መበል 10ይ ቅነ ኤግዚቢሽን ሶርሲንግን ፋሽንን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ



 

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2017 (ኢዜኣ) ካብ ልዕሊ 30 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 250 ትካላት ዝተሳተፍሉ መበል 10 ቅነ ኤግዚቢሽን ሶርሲንግን ፋሽንን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ።

ኣብ መርሃ ግብሪ ምኽፋት እቲ ኤግዚቢሽን፤ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል፣ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳን ዲፕላማትን ተረኺቦም።

እቲ ኤግዚቢሽን፤ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ 4 ተኸታተልቲ መዓልትታት ዝካየድ እንትኸውን ካብ ልዕሊ 30 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 250 ኣብ ዓውድታት ጨርቃ መርቂ፣ቆርበትን ፋሽንን ዝተዋፈሩ ኣፍረይቲ ፍርያቶምን ኣገልግሎታቶምን ዘፋልጥሉ እዩ ተባሂሉ።

ከምኡ እውን ካብ ልዕሊ 60 ሃገራት ዝተውጻእፅኡ 7 ሽሕ ነጋዶ ከምዝሳተፉ ተገሊፁ።

እቲ ኤግዚቢሽን፤ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ኢትዮጵያውያን ዓለም ኣብ ጨርቃ መርቅን ኢንዱስትሪ ቆርበትን ዝበፅሐቶ ብርኪ ንክርድኡ ዕድል ከምዝፈጥረሎም እውን ተሓቢሩ።

እቲ መድረኽ፤ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ኣፍረይቲ ምስ መሓዙት ትካላት ፍርያቶም ምልላይ ዘኽእሉ ዘተታትን ተሞኩሮ ልውውጥን ንክገብሩ ከምኡ እውን ምትእስሳር ዕዳጋ ንክፈጥሩ ከምዝሕግዞም ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ኢንቨስት ንክገብሩ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረት እውን ኣፍሊጦም።

ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊ ካሳ ብግደአን፤ ኢትዮጵያ ፍርያታት ጨርቃ መርቅን ቆርበትን ናይ ምጥቃም ልምድን ታሪኽን ከምዘለዋ ገሊፀን።

እቲ ኤግዚቢሽን ምንቅስቓስ ቱሪዝምን ንግድን ንምንቕቓሕ ዓብይ ረብሓ ከምዘለዎ እውን ተዛሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም