ናይ ሎሚ ፀገም ዘይኮነስ ናይ ፅባሕ ፍረ ኣማዕዲና ብምርኣይ ንብሩህ መፃኢ ዘበን ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና- ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ናይ ሎሚ ፀገም ዘይኮነስ ናይ ፅባሕ ፍረ ኣማዕዲና ብምርኣይ ንብሩህ መፃኢ ዘበን ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና- ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/17/ 2016 /ኢዜአ/ናይ ሎሚ ፀገም ዘይኮነስ ናይ ፅባሕ ፍረ ኣማዕዲና ብምርኣይ ንብሩህ መፃኢ ዘበን ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር መፃኢ ግዘ ኢትዮጵያ ብሩህ ንኽኸውን መሰረት ዘንብር ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
ሃገሩ ዝፈቱ ትውልዲ ካብ ሎሚ ሓሊፉ ንፅባሕ ኣመዓዲዩ ብምርኣይ ብሓባር ከምዝሰርሕ ብምሕባር÷ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እናተመዝገበ ዝርከብ ዓወት እውን ነዚ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
“ብምዃኑ ድማ ናይ ሎሚ ፀገም ዘይኮነስ ናይ ፅባሕ ፍረ ኣማዕዲና ብምርኣይ ንብሩህ መፃኢ ዘበን ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና” ኢሎም።
ካብ ትማሊ ታሪኽ ትምህርቲ ብምውሳድን ሎሚ አበርቲዕኻ ብምስራሕን ንደቅና ዝሐሸት ሃገር ክነረክብ ይግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመንግስቲ ዝተጀመሩ ናብ 20 ዝፅግዑ ኢኒሼቲቫት ልምዓት ጭቡጥ ለውጢ እናምፅኡ ከምዝኾኑ ብምፅራሕ÷ ህድሳት አባይቲ ዓቕመ ደኹማት፣ ምገባ ተምሃሮ፣ ልምዓት ስርናይን ተዛመድቲ ኢኒሼቲቫትን ከም ኣብነት ፀሪሖም፡፡
ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ከይዲ 39 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ እውን ገሊፆም፡፡
ሎሚ ምስ እንተኽሎም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600 ሚሊየን ፈልሲታት እንትድመሩ 40 ቢሊየን ክበፅሑ ኢዮም” ኢሎም፡፡