ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምፅዋር ንእትገብሮ ፃዕሪ ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነት ዴንማርክ ገሊፃ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምፅዋር ንእትገብሮ ፃዕሪ ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነት ዴንማርክ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/22/ 2017 /ኢዜአ/ዴንማርክ ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምፅዋር ንእትገብሮ ፃዕሪ ንምድጋፍ ቅርብቲ ከምዝኾነት ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ሱኔ ክሮግስትሩፕ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ሱኔ ክሮግስትሩፕ ከምዝበሉዎ÷ ዴንማርክ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ኣጠናኺራ ንምቕፃልን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታ ብሓባር ንምስራሕ ቅርብቲ ኢያ።
እታ ሃገር ዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ሓዱሽ ሃገር ለኸ ፕሮጀክት ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ከምትገብር ብምግላፅ÷ ኢትዮጵያ እናካየደቶ ምስ ትርከብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝጠዓዓም ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።
ኩባንያታት ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ኢኮኖሚዊ ልምዓትን ወሳኒ ግደ እናተፃወቱ ከምዝኾኑ እውን ፀሪሖም።
ዴንማርክ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልተኣዊ ርክብ ብምድንፋእ ኣብ ንግድ፣ ኢንቨስትመንትን ልምዓትን ትኹረት ብምግባር ምትሕብባራ ከምተጠናኽር እቶም ኣምባሳደር ሱኔ ገሊፆም።ከም ፅብፃብ ፋና ዲጂታል ።