ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኻዊ ውድድር ቴክኖሎጂ ብንቕሓት ክትሳተፍ አለዋ-ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኻዊ ውድድር ቴክኖሎጂ ብንቕሓት ክትሳተፍ አለዋ-ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/8/ 2017 /ኢዜአ/ብስሉጥ ይዓቢ ኣብ ዘሎ ዲጂታል ምህዳር ተወዳደርቲ ተፃወትትቲ ምዃና ንምርግጋፅ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኻዊ ውድድር ቴክኖሎጂ ብንቕሓት ክትሳተፍ አለዋ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ መኽፈቲ መደረ ኣስሚዖም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መደረኦም፥ ብስሉጥ እናዓበየ ዝመፅአ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢኮኖሚናን ማሕበረሰብናን ንምብራኸ ልዑል ዓቕሚ ኣለዎ ኢሎም።
ዓውዲ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ተሓዳሲ ሓይሊን ሞባይል ቴክኖሎጂን ብምትሕብባር ከም ለውጢ ከባብያዊ አየር፣ ዘይ ሙሉኡ መሰረተ ልምዓትን ፀገም ጥዕና ሕብረተሰበን ዝኣመሰሉ ሓበራዊ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።
ብዛዕባ ሓበሬታ ሉእላዊነት፣ ተረባሕነት ሓቓፊ ቴክኖሎጂን ልምዓትን እውን ኣብ መደረኦም ብገፊሑ አቐሪቦም ።