ልዕሊ 264 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ዝተፋለዩ ናውቲታት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም - ኢዜአ ትግርኛ
ልዕሊ 264 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ዝተፋለዩ ናውቲታት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/20/ 2017 /ኢዜአ/ካብ 12 ክሳብ 18 መጋቢት ብዝተገበረ ክትትል ልዕሊ 264 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ዝተፈላለዩ ናውቲታት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍሊጡ።
ካብ መንጎ እቶም ዝተትሓዙ ናውቲታት፥ 250 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ኣታዊ 13 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ድማ ወፃኢ ሸቐጣት ክምዝኾኑ ተገሊፁ።
ዝተፈላለዩ ማእድናት፣ ኣልባሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ ጥራምረ፣ መለዋወጢ ተሽከርከርቲ፣ ጫት፣ መዐወንቲ እፃት፣ መድሓኒት ወዘተ ከምዝርከብዎም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።