ቁጠባ
ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ክልል ሃረሪ መፍረያይነትን ፍርያትን እናዕበየ እዩ
Jan 20, 2025 10
  ሃረር/ጥሪ /12/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ሃረሪ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ከባብያዊ ምብዳም ካብ ምምሕያሽ ብተወሳኺ መፍረያይነትን ፍርያትን ኣብ ምዕባይ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠሩ ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊት ቢሮ ልምዓት ግብርናን እቲ ክልል ወይዘሮ ሮዛ ዑመር ተዛሪበን። ኣብቲ ክልል ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ሓጋይ ንዝሳለጥ ልምዓት ተፋሰስ መድረኽ ጎስጓስ ተኻይዱ። ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊት ቢሮ ልምዓት ግብርናን እቲ ክልል ወይዘሮ ሮዛ ዑመር ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ሓረስታይ ረብሓ ስራሕ ልምዓት ተፋሰስ ስለዝተረድኦ ስራሕ ሓለዋ ማይን ሓመድን ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናስፋሕፍሖ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ክልል ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ምብዳም መሬት ብምክልኻል ንወለዶ ዝለምዐን ሓምለዋይን ከባቢ ንምርካብ ምችው ኩነታት እናፈጠሩ ከምዝርከቡ ተዛሪበን። ኣብቲ ክልል ቅድሚ ሕዚ ብርሑቕ ተዃዒቱ ዝርከብ ዝነበረ ማይ ከርሰ ምድሪ ብቐረባ ንክርከብ ከምዘኽኣለ እውን ብምሕባር፤ እተ ሓረስታይ ስራሕ ልምዓት መስኖ ብምጥንኻር ውሕስና ምግቡ ንከረጋግፅ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ገሊፀን። ኣብቲ ክልል ኣብዚ ዓመት ኣብ 16 ተፋሰሳት ልዕሊ 900 ሄክታር መሬት ስራሕቲ ሓለዋ ሓመድን ማይን ንምስላጥ ትልሚ ከምዝተትሓዘ እውን ኣረዲአን።
ህንፀት ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ደረቕ ወደብ ሞጆ ብፍጥነት እናተሳለጠ እዩ-ኢንጂነር ደሳለኝ ጌታሁን
Jan 20, 2025 6
  ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 12/2017 (ኢዜኣ) ህንፀት ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ደረቕ ወደብ ሞጆ ብፍጥነትን ፅሬትን እናተሳለጠ ከምዝኾነ መካየዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ኢንጂነር ደሳለኝ ጌታሁን ገሊፆም። ደረቕ ወደብ ሞጆ ናብ ኩለ መዳያዊ ማእኸል ሎጂስቲክስ ብምቕያር ንግዲ ወፃእን ኣታውን ንምቅልጣፍ ቅድሚ ዓመታት ህንፀት ምስፍሕፋሕ ከምዝጀመረ ዝፍለጥ እንትኸውን፤ ብኣተሓባባሪነት ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ካብ ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ እቲ ፕሮጀክት ጎብንዮሞ። መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ደረቕ ወደብ ሞጆ ኢንጂነር ደሳለኝ ጌታሁን ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ህንፀት ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ደረቕ ወደብ ሞጆ ብፍጥነትን ፅሬትን እናተሳለጠ እዩ። ኣብ ልዕሊ 60 ሄክታር መሬት ዝሳለጥ ህንፀት ፈላማይ ምዕራፍ እዚ ፕሮጀክት ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት፣ ምንፃፍ ኮንክሪት፣ኣይሲቲ፣ኤሌክትሮ ሜካኒካል፣ህንፀታት ሓጹርን መኽዝንን ዘካተተ እዩ ኢሎም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ህንፀት ፈላማይ ምዕራፍ እቲ ፕሮጀክት 80 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ብምግላፅ፤ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ቀጻሊ ዓመት ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጅምር ኣረጋጊጾም።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣብ ሓደ ማእኸል ኣገልግሎት ንምሃብ ዝተጣየሸ “ጋዲሳ ኦዳ” ጎብንዮም
Jan 20, 2025 5
  ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 12/2017 (ኢዜኣ) ብመዓርግ ምኸትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ኣዳማ “ጋዲሳ ኦዳ” ዝተብሃለ ማእኸል መውሃቢ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ጎብንዮም። ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ምምሕዳር ከተማ ኣዳማ ኣብ ኩሎም ትካላት እቲ ምምሕዳር ከተማ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ብዝተወደበን ዝተዋደደን መልክዕ ኣብ ሓደ ማእኸል ንምሃብ ዝተጣየሸን “ጋዲሳ ኦዳ” ዝተብሃለን ስርዓት ኣወሃህባ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ጎብንዮም። እቲ ስርዓት ኣሰራርሓ፤ ኣብ ሓደ ማእኸል 29 ትካላት ብምትእኽኻብ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ቅልጡፍን ውጽኢታውን ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል ስርዓት፣ድኻም ተገልገልቲ ዝቕንስ፣ኣታዊ ንምእካብ ምችው ዝኾነ፣ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ባህላዊ ዝኾነ ስርዓት ወረቐት ኣብ ኩሎም ትካላት ዘትረፈ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ስለዝኾነ ድማ ግልፅነትን ተሓታትነትን ንምርግጋፅን ብልሹው ኣሰራርሓን ስርቅን ንምክልኻልን ልዑል ዕድል ከምዝፈጠረ ሓቢሮም። እቲ ምምሕዳር ከተማ ብብርኪ ከተማ ዘለዉ ትካላት ኣብ ሓደ ማእኸል ካብ ምትእኽኻብ ብተወሳኺ ትካላት ክፍለ ከተማን ወረዳን እውን ኣብ ሓደ ማእኸል ንክሰርሑ ምግባሩ ዝተባባዕን ንካልኦት ተሞኩሮ ዝኸውንን እዩ ኢሎም።
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ምጉዕዓዝ ነዳዲ ዝተሳተፉ ኩባንያታት 116 ሚልዮን ብር ንክቕፅዑ ተገይሩ እዩ-ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር)
Jan 20, 2025 2
  ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ /12/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 325 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ምጉዕዓዝ ዝተሳተፉ ኩባንያታት 116 ሚልዮን ብር ንክቕፅዑ ከምዝተገበረ ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ “ብፅሬት ናብ ቅልጡፍ ስርዓት ንግዲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ግምገማ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ኣብ ምክያድ ኢና ንርከብ ኢሎም። ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ዓውዲ ንግዲ ወፃኢ 3 ነጥቢ 28 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ እውን ሓቢሮም። ‘መንደር ፅሬት’ ኢትዮጵያ ብዝውክልን ብዝነኣድን ብርኪ ምዝዛሙ ማእኸል ኩርዓት ሃገር ኮይኑ ዝተሰርሐ ስራሕ ከምዝኾነ ፀሪሖም። ኣብ ኦንላይን ምዝገባን ኣወሃህባ ፍቓድን ንግዲ እውን ንስርዓት ንግዲ ምችው ንክኸውን ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሳለጠ ብምሕባር፤ ኣብዚ መዳይ ብልሹው ኣሰራርሓ ኣብ ምእራምን ምዕራይን ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ስራሕ ዝሰርሑ 18 ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ሕጋውን ምምሕዳራውን ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣረዲኦም። ዕድጊት ነዳዲ ስርዓት ንምትሓዝ ኣብ ዝተገበረ ስራሕ ብዘይሕጋዊ መንገዲ እናተጎዓዓዘ ዝነበረ 325 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለን ነዚ ዘጎዓዕዙ ዝነበሩ ኩባንያታት ድማ 116 ሚልዮን ብር ከምዝተቐፅዑን ተዛሪቦም። ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ካብቲ ተቛሪፅዎ ዝነበረ ምዕራፍ ብምውፃእ ናብ ድርድር ከምዝኣተወ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ 5ይ ድርድር እውን ብቕዓት ዘለዎም ሰብ ሞያ ብምውዳብ እኹል ምድላው እናተገበረ እዩ ኢሎም።
መንግስቲ ድጎማ በጀት ዝገብሮ  አብ ትሑት መነባብሮ ኮይኖም ንዝሓድሩ ዜጋታት ካብ ዝበፅሖም ፅዕንቶ ንምክልኻል እንበር ንውሑዳት ውልቀሰባት ንምጥቃም አይኮነን
Jan 17, 2025 33
  አዲስ አበባ/ ጥር /9/2017(ኢዜአ)፡- መንግስቲ ድጎማ በጀት ዝገብሮ አብ ትሑት መነባብሮ ኮይኖም ንዝሓድሩ ዜጋታት ካብ ዝበፅሖም ፅዕንቶ ንምክልኻል እንበር ንውሑዳት ውልቀሰባት ንምጥቃም አይኮነን ክብሉ ሚኒስትር አገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) ገሊፆም ። ኢትዮጵያ ናብ ዝተማለአ መማሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ምእታዉ ፀሪሆም እዚ ካዓ ዝተረጋገአ ኢኮኖሚ ብምፍጣር ከባብታት ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምምሕያሽ መፍረያይነት እተን ዘፈራት ምምሕያሽን ዓቐሚ ምፍፃም መንግስቲ ንምጉልባት ዝጠመተ እዩ አሎም። ተግባራዊ እናተገበረ ዝርከብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ናህሪ ዋጋ ካብ 30 ሚኢታዊ ናብ 17 ሚኢታዊ ንኽወርድ ከምዝሓገዘ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ብጥቡቕ ዲሲፒሊን እናተመርሐ ዝርከብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢት እናምፀአ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡ ንኣብነት ድማ ዋጋ ሸርፊ ብር ብዕዳጋ ንኽውሰን ብምግባሩ ኣፍረይቲ ወርቂ ፍርያቶም ኣብ ማእኸላይ ዕዳጋ ንብሄራዊ ባንኪ ንኽሸጡ ከምዘለዓዓሎም ኣብሪሆም፡፡ እቲ መመሓየሺ ተካእቲ ፍርያታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘፍርዩ ትካላት እናጠናኸረ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ንኢንቨስትመንት ምስፍሕፋሕ፣ ንፈጠራ ዕድል ስራሕን ሸቐጣትን ዋጋኦም ንምርግጋእ ልዑል ረብሓ ከምዘምፀአ ገሊፆም፡፡ ተግበራዊ ዝተገበረ ፖሊሲ ገንዘብ መንግስቲ ካብ ግምጃ ቤት ዝልቀሖ መጠን ገንዘብ ንኽግደብን ባንኪታት ዝህቡዎ መጠን ልቓሕ ብ18 ሚኢታዊ ጥራሕ ንኸዓቢ ምግባሩ ፀሪሖም፡፡ ፖሊሲ ገንዘብ ምትግባሩ ናህሪ ዋጋ ካብ ዝነበሮ 30 ሚኢታዊ ናብ 17 ሚኢታዊ ትሕት ክብል ከምዝገበረ ብምሕባር፤ እቲ መመሓየሺ ዕቋር ባንኪታ ንኽዓቢን ንኢኮኖሚ ዘቕርበኦ ልቓሕን እናተጠናኸረ ንኽኸይድ ከምዘኽአለ ኣብሪሆም፡፡
ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ ክልል ትግራይ ኣብ ምንቕቓሕ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናገበረ እዩ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ
Jan 16, 2025 26
  መቐለ/ጥሪ 8/2017 (ኢዜኣ) ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ ክልል ትግራይ ኣብ ምንቕቓሕ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናገበረ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም። ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ መዓልቲ ዓማዊል ምኽንያት ብምግባር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ሰብ ሃፍቲ መድረኽ ምክኽር ኣካይዱ። ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብዚ መድረኽ ተረኺቦም፤ ኣብቲ ክልል ብዝነበረ ፀገም ተዘሓሒሉ ዝነበረ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ንክነቓቓሕ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ንኢዶም። እቲ ባንኪ፤ ማሕበረሰብ ንግዲ ዘለዎ ድሌት ፋይናንስን ኢኮኖሚያዊ ረብሓን ኣፅኒዑ ዝህቦ ኣወንታዊ ምላሽን ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦን ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር እውን ዘለዎም እምነት ተዛሪቦም። ሓላፊ ቢሮ ፋይናንስን ኢኮኖምን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ምህረት በየነ(ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኢኮኖሚ እቲ ክልል ንክነቓቓሕ እጃም ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝለዓለ እዩ ኢሎም። ተሳታፊ እቲ መድረኽ ዝኾኑ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ነጋ ገብረስላሰ፤ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝህቦ ኣገልግሎት ንከጠናኽር ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ሓቲቶም። ካሊእ በዓል ሃፍቲ ተሳታፊ እቲ መድረኽ ዝኾኑ ኣይተ መሓሪ ፍስሃ ብግደኦም፤ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዓርሱ ንምምዕባል ዘሳልጦም ዘለዉ ስራሕቲ ብዝበለፀ ከጠናኽር ኣለዎ ኢሎም። ዳይሬክተር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዲስትሪክት መቐለ ኣይተ ኤልያስ ልሳነወረቅ ብወገኖም፤ እቲ ባንኪ ኣብቲ ክልል ዝተኣማመነሎም ዓማዊል ከምዘለዉ ገሊፆም። ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ግልጋሎት ልቓሕ ንምምሕያሽን ኣገልግሎቱ ንምምዕባልን ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ኣገልግሎቱ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ እውን ተዛሪቦም።
ባንክታት ኢንቨስትመንት ናብ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ንምፅንባር ዘድሊየን ምድላዋት ይዛዝማ ኣለዋ
Jan 16, 2025 30
  ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/8/ 2017 /ኢዜአ/ብዙሓት ባንክታት ኢንቨስትመንት ናብ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ንምፅንባር ዘድሊየን ምድላዋት ይዛዝማ ከምዘለዋ ተገሊፁ። እቲ መዋእለ ንዋይ ኢንቨስት እንገብረሎም ሰነዳት ወይ ኢንቨስትመንታት ከም በዓል ዋና እነረጋግፀሉ ዕዳጋ ሰነዳት ዕዳ ሰነደ መዋእለ ንዋያት እንትኸውን፥ ኣብ ኣብዝሓ ኣክሲዮን፣ ቦንድ መንግስቲ፣ ሰነድ ግምጃ ቤት መንግስቲ፣ ቦንድ ኩባኒያታትን ካልኦት ቦንድታትን ናብ ማእከላዊ ቦታ መፂኦም ዝተዓዳደግሉ መድረኽ ኢዩ። ንምዕባለ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ርኡይ ግደ ከምዘለዎ ዝተኣመነሉ እቲ ስጉምቲ፥ መንግስቲን ውልቀ ዓውዲን ንዝፍፅምዎ ኢንቨስትመንታት ካፒታል ንምእካብ ዓቕሚ ዝፈጥር ኢዩ ተባሂሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ዕላዊ ንምግባር ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዕዳጋ ካፒታል ካብ ምጥያሽ ጀሚሩ ኣዋጅ ኣብ ምውፃእን ካልኦት ኩነታት ንምምላአን እንትስራሕ ዝፀንሐ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ተመሪቑ ተኸፊቱ ኢዩ። ዋና ዳይሬክተር ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ኢትዮጵያ ጥላሁን ካሳሁን(ዶ/ር)፥ እቲ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ንምፅንባር ብዙሓት ኢንቨስትመንታት ባህጊ ከምዘለወን ምርኣየን ንፋና ዲጂታል ሓቢሮም። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣስታት ሽዱሽተ ዝኾና ባንክታት ናብቲ ዕዳጋ ንምፅንባር ምድላዋት ከምዝገበራ ገሊፆም።
ንዘመነ ምህርቲ 2017/18 ዓ.ም 313 ሽሕን 260 ሜትሪክ ቶን ድኹዒ ሓመድ ኣብ ወደብ ጅቡቲ በፂሑ
Jan 15, 2025 26
  አዲስ አበባ/ጥሪ/7/2017/ኢዜአ/ ንዘመነ ምህርቲ 2017/18 ዓ.ም 313 ሽሕን 260 ሜትሪክ ቶን ድኹዒ ሓመድ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ምብፅሑ ተገሊፁ። ኣብ ወደብ ጅቡቲ ካብ ዝበፅሐ ድኹዒ እቲ 206 ሽሕን 267 ነጥቢ 2 ሜትሪክ ቶን ድኹዒ ሓመድ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተወ እንትኸውን፤ እቲ 106 ሽሕን 992 ነጥቢ 8 ሜትሪክ ቶን ድማ ኣብ ወደብ ከምዝርከብ ተፈሊጡ። ነቲ ኣብ ወደብ ዝበፅሐ ድኹዒ ሓመድ ተሽከርከርትን ባቡርን ብምጥቃም ብቕልጡፍ ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታው እናተሰርሐ ምዃኑ 'ውን ተሓቢሩ። በዚ መሰረት 'ውን 27 ሽሕን 930 ሜትሪክ ቶን ብባቡር ከምኡ 'ውን 178 ሽሕን 314 ሜትሪክ ቶን ብኸበድቲ ተሽከርከርቲ ልዕሊ 150 ናብ ዝኾኑ መባፅሕታት ውሽጢ ሃገር ከምዝተጉዓዓዘ ተጠቒሱ። ሕድሕደን 70 ሽሕን 56 ሽሕን ሜትሪክ ቶን ዳፕ ድኹዒ ሓመድ ዝፀዓና ኽልተ ተወሰኽቲ መርከባት ኣብዚ ሓደ ሰሙን ውሽጢ ጅቡቲ ከምዝበፅሓ 'ውን ካብ ትራንስፖርት ባሕርን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።
ነዳዲ ሓዊሱ ስትራተጂክ አብ ዝተብሃሉ ሸቐጣት ዘተአማምን ቀረብ ንክቐፅል መንግስቲ ልዑል ድጎማ ገይሩ እዩ-ሚኒስትር አህመድ ሽዴ
Jan 15, 2025 20
  አዲስ አበባ/ ጥር /7/2017(ኢዜአ)፦ ነዳዲ ሓዊሱ ስትራተጂክ አብ ዝባሃሉ ሸቐጣት ዘተአማምን ቀረብ ንክቐፅል መንግስቲ ልዑል ድጎማ ገይሩ እዩ ክብሉ ሚኒስትር አህመድ ሽዴ ገሊፆም፡፡ መንግስቲ አብ ዝሓለፉ ዓመታት ልዕሊ 267 ቢሊዮን ብር ንነዳዲ ዝኸውን ድጎማ ምግባሩ ዘዘኻኸሩ እቶም ሚኒስትር አብ ናይ ሎሚ ዘበን በጀት ዓመት ጥራይ ንነዳዲ ድጎማ ተወሳኺ 100 ቢሊዮን ብር በጀት ምፅዳቑ አዘኻኺሮም። ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት 267 ቢሊዮን ብር ንነዳዲ ድጎማ ከምዝገበረን ን2017 ዓ.ም ጥራሕ ድማ ንድጎማ ነዳዲ ተወሳኺ 100 ቢሊዮን ብር በጀት ፀዲቑ። ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ካብ ዝግበር ጀሚሩ እቲ ሪፎርም ኢኮኖሚ ተጠናኺሩ ንቑጠባዊ ዕብየት ዓብይ ኣበርክቶ ንኸበርክት ሰፊሕ ስራሕቲ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም። ነዳዲ ሓዊሱ ስትራቴጂክ ዝበሃሉ ሸቐጣት ዘተኣማምን ቐረብ ንክህልዎም መንግስቲ ልዑል ድጎማ እናገበረ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ንድኹዒ ሓመድ፣ ነዳዲ፣ ወሰኽ መሃያ፣ ንመድሓኒት፣ መሰረታዊ ሸቐጣት፣ ንልምዓታዊ ሴፍትኔት ከተማን ገጠርን ከምኡ 'ውን ንኻልኦት በቢዓመቱ ልዕሊ 400 ቢሊዮን ብር ድጎማ እናገበረ ከምዝርከብ ተዛሪቦም። መንግስቲ አብ እታ ሃገር ዘተአማምን ቀረብ ነዳዲ ንክህሉ ዛጊድ ዘካየዶ ፃዕሪ አጠናኺሩ ከምዝቐፅል ሚኒስትር አህመድ ሽዴ አረጋጊፆም። ብልዑል ሸርፊ ወፃኢ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝአቱ ከምኡ እውን ብልዑል ድጎማ ንህዝቢ ዝቐረብ ምህርቲ ነዳዲ ብአግባቡ አብ ርብሓ ንክውዕል ምግባር አገዳሲ ምኹኑ አታሓሳሲቦም ብልዑል ድጎማ መንግስቲ ዝቐርብ ምህርቲ ነዳዲ ብመልክዕ ኮንትሮባንድ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንክይወፅእ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ እናተሰርሐ ምኹኑ ፀሪሖም ነዚ ድማ ኩሉ ብፅሒቱ ሒዙ ክዋሳእ ይግበእ ኢሎም ። ስርዓት ዕዳጋ ነዳዲ ናይ ምዝማን ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፅል እቶም ሚኒስትር አመልኪቶም ። ብዋጋ ዓለም ዝሽመት ነዳዲ ትሕቲ ዋጋ ዓለም ኸምኡ 'ውን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዋጋ ብዝታሓተን ብዝለዓለ ድጎማን እናቐረበ ምዃኑ ንኢዜአ ገሊፆም። እቶም ሚኒስትር፤ ነቲ ብልዑል ሸርፊ ወፃኢ ዝኣትውን ብልዑል ድጎማ ናብ ህዝቢ ዝቐርብን ነዳዲ ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ምውዓል ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ሓምለዋይ ኣሰርን ልምዓት ተፋሰስን ኣዋዲድካ ብምስራሕ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ መርኣያ ዝኾነ ውፅኢት እናተመዝገበ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Jan 14, 2025 27
  ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 6/2017 (ኢዜኣ) ሓምለዋይ ኣሰርን ልምዓት ተፋሰስን ኣዋዲድካ ብምስራሕ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ መርኣያ ዝኾነ ውፅኢት እናተመዝገበ ከምዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ሃገራዊ ወፍሪ ዝተዋደደ ልምዓት ተፋሰስ 2017 ዓ/ም ኣብ ሙዜም ሳይንስ ብዕሊ ኣጀሚሮም። ብዓይነቱ ፈላማይን ኣካል ምጅማር እቲ ወፍርን ዝኾነ ሲምፖዜምን ዓውደ ርእይን ዝተዋደደ ልምዓት ተፋሰስ “ሃፍቲ ሓመድና ንብልፅግናና” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሙዜም ሳይንስ ተኸፊቱ። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መኽፈቲ መደርኦም፤ ዓውዲ ግብርና ካብቲ ጥሙር ሃገራዊ ፍርያት 32 ሚኢታዊ ብምሽፋን ንዕቤት ኢኮኖሚ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝርከብ ሓቢሮም። ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካ ብምብዳም መሬትን ምሽርሻር ሓመድን ካብ ዝተጎድኣ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ትፅራሕ ኮይና ከምዝፀንሐት ብምዝኽኻር፤ መንግስቲ እዚ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ምስ ልምዓት ተፋሰስ ብምውዳድ እቲ ሕብረተሰብን ዝምልከቶም ኣካላትን ዘሳተፈ ስራሕ ልምዓት ከምዘሳለጠ ገሊፆም። ስለዝኾነ ድማ መርኣያ ዝኸውን ውፅኢት