ንጥምየት ብዘለቐነት ንምጥፋእ ብብርኪ ዓለም ዝተዋደደ ግብራዊ ምላሽ ይሓትት -ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ንጥምየት ብዘለቐነት ንምጥፋእ ብብርኪ ዓለም ዝተዋደደ ግብራዊ ምላሽ ይሓትት -ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/28/ 2017 /ኢዜአ/ንጥምየት ብዘለቐነት ንምጥፋእ ብብርኪ ዓለም ዝተዋደደ ግብራዊ ምላሽ ይሓትት ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ጉባኤ “ካብ ጥምየት ነፃ ዓለም” ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ለውጢ ከባብያዊ አየር ምፅዋር ዘኽእል ግብርና ምርግጋፅ እምነ ኩርናዕ ዘላቒ ውሕስነት ምግቢ ኢዩ ኢሎም።
ስትራቴጂክ ዝኾነ ምሕዝነት ዘላቒ ውሕስነት ምግቢ የድሊ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ብመዳይ እዚ ብሄራዊ ፕሮግራም ቀረፃ ትሰርሕ ከምዘላ ገሊፆም።
በፍላይ ንደቂ ኣኒስቲዮ ሓረስቶት ዝግበር ደገፍ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ጥምየት ዝተሓባበረ ዓለም ለኸ ምላሽ የድሊ ክብሉ ተዛሪቦም።
ዋና ዳይሬክተር ትካል ለምዓት ኢንዱስትሪ ውሕመ ገርድ ሙለር፥ ጥምየት ካብ ዓለም ንምጥፋእ ቁርፀኝነት ፖለቲካ የድሊ ኢሎም።
ዝማዕበላ ሃገራት አውን ቅድመ ሐዚ ጥምየት ንምጥፋእ ዝኣተውኡ ቃል ክሕልዋ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ገርድ ሙለር ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓመታት 50 ቢሊየን ዶላር ኢንቨሰት ብምግባር ብብርኪ ዓለም ዘሎ ጥምየት ምጥፋእ ከምዝከኣል ገሊፆም።