ኣብ ክልል ጋምቤላ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ለውጢ ሰዓት ስራሕ ክግበር ኢዩ-ቤት ምኽሪ ጋምቤላ

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/30/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ጋምቤላ ብምኽኒያት ምውሳኽ ዋዒ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ለውጢ ሰዓት ስራሕ መንግስቲ ከምዝግበር ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኡቶው ኡኮት፥ እቲ ለውጢ ሰዓት ስራሕ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንሰለስተ ኣዋረሕ ዝፀንሕ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ቅድም ክብል ስሩዕ ሰዓት ስራሕ ካብ ንጎሆ 100 ክሳብ 630 ዝነበረ ካብ 100 ክሳብ 530 ከምዝኸውን ተዛሪቦም።

ድሕሪ ቀትሪ ድማ፥ ካብ ሰዓት 900 ክሳብ 1130 ዝነበረ ካብ 1000 1230 ክኸወን ኢዩ ኢሎም።

እቲ ውሳነ ኣብ ዞባ ማጃንግ ናይ ዘለዋ ወረዳታት መንገሺን ጎደሬን ከምዘይሓውስ መግላፆም ኣብ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም