ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ ድሕንነት ሳይበር ናብ ቅድሚት ንክመፃ ምብቃዕን ምሕጋዝን ይግባእ-ወይዘሮ ትዕግስት ሃሚድ



 

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 8/2017 (ኢዜኣ) ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ ድሕንነት ሳይበር ናብ ቅድሚት ንክመፃን እጃም መሪሕነት ንክዋፅኣን ምብቃዕን ምሕጋዝን ከምዘድሊ ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ትዕግስት ሃሚድ ገሊፀን።

ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ኣብ ዱባይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኤክስፖ .ኣይ.ቴክስ (GITEX 2024) ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ድሕንነት ሳይበር ዘለወን ተሳትፎን እጃምን ዝጠመተ ዘተ ፓነል ተኻይዱ።

ኣብቲ ዘተ ብፓናሊስትነት ዝቐረባ ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታ ወይዘሮ ትዕግስት ሃሚድ፤ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ ድሕንነት ሳይበር ናብ ቅድሚት ንክመፃ ኩለመዳያዊ ደገፍ ምግባር ይግባእ ኢለን።

ብተወሳኺ እውን ደቂ ኣንስትዮ ዓርሰን ምብቃዕን ተወዳዳሪ ኮይነን ምቕራብን ትፅቢት ከምዝግበረለን ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ ድሕንነት ሳይበር ናብ ቅድሚት ንክመፃ ዘኽእሉ ስጉምትታት፣ብፖሊሲን ዝተፈላለዩ ማዕቐፋት ሕግን ንምድጋፍ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምዝኾነት እውን ኣረዲአን።

ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት እቲ ትካል ናብ ኣመራርሓ ንክመፃን ኣብ ኩሉ ዓውዲ ውፅኢታዊ ንክኾናን ግቡእ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ ምግላፀን ካብቲ ምምሕዳር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም