ኣብ ሻምፒዮና ዓለም ባንዲራ ኢትዮጵያ ክብ ብምባል ሃገር ኣኹርዒኹም ኢኹም-ሸዊት ሻንካ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ሻምፒዮና ዓለም ባንዲራ ኢትዮጵያ ክብ ብምባል ሃገር ኣኹርዒኹም ኢኹም-ሸዊት ሻንካ
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ /29/2016 (ኢዜኣ) ኣትሌታት ኣብ ሻምፒዮና ዓለም ባንዲራ ኢትዮጵያ ክብ ብምባል ሃገር ኣኹርዒኹም ኢኹም ክብላ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ገሊፀን።
ኣብ ፔሩ ሊማ ኣብ ዝተኻየደ መበል 20 ኣትሌቲክስ ዓለም ሻምፕዮና ትሕቲ 20 ዓመት ካብ ዓለም ካልኣይ ካብ ኣፍሪካ ድማ ቀዳማይ ብርኪ ሒዙ ዝዛዘመ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ትማሊ ምሸት ኣዲስ ኣበባ እንትኣቲ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቀባብላ ተገይርሉ።
ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ኣብዚ እዋን፤ ኣትሌታት ኣብ ፔሩ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ብዘመዝገብኩሞ ዓወት ባንዲራ ኢትዮጵያ ክብ ኢሉ ንክውለብለብ ብምግባር ሃገር ኣኹሪዕኹም ኢኹም ክብላ ተዛሪበን።
ኣብ ፔሩ ዝተረኸበ ዓወት ኣብ ካልኦት ዓለም ለኸ ውድድራት እውን ክድገም ከምዘለዎ እውን ሓቢረን።
ፕሬዝዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ረዳት ኮሚሽነር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ብግደአ፤ ̍ኣትሌታት ብዘመዝገብኩሞ ዓወት ኮሪዕናኩም ኢና፤ እንኳዕ ደስ በለኩም̍ ኢላ።