"ምምላስ ፍትሒ ንኣፍሪካውያንን ንዘርዓ ኣፍሪካውያንን" ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ መበል 38 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ትማሊ ተዛዚሙ


 

አዲስ አበባ/የካቲት/10/2017/ኢዜአ/ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን "ምምላስ ፍትሒ ንኣፍሪካውያንን ንዘርኣ ኣፍሪካውያንን" ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ መበል 38 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ትማሊ ተዛዚሙ።

ኣብቲ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ከምኡውን ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ሓዊሱ ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻውያን ትካላት ተሳቲፎም።

እቲ ዋዕላ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ኣህጉር ዘትዩ ውሳኔታት ኣሕሊፉ።

እቲ ዝተኻየደ ዘተውን ኣብ ትካላዊ ፅገናታት ሕብረት ኣፍሪካ፣ ምሕዳስ ፍትሒ፣ ኣፍሪካ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ውክልና ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ቀፃሊ ፃዕሪ፣ ከምኡውን ኣጀንዳታት ሰላምን ፀጥታን ኣህጉር ዘተኮረ እዩ።

ካብ ዋዕላ ብተወሳኺ ኣብ ኣተገባብራ ከባቢ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካን ኣህጉራዊ ንግድን ቁጠባዊ ውህደትን፡ ሕርሻን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ፣ሰብኣዊ መሰላት፣ምብቃዕ ስርዓተ ፆታን መንእሰያትን ከምኡውን ትካላዊ ምድላዋት ተዘትዩሎም።

ኣብቲ ዋዕላ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዩሱፍ ሓድሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ተመሪፆም፤ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ነበር ሙሳ ፋኪ ማሃማት ናይ ክብሪ ምፍናው ተገይርሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም