"ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ኣፍሪካ ንዘጋጥሙ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ትምህርቲ ክኸውን ይግባእ"-ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬ

 

አዲስ አበባ/የካቲት/10/2017/ኢዜአ/ስምምዕ ፕሪቶርያ ንኣፍሪካ ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ንምፍታሕ ከም ትምህርቲ ክውሰድ ይግባእ ክብሉ ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፣ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬ ገሊፆም።

ኣብታ ኣህጉር ኣብ ሰላምን ፀጥታን ዝረአ ዘሎ ምዕባለን ኩነታት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣፍሪካን ብዝምልከት ንማዕከናት ዜና መግለፂ እንትህቡ፣ ኣብ መላእ ኣህጉር ብዛዕባ ሰላምን ፀጥታን ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዘንፀባርቕ እዩ።

ኣብ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ሱዳን፣ሳሕል፣ሊብያ፣ ሞዛምቢክን ዘሎ ኩነታት ኣሰካፊ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ ሞንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣብ ኣፍሪካ ፀገማት ንምፍታሕ ከም ትምህርቲ ክውሰድ ይግባእ ኢሎም።

ከም መግለፂ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬ፤ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ሶማልያ ዘሎ ጎንፂ ኣብ ምቅላል ተራኦም ይፃወቱ ኣለዉ። ንዚ ድማ ካብ ፈንድ ሰላም ሕብረት 10 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተገይሩ ኣሎ

ኣፍሪካዊ ፍታሕ ንፀገማት ኣፍሪካ ብዝብል ኣምርውን ነቲ ፀገም ፍታሕ ክረክብ ክደፍእ እዩ። ፀገማት ኣፍሪካ ዝተዋደደ ስጉምቲ ከምዘድሊ ብምግላፅ፤ ማሕበረሰብ ዓለም ድጋፍ ክገብር ፀዊዖም።

ኣብ ሪፐብሊክ ኮንጎን ሱዳንን ዝካየድ ዘሎ ጎንፅታት ብዝምልከት ኣብ ባይቶ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ዘተ ከምዝተኻየደ ኣመልኪቶም።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ዘሎ ጎንፂ ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ፀገማቶም ብዘተ ክፈትሑ ይፅውዕ ኢሎም።

ቅድሚ ዓመታት ብሰንኪ ዘይሕገ መንግስታዊ ለውጢ መንግስቲ ሱዳን ካብ ኣባልነት ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝተኣገደት ኣዘኻኺሮም፤ ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ጎንፂ ዘለዉ ተዋሳእቲ ፖለቲካዊ ዘተ ክህሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣምባሳደር ባንኮሌ፣ ኣብቲ ዝቕፅል ዘሎ ጎንፂ ቅትለት ንፁሃት ሰባት፣ፃታዊ ዓመፅ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይዕዘብ ከምዘሎ ሓቢሮም። ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ብዘይካ ዘተ ካልእ ወተሃደራዊ መፍትሒ ክህሉ ከምዘይክእል ኣመልኪቶም።

ብተወሳኺ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሞዛምቢክን ሊብያን ዝካየድ ዘሎ ጎንፅታት ንምፍታሕን ኩለመዳያዊ ሰላም ንምምፃእን ምስ መንግስታት እተን ሃገራት ብቐረባ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

 

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጋና፣ ቦትስዋና፣ ሴኔጋልን ሞሪሸስን ብመረፃ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ምስግጋር ዝተገበረለን ሃገራት ምዃነን ጠቒሶም።

ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መላእ ኣፍሪካ ንዝፍጠሩ ጎንፅታት ንኹሉ ዘካተተ ዘተ ብምክያድ መፍትሒ ክረኽቡ ድሌት ከምዘለዎን ነዚ እውን ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም