ኣብ ሓንቲ ፀሓይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 615 ነጥቢ 7 ሚሊየን ፍልሲታት ተተኺሎም - ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)



 

ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/ 2016 /ኢዜአ/  ኣብ ዝነበረ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 615 ነጥቢ 7 ሚሊየን ፍልሲታት ከምዝተተኸሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (/) ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምዝዛም መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ወፍሪ ሓንቲ ፀሓይ ስዒቡ ዘመሓላለፉዎ

 መልእኸቲ  -

 ፀሓይ በሪቓ ክሳብ ትዓርብ ሽዱሽተ ሚኢቲ ሚሊዮን ፈልሲታት ንኽንተክል ኩልና ኢትዮጵያውያን አሚትና  ነይርና። እንሆ ዝሓሰብናዮ ፈፂምናዮ እንሆ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 615.7 ሚሊዮን ፈልሲታት ክንተክል ክኢልና ኣለና።

ህፃናት ተስፋኦም ተኺሎም ኢዮም። መናእሰይ ፅንዓቶም ኣርኢዮም ኢዮም። ኣረጋውያን ውርሲ ኣንቢሮም ኢዮም።

 ኢትዮጵያውያን ካብ ሊቅ ክሳብ ደቂቕ ካብ ገዝኦም ወፂኦም ዘይሃስስ ኣሰር ኣንቢሮም ኣለዉ። ብምትሕብባርናን ብምፅናዕናን ኣብ ካሊእ ክፋል ዓለም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ዘይተገበረ ንሕና ኢትዮጵያውያን ገይርናዮ ኣለና።

 ንሓለዋ ሚዛን ለውጢ ንብረት ኣየር ጠጠው ኢልና ውዒልና። ምብሑጛግ ሓመድ ንምምምካት ጠንኪርና ውዒልና። ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዘይተቖጠበ ፃዕሪ እናገበርና ውዒልና።

 ምድሪና ሓምለዋይ ንምልባስ ልምላመ ንምምላስ ኩሉ ዝካአለና ሰሪሕና ኢና። ፈጣሪ እውን ሓጊዙና ነዛ በዛ ሓንቲ ፀሓይ ዝሓሰብናዮ አዕዊትና ኣለና።

 29.1 ሚሊዮን ዜጋታት ኣብ 318.4 ሄክታር ሓበሬታ ጂኦስፓሻል ኣብ ዝተረኸበሎም ቦታታት ፈልሲታት ተኺሎም ኢዮም። ክሳብ ሕዚ ኣብ መኽዘን ሓበሬታ ካብ ዝተመዝገበ ወፃእ ዝተተኸሉ ፈልሲታት ሓበሬታ ብተኸታታሊ ክግለፅ ኢዩ።

ብዛዕባ ዘደምም ሕብረትን ፅንዓትን ኢትዮጵያውያን እነሆ ምስጋና። ንትልሚ ዓወትና፣ መሰጋገሪ ሓበሬታን ክትትልን ብምዃን ብትግሃት ዝሰራሕኹም ኣመራርሓታት ሰብ ሞያን ትካላት ሚዲያን ምስጋና ይግበአኩም። ናይ ትምኒት ተግባርና ኩሉ ዝሐሸት ኢትዮጵያ ብሕብረት ሃኒፅካ ምፅናሕ ኢዩ። እዚ አበርቲዒና ክንቅፅለሉ ኢና።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም