ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ኣብ ሽግግር ግብርናን ፍሪያትን ጠሚትና ዝሰራሕናዮ ስራሕቲ ተስፋ ዝህቡ ውፅኢታት ኣምፂኡ ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ኣብ ሽግግር ግብርናን ፍሪያትን ጠሚትና ዝሰራሕናዮ ስራሕቲ ተስፋ ዝህቡ ውፅኢታት ኣምፂኡ ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/26/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ኣብ ሽግግር ግብርናን ፍሪያትን ጠሚትና ዝሰራሕናዮ ስራሕቲ ተስፋ ዝህቡ ውፅኢታት ኣምፂኡ ኢዩ ክብሉ ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር) ገሊፆም
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተረኸብሉ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ካብ ጥምየት ነፃ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ ኮንፈረንስ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓዊሱ፥ ኣቦ መንበር ኮመኒሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሃማትን ዳይሬክተር ጄነራል ዩኒዶ ገርድ ሙለርን ተረኺቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ፥ ተሳተፍቲ ጉባኤ ካብ ጥምየት ነፃ ዓለም እንቋዕ ዋና ከተማ ዲፕሎማሲ ኣፍሪካ ናብ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ብሰላም መፃእኹም ኢሎም።
ዓለም ለኸ መራሕቲ፣ ሞያተኛታትን እቲ ጉዳይ ይምልከተና በሃልቲን ብሓደ ብምምፃእ ነክዛተዩ ኣብ ምግባር ሓበራዊ ፃዕሪታት ጥምየት ብምጥፋእ ንኹሉ ውሕስነት ምግቢ ናይ ምርግጋፅ ርብርብ ፍረ ንከፍሪ ከምዘኽእሉ ተስፋ ኣለኒ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ኣብ ሽግግር ግብርናን ፍሪያትን ብምትኳር ዝሰራሕናዮ ስራሕ ዝተሓረሰ መሬት ብዕፅፊ ክብ ብምባል ክብሪ ብዘለዎም ፍሪያት ዝራእቲ ኢንዱስትሪ ተስፋ ዝህብ ውፅኢታት ተረኺቡ ኣሎ ኢሎም።
ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ዘተታት እቲ ጉባኤ ዕዉትነት ሓበራዊ ሸቶታት ዘሳለጡ ዓበይቲ ውሳነታት ከም ዝመሓላለፉ እተኣማመን ኢየ ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።