ሓበሬታ ትንበያ ኣየር ብምጥቃም ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣት ንምቕናስ ምርብራብ ከምዝግባእ ተገሊፁ



 

ኣዳማ/ነሓሰ/ 24/2016 (ኢዜኣ) ሓበሬታ ትንበያ ኩነታት ፀባይ ኣየር ብኣግባቡ ብምዝርጋሕን ብምጥቃምን ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣት ንምቕናስ ምርብራብ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

መድረኽ ትንበያን ዕላዊ መግበርን ግምገማ ኩነታት ፀባይ ኣየር 2016 /ምን ኩነታት ፀባይ ኣየር ኣዋርሕ ሓጋይ ቀፃሊ ዓመትን ኣብ ከተማ ኣዳማ ይሳለጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ዶክተር ኢንጂነር ሀብታሙ ኢታፋ ኣብዚ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ትንበያ ኩነታት ፀባይ ኣየር ዋላ ዝተባብዑ ስራሕቲ እናተሰርሑ እንተኾነ ሓበሬታ ብኣግባቡ ኣብ ምጥቃም ግና ፀገም ኣሎ እዩ።

ስለዝኾነ እውን ንሓረስቶትን ኣርባሕትን ብፍላይ ኣብ ወሰና ወሰን ሩባታት ንዝነብሩ ዜጋታት ግቡእ ሓበሬታ ትንበያ ኩነታት ፀባይ ኣየር ብዘይምብፅሑ ብሓደጋ ውሕጅን ምግሃስ መሬትን እናተጎድኡ እዮም ኢሎም።

ሓበሬታ ትንበያ ኩነታት ፀባይ ኣየር ብኣግባቡ ኣብ ምጥቃምን ኣብ ስራሕ ቅድመ ምድላውን ብትኹረት ብምስራሕ እቶም ፀገማት ምቕናስ ስለዘኽእል ርብርብ ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ዘፈር ከምዘድሊ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም