ፕሬዚዳንት ሺ ዥንፒንግ ንሃገራት ኣፍሪካ ድጋፍ 51 ቢሊየን ዶላር ንምሃብ ቃል ኣቲዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ሺ ዥንፒንግ ንሃገራት ኣፍሪካ ድጋፍ 51 ቢሊየን ዶላር ንምሃብ ቃል ኣቲዮም
ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/30/ 2016 /ኢዜአ/ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ዥንፒንግ ንምፍጣር ዕድል ስራሕ ዝኸውን ንሃገራት ኣፍሪካ ድጋፍ 51 ቢሊየን ዶላር ንምሃብ ቃል ኣቲዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካን ኣብ ዝተረኸቡሉ ጉባኤ ቻይና ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ።
ፕሬዚዳንት ሺ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ንሃገራት ኣፍሪካ ልዕሊ 1 ሚሊየን ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዘኽእል ድጋፍ 51 ቢሊየን ዶላር ንምሃብ ተመፃቢዖም።
ቻይና ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ምዕባለ ኢንዱስትሪ፣ ግብርናን ንግዲን ብዙሓት ስራሕቲ እናወገነት ምፅንሓ ኣዘኻኺሮም።
እዚ ድማ ቤጂንግን ንሃገራት ደቡብ ተመራፂት መሻርኽቲ ለምዓት ከምዝገበረ ኣብሪሆም።
ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ቻይናን ኣፍሪካን ፅኑዕ ርክብ ምምስራቶም ብምዝኽኻር፥ እዚ ርክብ ናብ ዝሓሸ በርኪ ምስግጋር ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።