እናተመዝገበ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ንዘላቒ ልምዓትን ኣተሓሕዛን ሃፍቲ ተፈጥሮ ምችው ኩነታት ንምፍጣር ማዕቐፋት ፖሊስን ሕግን ተዳሊዎም ተግባራዊ እናኾኑ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም። ኣብ ዝቕፅሉ 15 ዓመታት ብሚልዮን ዝቑፀር ሄክታር ዝባደመ መሬት ንምልማዕ ማዕቐፍ ስትራቴጂክ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ተዳሊዉ ኣብ ስራሕ ከምዝወዓለ ሓቢሮም። እቲ ውፅኢት ንምጥንኻር ድማ ኣብቲ ናይ ሎሚ ዘበን ሃገራዊ ወፍሪ ዝተዋደደ ልምዓት ተፋሰስ ብሰፊሑ ብምስታፍ ዕውት ምግባር ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ዋላ ኳ ብሃፍቲ ተፈጥሮ ዝተዓደለት ሃገር እንተኾነት ግቡእ ብዘይኾነ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ንሓደጋ ተፈጥሮን ምብዳም መሬትን ተቓሊዓ እያ ኢሎም። መንግስቲ እዚ ፀገም ንምፍታሕ ተፋሰስ መሰረት ዝገበረ ሓለዋን ልምዓትን ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምዘጀመረ ሓቢሮም። በዚ ድማ በቢዓመቱ 14 ሚልዮን ህዝቢ ብምስታፍ ብዝተሰርሐ ልምዓት ተፋሰስ ባዲሙ ካብ ዝነበረ መሬት እቲ 33 ነጥቢ 6 ሚልዮን ሄክታር ክለምዕ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።
ዕዳ ኢትዮጵያን ምስ ጥሙር ሃገራዊ ሃፍቲ ዘለዎ ብፅሒት ክትሕት ምግባር ከም ዝተኸአለ ተሓቢሩ
Jan 14, 2025 27
  ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/6/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ለውጢ ዓመታት ብዝተወሰዱ ስጉምቲታት ዕዳ ኢትዮጵያ ምስ ጥሙር ሃገራዊ ፍርያት ዘለዎ ብፅሒት ናብ 13 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ክወርድ ምግባር ከምዝተኽኣለ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን። እተን ሚኒስትር ኣብ ውፅኢታት መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚን ኣብ ቀፃሊ ዝውገኑ ተግባራትን ኣድሂበን ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ፤ መንግስቲ ቅድሚ ለውጢ ዝነበረ ስርዓትን መሰረታዊ ፀገማትን ንምስትኽኻል ሓዱሽ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊ ፖሊሲ ከምዝተኸተለ ገሊፀን። ፈለማ ኣብ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ብዝተተግበረ ፖሊሲ ኢኮኖሚ ኣብ ምዝማንን ንውድድር ክፍቲ ምግባርን ሰፊሕ ሪፎርም ከምዝተገበረ ኣልዒለን። ትካላት ልምዓት መንግስቲ ውፅኢታዊን ኸሰብትን ካብ ምግባር ሓሊፉ ኣብቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ንዓመታት ንዘፈር ውልቀ ተዓፂዮም ዝነበሩ ከም ኢትዮ ቴሌኮም ዝበሉ ዓበይቲ ትካላት ክፍቲ ከምዝተገበሩ ኣልዒለን። እቶት መንግስቲ ምድንፋዕ፣ ምሕደራ ወፃኢ ምስትኽኻል፣ ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተ ትግበራ ፕሮጀክትን ኣፈፃፅማን ምምሐያሽ፣ ድጎማ ንዝተሓሰበሉ ዕላማ ኣብ ምስግጋር ዘዕግቡ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ኣብሪሀን። ኣብ ለውጢ ዓመታት ዝኾነ ይኹን ናይ ንግዲ ልቓሕ ብዘይምፍፃም፣ ምስ ኣለቃሕቲ ምሽግሻግ ልቓሕ ብምግባርን፣ ልቓዕ ብልዑል ብርኪ ብምኽፋልን ፅዕንቶ ዕዳ ምቅላል ከምዝተኽኣለ ምግላፀን ኢዜአ ፀብፂቡ፡፡ በዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለዋ ፅዕንቶ ዕዳ ምስ ሃገራዊ ጥሙር ፍርያት ዘለዎ ብፅሒት ቅድሚ ለውጢ ካብ ዝነበሮ 30 ሚኢታዊ ናብ 13 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ክወርድ ከምዝተገበረ ኣፍሊጠን።
ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ንዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለን ንዝትረጋገአ ማክሮ ኢኮኖሚ መሰረት ዘንፀፈ እዩ-አይተ ማሞ ምህረቱ
Jan 14, 2025 24
አዲስ አበባ/ ጥር /6/2017(ኢዜአ)፡- ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ንዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለን ንዝትረጋገአ ማክሮ ኢኮኖሚ መሰረት ዘንፀፈ ስጉምቲ ምኹኑ ገዛኢ ብሔራዊ ባንክ ኢትዮጵያ አይተ ማሞ ምህረቱ ገሊፆም። እቲ ሪፎርም ብዝኾነ ዓይነት መዐቀኒ አብ ትኸክለኛ ጎደና ይርከብ ክብሉ እውን አይተ ማሞ ምህረቱ አመልኪቶም። ኢኮኖሚ ብዘፈር ውልቀ ክምራሕ ብዝገብሩ ስጉምቲታት ዓወት ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ ኢኮኖሚ ብዘፈር ውልቀ ክምራሕ ንምግባር ብዝተወሰዱ ስጉምቲታት ለውጢታት ከምዝመፅኡ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምህረቱ ገሊፆም፡፡ ኣይተ ማሞ ብሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር እናተሰናደአ ኣብ ዝቐርብ ፕሮግራም ”ኢትዮጵያ ኢን ፎከስ” ቀሪቦም ኣብ ከይዲ ትግበራን ተስፋታትን ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ መብርሂ ሂቦም። ኣብ መብርሂኦም ድማ ለውጢ ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናብ ስልጣን እንትመፅኡ ብዙሓት ፀገማት ዝተሰከመ ኢኮኖሚ ነይሩ ኢሎም። በዚ ድማ ኣማራፂታት ፖሊሲን ብዝሃ ኢኮኖሚ ዕቤትን መሰረት ዝገበረ ሃገር በቆል ዝተዋደደ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሮም፡፡ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ሪፎርም ፅቡቕ ጅማሮ ዝነበረ ይኹን እምበር ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ፀገማት ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶ ከምዘሕደሩ ኣብሪሆም፡፡ ይኹን እምበር ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ፈተናታት ኮይኑ እውን ዘይብዳህ ዓቕሚ ክቕፅል ብምግባር ውፅኢት ከምዘመዝገበ ምግላፆም ኢዜአ ፀብፂቡ፡፡
አብ ክልል ትግራይ አብ ከተማ አኸሱም ስርሓቲ መሰረተ ልምዓት ይሳለጡ አለዉ
Jan 14, 2025 15
  አክሱም/ጥር 6/2017 (ኢዜአ)፦አብ ክልል ትግራይ አብ ከተማ አኸሱም ስርሓቲ መሰረተ ልምዓት ይሳለጡ ከምዘለዉ መካየዲ ስራሕ ቤት ማዘጋጃ አኸሱም አይተ ሐዱሽ ገብረ መድህን ገሊፆም። መካየዲ ስራሕ ቤት ማዘጋጃ አኸሱም አይተ ሐዱሽ ገብረ መድህን ንኢዜአ ከምዝገለፅዎ አብ በጀት ዓመት ንተለዋጢ መንገዲ መናሃርያ አኸሱም ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስርሓቲ መሰረተ ልምዓት ይካየዱ አለዉ። ህንፀት እቶም መሰረተ ልምዓት ንነበርቲ ከተማ አኸሱም ዝሓሸ አገልግሎት ዝህቡ ከምዝኾኑ ሓቢሮም። ካብቶም ስርሓቶም ዝሰለጡ ዘለዉ ህንፀታት ናይ ሓደ ነጥቢ ክልተ ኪሎ ሜትሮ መንገዲ አስፓልት መብርሃቲ ወሰን ፅርጊያን መንፀፍ እምኒ ሓሙሽተ ኪሎሜትሮን ከምዝርከብዎም ተዛሪቦም። ካብ እዚ ብተወሳኺ ህንፀት አብ እዋን ክረምቲ ንሓደጋ ውሕጅ ቅልዓት አብ ዝኾኑ ከባቢታት 1 ነጥቢ 6 ኪሎሜትሮ ንውሓት ዘለዎ መትረብ ውሕጅ ይሳለጥ ምህላዉ እቶም መካየዲ ስራሕ አብሪሆም። ስርሓቲ መሰረተ ልምዓት ን 1 ሽሕን 400 ንዝኾኑ ወገናት ዕድል ስራሕ ፈጢሩ አሎ።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም