ብተኸታታሊ ርዕዲ መሬት ዘጋጥም ዘሎ ኣብ ውሽጢ መሬት ዘሎ ምንቅስቓስ ሓይሊ ማግማ ብዘይምቁራፁ እዩ-ኤልያስ ሌዊ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ብተኸታታሊ ርዕዲ መሬት ዘጋጥም ዘሎ ኣብ ውሽጢ መሬት ዘሎ ምንቅስቓስ ሓይሊ ማግማ ብዘይምቁራፁ እዩ-ኤልያስ ሌዊ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 7/2017 (ኢዜኣ) ብተኸታታሊ ርዕዲ መሬት ዘጋጥም ዘሎ ኣብ ውሽጢ መሬት ዘሎ ምንቅስቓስ ሓይሊ ማግማ ብዘይምቁራፁ እዩ ክብሉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዳይሬክተር ጂኦ-ፊዚክስን ስፔስ ሳይንስን ኤልያስ ሌዊ (ዶ/ር) ገሊጾም።
ርዕዲ መሬት ኣብ ውሽጢ መሬት ኮክሕታት ግጭት እንትፈጥሩ ወይ ድማ እንትሰባበሩ ብዝፍጠር ክፍተት ድምፂ እንትኣቱ ዘጋጥም እዩ።
ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ከባቢ ኣዋሽ ፈንታሌ ብተደጋጋሚ ዘጋጠመ ርዕዲ መሬት ስዒቡ ኣብ ዝተወሰኑ ክፋላት ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ከምኡ እውን ጎረቤት ክልላት ንዝረት መሬት ተሰሚዑ እዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዳይሬክተር ጂኦ-ፊዚክስን ስፔስ ሳይንስን ኤልያስ ሌዊ (ዶ/ር) ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኣብ ኣዋሽ ፈንታሌን ኣዲስ ኣበባን ንዝረት ርዕዲ መሬት ንሳልሳይ ግዜ ትማሊ ምሸት ከምዘጋጠመ ኣረጋጊፆም።
ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ብተኸታታሊ ርዕዲ መሬት ዘጋጥመሉ ዘሎ ምኽንያት ኣብ ውሽጢ መሬት ዘሎ ምንቅስቃስ ማግማ ቅልጡፍ ስለዝኾነ እዩ ክብሉ እውን ኣረዲኦም።
ርዕዲ መሬት ኣብዚ እዋን ከጋጥም ወይ ድማ ከቋርፅ ይኽእል እዩ ኢልካ ምትንባይ ከምዘይከኣል ብምሕባር፤ ኣብ ውሽጢ መሬት ዘሎ ምንቅስቓስ ማግማ እንተቋርፅ ወይ ድማ ጠጠው እንተብል ከምዘቋርፅ ገሊፆም።
ቀትሪ ከባቢ ሳዓት 6 አብ አዋሽ ዝተኸሰተ ርዕደ መሬት ሎሚ እውን ንዝረት መሬት አብ አዲስ አበባ ተሰምዑ አሎ