ኢትዮጵያ ግዕዝይና ምቅላስ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ መመሓሽታት ኣሰራርሓ ገይራ እያ-ምህረቱ ሻንቆ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ግዕዝይና ምቅላስ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ መመሓሽታት ኣሰራርሓ ገይራ እያ-ምህረቱ ሻንቆ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /28/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ግዕዝይና ምቅላስ ዘኽእሉ ስራሕቲ ሪፎርም ከምዘሳለጠት ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ረዳት ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ዲኤታ ምህረቱ ሻንቆ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ኮንፈረንስ መናእሰይ መውፅእቲ ሕጊ ኣፍሪካ(AYPN) ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ረዳት ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ዲኤታን ኣባል መናእሰይ መውፅእቲ ሕጊ ኣፍሪካን ምህረቱ ሻንቆ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ወለዶ ምብቃዕ፣ግዕዝይና ምቅላስን ንቀፃሊ ዕድል ኣፍሪካ ተኣማንነት ምዕባይን ይግባእ።
ኢትዮጵያ ብመዳይ ግዕዝይና ምቅላስ መመሓሽታት ሕግን ዲጂታል ኣሰራርሓታትን ተግባራዊ ምግባር ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ሪፎርም ከምዘሳለጠት ብምሕባር ነተን ኣባል ሃገራት ተሞኩሮ ኣካፊሎም።
እቲ ኮንፈረንስ ዞባዊ ምሕዝነታት ኣብ ምጥንኻር፣መመሓየሽታት ሕጊ ኣብ ምድጋፍን ምልላይን ዝጠመተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ኣባላት ፓርላማ እናተሳተፉ እዮም።
ኣብ ግዕዝይና፣ስርዓት ፍትሒ ከምኡ እውን ዲጂታል ምምሕዳር ዝጠመቱ ዘተታት ከምዝሳለጡ እውን ካብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።