ኩሉ ዓይነት ፀገም ተፃዊሮም ኣብ ህንፀት ወለዶ ንዘለው መምህራን ልዑል ናእዳ ኣለኒ -ኣይተ ጌታቸው ረዳ - ኢዜአ ትግርኛ
ኩሉ ዓይነት ፀገም ተፃዊሮም ኣብ ህንፀት ወለዶ ንዘለው መምህራን ልዑል ናእዳ ኣለኒ -ኣይተ ጌታቸው ረዳ
ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/30/ 2017 /ኢዜአ/ዩኒቨርስቲ መቐለ ሎሚ ዓመት ንመበል 30 ግዜ ብዝተፈላለዩ ዓውዲ ትምህርቲ ከምህሮም ዝፀንሐ 2 ሺሕን 811 ተምሃሮ ኣመሪቑ።
ሎሚ መዓልቲ ዩንቨርስቲ መቐለ ኣብ ዘሳለጦ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ''መሃያ ዘይተኸፈለና፣ ደኺሙና ጠሚዩና ከይበልኩም ዘሎ ፀገም ተፃዊርኩም ወለዶ ኣብ ምህናፅ ዘለኹም መምህራን ልዑል ናእዳ ኣለኒ ክብሉ ገሊፆም።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናትን ዕንወትን ተሳጊርኩም ናብዚ ምርቓ ምብፃሕኹም እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።
ተመረቕቲ ተምሃሮ ሳላ ዝተረኸበ ሰላም ተማሂርኩም ክትምረቑ ምብቃዕኹም ዝተሰመዐኒ ታሕጓስ ልዑል ኢዩ ብምባል፥ንሰላምን ልምዓትን ዓዱኹም ክትሰርሑ ይፅውዕ ክብሉ ድማ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ክሊ ዘለዎም ኩለመዳያዊ ፀገም ኮይኖም ወለዶ ንምህናፅ ለይትን ቀትርን ንዝሰርሑን ወለዶ ዝሃንፁን መምህራን ድማ ክብሪ ይግበኦም ብምባል ኣመስጊኖም።
ፕሬዚዳንት ዩኒቨርስቲ መቐለ ፋና ሓገስ(ዶ/ር) ብግደአን፥ ዩንቨርስቲ መቐለ ዓቕሚ ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምፍራይ እጃሙ ይፍፅም ኣሎ ኢለን።
እቲ ዩኒቨርስቲ ካብቲ ሐዚ ዘለዎ ዓቕሚ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ቀፂሉ ዓርሱ ብዓርሱ ዝመሓደር ዩኒቨርስቲ ንምግባር ኣብ ምድላው ይርከብ ክብላ አውን ገሊፀን።
ተመረቕቲ ተምሃሮ ሙሉእ ዓቕሚን ፍልጠትን ሒዞም እንትምረቑ ኣምባሳደራትና ዝበላ እተን ፕሬዚዳንት፥ ብኲናት ዝዓነወት ትግራይ ኣብ ምሕዋይ ዘይትካእ ግደ ከምዘለዎም ዘለወን እምነት ተዛሪበን።