ኣብ መንጎ ዘፈር ማሕበር መፍረይቲ ማሽነሪ ኢንዳስትሪ ትግራይን ዩኒቨርሲቲ መቐለን ውዕሊ ስምምዕነ ተኸቲሙ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/22/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ መንጎ ዘፈር ማሕበር መፍረይቲ ማሽነሪ ኢንዳስትሪ ትግራይን ዩኒቨርሲቲ መቐለን ውዕሊ ስምምዕነ ተኸቲሙ።

ቢሮ ኢንዳስትሪ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝዓነወ ዓውዲ ኢንዳስትሪ እቲ ክልል ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ዝስራሕ ስራሕ ምትእስሳር ኢንዳስትሪን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን መሰረታዊ ምዃኑ ገሊፁ።

ዘፈር ማሕበር መፍረይቲ ማሽነሪ ኢንዳስትሪ ክልል ትግራይ ካብ ዝጣየሽ ሓደ ዓመት ዝገበረ እንትኸውን፥ ልዕሊ 70 ማሽነሪ ዘፍርዩ ኢንዳስትሪታት ዝሓቖፈ ኢዩ ተባሂሉ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ መሓሪ ገብረሚካኤል፥ እቲ ውዕሊ ስምምዕነት ኣብ ውፅኢታውነት መፍረይቲ ማሽነሪ ኢንዳስትሪ ክልል ትግራይ ብቴክኖሎጂ እናተደገፈ ዝለዓለ ዓቕሚ ክፈጥር ዘኽእል ምዃኑ ገሊፆም።

ነቲ ስምምዕነት ብወገን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝፈረሙ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ምክትል ፕረዚደንት ምርምርን ተሳትፎ ማሕበረሰብን ዶክተር አያሱ ያዘው ብግደኦም፥ እቲ ዝተኸተመ ስምምዕነት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዘለዎ ፍልጠት፣ ዓቕሚ ምርምርን ቴክኖሎጅን ኣብ ምድጋፍ መፍረይቲ ኢንዳስትሪ ንምሕጋዝ ዘኽእሎ ኢዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም