ኣፍረይቲ ሲሚንቶ 20 ሚልዮን ቶን ዓመታዊ ሃገራዊ ድሌት ንምምላእ ብትኹረት ክሰርሑ ኣለዎም-ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር)


 

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /29/2017 (ኢዜኣ) ኣፍረይቲ ሲሚንቶ 20 ሚልዮን ቶን ዓመታዊ ሃገራዊ ድሌት ንምምላእ ብትኹረት ክሰርሑ ከምዘለዎም ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእሰስሳርን ካሳሁን ጎፌ(/) ገሊጾም።

ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእሰስሳርን ካሳሁን ጎፌ(/) ምስ ኣፍረይቲ ሲሚንቶ ቀረብን ድሌትን ፍርያት ሲሚንቶ ምጥዕዓም ኣብ ዝከኣሎም ጉዳያት ጠሚቶም ዘትዮም።

ብቕልጡፍ እናዓበየ ኣብ ዘሎ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ እጃም ዓውዲ ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን እናዓበየ ከምዝመፀ ገሊፆም።

ይኹን እምበር ቁልፊ እቲ ዓውዲ ዝኾነ ዓመታዊ ቀረብ ሲሚንቶ ካብ 7 ሚልዮን ቶን ከምዘይሓለፈ ብምሕባር፤ ኣፍረይቲ ኣብ ቀረብ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ናይ ምፍራይ ዓቕሞም ናብ 80 ሚኢታዊ ብምብፃሕ 20 ሚልዮን ሃገራዊ ዓመታዊ ፍርያት ሲሚንቶ ንምምላእ ብትኹረት ንክሰርሑ ኣተሓሳሲቦም።

መንግስቲ ዕዳጋ ሲሚንቶ ንምርግጋእ ጥቡቕ ቁፅፅርን ክትትልን ብምግባር ኣብ ልዕሊ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ናብቲ ሚኒስቴር ዘየቕርቡ ኣፍረይቲ ሲሚንቶ ዘየዳግም ስጉምቲ ከምዝወስድ እውን ኣረዲኦም።

ሚኒስትር ዲኤታ ዘፈር ስርዓትን ላይሰንሲንግን ንግዲ ኣብዱልሃኪም ሙሉ(/) ብግደኦም፤ ዝተረጋግዐ ስርዓት ዕድጊት ፍርያት ሲሚንቶ ንምርግጋፅ ዝተገበረ መመሓየሺ ፍትሓዊ ተረባሕነት እቲ መፍረይን ሸማትን ብዘረጋግፅ መልክዑ ተግባራዊ ክግበር ኣለዎ ኢሎም።

እቶም ኣፍረይቲ ብሙሉእ ዓቕሞም ብምፍራይ ናብ ሙሉእ ከባብታት ኢትዮጵያ ከባፅሑ ከምዘለዎም እውን ገሊፆም።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኣፍረይቲ እውን፤ ፀገማት እታዎታት፣ቀረብ ሓይልን ካልኦትን ንክፍትሑሎም ሕቶ ከምዘቕረቡ ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም