ጥሜት ንምውጋድ ዓለም ለኸ ምትሕብባር የድሊ -ፕሬዚዳንት ዊሊያም ሩቶ - ኢዜአ ትግርኛ
ጥሜት ንምውጋድ ዓለም ለኸ ምትሕብባር የድሊ -ፕሬዚዳንት ዊሊያም ሩቶ
አዲስ አበባ/ ጥቅምት /28/2017(ኢዜአ)፦ ጥሜት ንምውጋድ ዓለም ለኸ ምትሕብባር የድሊ ክብሉ ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ።
አብ "ካብ ጥሜት ናፃ ዓለም" ዓለም ለኸ ጉበኤ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አሕመድ (ዶ/ር) ፕረዝዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ፣ፕሬዝዳንት ሴራሊዮን ጁሌስ ማዳባዬ ፣ቀዳማይ ሚኒስትር ጊኒ አማዱ ኡሪ ባህ፣ሚኒስትር ድኤታ ጉዳያት አፍሪካ ዓረብ ኤምሬትስ ሸኸ ሻክቦት ቢን አልናህያን አብ ዝተረኸብሉ አብ ዝኸሪ ዓወት ዓድዋ ተኻይዱ።
ፕሬዝዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ከምዝበልዎ ምጉዳል ማዕርነት፣ ሰፊሕ ድኸነት ፣ጎንፅን ምዝባዕ ኩነታት ፀባይ አየር፣ ጥሜትን ዛጊድ ፍታሕ ዘይተረኸበሎም ምኹኖም ገሊፆም።
ብፍላይ ብጎንፅን ሓደጋ ተፈጥሮን ንእትሕመስ ዘላ ዓለም ጥሜት ምጥፋእ ህፁፅ ምላሽ ዝሓትት ጉዳይ ምኹኑ አመልኪቶም
ካብእዚ ዘሕዝን ዕንወት እንወፀሉ ብሕታዊ መንገዲ ሓበራዊ ምትሕብባር እንትህሉ ጥራይ ምኹኑ እቶም ፕረዝዳንት አስሚሮምሉ።