መርሃ ግብርታት ወሰን ሩባታት፣ልምዓት ኮሪደርን ሓምለዋይ ኣሰርን ብኽለት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምቕናስ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
መርሃ ግብርታት ወሰን ሩባታት፣ልምዓት ኮሪደርን ሓምለዋይ ኣሰርን ብኽለት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምቕናስ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት/ 13/2017 (ኢዜኣ) መርሃ ግብርታት ወሰና ወሰን ሩባታት፣ልምዓት ኮሪደርን ሓምለዋይ ኣሰርን ብኽለት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምቕናስ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾኑ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ማሕበር ሞያ ቶራሲክ ሶሳይቲ ኢትዮጵያ ምስ ሕማም ሳንባን ካልኦት ሕማማትን ተዛሚዶም ኣብ ዝፍጠሩ ሕማማት መተንፈሲ ዝሰርሕ ማሕበራዊ ትካል እዩ።
እቲ ማሕበር ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ መተንፈሲ ኣካላት ዘሕድሮ ዘሎ ፅልዋ ከመይ ምቕናስ ይከኣል ብዝብል መበል 11 ዓመታዊ ኮንፈረንስ ኣሳሊጡ።
ኣብቲ መድረኽ ፤ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ለሊሴ ነሜ፣ፕሬዚዳንት ማሕበር ሞያ ቶራሲክ ሶሳይቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ራሄል ኣርጋውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ለሊሴ ነሜ፤ መንግስቲ ምስ ከባብያዊ ብኽለት ብዝተኣሳሰረ ዘጋጥም ፅልዋ ንምቕናስ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ ኢለን።
ስለዝኾነ እውን ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ስምምዕ ብምፍፃም ኣብታ ሃገር ዘሎ ከባብያዊ ብኽለት ንምቕናስን ንፁህ ከባቢ ንምፍጣርን ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ሓቢረን።
ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመሩ መርሃ ግብርታት ወሰና ወሰን ሩባታት፣ልምዓት ኮሪደርን ሓምለዋይ ኣሰርን ብኽለት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምቕናስ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾነ ከም ኣብነት ፀሪሐን።
ፕሬዚዳንት እቲ ማሕበር ዶክተር ራሄል ኣርጋው ብግደአን፤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ልዕሊ መተንፈሲ ኣካላት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሳምባ ልዑል ጉድኣት ከምዘስዕብ ገሊፀን።
እቲ ኮንፈረንስ፤ ኣብ ሕማማት ሳምቡእ፣ኣስሚ፣ሱር ዝሰደደ ኣካል መተንፈሲ፣ካንሰርን ተዛመድቲ ጉዳያት ጥዕናን ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ሕማማት መተንፈሲ ኣካላት ዘለዎ ግንዛበ ንምዕባይን ኣብቲ ሕማም ዝግበር ምርመራ ንምድጋፍን ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣረዲአን።