ሶማሊላንድ ርኽክብ ስልጣን ፕሬዝዳንትነት ገይራ



 

አዲስ አበባ/ታሕሳስ/3/2017/ኢዜአ/ መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ዋዳኒን ነበር ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ሶማሊላንድን ዝነበሩ ኣብዲራህማን 6 ፕሬዝዳንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኾይኖም ንምስራሕ ቓለ ማሕላ ፈፂሞም።

ኣብደልራህማን ሞሃመድ ኣብዱላሂ ካብ ሙሴ ቢሂ ኣብዲ ንስልጣን ፕሬዝዳንትነት ሶማሊላንድ ሎማዓንቲ ተረኪቦም።

እቶም ሓዱሽ ፕሬዝዳንት ምስ ኢትዮጵያ ንዘሎ ርክብ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣመላኺቶም።

ፕሬዝዳንት ኣብዲራህማን ሞሃመድ ኣብ መኽፈቲ መደረኦም፤ ንሃገራዊ ሓድነት፣ ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ዞባዊ ምትእስሳርን ቐዳምነት ንምሃብ ቓል ኣትዮም።

 ጉልቡትን ንኹሉ ዘካተተ ሶማሊላንድን ንምህናፅ ጉዕዞ ጀሚርና። ጉዳይ ፖለቲካ ዝኾነ ይኹን ንሕድሕድ ዜጋ ብሩህ ተስፋ ንክህልዎ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም