብዝኾነ መገዲ እንትረክብን ‘ዩ።ዝተመዛበለ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናብራኡ ምምላስ ኩሉ ደላይ ሰላምን ልምዓትን ዝኣምነሉን ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዕዮ ገዛ መንግስቲ ምዃኑ እሙን እዩ ። ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ካብ ምምላስ ጎና ጎኒ ድማ ንዳግመ ህንፀት ዝውዕል ድጋፋት ኣድላይ ምዃኑ ርዱእ ‘ዩ። ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ወፃኢ መንግስታትን ዓለም ለኻዊን ኣህጉራዊን ውዳበታትን ሓገዛት ንክመፅእ’ውን ትፅቢት ዝግበረሉ ኮይኑ እቲ ሓገዛትን ድጋፋትን ድማ ብትኽክል ናብቲ ዝመፅአሉ ትኽክለኛ ዕላማን ቦታን ንክውዕልን ንክበፅሕን ኣድላይ ኽትትል ብምግባር ምርግጋፅ ኣድላዪ ይኸውን። ብናይ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዝእከብ ሓገዝ ንብረትን ገንዘብን ናብ ትኽክለኛ መዓሉ ንክውዕል ጥንኩር ሜላታት ኣሰራርሓ እንካብ ምትእትታው ኣድላይ ‘ዩ። እዚ ብኣግባቡ ንምፍፃም ድማ እቲ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዳግመ ህንፀት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት በቲ ዝድለ መንገዲ ተቐላጢፎም ከይህነፁ ዕንቕፋት ዝኾኑ ፀገማት ኣለልዩ ከወግዶም ከምዝግባእ ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎም ክስርሑ ካብዘለዎም ስራሕቲ ሓደ’ዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝምስረት ሓፂር እዋን እኳ እንተኾነ ነዚ ተግባር ንምፍፃም ተስፋ ዝህቡ ጅማሮ ስራሕቲ ይርኣይ ኣለዉ ‘ዮም፡፡ ብፍላይ ምጅማር ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት መንግስቲ ፌደራል ከም ሚኒስቴር ትምህርትን ጥዕናን ዝኣምሰላ ዑደት ስራሕ ኣብ ትግራይ ምክያደንን ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት መባእታ ትምህርቲ ክጅመሩ ምግባርን ዝበራታታዕ ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ኣብ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ብፍላይ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ከምኡ ‘ውን ኣብ ግልጋሎት፣ ባንኪ፣ ስልኪ፣ መብራሕትን ማይን ዘለዉ መሰረታዊ ፀገማት ንምፍታሕ ብስፍሓት ኣብ ምስራሕ ልዑል መብራብ ዝሓትት ከምዝኾነ ፍሉጥ ‘ዩ። እቲ ዘሎ ፅቡቅ ጅማሮ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ኩሉመዳያዊ ተበፃሕነት ቅልጣፈን ትኹረት ክወሃቦ ዘለዎ ኮይኑ፤ እቲ ቀንዲን ዝዓበየን ውራይ ዳግመ ህንፀት ክስራሕ ዘለዎ ድማ ኣብ ምልማዕ ኣእምሮ ወዲሰብ ስለዝኾነ ብቑጠባ ይኹን ብትምህርቲ ድልዱል ዜጋ ንምፍጣር ተጀሚሩ ዘሎ ስራሒቲ ተጠናኺሩ ንክቅፅል ኩሉ ዝመልከቶ ኣካል ብግዜ የለን ክሳተፍን ክዋሳእን ይግባእ። ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ኣቲዩ ኣሎ።ስለዝኾነ ድማ ኣብ ትግራይ ንዝስራሕ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ሕወየትን ምችው ኩነታት ስለተፈጠረ ብግዘ የለን መንፈስ ምስራሕ ግድን ይኸውን።ስለዚ በታ ዝተረኸበት ዓቕሚን ሃፍተ ገነትን ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ግድን ይኸውን።
ትንታነ
ስምምዕነት ፕሪቶሪያ-ዋሕስ ሰላም ህዝቢ ትግራይ
Mar 21, 2025 71
ዕለት/12/መጋቢት/2017/ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኩናት ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዐልባት ረኺቡ፡፡ ህዝቢ ትግራይ’ውን ሐዚ ዘድልዮ ኩናትን ጎንፅን ዘይኮነስ ሰላምን ልምዓትን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ይገልፅ ኣሎ፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ሓደ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ዝኸዶ ዘሎ ኣካይዳ ንህዝቢ ሰላም ዘስእን ምዃኑ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንመራኸቢ ማዕኸናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ገሊፆም’ዮም፡፡ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ተቐማጥነቶም ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝተጣየሸ ግልፂ ሓላፍነትን ሕጋዊ ተቐባልነትን ዘለዎ ምምሕዳር ‘ዩ ይብሉ።ይኹን እምበር ሕጋዊ ተቐባልነት ዝሰኣነ ሓደ ጉጅለ ፍንጫል ህወሓት ምስ ዝተወሰኑ መራሕቲ ዕጡቓት ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እቲ ክልል ስልጣን ብሓይሊ ንምምንጣል እናተንቀሳቐሰ ከምዝኾነ ይሕብሩ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ህዝቢ ትግራይን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብትኽክል ተግባራዊ ንክኸውን ከምዝደልዩ ብምሕባር፤ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ንምዕላው ብዝፈጠሮ ፀገም ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብግልፂ ኣፍሪስዎ ‘ዩ ይብሉ። ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስን ዕጡቓት ዳግማይ ንምጥያሽን ዝተጀመረ ፃዕሪ ‘ውን በዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከምዝተኣጓጎለ የረድኡ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ብምፍራስ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንከይኸውን ዝገብሩ ዘለዉ ውሑዳት ኣመራርሓ ፍንጫል ህወሓትን ሰራዊትን ከምዝኾኑ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብግልፂ ክፈልጥ ይግባእ ድሕሪ ምባል፤ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኢትዮጵያ ብደገፍ መንግስቲ ፌዴራልን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ብ10 ኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበር ዕጡቓት ዳግማይ ንምጥያሽ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ በዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከምዝተቛረፀ ኣብሪሆም ‘ዮም። ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልእ ሳልሳይ ኣካል ኣዋጅ ኩናት ክሳብ ዘይገጠሞ ንናይ ውሕዳት ውልቐ ሰባት ወንበር ንምሕላው ኢሉ ናብ ኩናት ናይ ምእታው ድሌት የብሉን። ሕዚ ትግራይ ኣትያቶ ዘላ ህልው ኩነታት ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ፣ መንግስቲ ፌደራል ንውዕል ፕሪቶርያ ብዘይ ምትግባሩ ናይ በዓሉ ግደ ዋላ እንተሃለዎ ኮይኑ ግና ቀንዲ ተሓታቲ ናይዚ ህውከት እቲ ጉባኤ ኣካይደ ኣላኹ ዝብል ጉጅለ ምዃኑ ይሕበሩ። ብተወሳኺ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ እዋኑ ኣብ ግብሪ ኣብ ዝውዕለሉ ዝነበረ እዋን እውን በዚ ጉጅለ ዝፈጠሮ ዕንቅፋት ነቲ ስምምዕ ንምትግባር ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ ብምግላፅ፤ እዚ ጉጅለ እዚ ካብ ነፍሲ ወከፍ ጣብያ፣ ወረዳ፣ ከንቲባ ከተማ ማሕተም እናሕደገ ዘሎ ጉጅለ፣ እቲ ዝደልዮ ንህዝቢ ትግራይ ሰላም ዘይኮነስ ንውልቃዊ ስልጣን ምዃኑ ዘርኢ ‘ዩ ይብሉ። ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ብወገኖም ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ እቲ ዓርሱ ነፂሉ ዝወፅአ ጉጅለ ህወሓት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእ ንኸይትግበር ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ። ብተወሳኺ ‘ውን ቦርድ መረፃ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንኸሳልጥ ንዝሃቦ መምርሒ ኣይተቐበለን ይብሉ። መንግስቲ ፌደራል ውዕሊ ፕሪቶሪያ ሙሉእ፣ብሙሉእ ንኽትግበር እናሰርሐ ምዃኑ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ንእዋናዊ ኹነታት እቲ ክልል ብፅሞና እናተኸታተለ ኮይኑ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ‘ውን ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ፀገም ንምፍታሕ ኣድላዪ ሓገዝ ንኽገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም ‘ዮም። ኣቦወንበር ትዴፓ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ጉጅለ ፍንጫል ህወሓት ነቲ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ከይትግበር ዕንቕፋት ካብ ምዃን ክቑጠብ ኣለዎ፤ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ድሌታት ህዝቢ ዘኽበረን ፀገማት ህዝቢ ብሰላማዊ መንገዲ መፍትሒ ክረኽቡ በሪ ዝኸፈተን ታሪኻዊ ስምምዕ ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ። እቲ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ዘመኑ ዘኣከቦ ሃፍቲ ክስእኖ ‘የ ካብ ምባል ፍርሒ ዝተለዓለ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብዝተማለአ መልክዑ ከይትግበር ዕንቕፋት እናፈጠረ ይርከብ። ስለዚ ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክቑጠብ ይግባእ። ድሌት ህዝቢ ሰላምን ልምዓትን ‘ዩ። ፌደራል መንግስቲ ነቲ ንውዕል ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝገብሮም ዘለዉ ስራሕቲ ክቕፅለሉ ኣለዎ ክብሉ ይሓቱ። ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንኸይነግስ ዝግበር ከይዲ ፀረ-ሰላም ሓይሊታት ብኣግባቡ ምግንዛብ ይግባእ ዝበሉ ድማ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) እንትኾኑ፤ ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ንኸይነግስ እቲ ህዝቢ ኣብ ዓንኬል ጎንፂ ብምፅማድን ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምፍጣርን ባህጊ ጉጅለኦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንምፅዓን ዝንቀሳቐሱ ፀረ-ሰላም ሓይሊታት ኣካይደኦም ብኣግባቡ ምግንዛብ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም። ስራሕቲ ሰላም ንከይስርሑ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምፍጣር ለይቲን ቀትሪን ዝሰርሑ ሓይሊታት ምህላዎም ግልፂ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፣ እቶም ሓይልታት ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብረብሓ ዝምድና ብምፍጣር ሃፍቲ ይወሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም ‘ዮም። ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምፍጣር ዳግማይ ጎንፂ ንምውላዕን መንግስቲ ንምፍራስን ዝደሊዩ ኣካላት ብስፍሓት ይረአዩ ከምዘለዉ ብምግላፅ፤ ባህጊ መንእሰይ ትግራይ ሰላም ከምዝኾነ፤ ህዝብን ኣካላት ፀጥታን ኢሉ’ውን መናእሰይ እቶም ሓይሊታት ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ክሳብ ዘይተቐበሎ ንበይኖም ዘምፅእዎ ለውጢ ከምዘይህሊ ኣገንዚቦም ‘ዮም። ህዝብና ካብ ፀገም ዘይወፅአን ኣብ ልዑል ሓዘን ዝርከብን ማሕበረሰብ ‘ዩ ብምባል፣ ባህጊ ህዝቢ ካብ ዝበፅሖ ፀገም ምውፃእ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ዝሃቡ ዘእንትኾኑ፤ ጥፍኣተኛታት ሓይሊታት ፈሊዩ ምፍላጥ ኣድላዪ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ነዚ ብዝተማልአ ኩነታት እናገለፀ ከምዝኾነን መንግስቲ ፌዴራል መፍትሒ ንክህብ ይሓትት ከምዘሎን ገሊፆም ‘ዮም። ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካ ጨንፈር ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣይተ ጎይተኦም በርሀ ብወገኖም ኣብዚ ጉዳይ ኣድሂቦም ከምዝገለፅዎ፣ህዝቢ ትግራይ መሰረት ኢትዮጵያ ‘ዩ፤ ምስ ኢትዮጵያ ዝነፃፀል ኣይኮነን። ንኢትዮጵያ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ‘ዩ። ብሰላምን ልምዓትን ዝደራደር ህዝቢ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ክፈርስ ኣይደልን። ሙሉእ ብሙሉእ ክትግበር ‘ዩ ድሌቱ። ምኽንያቱ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኵናት ኣውፂኡ ስለ ሰላምን ልምዓትን ክሓስብ ዝገበረ ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ። ነቲ ኵነት ስዒቡ ዝመፀ ፀገም ክሳብ ሕዚ ኣይተፈትሐን፤ ኩሎም ተመዛበልቲ ኣይተመለሱን፤ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊኦም ኣይተፀገኑን። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ሰላምን ልምዓትን ክሰፍነሉ ‘ዩ ድሌቱ። ስለዚ ካብ ውልቀን ጉጅለን ረብሓ ወፂእኻ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ምዕሳል የድሊ ክብሉ የርድኡ። ናይ ትግራይ ሰላም ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ከምዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ይርዳእ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤ ኣብ ሰላም ትግራይ ኩሉ ክሕግዝ ኣለዎ። ኵናት ብዝተፈጥረ ቑፅሪ ህዝቢ ትግራይ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ዝጉዳእ ምዃኑ ብዝግባእ ይርዳእ ‘ዩ። ብምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ብሰላምን ልምዓት ዝደራደር ህዝቢ ኣይኮነን ክብሉ ይገልፁ። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ሰላሙ ክዝረግ ኣይደልን። ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተረኽበ ለውጢ ዋላ ሙሉእ ኣይኹን እቲ ለውጢ ሪኢዎ ‘ዩ። እዚ ፈፂሙ ንደሓር ክምለስ ኣይደልን። ስለዚ ዝኾነ ኣካል ኣብ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ዘለዎ። ብፍላይ ፖለቲከኛታት ንውልቀ ረብሐኦም ክብሉ ካብ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ወፃኢ ክኸዱ የብሎምን ክብሉ ይመኽሩ።/ፍልፍል ጋዜጣ ወጋሕታ/መግለፂ ፕሬዝዳንት ክልል ትግራይ
ኣብ ዓመት 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ
Jan 9, 2025 436
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ይህነፅ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ብ 5 ቢሊዮን ፓውንድ እናሃነፀ ̒ዩ፡፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ከም ዝዛዘም ትፅቢት ይግበር፡፡ኤክስፕረስ ኒውስ ከም ዝፀብፀቦ፤መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እዛ ሃገር ማእኸል ኣቬሽን ኣፍሪካ ዝገብር ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ንምህናፅ ብዘለዎ ዓብዪ ትልምን መልክዐ ዞባዊ ኣቬሽን ድሙቕ አሰር ከዕርፍ ዘኽእል ̒ዩ፡፡ ኣብ ቢሾፍቱ ኣቡሴራ ዝርከብ እዚ ግዙፍ ፕሮጀክት መንገዲ ኣየር፤ካብ ዓለም መራሒ ሓይሊ ኣቬሽን ንምዃን ዝሓዞ ስትራተጂ ዕቅድ 15 ዓመት እምነ ኹርናዕ ̒ዩ ተባሂሉ፡፡ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፤ዲዛይን እቲ መንገዲ ኣየር ንምድላው ኣብ ዱባይ ምስ ዝርከብ ኣማኻሪ ስምምዕ ዕዳጋ ተፈራሪሙ ̒ዩ፡፡ ኣብ 2029 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ዝዛዘም እዚ ፕሮጀክት ኣብ ዓመት 60 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ከም ዘተኣናግድ ትፅቢት ይግበር፡፡ንቐፃሊ ዓቕሙ ብምዕባይ ኣብ ዓመት 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ከተኣናግድ ̒ዩ ኢሎም፡፡ ‹‹ዛሃ ኣርክቴክታትን (ZHA) ዳር ኣል-ሃንዳሳ ኣማኸርቲ›› ከም ዝገለፅዎ፤ተርሚናል እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ 600 ሽሕ ሜትር ካሬ ቦታን 126 ሽሕ ሜትር ወሃቢ ድጋፍ መንገዲ ኣየር ቦታ ዝሽፍን ̒ዩ፡፡ ኣቀማምጥኡ ፍሉጥ፣ገፊሕን ብብርሃን ዝተመልአን ተርሚናል ዘካተተ እንትኸውን፤ንተጉዓዝቲ ፅፉፍ ፍሰት ምንቅስቓስ ንምቕራብ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ሓቢሮም፡፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣንፈት ደቡብ ምብራቕ 40 ኪሎ ሜትር እትርሕቕ ጥቓ ከተማ ቢሾፍቱ ̒ዩ ዝህነፅ፡፡ ዳይሬክተር ‹‹ዜድኤ›› ኣቬሽን ካሪስትያኖ ሴካቶ ብወገኖም፤እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ማእኸል ትራንስፖር እቲ ኣህጉር ክገብራ ̒ዩ ኢሎም፡፡ እዚ ንዓለምለኸ ዕዳጋ ዘተኣሳስርን ኢትዮጵያ ማእኸል ትራንስፖርት ናይዚ ኣህጉር ከም ዝገብራ ብምጥቃስ፤ኣብ ዓለም ዘለዉ ማሕበረሰባት ብዝተዋደደ ስርዓት መጉዓዚ ኣየር ከራኽብ ̒ዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ልዕሊ 150 መባፀሕቲ ዓለም ኣብ ምግልጋል ዝርከብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2023/24 ካብ ኣፍሪካ እቲ ገዚፍ መንገዲ ኣየር ክኸውን ዝኸኣለ እንትኸውን፤ንልዕሊ 17 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ግልጋሎት ብምሃብ 7 ቢሊዮን ዶላር እቶት ከም ዝረኸበ ገሊፆም፡፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ይህነፅ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ ኮይኑ እዚ ህንፀቱ ምስ ተዛዘም ታአምር ዘብል ውፂኢት ሒዙ ክቐልቀል እዩ ፡፡
ምግታእ ኵናት’ዶ ጽሕተራ ተፃብኦ….?
