ፈተነ ውፅኢት ወሳኒ ምዕራፍ ኣብ ዓለም ውሑዳት ሃገራት ጥራሕ ዘማዕብልኦ ፕሮጀክት ቴክኖሎጂ ዝናብ ደመና (cloud seeding) ብዓወት ፈፂምና ኢና-ሚኒስትር ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ፈተነ ውፅኢት ወሳኒ ምዕራፍ ኣብ ዓለም ውሑዳት ሃገራት ጥራሕ ዘማዕብልኦ ፕሮጀክት ቴክኖሎጂ ዝናብ ደመና (cloud seeding) ብዓወት ፈፂምና ኢና-ሚኒስትር ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 28/2017 (ኢዜኣ) ውፅኢት ትግበራ ወሳኒ ምዕራፍ ኣብ ዓለም ውሑዳት ሃገራት ጥራሕ ዘማዕብልኦ ፕሮጀክት ቴክኖሎጂ ዝናብ ደመና (cloud seeding) ብዓወት ፈፂምና ኢና ክብሉ ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ቴክኖሎጂ ናይ ምልምማድን ምምዕባልን ድሌትናን ተኸታተልቲ ስራሕትናን ዘይጭበጡ ግመታት ከምዘይኾኑ ዘረጋግፁ መርኣያታት ውፅኢት እናቐፀሉ እዮም ኢሎም።
ቅድሚ ውሑዳት ዓመታት ብደገፍ መንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ተግባራዊ ዝተገበረን ኣብ ዓለም ውሑዳት ሃገራት ጥራሕ ዘማዕብልኦን ፕሮጀክት ቴክኖሎጂ ዝናብ ደመና (cloud seeding) ወሳኒ ፈተነ ምዕራፍ ውፅኢት ትግበራ ብዓወት ፈፂምና ኢና ክብሉ ገሊጾም።
ብምትሕብባር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታን ኢንስቲትዩት ብሄራዊ ሚቲዎሮሎጂን ከምኡ እውን ብደገፍ ገንዘብ ኣመራርሓ ሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን ተግባራዊ ዝኾነ ቀዳማይ ምዕራፍ ፕሮጀክት ምምዕባል ቴክኖሎጂ ብዓወት ከምዝተዛዘመን ምጅማር ምትሕብባር ትካላት ንካልኣይ ምዕራፍ ዝምልከት ሓዱሽ ኣንፈት ኣፈፃፅማ ከምዘቐመጡን ኣረዲኦም።