ንዓለም ዝፍትን ዘሎ ፀገማት ፀጥታን ዘይፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲን ሓበራዊ መፍትሒ ክናደዪ ኢዮም- ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ - ኢዜአ ትግርኛ
ንዓለም ዝፍትን ዘሎ ፀገማት ፀጥታን ዘይፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲን ሓበራዊ መፍትሒ ክናደዪ ኢዮም- ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ
ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/30/ 2016 /ኢዜአ/ንዓለም ዝፍትን ዘሎ ፀገማት ፀጥታን ዘይፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲን ሓበራዊ መፈትሒ ክናደዪ ኢዮም ክብሉ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ገሊፆም።
ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብ ጉባኤ ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ናይ ዩክሬን፣ ጋዛን ሱዳንን ጎንፂታት ኣብ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ዓለም ፅዕንቶ ከምዘሕደሩ ኣረዲኦም።
ስርዓት ፋይናንስ ዓለም ፈትሓዊ ዘይምዃኑን ትካላት በቲ ዝድለ ልክዕ ዘይምስረሖም ትሑት ኣታዊ ኣብ ዘለወን ሃገራት ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ኣብሪሆም።
ርክብ ደቡብ ደቡብ ፀገማት ንምፍታሕ ቁልፊ ከምዝኾነን ርክብ ቻይናን ኣፍሪካን ነዚ ዓምዲ ከምዝኾነን ገሊፆም።
ዝጋደድ ዘሎ ለውጢ ከባብያዊ አየር፣ ድሕንነትን ፀገም ፀጥታን ሐዚ እውን ምትሕብባር ዝደሊዩ ኢዮም ኢሎም።
ኣብ ውሽጢ ውሕመ ናይ ኣፍሪካ ሓዊሱ ብዝግባእ ዘይተወከላ ሃገራት ውክልነአን ንምርግጋፅ ናይ መመሓየሺ ስራሕቲ ከምዘድሊዩ ተዛሪቦም።
ቻይና ዝመስላ ሃገራት መስ ኣፍሪካ ዝሰርሑሉ ሓበራዊ ስራሕ ውሕመ ከምዘተባብዕ ኣረጋጊፆም።