ልኣላዊነት ብመፍረያይነት̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘተ ፓነል ምክያድ ጀሚሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ልኣላዊነት ብመፍረያይነት̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘተ ፓነል ምክያድ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 8/2017 (ኢዜኣ) ̎ልኣላዊነት ብመፍረያይነት̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣዳማ ዘተ ፓነል ምክያድ ጀሚሩ።
ኣብቲ ዘተ ፓነል፤ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ሚኒስትር ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ቢቂላ ሁሪሳ(ዶ/ር)፣ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፍጹም ኣረጋ፣ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማሪያም (ዶ/ር)፣ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ግብርና ፍቅሩ ረጋሳ (ዶ/ር)፣ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ፣ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ግብርና ማንደፍሮ ንጉሴ (ዶ/ር) ከምኡ እውን ሓለፍቲ ቢሮ ግብርና ክልላት፣ኮሚሽነራት ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ክልላት፣ሓለፍቲ ሚዲያን ኮሚዩኒኬሽንን፣ ሙሁራን፣ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኣብቲ መድረኽ፤ ልኣላዊነት ምግቢ ምስ ልኣላዊነት ሃገር ዘለዎ ምትእስሳር፣ምስ ፖሊሲ ቅነሳ ብሄራዊ ስግኣት ሓደጋ ዘሎዎ መስተጋብር ከምኡ እውን ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋጽ እጃም ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንን ዝድህስሱ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ክዝተየሎም እዩ።
እቲ መድረኽ፤ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት፣ሚኒስቴር ግብርና፣ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋን ኣገልግሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያን ተሓባቢሮም ዘዳለውዎ እዩ።