መበል 15 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣህጉራዊ ነፃ ዞባዊ ንግዲ ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ



 

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/30/ 2017 /ኢዜአ/መበል 15 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣህጉራዊ ነፃ ዞባዊ ንግዲ ኣፍሪካ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ስነ ስርዓት መኽፈቲ እቲ ኣኼባ፥ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴን ካልኦት ሚኒስትራት ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረትን ተረኺቦም።

ሚኒስትር ምትእስሳር ዞባውን ንግድን ካሳሁን ጎፌ (/) ከምዝበልዎ እቲ ጉበኤ ንአፍሪካ ብሓባር ውፂታዊ ክገብሩ አንፈታት ንምምልኻት ፅገማት ንምእላይን አብ ቀንዲ ጉዳያት ብምድሃብ  ንምዝታይ ዘኸእል እዩ ኢሎም

ዝካየድ ዘተ ሕሩያት ተሞክሮታት ንምልውዋጥን ናብ ለውጢ ዘምርሑ ግብራዊ መፍትሕታት ንምፍላይ ዝሕግዝ ምኹኑ አመልኪቶም

ኣብቲ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ኣኼባ፥ ስምምዕነት ኣህጉራዊ ነፃ ዞባዊ ንግዲ ብምፍራም ናብ ስራሕ ካብ ዝኣቲ ጀሚሩ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝጠመተ ፀብፃብ ክቐርብ ኢዩ ዝበል ትፅቢት ኣሎ።

ከምኡወን ሰነድ ስምምዕነት ብዋና ፀሓፊ ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ዋምኬሌ ሜኔን ኣቦ መንበር ፅርየት ትካላት መሰረተ ልምዓት ፓን ኣፍሪካ ሄንሪ ሮቲች (/) ክኽተም ኢዩ ተባሂሉ።

ኢትዮጵያ ሓዊሱ 54 ሃገራት ኣፍሪካ ኣብቲ ስምምዕነት ክታመን ኣንቢረን ኢየን።

ኣብ ኣባል ሃገራት ኣፍሪካ ለዕሊ 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ሀዝቢ ከዛመድ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም