ኣብ መሪሕ ቃል ሕብረት ኣፍሪካ 2024 ጠሚቱ ዝተዳለወ ኩነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ

 

ኣዲስ ኣበበ/ነሓሰ /14/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ኣከባብራ መሪሕ ቃል ትምህርቲ ሕብረት ኣፍሪካ 2024 ጠሚቱ ዝተዳለወ ኩነት ኣብ ዋና መንበር እቲ ሕብረት ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ ምድላው፤ ̍21 ክፍለ ዘበን ዝምጥን ኣፍሪካዊ ምምሃር፣ስርዓታት ትምህርቲ ብምህናፅ ኣብ ኣፍሪካ ኩለ መዳያዊ፣ዘበን ሂወት፣ፅሬትን ኣግባብነትን ዘለዎ ተበፃሕነት ትምህርቲ ምስፋሕ̍ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ እዩ።

እቲ ኩነት፤ ኤጀንሲ ልምዓት ሕብረት ኣፍሪካ (ኣውዳ-ኔፓድ) ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ምስ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላትን መሓዙት ልምዓትን ኮይኖም ዘዳለውዎ እዩ።

እቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ መርሃ ግብሪ ኣከባብራ፤ ትምህርቲ፣ቴክኖሎጅን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ንልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ጠመተ ዝገበረ ምዃኑ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም