ማሕበራዊ - ኢዜአ ትግርኛ
ማሕበራዊ
“ልዕሊ ኹሉን ቐድሚ ኹሉን ንሰላምን ሓድነትን ቐዳምነት ብምሃብ ፆም ክንፆም ይግባእ”- ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ
Feb 23, 2025 3
አዲስ አበባ/የካቲት/16/2017/ኢዜአ/ንፆም ኣርብዓ ልዕሊ ቕድሚ ኹሉ ነገር ንሰላምን ሓድነትን ቐዳምነት ብምሃብ ክንፆም ከምዝግባእ ፓትሪያርክ ቤተኽርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀጳጳስ ዘኣኽሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ኣተሓሳሲቦም። ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ፅባሕ ሰኑይ ንዝጅምር ፆም ኣርብዓ ምኽንያት ብምግባር መግለፂ ሰንዮም። ኣብ መግለፂኦም ምእመናን ነቲ ፆም ንዝጠመየ ብምዕንጋል፣ ንዝዓረቑ ብምኽዳንን ልዕሊ ኹሉ ነገር ንሰላምን ሓድነትን ቐዳምነት ብምሃብን ነቲ ፆም ከሕልፉ ከምዝግባእ መልእኽቶም ኣሕሊፎም። ዕላማ እቲ በቢዓመቱ ዝፅወም ፆም ኣርብዓ ዲያብሎስ ንምስዓር 'ዩ፤ ልዕልነት ሰናይ ሕሊና 'ውን 'ዩ ኢሎም። ብሰዓብቲ ቤተኽርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ፆም ኣርብዓ ካብ ሰኑይ 17 ለካቲት 2017 ዓ.ም ይጅመር።
ልዕሊ 246 ሺሕ ቱሪስታት ውሽጢ ሃገር ወፃኢን ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዑደት ገይሮም
Feb 21, 2025 27
ኣዲስ ኣበባ/ 14 ለካቲት/ 2017/ ኢዜአ/ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ተመሪቑ ናብ ስራሕ ካብ ዝኣቱ ንደሓር ልዕሊ 246 ሺሕ ቱሪስታት ውሽጢ ሃገር ወፃኢን ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ከምዝጎብነዩዎ ተገሊፁ፡፡ ዋና ዳይሬክተር ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ግሩም ግርማ÷ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ንህዝቢ ክፍቲ ካብ ዝኾነ ጀሚሩ በቢመዓልቱ ብዙሓት በፃሕቲ እናተኣናገደ ከምዝኾነ ገሊፆም። ኢትዮጵያውያን ብሓባር ብዝኸፈሉዎ መስዋእትነት ዝተረኸበ ዓወት ዝዝክር ምህናፁ መፃኢ ትውልዲ ናይ ኣቦታቱ ጅግነት ንኽወርስ ዝገብር ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ካብ 7 መጋቢት 2016 ዓ.ም ክሳብ 13 ለካቲት 2017 ዓ.ም ኣብ ዘለዉ ኣዋርሕ ልዕሊ 246 ሺሕ ቱሪስታት ውሽጢ ሃገር ወፃኢን ዑደት ከምዝገበሩ ገለፆም፡፡ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ንበፃሕቲ ክፍቲ ካብ ዝግበር ጀሚሩ ካብ በፃሕቲ፣ ካብ ዝተፈላለዩ መድረኻትን ካልኦት ኣገልግሎታትን 123 ሚሊየን ብር ዝኸውን ኣታዊ ከምዝተረኸበገሊፆም ፡፡
ኣብ ትግራይ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ/ፖልዮ/ ንህፃናት ይወሃብ ኣሎ
Feb 21, 2025 19
አዲስ ኣበባ/ ለካቲት /14/ 2017 /ኢዜአ/ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ/ፖልዮ/ ንኹሎም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ህፃናት ብወፍሪ ገዛ ንገዛ ሎሚ መዓልቲ ምሃብ ተጀሚሩ። እቲ ወፍሪ ክታበት ኣብ 84 ወረዳታት ንልዕሊ 894 ሽሕ ህፃናት ከምዝወሃብ ድማ ተሓቢሩ። ወለዲ ደቆሞ ከይተኸተቡ ከይተርፉ ክከታተሉን ካብ ሰብሞያ ጥዕና ንዝቐርበሎም ጎድና ጎድኒ ንዝሳለጡ መደባት እውን ግቡእ ምላሽ ክህቡን እቲ ቢሮ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብክልል ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብደገፍ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ህንፀት ቤት ትምህርት ይሳለጥ ኣሎ
Feb 20, 2025 29
ሽረ እንዳስላሰ/ለካቲት/ 13/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብደገፍ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ህንፀት ቤት ትምህርት ይሳለጥ ኣሎ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቢሮ ትምህርቲ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣይተ ገብረመድህን ወልደ ጊዮርጊስ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝህነፅ ዘሎ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ብዝሃቦ ደገፍ 20 ሚለዮን ብር እዩ። ቅድሚ ሕዚ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ንዝህነፅ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደገፍ 20 ሚልዮን ብር ከምዝተገበረ ብምዝኽኻር፤ እቲ ህንፀት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከይተጀመረ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም። ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ህንፀቱ ተጀሚሩ ብፅሬትን ቅልጣፈን እናተሳለጠ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ተዛዚሙ ኣገልግሎት ከምዝህብ ተዛሪቦም። ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ እንትዛዘም እውን ኣብ ክልተ ሽፍቲ 1 ሽሕን 600 ተምሃሮ ተቐቢሉ ናይ ምምሃር ዓቕሚ ክህልዎ እዩ ኢሎም። እቲ ቤት ትምህርቲ ቤተ ፈተነታት፣ኣብያተ መፅሓፍቲ፣ንምምሕዳርን ካልኦት ኣገልግሎታትን ዝውዕሉ ክፍልታት ዝሓዘ ከምዝኾነ ገሊፆም። ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ስዒቡ ርኢቶኦም ንኢዜኣ ዝሃቡ ነበርቲ እቲ ከተማ ኣይተ በላይ ሓድጉን ወይዘሮ ሮማን ተስፋይን፤ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ ህንፀት ወለዶ ስለዘኾነ ልዑል ክብሪ ይግበኦ ኢሎም።
ኣብ ክልል ትግራይ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ/ፖልዮ/ ንህፃናት ካብ 14 ለካቲት ጀሚሩ ክወሃብ ኢዩ
Feb 20, 2025 27
ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/ 13/ 2017 /ኢዜአ/ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ/ፖልዮ/ ንኹሎም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ብወፍሪ ገዛ ንገዛ ከምዝወሃብ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ኣማኒኤል ሃይለ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ብ”ሬጉላተሪ” ዳህሳስ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ክልተ ቦታታት (ሩባታት) ናሙና እቲ ሕማም ከምዝተረኸበ ሓቢሮም። እዚ ርካብ ናሙና መሰረት ብምግባር ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ ዕድሚኦም ትሕቲ 5 ዓመት ንዝኾኑ ህፃውንቲ ካብ 14 ክሳብ 17 ለካቲት 2017 ዓ/ም ገዛ ንገዛ ከምዝወሃብ ገሊፆም። ይኹን እምበር ዛጊድ ኣብ ትግራይ ብሕማም ኣልምሲ ዝሓመመ ህፃን ከምዘየለ ኣብሪሆም። ዶክተር ኣማኒኤል፥ እቲ ወፍሪ ክታበት ኣብ 84 ወረዳታት ንልዕሊ 894 ሽሕ ህፃናት ከምዝወሃብ ኣረዲኦም። ወለዲ ደቆሞ ከይተኸተቡ ከይተርፉ ክከታተሉን ካብ ሰብሞያ ጥዕና ንዝቐርበሎም ጎድና ጎድኒ ንዝሳለጡ መደባት እውን ግቡእ ምላሽ ክህቡን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣቀባብላ ወርሒ ረመዳን ዝጠመተ ኮንፈረንስ ይካየድ ኣሎ
Feb 13, 2025 62
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/6/ 2017 /ኢዜአ/ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ኣቀባብላ ወርሒ ረመዳን ዝጠመተ ኮንፈረንስ ኡለማታት፣ ኢማማትን ዱኣትን የካየድ ኣሎ። ኣብቲ ኮንፈረንስ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋን ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ሼኽ ሱልጣን ኣማን ኤባ ፣ ኢማማትን ዲኢታትን ተረኺቦም። እቲ ኮንፈረንስ ብቐንዱ ሰላም ኣብ ምሕላው ሓላፊነት ኡለማታት አንታይ ክኸውን ኣለዎ? ወርሒ ረመዳን ከመይ ንቀበሎ? ኣብ ዝብሉ ሓሳባትን ናይ ሓሳባት ኣፈታትሓን ብኢስላም ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ፥ እንቋዕ ንወርሒ ረመዳን ብሰላም ኣብፀሐኩም ብምባል ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆመ። ሼኽ ሱልጣን ኣማን ኤባ ብግደኦም፥ “ወርሒ ረመዳን አንትንቅበል ኣስተምህሮታት ሃይማኖት እስልምና እንትግብረሉ ክኸውን ኣለዎ” ኢሎም። መበል 1446 ዓመተ ሂጅራ ወርሒ ረመዳን ተውበት ብምግባር ናብ ኣላህ ብምምላስ ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ብምሕጋዝ ክኸውን ከምዝግባእ ከምኡውን ናባይ ንዘይብሎም ኣረጋዊያን ምድጋፍ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ብሄራዊ መርሃ ግብሪ መለለዪ ማንነት ኣገልግሎት ፋይዳ ጠቕሊሉ ዝሓዘ መተግበሪ ፋይዳ ዕላዊ ገይሩ
Feb 13, 2025 54
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/6/ 2017 /ኢዜአ/ብሄራዊ መርሃ ግብሪ መለለዪ ማንነት ኣገልግሎት ፋይዳ ጠቕሊሉ ዝሓዘ መተግበሪ ፋይዳ ዕላዊ ገይሩ። እቲ መተግበሪ ብሞያተኛታት እቲ ትካል ክምዕብል ከምዝተገበረ ተገሊፁ። ብኣንድሮይድን ኣይ ኦ ኤስን ኦፕሬቲንግ ሲስተማት ሎሚ ንዜጋታት ዕላዊ ኮይኑ። ኣማኻሪ ስትራቴጂክ ኮሙኒኬሽን ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ ማንነት ኣቤኔዘር ፈለቀ፥ ዕላዊ ዝተገበረ እቲ መተግበሪ ዝተፈላለዩ ፈተነታትን መረጋገፂ ድሕንነትን ዝተገበርሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። እቲ መተግበሪ ሞባይል ህዝቢ ካብ ዝረኽቦ ኣገልግሎታት መለለዪ ማንነት ዲጂታል ፋይዳ ብቴክኖሎጂ ብምድጋፍን ስሉጥ ብዝኾነ መገዲ ንምጥቃም ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ዝበፅሕ ጉድኣት ንምንካይ ተሓታትነት ምዕሳል ይግባእ- መክትል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ
Feb 10, 2025 81
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/3/ 2017 /ኢዜአ/መክትል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ዝበፅሕ ዘሎ ጉድኣት ንምንካይ ተሓታትነት ምዕሳል ከምዝግባእ አመልኪተን። ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣኒስቲዮን ህፃናትን ክልል ኦሮሚያ መስ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ኣባላት ደቂ ኣኒስቲዮ ጨፌ ኦሮሚያን ብምዃን ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ዝበፅሕ ዘሎ ጉድኣት ምንካይ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ተላዚበን። ምክትል ኣፈጉባኤ ሎሚ በዶ፥ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ዝበፅሑ ዘለዉ ጉድኣትን ሞትን ካብ እዋን ናብ እዋን ኣተሓሳሳብነቱ ይሰፍሕ ከምዘሎ ሓቢረን። ስለዝኾነ እቲ ፀገም ንኸእለን ተሓታትነት ንክዓስልን ዝወፅኡ ሕጊታት ብኣግባቡ ተግባራዊ ንክኾኑን ተመጣጣኒ ፈርዲ ምሃብ ከምዝግባእን ተዛሪበን።
ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት ዘይሕጋዊ ንግዲ ብምክልኻል ፍትሓዊ ውድድር ንግዲ እናፈጠረ እዩ-ቢሮ እቶት ኣዲስ ኣበባ
Feb 8, 2025 61
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት 1/2017 (ኢዜኣ) ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት ዘይሕጋዊ ንግዲ ብምክልኻል ኣብ ማሕበረሰብ ንግዲ ፍትሓዊ ውድድር ንግዲ ንክፍጠር ከምዘኽኣለ ቢሮ እቶት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ። ዲጂታል መለለዪ መንነት ኢትዮጵያ ብቁፅሪ ኣዋጅ 1284/2015 ተጣይሹ ናብ ስራሕ ዝኣተወ እንትኸውን ክሳብ ሕዚ ከባቢ 12 ሚልዮን ዜጋታት ወነንቲ ዲጂታል መለለዪ መንነት ንምዃን ተመዝጊቦም እዮም። ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ኣብ ኣፍሪካ ዲጂታል ምትእስሳር፣ሓቛፋይ ስርዓት ፋይናንስን ቅልጡፍ ኣገልግሎትን ንምርግጋፅ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ዲጂታል መለለዪ መንነት ዝለዓለ እጃም ኣለዎ። ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዓማዊል ቢሮ እቶት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣስቴር ዘውዴ፤ ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት ዘይሕጋዊ ንግዲ ብምክልኻል ኣብ ሕጊ መሰረት ዝገበረ ስርዓት ንግዲ ንምፍጣር ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፀን። ዝተጭበርበረ ደረሰኝ ንምክልኻል፣ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምቁፅፃርን ፍትሓዊ ውድድር ንግዲ ንምፍጣርን ከምዘኽእል እውን ሓቢረን። ቢሮ እቶት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ ዲጂታል መለለዪ መንነት ምስ ቁፅሪ መፍለዪ ከፈልቲ ግብሪ ብምትእስሳር መብዛሕቲኡ ነጋዳይ ናብቲ ስርዓት ንክኣቱ ገይሩ እዩ ኢለን። እቲ ቢሮ ቁፅሪ መፍለዪ ከፈልቲ ግብሪ ንምሃብ ባዮሜትሪክ ኣሰር ይወስድ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ድሕሪ ፋይዳ ግና ኣሰር ምውሳድ ከምዘቋረፀ ኣረዲአን።
ውድብ ጥዕና ዓለም ግልጋሎት መጥባሕቲ ንዝጀመራ ዓሰርተ ሰለስተ ትካላት ጥዕና ትግራይ ዝኸውን ናውቲታት ሕክምና ብሓገዝ ሂቡ
Feb 8, 2025 44
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/1 /2017 /ኢዜአ/ውድብ ጥዕና ዓለም ግልጋሎት መጥባሕቲ ንዝጀመራ ዓሰርተ ሰለስተ ትካላት ጥዕና ትግራይ ዝኸውን ናውቲታት ሕክምና ብሓገዝ ሂቡ ። ውድብ ጥዕና ዓለም ልዕሊ ሸሞንተ ሚልየን ብር ዝዋግኦም ናውቲታት ሕክምና ኣልትራ ሳውንድን ፕሪንተርን ምስ ምሉእ ኣድለይቲ ናውቶም ንቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብሓገዝ ኣበርኪቱ። ኣብቲ ቢሮ ኣብ ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ንቢሮ ጥዕና ወኪሎም ዝተረከቡ ዶ/ር ቴዎድሮስ ጎበዛይ፥ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝዓነወ ስርዓት ጥዕና እቲ ክልል ንምሕዋይ ኣብ ንሰርሖም ስራሕቲ ግንባር ቀደም ኮይኑ እናሓገዘና ይርከብ ኢሎም። ሐዚ ድማ ግልጋሎት መጥባሕቲ ንዝጀመራ 13 ትካላት ጥዕና ዝነበረን ፀገም ኣልትራ ሳውንድን ፕሪተርን ዝፈትሕ ምስ ሙሉእ ናውቱን ምብርካቱ አመስጊኖም።
ዕድል ስራሕ ኣብ ዝፈጥሩ ቴክኖሎጂታት ጠመተ ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ
Feb 6, 2025 47
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/29/ 2017 /ኢዜአ/ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦስፓሻልን ኢትዮጵያ ዕድል ስራሕ ኣብ ዝፈጥሩ ቴክኖሎጂታት ጠመተ ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣብቲ ኢንስቲትዩት ዝተሰርሑ ሓሙሽተ ማሽናት ፕላዝማን ራውተር ሲ ኤን ሲን ንክልል ትግራይ፣ ሲዳማ፣ ዓፋር፣ ቢኒሻንጉል ጉምዝን ኣምሓራን ኣረኪቡ። ማሽን ፕላዝማ ሲ ኤን ሲ ብጨረር ሓፂናት ብዝተፈላለዩ ቅርፅታት ምቑራፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣብዲሳ ይልማ ገሊፆም። ማሸን ራውተር ሲ ኤን ሲ ድማ ኣብ ልዕሊ ጣውላ ዝተፈላለዩ ቅርፅታት ንምውፃእ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።
ፋይዳ መሰል ዜጋታት ዘረጋገፅ፣ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓታት ሃገር ዘኽብር እዩ-ምክትል ዋና መተሓባበሪ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት
Feb 6, 2025 51
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ /29/2017 (ኢዜኣ) ፋይዳ መሰል ዜጋታት ዘረጋገፅ፣ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓታት ሃገር ዘኽብር እዩ ክብላ ምክትል ዋና መተሓባበሪ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት ወይዘሪት ራሄል ይትባረክ ገሊፀን። ዲጂታል መለለዪ መንነት ኢትዮጵያ ብቁፅሪ ኣዋጅ 1284/2015 ተጣይሹ ናብ ስራሕ ዝኣተወ እንትኸውን፤ ክሳብ ልዕሊ 11 ሚልዮን ዜጋታት ወነንቲ ዲጂታል መለለዪ መንነት ንምዃን ተመዝጊኖም ይርከቡ። ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነትን ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ኣብ ዲጂታል መለለዪ መንነት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ፓነል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ዘተ ፓነል፤ “ፋይዳ ንኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝሳለጥ ዘሎ። ምክትል ዋና መተሓባበሪ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት ወይዘሪት ራሄል ይትባረክ ኣብዚ እዋን፤ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት እዚ ዘተ ፓነል ንምድላው ዝገበሮ ስራሕ ኣመስጊነን። ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት (ፋይዳ) መሰል ዜጋታት ዘረጋገፅ፣ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓታት ሃገር ዘኽብር ከምዝኾነ እውን ገሊፀን። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብርክት ዝበለ ነባራይ ከምዝተመዝግበ ብምሕባር፤ ኣብ ክልላት እውን ንምስፍሕፋሕ ፃዕሪ እናተገበረ እዩ ኢለን። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ብግደኦም፤ ኢዜኣ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ምሕላው ዘኽእል ትካላዊ ኣወዳድባ ዘለዎ ትካል ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ብሄራዊ ረብሓ ንምሕላው ልኡኽቶ ዝተውሃቦ ብሕታዊ ወኪል ዜና ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ስለዝኾነ እውን ዜናን ዜና ተኮርን ፕሮግራማት ካብ ምድላው ብተወሳኺ ሃገራዊ ረብሓ ዘረጋግፁ መድረኻት ብምድላው ሃገራዊ ልኡኽትኡ እናተዋፅአ እዩ ዝርከብ ኢሎም። እዚ ሎሚ ዝሳለጥ ዘሎ ዘተ ፓነል እውን ፋይዳ ዘለውዎ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓታት ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾን ተዛሪቦም።
ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነትን ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ኣብ ዲጂታል መለለዪ መንነት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ፓነል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ
Feb 6, 2025 40
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 29/2017 (ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነትን ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ኣብ ዲጂታል መለለዪ መንነት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ፓነል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ዘተ ፓነል፤ “ፋይዳ ንኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብምትሕብባር ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን(ኢዜኣ) ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነትን ዝተዳለወ እዩ። ኣብቲ ዘተ፤ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ሰይፈ ደርቤን ምክትል ዋና መተሓባበሪ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት ወይዘሪት ራሄል ይትባረክን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም። ኣብቲ ዘተ ፓነል፤ ኣብ ኣድላይነት ዲጂታል መለለዪ መንነትን ኣብ ዝህልዎ ኩሉ መዳያዊ ረብሓን ዙሪያ ዓለም ለኸ ተሞኩሮ መሰረት ብምግባር ኣፈፃፅማን ፈተናታትን ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነትን ሕዚ ዝበፅሐሉ ብርክን ጠመተ ዝገበረ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቡ እናተዘተየሉ ይርከብ።
ብፕሮግራም ቓል ኪዳን ሰቆጣ ንክልል ትግራይ ልዕሊ 74 ሚሊዮን ብር ተመዲቡ እናተሰርሐ 'ዩ
Feb 5, 2025 51
አዲስ አበባ/ጥሪ/28/2017/ኢዚአ/ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ብፕሮግራም ቓል ኪዳን ሰቆጣ ንክልል ትግራይ ልዕሊ 74 ሚሊዮን ብር ተመዲቡ እናተሰርሐ ምዃኑ መተሓባበሪ ፕሮግራም ቓል ኪዳን ሰቆጣ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲክልል ተዛሪቦም። ተጠቀምቲ እቲ ፕሮግራም ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ሓረስቶት ብወገነን በቲ መርሃ ግብሪ ብምሕቛፈን ስርዓት ኣመጋግባ ደቀን ከምዝተቐየረ ተዛሪበን። ስምምዕነት ቓል ኪዳን ሰቆጣ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2030 ኣብ ኢትዮጵያ ምቕንጫር ህፃናት ምሉእ ንምሉእ ክተርፍ ንምግባር ዓሊሙ ኣብ 2007 ዓ.ም ናብ ትግበራ ዝኣተወ ምዃኑ ዝፍለጥ 'ዩ። እቲ ፕሮግራም ኣብ ከባቢ ተፋሰስ ተከዘ ምቕንጫር ህፃናት ብዘላቒ ንምፍታሕ ዘኽእል እንትኸውን ኣዴታትን ህፃናትን ዝተመጣጠነ ምግቢ ንክረኽቡ፤ ደቂ ኣንስትዮ ብልምዓት ኣሕምልቲ ድሕርቤትን ተዋፅኦ እንሰሳትን ዓርሰን ንክሕግዛ ዝሕግዝ 'ውን 'ዩ። ኣብዚ ጉዳይ ኢዜአ ዘዘራረቦም መተሓባበሪ ፕሮግራም ቓል ኪዳን ሰቆጣ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፀጋዘኣብ ሃይለ፤ እቲ ፕሮግራም እናተተግበረሎም ኣብ ዝርከቡ ወረዳታት ብፍላይ ኣዴታትን ህፃናትን ተጠቀምቲ ምዃኖም ገሊፆም። ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ብፕሮግራም ቃል ኪዳን ሰቆጣ ንክልል ትግራይ ልዕሊ 74 ሚሊዮን ብር ተመዲቡ እናተሰርሐ እንትኸውን ብዙሓት ተጠቀምቲ ምዃኖም ተዛሪቦም። ተጠቀምቲ እቲ ፕሮግራም በቲ መርሃ ግብሪ ብምሕቛፎም ደቆም ካብ ፀገም ምቕንጫር ምውፅኦም ገሊፆም።
መንገዲ እግረኛ ውሽጢ ምድሪን ድኳናትን ኣራት ኪሎ ፕላዛ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሮም
Feb 5, 2025 42
አዲስ አበባ/ጥሪ/28/2017/ኢዜአ/ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ምምሕዳር መዘናግዒ ቦታታት ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ነፃነት ዳባ ከምዝገለፅዎ፤ መንገዲ እግረኛን 17 ዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝህቡ ናይ ንግዲ ድኳናትን ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሮም። እቲ መንገዲ ውሽጣ ውሽጢ እግረኛ ናብ ስራሕ ምእታዉ ንፍሰት ትራፊክ ምቹው ኩነታት ከምዝፈጥር ገሊፆም። ተጠቀምቲ እቲ መንገዲ ካብቶም ናይ ንግዲ ድኳናት ግልጋሎት ምርካብ ንክኽእሉ ተገይሩ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ጌታሁን ኣበራ ብወገኖም፤ እቲ መንገዲ ውሽጣ ውሽጢ ንጉዱኣት ኣካል 'ውን ምቹው ግልጋሎት ክህብ ዝኽእል ሊፍት ከምዝተገጠመሉ ተዛሪቦም። ምሸት ኣብቲ መንገዲ ውሽጣ ውሽጢ ንዝንቀሳቐሱ እግረኛታትን ድኳናትን ኣድላዪ ሓለዋ ከምዝግበር ተሓቢሩ።
“መንእሰይ ወለዶ ሓይሉ ንልምዓትን ንህንፀት ሰላምን ከውዕሎ ይግባእ”- ሚኒስትር ሰላም መሓመድ ኢድሪስ
Feb 4, 2025 53
አዲስ አበባ/ጥሪ/27/2017/ኢዜአ/መንእሰይ ወለዶ ዘለዎ ሓይሊ ንልምዓትን ህንፀት ሰላምን እንተውዒሉ ንተተካኢ ወለዶ ዝማዕበለት ሃገር ምርካብ ይኽእል ክብሉ ሚኒስትር ሰላም መሓመድ ኢድሪስ ገሊፆም። ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ምስ ፈንድ ስነ-ህዝቢ ው.ሕ.መ(ዩኤንኤፍፒ) ብምትሕብባር ዘዳለዉዎ ሃገር ለኻዊ ኮንፈረንስ ሰላምን ድሕንነትን “መንእሰይ በዓል ዋና ሰላም” ብዝብል ቴማ እናተሳለጠ ይርከብ። ኣብቲ ኮንፈረንስ ሚኒስትር ሰላም መሓመድ ኢድሪስ ከምዝገለፅዎ፤ መንእሰይ በዓል ዋና ሃገር 'ዩ ዝበሃል ኣብ ውሽጡ ልዑል ሓይሊ ስለዘሎ 'ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ መብዛሕቲኡ ክፋል ሕብረተሰብ መንእሰይ ምዃኑ ገሊፆም፤ መንእሰይ ዘለዎም ሓይሊ ንሰላምን ንልምዓትን እንተውዒሎምዎ ንተተካኢ ወለዶ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ክነረክብ ንኽእል ክብሉ ተዛሪቦም።