ቻይና ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ገሊፃ - ኢዜአ ትግርኛ
ቻይና ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /19/2017 (ኢዜኣ) ቻይና ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ኣፍሊጣ።
ግሎባል ኢንሼቲቭ ዓሊባባ ኣብ ዓውዲ ንግዲ ምስ ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን መናእሰይ ይዝቲ ኣሎ።
ኣብ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ሚኒስትር ካውንስለር ጉዳይ ሃፍቲ ምጣነን ንግድን ያንግ ይሃንግ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ዲጂታል ምጣነ ሃፍቲ ንምህናፅ ተሳልጦ ዘላ ስራሕ ዝተባባዕ እዩ።
ነዚ እውን ቻይና ኤሌክትሮኒክ ንግዲ(E-commerce) ሓዊሱ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅ ኣብ ኢትዮጵያ እናተሳለጡ ንዘለዉ ስራሕቲ ትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ሓቢሮም።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ይሽሩን ኣለማየሁ(ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምዕዋት ኣብ መሰረተ ልምዓት፣ፖሊስን ካልኦትን ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረት ኣፍሊጦም።
ምስ ዓሊባባ ዝተፈጠረ ምትሕብባር እውን ኢትዮጵያውያን መናእሰይ ክእለት ንምዕባይ፣ልምዲ ንምቕሳምን ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተበፃሒ ብምዃን ዲጂታል ኢትዮጵያ ክውን ንምግባርን ከምዝሕግዝ ተዛሪቦም።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ዓሊባባ ዳን ሊዩ፤ ዓሊባባ ብዝበፅሖ ብርኪ ቴክኖሎጂ ኣብ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ኤሌክትሮኒክ ንግዲ ንምስፍሕፋሕ ደገፍ ከምዝገብር ገሊፆም።