ኣፍሪካ ምስ በዝሒ ህዝባ ዝመጣጠን ቐፃልነት ዘለዎ ውሕስነት ምግቢ ክተረጋግፅ ትፅቢት ይግበረላ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣፍሪካ ምስ በዝሒ ህዝባ ዝመጣጠን ቐፃልነት ዘለዎ ውሕስነት ምግቢ ክተረጋግፅ ትፅቢት ይግበረላ

አዲስ አበባ/የካቲት/6/2017/ኢዜአ/ኣፍሪካ ምስ በዝሒ ህዝባ ዝመጣጠን ቐፃልነት ዘለዎ ውሕስነት ምግቢ ክተረጋግፅ ከምዘለዋ ኮሚሽነር ኣምባሳደር ጆሴፋ ሳኮ ገሊፀን።
መበል 46 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሳለጠ ይርከብ።
ኮሚሽነር ግብርና፣ ልምዓት ገጠር፣ ብሉ ኢኮኖሚን ዘላቒ ከባቢ ኣየርን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ጆሴፋ ሳኮ ኣብ ዙርያ ስርዓተ ምግቢ ኣፍሪካ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂበን።
ኣብ መግለፂአን ከምዝበልኦ፤ ኣፍሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሰንኪ ለበዳ፣ ለውጢ ኸባቢ ኣየር፣ ጎንፂ ዩክሬንን ሩስያን ዝኣመሰሉ ኣህጉር ለኻውን ዓለም ለኻውን ፀቕጥታት ኢኮኖሚኣ ኣዝዩ ተጎዲኡ 'ዩ።
ከም መብሪሂ እተን ኣምባሳደር፤ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2050 ህዝቢ ኣፍሪካ ኽልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ቢሊዮን ክበፅሕ 'ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። ብምዃኑ 'ውን ምስ በዝሒ ህዝባ ዝመጣጠን ቐፃልነት ዘለዎ ውሕስነት ምግቢ ምርግጋፅ ትፅቢት ይግበረላ ኢለን።
70 ሚኢታዊ ዝኸውን ህዝቢ ኣፍሪካ ኣብ ትሕት ብርኪ መነባብሮን ኣብ ገጠርን ከምዝነብር ሓቢረን።
“ኣፍሪካውያን ለማዓንቲ ዘይኾኑስ ሰብ ዋና ብርክት ዝበለ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ 'ዮም ብምባል፤ ብምዃኑ 'ውን ኣፍሪካ ዘለዋ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ብኣግባቡ ብምልማዕ ናብ ምህርቲ ምቕያር ይግባእ ክብላ ተዛሪበን።