ፈልስታት ካብ ምትካል ብተወሳኺ ኣብ ስራሕቲ ምክንኻን ብንቕሓት ብምስታፍ ምችው ከባቢ ንምፍጣር ኩሉ ብትግሃት ክሰርሕ ኣለዎ - ኢዜአ ትግርኛ
ፈልስታት ካብ ምትካል ብተወሳኺ ኣብ ስራሕቲ ምክንኻን ብንቕሓት ብምስታፍ ምችው ከባቢ ንምፍጣር ኩሉ ብትግሃት ክሰርሕ ኣለዎ
ድሬዳዋ/ነሓሰ /30/2016 (ኢዜኣ) ፈልስታት ካብ ምትካል ብተወሳኺ ኣብ ስራሕቲ ምክንኻን ብንቕሓት ብምስታፍ ምችው ከባቢ ስራሕን መንበርን ንምፍጣር ኩሉ ብትግሃት ክሰርሕ ከምዘለዎ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ብዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣካላት ኣመራርሓ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ተፀዋዕቲ ትካላት እቲ ቤት ምኽርን ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ተረኺቦም ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተተኸሉ ፈልስታት ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅ ወሳኒ እጃም ኣለዎም።
ብፍላይ ድማ ከተማታት ምችው ከባብታት ስራሕን መንበርን ኣብ ምግባር ዘበርክቶ ዘሎ ኣስተዋጽኦ ልዑል ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ከም ሃገር ሎሚ ዘበን ዝተተኸሉ ፈልስታት ብኣግባቡ ኣብ ምክንኻንን ኣብ ምዕባይን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ምጥንኻር ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ወይዘሮ ፈትሂያ ኣደን ብግደአን፤ ኣብ ከተማን ክላስተር ገጠርን ድሬዳዋ መርሃ ግብሪ ኻምለዋይ ኣሰር ብዓወት እናተሳለጠ እዩ ኢን።
ላዕለዎት ኣባላት ኣመራርሓ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ተፀዋዕቲ ትካላት እቲ ቤት ምኽርን ኣብ ድሬዳዋ ተረኺቦም ሓምለዋይ ኣሰሮም ምንባሮም ዝተሰምዐን ሓጎስ እውን ገሊፀን።