ኣብ ኢትዮጵያ ልኣላዊነት ምግቢ ብዘላቕነት ምርግጋፅ ዘኽእል ዓቕሚ ብተግባር ምርግጋፅ ተኻኢሉ እዩ-ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኢትዮጵያ ልኣላዊነት ምግቢ ብዘላቕነት ምርግጋፅ ዘኽእል ዓቕሚ ብተግባር ምርግጋፅ ተኻኢሉ እዩ-ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 8/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ልኣላዊነት ምግቢ ብዘላቕነት ምርግጋፅ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘሎ ብተግባር ብምርግጋፅ ጭቡጥ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ሚኒስትር ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ቢቂላ ሁሪሳ(ዶ/ር) ገሊፆም።
̎ልኣላዊነት ብመፍረያይነት̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ዘተ ፓነል ኣብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ሚኒስትር ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ቢቂላ ሁሪሳ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ልኣላዊነት ምግቢ ቁልፊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝተሳጡ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፀኢት እናተረኸበሎም ምዃኑ ብምሕባር፤ ልኣላዊነት ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘሎ እውን ምርግጋፅ ተኻኢሉ እዩ ኢሎም።
ዋና ፈጻሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ብግደኦም፤ ኢዜኣ ምስ መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት ዝጠመቱ ብርክት ዝበሉ መድረኻት እናዳለወ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ልዕሊ 14 ዓበይቲ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ትሕዝቶ ዘለዎም መድረኻት ዘተ ፓነል ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ከምዝተዳለዉን ዝተሳለጡን እውን ኣዘኻኺሮም።
እዚ ናይ ሎሚ መድረኽ እውን መቐፀልቲ ናይዚ ምዃኑ ብምግላፅ ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት መሰረት ዝገበሩ መድረኻት ዘተ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም።
ኣብቲ መድረኽ፤ ልኣላዊነት ምግቢ ምስ ልኣላዊነት ሃገር ዘለዎ ምትእስሳር፣ምስ ፖሊሲ ቅነሳ ብሄራዊ ስግኣት ሓደጋ ዘሎዎ መስተጋብር ከምኡ እውን ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋጽ እጃም ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንን ዝድህስሱ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ክዝተየሎም እዩ።