ማሕበራዊ
“ልዕሊ ኹሉን ቐድሚ ኹሉን ንሰላምን ሓድነትን ቐዳምነት ብምሃብ ፆም ክንፆም ይግባእ”- ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ
Feb 23, 2025 3
  አዲስ አበባ/የካቲት/16/2017/ኢዜአ/ንፆም ኣርብዓ ልዕሊ ቕድሚ ኹሉ ነገር ንሰላምን ሓድነትን ቐዳምነት ብምሃብ ክንፆም ከምዝግባእ ፓትሪያርክ ቤተኽርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀጳጳስ ዘኣኽሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ኣተሓሳሲቦም። ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ፅባሕ ሰኑይ ንዝጅምር ፆም ኣርብዓ ምኽንያት ብምግባር መግለፂ ሰንዮም። ኣብ መግለፂኦም ምእመናን ነቲ ፆም ንዝጠመየ ብምዕንጋል፣ ንዝዓረቑ ብምኽዳንን ልዕሊ ኹሉ ነገር ንሰላምን ሓድነትን ቐዳምነት ብምሃብን ነቲ ፆም ከሕልፉ ከምዝግባእ መልእኽቶም ኣሕሊፎም። ዕላማ እቲ በቢዓመቱ ዝፅወም ፆም ኣርብዓ ዲያብሎስ ንምስዓር 'ዩ፤ ልዕልነት ሰናይ ሕሊና 'ውን 'ዩ ኢሎም። ብሰዓብቲ ቤተኽርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ፆም ኣርብዓ ካብ ሰኑይ 17 ለካቲት 2017 ዓ.ም ይጅመር።
ኣብክልል ትግራይ  ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብደገፍ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ህንፀት ቤት ትምህርት ይሳለጥ ኣሎ
Feb 20, 2025 29
  ሽረ እንዳስላሰ/ለካቲት/ 13/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብደገፍ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ህንፀት ቤት ትምህርት ይሳለጥ ኣሎ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቢሮ ትምህርቲ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣይተ ገብረመድህን ወልደ ጊዮርጊስ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝህነፅ ዘሎ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ብዝሃቦ ደገፍ 20 ሚለዮን ብር እዩ። ቅድሚ ሕዚ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ንዝህነፅ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደገፍ 20 ሚልዮን ብር ከምዝተገበረ ብምዝኽኻር፤ እቲ ህንፀት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከይተጀመረ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም። ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ህንፀቱ ተጀሚሩ ብፅሬትን ቅልጣፈን እናተሳለጠ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ተዛዚሙ ኣገልግሎት ከምዝህብ ተዛሪቦም። ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ እንትዛዘም እውን ኣብ ክልተ ሽፍቲ 1 ሽሕን 600 ተምሃሮ ተቐቢሉ ናይ ምምሃር ዓቕሚ ክህልዎ እዩ ኢሎም። እቲ ቤት ትምህርቲ ቤተ ፈተነታት፣ኣብያተ መፅሓፍቲ፣ንምምሕዳርን ካልኦት ኣገልግሎታትን ዝውዕሉ ክፍልታት ዝሓዘ ከምዝኾነ ገሊፆም። ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ስዒቡ ርኢቶኦም ንኢዜኣ ዝሃቡ ነበርቲ እቲ ከተማ ኣይተ በላይ ሓድጉን ወይዘሮ ሮማን ተስፋይን፤ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ ህንፀት ወለዶ ስለዘኾነ ልዑል ክብሪ ይግበኦ ኢሎም።
ኣብ ክልል ትግራይ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ/ፖልዮ/ ንህፃናት ካብ 14 ለካቲት ጀሚሩ ክወሃብ ኢዩ
Feb 20, 2025 27
  ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/ 13/ 2017 /ኢዜአ/ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ/ፖልዮ/ ንኹሎም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ብወፍሪ ገዛ ንገዛ ከምዝወሃብ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ኣማኒኤል ሃይለ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ብ”ሬጉላተሪ” ዳህሳስ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ክልተ ቦታታት (ሩባታት) ናሙና እቲ ሕማም ከምዝተረኸበ ሓቢሮም። እዚ ርካብ ናሙና መሰረት ብምግባር ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ ዕድሚኦም ትሕቲ 5 ዓመት ንዝኾኑ ህፃውንቲ ካብ 14 ክሳብ 17 ለካቲት 2017 ዓ/ም ገዛ ንገዛ ከምዝወሃብ ገሊፆም። ይኹን እምበር ዛጊድ ኣብ ትግራይ ብሕማም ኣልምሲ ዝሓመመ ህፃን ከምዘየለ ኣብሪሆም። ዶክተር ኣማኒኤል፥ እቲ ወፍሪ ክታበት ኣብ 84 ወረዳታት ንልዕሊ 894 ሽሕ ህፃናት ከምዝወሃብ ኣረዲኦም። ወለዲ ደቆሞ ከይተኸተቡ ከይተርፉ ክከታተሉን ካብ ሰብሞያ ጥዕና ንዝቐርበሎም ጎድና ጎድኒ ንዝሳለጡ መደባት እውን ግቡእ ምላሽ ክህቡን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣቀባብላ ወርሒ ረመዳን ዝጠመተ ኮንፈረንስ ይካየድ ኣሎ
Feb 13, 2025 62
  ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/6/ 2017 /ኢዜአ/ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ኣቀባብላ ወርሒ ረመዳን ዝጠመተ ኮንፈረንስ ኡለማታት፣ ኢማማትን ዱኣትን የካየድ ኣሎ። ኣብቲ ኮንፈረንስ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋን ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ሼኽ ሱልጣን ኣማን ኤባ ፣ ኢማማትን ዲኢታትን ተረኺቦም። እቲ ኮንፈረንስ ብቐንዱ ሰላም ኣብ ምሕላው ሓላፊነት ኡለማታት አንታይ ክኸውን ኣለዎ? ወርሒ ረመዳን ከመይ ንቀበሎ? ኣብ ዝብሉ ሓሳባትን ናይ ሓሳባት ኣፈታትሓን ብኢስላም ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ፥ እንቋዕ ንወርሒ ረመዳን ብሰላም ኣብፀሐኩም ብምባል ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆመ። ሼኽ ሱልጣን ኣማን ኤባ ብግደኦም፥ “ወርሒ ረመዳን አንትንቅበል ኣስተምህሮታት ሃይማኖት እስልምና እንትግብረሉ ክኸውን ኣለዎ” ኢሎም። መበል 1446 ዓመተ ሂጅራ ወርሒ ረመዳን ተውበት ብምግባር ናብ ኣላህ ብምምላስ ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ብምሕጋዝ ክኸውን ከምዝግባእ ከምኡውን ናባይ ንዘይብሎም ኣረጋዊያን ምድጋፍ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት ዘይሕጋዊ ንግዲ ብምክልኻል ፍትሓዊ ውድድር ንግዲ እናፈጠረ እዩ-ቢሮ እቶት ኣዲስ ኣበባ
Feb 8, 2025 61
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት 1/2017 (ኢዜኣ) ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት ዘይሕጋዊ ንግዲ ብምክልኻል ኣብ ማሕበረሰብ ንግዲ ፍትሓዊ ውድድር ንግዲ ንክፍጠር ከምዘኽኣለ ቢሮ እቶት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ። ዲጂታል መለለዪ መንነት ኢትዮጵያ ብቁፅሪ ኣዋጅ 1284/2015 ተጣይሹ ናብ ስራሕ ዝኣተወ እንትኸውን ክሳብ ሕዚ ከባቢ 12 ሚልዮን ዜጋታት ወነንቲ ዲጂታል መለለዪ መንነት ንምዃን ተመዝጊቦም እዮም። ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ኣብ ኣፍሪካ ዲጂታል ምትእስሳር፣ሓቛፋይ ስርዓት ፋይናንስን ቅልጡፍ ኣገልግሎትን ንምርግጋፅ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ዲጂታል መለለዪ መንነት ዝለዓለ እጃም ኣለዎ። ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዓማዊል ቢሮ እቶት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣስቴር ዘውዴ፤ ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት ዘይሕጋዊ ንግዲ ብምክልኻል ኣብ ሕጊ መሰረት ዝገበረ ስርዓት ንግዲ ንምፍጣር ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፀን። ዝተጭበርበረ ደረሰኝ ንምክልኻል፣ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምቁፅፃርን ፍትሓዊ ውድድር ንግዲ ንምፍጣርን ከምዘኽእል እውን ሓቢረን። ቢሮ እቶት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ ዲጂታል መለለዪ መንነት ምስ ቁፅሪ መፍለዪ ከፈልቲ ግብሪ ብምትእስሳር መብዛሕቲኡ ነጋዳይ ናብቲ ስርዓት ንክኣቱ ገይሩ እዩ ኢለን። እቲ ቢሮ ቁፅሪ መፍለዪ ከፈልቲ ግብሪ ንምሃብ ባዮሜትሪክ ኣሰር ይወስድ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ድሕሪ ፋይዳ ግና ኣሰር ምውሳድ ከምዘቋረፀ ኣረዲአን።
ፋይዳ መሰል ዜጋታት ዘረጋገፅ፣ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓታት ሃገር ዘኽብር እዩ-ምክትል ዋና መተሓባበሪ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት 
Feb 6, 2025 51
  ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ /29/2017 (ኢዜኣ) ፋይዳ መሰል ዜጋታት ዘረጋገፅ፣ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓታት ሃገር ዘኽብር እዩ ክብላ ምክትል ዋና መተሓባበሪ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት ወይዘሪት ራሄል ይትባረክ ገሊፀን። ዲጂታል መለለዪ መንነት ኢትዮጵያ ብቁፅሪ ኣዋጅ 1284/2015 ተጣይሹ ናብ ስራሕ ዝኣተወ እንትኸውን፤ ክሳብ ልዕሊ 11 ሚልዮን ዜጋታት ወነንቲ ዲጂታል መለለዪ መንነት ንምዃን ተመዝጊኖም ይርከቡ። ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነትን ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ኣብ ዲጂታል መለለዪ መንነት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ፓነል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ዘተ ፓነል፤ “ፋይዳ ንኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝሳለጥ ዘሎ። ምክትል ዋና መተሓባበሪ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት ወይዘሪት ራሄል ይትባረክ ኣብዚ እዋን፤ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት እዚ ዘተ ፓነል ንምድላው ዝገበሮ ስራሕ ኣመስጊነን። ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት (ፋይዳ) መሰል ዜጋታት ዘረጋገፅ፣ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓታት ሃገር ዘኽብር ከምዝኾነ እውን ገሊፀን። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብርክት ዝበለ ነባራይ ከምዝተመዝግበ ብምሕባር፤ ኣብ ክልላት እውን ንምስፍሕፋሕ ፃዕሪ እናተገበረ እዩ ኢለን። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ብግደኦም፤ ኢዜኣ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ምሕላው ዘኽእል ትካላዊ ኣወዳድባ ዘለዎ ትካል ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ብሄራዊ ረብሓ ንምሕላው ልኡኽቶ ዝተውሃቦ ብሕታዊ ወኪል ዜና ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ስለዝኾነ እውን ዜናን ዜና ተኮርን ፕሮግራማት ካብ ምድላው ብተወሳኺ ሃገራዊ ረብሓ ዘረጋግፁ መድረኻት ብምድላው ሃገራዊ ልኡኽትኡ እናተዋፅአ እዩ ዝርከብ ኢሎም። እዚ ሎሚ ዝሳለጥ ዘሎ ዘተ ፓነል እውን ፋይዳ ዘለውዎ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓታት ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾን ተዛሪቦም።
ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነትን ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ኣብ ዲጂታል መለለዪ መንነት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ፓነል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ
Feb 6, 2025 40
  ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 29/2017 (ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነትን ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ኣብ ዲጂታል መለለዪ መንነት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ፓነል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ዘተ ፓነል፤ “ፋይዳ ንኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብምትሕብባር ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን(ኢዜኣ) ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነትን ዝተዳለወ እዩ። ኣብቲ ዘተ፤ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ሰይፈ ደርቤን ምክትል ዋና መተሓባበሪ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት ወይዘሪት ራሄል ይትባረክን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም። ኣብቲ ዘተ ፓነል፤ ኣብ ኣድላይነት ዲጂታል መለለዪ መንነትን ኣብ ዝህልዎ ኩሉ መዳያዊ ረብሓን ዙሪያ ዓለም ለኸ ተሞኩሮ መሰረት ብምግባር ኣፈፃፅማን ፈተናታትን ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነትን ሕዚ ዝበፅሐሉ ብርክን ጠመተ ዝገበረ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቡ እናተዘተየሉ ይርከብ።
ብፕሮግራም ቓል ኪዳን ሰቆጣ ንክልል ትግራይ ልዕሊ 74 ሚሊዮን ብር ተመዲቡ እናተሰርሐ 'ዩ
Feb 5, 2025 51
  አዲስ አበባ/ጥሪ/28/2017/ኢዚአ/ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ብፕሮግራም ቓል ኪዳን ሰቆጣ ንክልል ትግራይ ልዕሊ 74 ሚሊዮን ብር ተመዲቡ እናተሰርሐ ምዃኑ መተሓባበሪ ፕሮግራም ቓል ኪዳን ሰቆጣ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲክልል ተዛሪቦም። ተጠቀምቲ እቲ ፕሮግራም ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ሓረስቶት ብወገነን በቲ መርሃ ግብሪ ብምሕቛፈን ስርዓት ኣመጋግባ ደቀን ከምዝተቐየረ ተዛሪበን። ስምምዕነት ቓል ኪዳን ሰቆጣ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2030 ኣብ ኢትዮጵያ ምቕንጫር ህፃናት ምሉእ ንምሉእ ክተርፍ ንምግባር ዓሊሙ ኣብ 2007 ዓ.ም ናብ ትግበራ ዝኣተወ ምዃኑ ዝፍለጥ 'ዩ። እቲ ፕሮግራም ኣብ ከባቢ ተፋሰስ ተከዘ ምቕንጫር ህፃናት ብዘላቒ ንምፍታሕ ዘኽእል እንትኸውን ኣዴታትን ህፃናትን ዝተመጣጠነ ምግቢ ንክረኽቡ፤ ደቂ ኣንስትዮ ብልምዓት ኣሕምልቲ ድሕርቤትን ተዋፅኦ እንሰሳትን ዓርሰን ንክሕግዛ ዝሕግዝ 'ውን 'ዩ። ኣብዚ ጉዳይ ኢዜአ ዘዘራረቦም መተሓባበሪ ፕሮግራም ቓል ኪዳን ሰቆጣ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፀጋዘኣብ ሃይለ፤ እቲ ፕሮግራም እናተተግበረሎም ኣብ ዝርከቡ ወረዳታት ብፍላይ ኣዴታትን ህፃናትን ተጠቀምቲ ምዃኖም ገሊፆም። ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ብፕሮግራም ቃል ኪዳን ሰቆጣ ንክልል ትግራይ ልዕሊ 74 ሚሊዮን ብር ተመዲቡ እናተሰርሐ እንትኸውን ብዙሓት ተጠቀምቲ ምዃኖም ተዛሪቦም። ተጠቀምቲ እቲ ፕሮግራም በቲ መርሃ ግብሪ ብምሕቛፎም ደቆም ካብ ፀገም ምቕንጫር ምውፅኦም ገሊፆም።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም