ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ

 

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/8/ 2017 /ኢዜአ/መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ፥ መከሓሓሲ ፈትሒ ንኣፍሪካውያንን ዘርዓ  ኣፍሪካዊያንን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓላፍቲ ዓለም ለኸ ትካላት ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቲ ጉባኤ፥ ብዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ኣጀንዳታት ብምምካር ውሳነታት ከማሓላልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣጀንዳታት ትካላዊ መመሓየሺ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ናይ መከሓሓሲ ፍትሒ፣ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ ውክልና ንምርካብ ዝግበሩ ዘለዉ ምንቅስቓሳት፣ ኣህጉራዊ ሰላምን ድሕንነትን ዘተ ከምዝግበረሎም ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣፈፃፅማን ኣህጉራዊ ዝምድናታት ንግዲን ኢኮኖሚን ነፃ ዞባ ነግዲ ኣፍሪካ፣ ገብርናን  ለውጢ ከባብያዊ አየርን፣ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሰርዓተ ፆታን መናእሰይ ምብቃዕን ከምኡውን ኣወዳድባ ትካላት ዝጠመተ ኣጀንዳታት እቲ ጉባኤ ክዛተ ኢዩ ዝበል ትፅቢት ኣሎ።

5 6 ለካቲት 2017 . ዝተሳለጠ መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ እቶም መራሕቲ ዝዛተይሉ ኣጀንዳታት ምፅዳቑ ይፍለጥ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም