ኢትዮጵያ ብኩነታት ለውጢ ከባብያዊ አየር ዘይብዳህ ተመክሮ ፍሪያት ግብርናኣ ኣማቒላ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ብኩነታት ለውጢ ከባብያዊ አየር ዘይብዳህ ተመክሮ ፍሪያት ግብርናኣ ኣማቒላ

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/6/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ብኩነታት ለውጢ ከባብያዊ አየር ዘይብዳህ ተመክሮ ፍሪያት ግብርናኣ ኣማቒላ።
እቲ ተመክሮ፥ “ዓለም ለኸ መስኖን ብኩነታት ለውጢ ከባብያዊ አየር ዘይብዳህ መፍሪያይነትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኢያ ኣቕሪባ።
ኣብቲ ጉባኤ፥ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ሓዊሱ ሚኒስትራትን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ተሳቲፎም።
ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዘላቒ ልምዓትን ምፅዋር ለውጢ ከባብያዊ አየርን ተመዝግቦ ዘላ ውፅኢት ንተሳተፍቲ ኣቕሪበን።
ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰርን ሓለዋ ከባቢን ጭቡጥ ዝበሃል ለውጢ ትትግብር ከምዘላ ሓቢሮም።
ምክልኻል ለውጢ ከባብያዊ አየር ኣካል ናይዚ ትሕዝቶ ትልሚ ከምዝኾነ ሓቢረን።
ክሳብ ሐዚ 40 ቢሊየን ፈልሲታት ብምትካል ሽፋን ደኒ እዛ ሃገር 6 ሚኢታዊ ክዓቢ ከምዝኸኣለ ኣገንዚበን።