Dec 4, 2024 566
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ዝሃብዎ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ከም መራሒ ኤርትራ ዘይኮነስ ከም ፖለቲካዊ ተንታኒ ኣሕጉራውን ዞባውን ጉዳያት ኮይኖም ቅልቐል ዝበሉ እዮም ዝመስሉ። ኣብ’ቲ ቃለ-መሕትት ካብ ጉዳያት ንኻልኣይ ግዜ ምምራጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቁዋማት አሜሪካን ዓለምን ክህሉ ዝኽእል ለውጢ ስጋብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሀገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ሱሉስ ኪዳንን አመልኪቶም ክትንትኑ ፈቲኖም’ዮም። ኣብ ጉዳያት ኣሜሪካ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣስታት ክልተ ሰዓት ዝወድአ ትንታነ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንጸገማት ኤርትራ ንምእላይ ዘኽእሉ ዘቤታዊ ዛዕባን ኣጀንዳን ከምዘይብሎም ግን ተጋሂዱ’ሎ። ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣድሂቦም ዝሃብዎ መብርሂ 40 ደቓይቕ ዘይመልእ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ዲጋን ዒላን ዘይሓለፈ ከንቱ መደረ ምዃኑ ድማ ኣዝዩ ዘሕፍር’ዩ። ኤርትራ ኣባል ዓለምለኻዊ ዘይሻራዊ ምንቅስቓስ ከምዝኾነት ዝፍለጥ’ዩ። ካብ’ተን ሓሙሽተ መትከል እዚ ምንቅስቓስ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት ካብ ምትእትታው ምቑጣብ’ዩ። ስለምንታይ ደኣ ፕሪዚደንት ኢሳያስ ነዚ መትከል ጥሒሶም ኣብ ውሽጢ ጉዳያት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ካልኦትን ክዕምጡቑ ዘምሰዩ ኢልካ ምሕታት ንብሩ’ዩ። ካልእ ኣይኮነን ፀገማት ኤርትራ መበጊሲኦም ንሶም ዝመርሕዎ መንግሥቲ ዝኽተሎ ገባቲን ጉጉይን ምሕደራ ከምዘይኮነ ንምእማን ዘድሀበ ግዳማዊ ምኽንያታት ኣብ ምቕራብ ዝህቅን’ዩ። ፕሬዚደንት ኢሳያስ ክዛረቡ ኸለዉ ብሰንኪ ሰኣኖ ሸቕልን መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኤርትራውያን መንእሰያት ነኣደዳ ስድትን ሞትን ተቓሊኦም ከም ጥረ ጨው ፋሕፋሕ ኢሎም ባዶ ሃገር ዝመርሑ ዘለዉ ኣይመስሉን። እኳ ደኣስ ኩሉ መሊኡ ዝተረፋን ቅስንቲ ዓዲ ብምምራሕ ፀገማት ጎረባብቲ ሃገራት ንምፍታሕ ላዕልን ታሕትን እትብል መረሒ ሓያል ሃገር እዮም ዝመስሉ። ነታ ማይ፣ መብራህቲትን ካልዖት ቐረባት አገልግሎታት ሓረሚዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ጥጡሕ ፖሊሲ ዕበየትን ቁጠባን ኣታኣቲዮም ኣብ ክንዲ ዝድብስዎ ሕጂው’ን ኣብ ካልእ ቆይቁይ ንምሽኻል ምህቃኖም ዘጉይ’ዩ። እዚ ኸኣ ንምፍታሕ ፀገማት ኤርትራን ኤርትራውያንን ድሌትን ተበግሶን ከምዘይብሎም ዘራጋግፅ’ዩ። ብፍላይ ኣብ 2025 ኣብ ዝዀነ ጐናዊ ኵናት ከምዘይእቶን "ናይ ምግታእ ፖሊሲ" ከምዝኽተሉን ምግላጾም ብወዝቢ ንዝሰምዖ አዎንታዊ እንተመሰለ’ኳ ሕሉፍ ተሞክሮ ዘረጋግፆ ግን ፕሬዚደንት ኢሳያስ ብዘይ ኵናት ክነብሩ ዘክእሉ መራሒ ከምዝኾኑ’ዩ። ኤርትራ ካብ ምፅሕታር ተፃብኦታት ወፂኣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘየድልዩ ምዕባለታት ከይመጹ ኣብ ምግታእ ኣበርክቶ ክትገብር ናይ ብሓቂ ድልውቲ ድያ ዝብል ሕቶ ግዜ ዝምልሶ’ዩ ዝኸውን።
ጉዑዞ ተስፋን ቅሳነትን ንክስምር
Apr 6, 2023 4390
