ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንፅዕንቶ ለውጢ ከበብያዊ አየር ዘይብዳህ ተሞክሮ ዓለም እዩ-ትካላት ዓለም ለኸ




 

አዲስ አበባ/ የካቲት/ 03/2017(ኢዜአ) ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንፅዕንቶ ለውጢ ከበብያዊ አየር ዘይብዳህ ተሞክሮ ዓለም ምኹኑ ዝድነቐ እዩ ክብሉ ትካላት ዓለም ለኸ መስኪሮም

አብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስምምዕነት ለውጢ ከባብያዊ አየር ማእከል ምትሕብባር ስፔሻሊስት ዕድጊት ዞባ ምብራቐን ደቡብ አፍሪካን አርባንስ ቤኒዋኒራ፤ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምንካይ ዞባውን ዓለም ለኸ ተራአ ሒዛ ትዋሳእ ከም ዘላ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ንፅዕንቶ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምንካይ ብዘፈር አማራፂ ሓምለዋይ አሰርን ታሃዳሲ ሓይሊን ዕውት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ምህናፃ ዝድነቐ እዩ አሎም ።

ንአልቦ ሞተርን ብኤሌክትሪክ ዝተደገፈ ስርዓት ትራንስፖርት ጠመተ ሂባ ንትግበራ ዓለም ለኸ ስምምዓትን ንምንካይ ልቀት በከልቲ ጋዛት  ዘለዋ ቁሩብነት ከምዘርኢ አመልኪቶም።

እቲ ስትራተጂ ብመስረት ስምምዕነት ንብረት አየር ፓሪስ ዕቑር ዓቐሚ ሃገር ንምጥቃም ከም ዝሕግዝውን ፀሪሖም።

አብ መማረፂ ሓይሊ ታሃዳሲ ዝስርሑ ስርሓትታት ልምዓት ንዜጋታት ጥዕና ዘለዎ ከባቢ አብ ምፍጣር ዘይትካእ ተራ ከምዝህልዎ አገንዚቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም