ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ቀዋሚ መንበር ክሳብ ትረክብ ፃዕረይ ክቐፅል እዩ- ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ


 

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/8/2017 /ኢዜአ/ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ፥ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ እቲ ሕብረት ቀዋሚ መንበር ክሳብ ትረክብ ፃዕሪ ምግባሮም ከምዝቕፅሉ ገሊፆም።

ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ መደረ ዘስምዑ እቶም ዋና ፀሓፊ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ብባዕዳዊ መግዛእትን ነግዲ ባሪያን ልዑል በደል ዝበፅሓ ኣህጉር ምዃና ክዝንጋዕ የብሉን ኢሎም።

ስለዝኾነ ግቡእ ካሕሳ ክትረክብ ከምዝግበኣ ኣፅንኦት ብምሃብ ተዛሪቦም።

ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ቀዋሚ መንበር ዘይምርካባ አልዒሎም ስለዝኾነ ክሳብ እትረክብ ፃዕሪ ምግባሮም ከምዝቕፅሉ ገሊፆም።

ንሰላምን ፀጥታን ብዝግባእ ምስራሕ ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ ኣብ ሱዳንን ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ጎንጎን ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ደው ንክብል ኣተሓሳሲቦም።

ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ዞባዊ መስሕሓብ ክእለ ከምዝግባእ እወን ገሊፆም።

ሕቡራት መንግስታት እውን ዘግበር ኩለ መዳያዊ ደገፋት ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

ገብረ ራዕድነት ኣብ ልዕሊ ኣፍሪካ ዘለዎ ፀቕጢ ብቐሊሉ ክረአ ከምዘይግባእ እቶም ዋና ፀሓፊ አመልኪቶም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም