ኣብ ክልል ጋምቤላ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ለውጢ ሰዓት ስራሕ ክግበር ኢዩ-ቤት ምኽሪ ጋምቤላ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ክልል ጋምቤላ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ለውጢ ሰዓት ስራሕ ክግበር ኢዩ-ቤት ምኽሪ ጋምቤላ

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/30/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ጋምቤላ ብምኽኒያት ምውሳኽ ዋዒ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ለውጢ ሰዓት ስራሕ መንግስቲ ከምዝግበር ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኡቶው ኡኮት፥ እቲ ለውጢ ሰዓት ስራሕ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንሰለስተ ኣዋረሕ ዝፀንሕ ኢዩ።
ብመሰረት እዚ ቅድም ክብል ስሩዕ ሰዓት ስራሕ ካብ ንጎሆ 1፡00 ክሳብ 6፡30 ዝነበረ ካብ 1፡00 ክሳብ 5፡30 ከምዝኸውን ተዛሪቦም።
ድሕሪ ቀትሪ ድማ፥ ካብ ሰዓት 9፡00 ክሳብ 11፡30 ዝነበረ ካብ 10፡00 12፡30 ክኸወን ኢዩ ኢሎም።
እቲ ውሳነ ኣብ ዞባ ማጃንግ ናይ ዘለዋ ወረዳታት መንገሺን ጎደሬን ከምዘይሓውስ መግላፆም ኣብ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።