አዲስ አበባ/ መጋቢት 28 /2015/ ኢዜአ/ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ልዕሊ ሓሙሽተ ወርሒ ኣቑፂሩ ኣሎ። ኣብዘን እዋናት ብርክት ዝበሉ ኣወንታዊ ስጉምትታት ብመንግስቲ ፌደራል ተወሲዶም ‘ዮም። ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ብዘይዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱን መሰረታዊ ግልጋሎት ከም ቴሌኮም፣ ባንኪ፣ ኤሌክትሪክ፣ ጥዕና ስራሕ ንክጅምሩ ሰሪሑ ኣሎ። ብወገን ህወሓት’ውን ከቢድ ብረት ምርካብን ምጅማሩን ዕጡቓት ካብ ድፋዕ ብምርሓቕ ኣብ ዝተወሰኑ ቦታታት ንክእክቡ ገይሩ ኣሎ። እዞም ስጉምትታት ንቲ ስምምዕነት ናብ ባይታ ብምውራድ ዘላቒ ሰላም ንክመፅእ ዝሕግዙ’ዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ሓድሽ ጉዕዞን ቅሳነትን ሒዙ መፂኡ ኣሎ። ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ራዕዳዊ ተባሂሉ ተሰይሙ ዝነበረ ህወሓት ስያሜኡ ንክለዓል ተገይሩ’ዩ። ቐፂሉ ድማ ምስ ጎንፂ ተተሓሒዙ ክሲ ተመስሪቲዎም ዝነበሩ ፖለቲካዊ አመራርሃታት ህወሓትን ከምኡ ውን ወታደራትን ክሶም ተቋሪፁ ካብ ቤት ህንፀት ወፂኦም ኣለው። እዚ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተወሰደ ስጉምቲ ንቲ ስምምዕነት ዘለዎ ተኣማንነትን ንሰላም ዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋምን መረጋገፂ’ዩ። ኣብዚ መድረኽ ዓብይ ተስፋ ሒዙ ክምፅእ ትፅቢት ዝግበረሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክውን ኮይኑ አሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዝደንት እቲ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ፌደራል መንግስቲ ተዛትዩ ኣሎ። ኣብ ትካላት መንግስቲ’ውን ዑደት ኣካይዱ ኣሎ። ኣብቲ ዘተ ፅቡቕ ምርድዳእ ከምዝነበረ’ውን ተገሊፁ ኣሎ። እቲ ልኡኽ ካብቲ ዘተን ዑደትን ዝረኸቦ ሓሳብን ተሞክሮን ሒዙ ኣብ ፖለቲካዊን፣ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ሕወየት ትግራይ ዓብይ ስራሕ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብዚ መድረክ ሓዱሽ ምዕራፍ ብዘይ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩሉ ዓቕሚ ኣዋዲዱ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብምንጣፍ ኢኮኖሚ እቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ምንቅስቓስ ክመለስ ትፅቢት ይግበረሉ ። ቅድሚ ሐዚ ንንግድን ኢንቨስትመንት ዓጋቲ ዝነበሩ ኣሰራርሓታትን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ብምምሕያሽን ብምቕያርን ሰብ ሃፍቲን ነጋዶን ንቲ ማሕበረሰብ ብዘይጎድእ መገዲ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ንክነግዱን ንክሰርሑን ፤ ንቲ መንእሰይ ድማ ዕድል ስራሕ ንክፈጥሩን ክገብር ኣለዎ። ኣብ ማሕበራዊ ሕወየት ‘ውን ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ ኣብ ስነ ልቦና ዝተፈጠረ ፀቕጢ ንክሓዊ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ። ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም፣ ሓረስቶት ናብ ሕርሽኦም፣ሰራሕተኛ መንግስትን ውልቀን ናብ ቤት ዕዮኡ፣ነጋዳይ ናብ ንግዱ ኮታስ ኩሉ ህዝቢ ናብ ንቡር ስራሑ ንክምለስ ዘኽእል ፋይናንሳዊን ምቹው ባይታን ንክፈጥር ምስ መንግስቲ ፌደራል ተዋዲዲ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበርሉ። ጉዑዞ ሰላምን ቅሳነትን ንክሰምር።
ፍሉይ ፀብፃባት
ፅሑፋት