ፖሊሲ መፈፀሚ ስትራቴጂ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምስጓም ወሳኒ ኢዩ - በለጠ ሞላ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ፖሊሲ መፈፀሚ ስትራቴጂ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምስጓም ወሳኒ ኢዩ - በለጠ ሞላ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/19/ 2017 /ኢዜአ/ፖሊሲ መፈፀሚ ስትራቴጂ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምስጓም ወሳኒ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን÷ ኣብ ሰነድ መፈፀሚ ስትራቴጂ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን (ኤስ ቲ ኣይ) ዘሰናደዎ መፅናዕቲ ጠሚቱ ይካየድ ኣሎ፡፡
ኣብቲ ወርክሾፕ ሰነድ መፈፀሚ ስትራቴጂ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን (ኤስ ቲ ኣይ) ንሚኒስትራት፣ ንላዐለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌደራል ትካላት ከምኡ እውን ንሓለፍቲ ቢሮ ክልላትን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣካላትን ቀሪቡ።
በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ÷ እቲ ፖሊሲ መፈፀሚ ስትራቴጂ ንኢትዮጵያን ማእኸላይ እቶት ምስ ዘለወን ሃገራት ንምስራዕ ዝዓለመ ሃገራዊ ስትራቴጂ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
እቲ ስትራቴጂ ኩሎም ሴክተራት ዝድህስስ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብቲ ዓውዲ ውፅኢታዊ ንምዃን ድሉዋት ንኽኾኑ ምሕባሮም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