ኣፍሪካ ሰላምን ፀጥታን ዝነገሰላ ንኸትከውን ጎንፅታት ጠጠው ንኸብሉ ክሰርሕ ኢየ-ፕሬዚዳንት ዧው ማኑኤል ጎሳዌስ ሎሬንሶ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣፍሪካ ሰላምን ፀጥታን ዝነገሰላ ንኸትከውን ጎንፅታት ጠጠው ንኸብሉ ክሰርሕ ኢየ-ፕሬዚዳንት ዧው ማኑኤል ጎሳዌስ ሎሬንሶ

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/8/2017 (ኢዜአ)ኣፍሪካ ሰላምን ፀጥታአን ዝነገሰላ ንክትከውን ጎንፅታት ጠጠው ንኸብሉ ክሰርሕ ኢየ ክብሉ ሓዱሽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ብምኻነ ዝተመረፁ ፕሬዚዳንት ዧው ማኑኤል ጎሳዌስ ሎሬንሶ ገሊፆም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ በፍላይ ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ኢኮኖሚ፣ ሰላምን ፀጥታን ከምዝሰርሑ ኢዮም ተዛሪቦም።
ዞባዊ ንግዲ ኣፍሪካ ዝፈጠሮ ዕድል ብምጥቃም ኣብታ ኣህጉር ስሉጥ ዘምድና ነግዲ ንክህሊ ጠመተ ብምሃብ ከምዝሰርሑ ሓቢሮም።
ሃገሮም ኣብ ኣፍሪካ ንዝካየዱ ዋና ዋና መደባትን ፕሮጀክታትን መፈፀሚ ዝውዕል ፋይናንስ ንምትእኽካብ መስ ሕብረት ኣፍሪካ ብሓባር ከምእትሰርሕ እውን ኣረጋጊፆም።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዝካየዱ ትካላዊ መመሓየሺታት ንረብሓ ኣፍሪካ ቆላሕቲ ንክህቡ ድማ ሓቲቶም።