ዓለም ለኸ ጉባኤ መስኖን ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ልምዓትን ኣብዚ ሰሙን ካካየድ ኢዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓለም ለኸ ጉባኤ መስኖን ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ልምዓትን ኣብዚ ሰሙን ካካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/3/ 2017 /ኢዜአ/ዓለም ለኸ ጉባኤ መስኖን ለውጢከባብያዊ አየር ዘይብዳህ ልምዓትን ካብ 5 ክሳብ 7 ለካቲት 2017 ዓ.ም ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ካካየድ ኢዩ፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ትካላትን ዝተውፃእፅኡ ለዕሊ 1 ሺሕ ተሳተፍቲ ከምዝርከቡ ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣፍሊጡ፡፡
ኣብቲ ጉባኤ ኣብቲ ዓውዲ ዝስተውዓሉ ማሕለኻትን ዘለዉ ዓወታትን መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ ምርምር ከምዝቐርቡ ተሓቢሩ፡፡
ኢትዮጵያ ብምግቢ ርእሳ ንምኽኣል፣ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምክልኻልን ፍርያትን መፍረያይነትን ንምድንፋዕብ ኣብ ስራሕቲ መስኖ ዘመዝገበቶም ውፅኢታት ብተሞክሮ ከምዝቐርቡን ልምዲ ከምዝውሰኸሎምን ተገሊፁ።